
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ..ም ዝወሰዶ ናይ ክሕደት ስጉምቲ ስዒቡ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምክያዱ ይፍለጥ። ኣብዚ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብ ካብ ዝበፅሐ ኺሳራ ብተወሳኺ ኣብ መሰረተ ልምዓት’ውን ኺሳራታትን ዕንወታት በፂሖም ‘ዮም። እቲ ጉጅለ መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ካብ መቐለ ምስወፅአ’ውን እቲ ኹናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፋሕ ኣብዞም ክልላት ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ኣካይዱ’ዩ። ተወቒዑን ገዚፍ ኺሳራ በፂሒዎ፣ መንእሰይ ትግራይ ኣወዲኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግዘ ስልጣን ራዕዳዊ ህወሓት’ውን ተረባሒ ልምዓት ኣይነበረን። እቶም በሽሙ ይሽቅጡ ዝነበሩ፣ ብዘይካ ንሶም ንህዝቢ ትግራይ ዝሓሊ የለን በሃልቲ እተን ዝነበራ ውስናት መሰረተ ልምዓት ‘ውን ኣብዝወልዕዎ ኹናት ፈሪሰን ኣለዎ። በዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማህሰይቲ በፂሑ ኣሎ። ኣመራርሓ ራዕዳዊ ህወሓት መገዲ ሰላም ረጊፆም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጥቕዓት ብምፍፃም ኣብ ትግራይ ኲናት ንክውላዕ ብምግባር ህይወት መናእሰይ ናብ ሞት፣ ንብረት ህዝቢ ድማ ንዕንወት ዝዳረጉ ሰባት ‘ዩም። ካብዚ ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ንክዓንውን ህዝቢ ናብ ወፃእን ኣብ ውሽጥን ንክመዛበል ምኽንያት ኮይኖም ‘ዮም። ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ቅልውላው ንክፍጠርን ህዝቢ ሓሳረ መከረኡ ንክርእይ ዝገበሩ ‘ዮም። ስለዚ ንዚኦም ምድጋፍ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ገበን ምፍፃም’ዩ። እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ወሲኑ ካብ ትግራይ ምስወፅአ’ውን እቲ ኹናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን በምስፋሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቕልውላው ኣብዞም ክልላት ንክበፅሕ ገይሩ ኣሎ።ሰባት ንክመዛበሉ፣ንክሞቱን ንክጠምዮን ገይሩ ኣሎ።እቲ ቀንዲ ድማ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ኹናት ብምእታው ንክሃልቅ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ ስጋብ ሐዚ ዘሉ ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐመን።ከቢድ ኪሳራ ንክበፅሖ፣ንክጠሚ፣ዝሃነፀን ትካላቱ ንክዓንዋ ምኽንያት’ዩ ዝኾነ።ሐዚ ድማ ዋላ ናብ ትግራይ ተመሊሰ’የ እንተበለ ብፍላይ ኣብ ክልል ዓፋር ፅሕተራ ኩናት እናገበረ፣ንመንእሰይ ትግራይ ዳግም ኽተት እናበለ ይርከብ።ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ምሁራን ትግራይ ድማ ብፍላይ ንራዕዳዊ ህወሓት ክቃለስዎ ኣለዎም። ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ግፍዒ እናፈፀመ እናሃለወ ምሁራን ተጋሩን ኣክቲቪስትታት ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ብዛዕባ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ደፊርካ ኣብ ምቕላዕ ይስከፉ’ዮም፤እዚ ግና ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ግፍዕታት ብዝግባእ ንዓለም ክቓልዕዎን ክቃለስዎን ኣለዎም።ውግንናኦም ንህዝቢ ትግራይ’ምበር ንራዕዳዊ ህወሓት ክኸውን የብሉን። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ካብ ተጋሩ ወፃኢ ጥራሕ ክዝረብ ትፅቢት ክግበር የብሉን። እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኣብዝ ሐዚ ሰዓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣብዓላ ኹናት ብምፅሕታር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ነዚ ዘቓልዕ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ምሁራት ትግራይ ክነጥፉ ኣለዎም። ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ይግደስ’የ ዝብል ምሁር ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት ክቃወምን ክቃለስን’ዩ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ናብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ‘ዩ። ዘይሻራዊ ሚድያ ኣትዩ ከይፅብፅብ’ውን በቲ ዘሎ ኩነታት ዕፁው ‘ዩ። ንረዲኤት ዝመፀ እኽሊን ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተዘረፈ ኣፋውስን ንዝተፀገመ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ክውዕል ምግባር እቲ ጉጅለ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። መኻይን ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ከይኣትዋ ዕንቕፋት ይኸውን ኣሎ። ፅዒነን ዝኣተዋ ‘ውን ተመሊሰን ካሊእ ተወሳኺ ምግቢ ከየቕርባ ሒዝወን ‘ዩ። መንእሰይ ትግራይ ናብ ህልቂት ንምውሳድ ኽተት እናበለ ይርከብ። እዚ ተግባር’ዚ ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ምሁራት ትግራይ ክውግዝዎን ክቃለስዎን ይግባእ።
12 ጥሪ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ