
ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ትግራይ ወፃኢ ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣትዩ፤ ልዕሊ 500 ኪሎ ሜትሮ ንቕድሚት ከይዱ ብኸቢድ ኪሳራ ኣብ ከባቢ ደብረ ብርሃን በፂሑ ምንባሩን ሎሚ ፅባሕ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ክቖፃፀር’የ እናበለ፣ ከም ሲኤንኤን ዝኣመሰሉ ትካላት መራኸቢ ሃፋሽ’ውን ‹‹ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክባ ኣቲያ››እናበሉ ራዕዳዊ ዝኾነ ዜናታት የጋውሖ ነይሮም፡፡ምዕራባዊያን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ንክወፅኡ መጠንቀቕታ በቢ መዓልቱ ይህባ ነይረን። ሐዚ ግና ሓይልታት ጥምረት ብወፍሪ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝወሰድዎ መጥቓዕቲ ብዝተረኸበ ዓወት እቲ ኹሉ ነገር የለን፡፡
ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ጋሽና ተረኺቦም ንተዓዋታይ ሰራዊቶም ፕሮግራም ምስጋና እንትካየድ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ኲናት ቕድሚ ምጅማሩ እንትፍክር፣ እንትጅሃርን ወተሃደራዊ ምርኢት እናርአየ ዝነበረ ወራሪ ጁንታ ግደፍ እንትብሃል ብዘይምስምዑ ዓንዲሑቐኡ ተሰይሩ ኣብ ኽልተ ሰሙን ልዕሊ 500 ኪሎ ሜትሮ ክሃድም ተገዲዱ ‘ዩ። 80 ሚኢታዊ ዝኸውን ሓይሊ ኣወዲኡ፣ ሙዉትን ቑሱሉን ገይሩ 20 ሚእታዊ ዘይኸውን ተረፍመረፍ ሒዙ ባዕልና ወፂእና ብምባል ከላኽዕ እናፈተነ ‘ዩ፡፡
እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ብናይ ባዕለይ ትልሚ ናይ ቦታ ምቅይያርን ምንስሓብን ኣካይደ ‘የ እናበለ ሓሶት የጋውሕ ኣሎ። ስዕረት ምንስሓብ ስለዘይኮነ ግና ማንም ክኣምኖ የብሉን። ተሳዒሩ ንድሕሪት ከምተመለሰን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓራ ከም ዝወፅኣ ኹሉ ክፍልጦ ይግባእ፡፡
ብዝተወሰደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ መብዛሕትኡ ሓይሊ ራዕዳዊ ጉጅለ ሙውት፣ ቑሱልን ምሩኽን ኾይኑ ዕጥቁ ዓንዩ ሒደት ተረፍመረፍ እግረይ ኣውፅእኒ ኢሎም ንምህዳም ተገዲዶም ‘ዮም። እዚ ሓይሊ ሙሩኻት ገዲፉ መቐለ ድሕሪ ምእታዉ ስልታዊ ምንስሕሓብ ገይረ ‘የ ብምባል ህዝቢ ከዐሽዉ ምፍታኑ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ህዝቢ ትግራይ ደቀይ ኣበይ ኣለው? ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። ብፍላይ ኣደታት ትግራይ እዚ ኹሉ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ንክመፅእ ዝገበረን ደቀን መንጢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝገበሮ ኹናት ዘወደአለን ሓይሊ ራዕዳዊ ህወሓት ክሓታ ኣለወን፡፡
ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ራዕዳዊ ካብ ስልጣን ዘውረዶ ብመሪር ቃልሲ ‘ዩ ፣ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ከም ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ራዕዳዊ ሓይሊ ተቓሊሱ ናይ ምውጋድ ዓቕምን ክእለትን ከምዘለዎ ብምርዳእ ኣንፃር ህወሓት ክልዓል ይግባእ፡፡ክንደይ መናእሰይ ኣወዲኡ ተሳዒሩ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ሒዝዎም ካብ ዝነበሩ ቦታታት ክውፅእ ተገይሩ እናሃለዎ ‹‹ብናይ ባዕለይ ትልሚ’የ ኣንሳሒበ፣ ቦታ ምቅይያር ገይሩ፣ ንሰላም ባይታ ንምሃብ’የ ወፂአ…››ምባል ግቡእ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ንዚ ፈሊጡ ደቀይ ኣበይ ኣለዎ? ክብልን ቓልሲ ከካይድ ይግባእ። ስዕረት ምንስሓብ ኣይኮነን፤ ኣይበሃልን’ውን፡፡
ወጋሕ ታ24ሕዳር 2013 ዓ.ም