
ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመታት ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝተገበረ ፍትሓዊ ቓልሲ ልዕሊ ስልሳ ሽሕ ደቁ ገቢሩ፣ልዕሊ ሚኢቲ ሸሕ ድማ ጉድኣት ኣካል ኮይኖም’ዮም፡፡ ኮይኑ ግና ንማዕረነትን፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ዝተኻየደ ቓልሲ ብራዕዳዊ ህወሓት ተጨውዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ መከራ ንክኣትው ተገይሩ’ዩ፡፡ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቅጡ ውሑዳት ንውልቀ ረብሓኦም ቐዳምነት ብምሃብ ሕድሪ ሰማእታት ብፆቶም ጠሊሞም እቲ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ከንቱ ገይሮሞ’ዮም፡፡ ብህይወት ሰብ ጠላዕ ተፃዊቶም’ዮም፡፡ እዚ ተግባር ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ብዝግባእ ክፈልጦን ክሓትትን ይግባእ፡፡ሐዚ’ውን ንዞም ሕድሪ ዝጠለሙ ጉጅለታት መስዋእትነት ክኸፍል የብሉን፡፡ኣንፃሮም ክለዓል ኣለዎ፡፡ ራዕዳዊ ህወሓት ብሃገር ደረጃ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተኸተሎ ዝተጋገየ ኣካይዳ’ውን ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት’ምበር ረብሓ ኣይረኸበን፡፡ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ኣይረኸበን፡፡ ብኻልኦት ህዝብታት ብሕማቕ ዓይኒ ንክርአ ዘኽእሉ ተግባራት ብምፍፃም ጉድኣት ንክበፅሖ ገይሩ’ዩ፡፡ ብሂወት፣ ግዘን ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ጠላዕ ተፃዊቱ ዋጋ ንክኸፍል ገይርዎ’ዩ፡፡ ራዕዳዊ ህወሓት ስጋብ ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ስራሕ ኣይሰርሐን፡፡ ሐዚ ድማ ትግራይ ማእኸል ኲናት ገይርዋ ኣሎ፡፡ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፋሕ ሂወት መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ንክጠፍእ ገይሩ ኣሎ፡፡ቅድም ቅሩብ ሰሙናት እቲ ኲናት ተወዲኡ’ዩ እናበለ ይጀሃር ዝነበረ ሓይሊ ሐዚ ድማ ብስጉምቲ ሓይልታት መንግስቲ ፌዴሪኢ ስዕረት ምስ ኣጋጠሞ ‹‹ሓይልታተይ ንድሕሪት ንክንሳሕቡ ገይረ›› ኣለኹ ዝብል መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ፡፡እዚ ብሂወት ሰብ ጠላዕ ምፅዋት ከምዝኾነ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ድማ ደቂና ኣበይ ኣተው ኢሉ’ውን ክሓትት ይግባእ፡፡መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ሂወቱ ክስእን የብሉን፡፡ ኣዴታት ትግራይ’ውን ‹‹ደቂና ናበይ ከይዶም›› ኢለን ብምሕታት ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ምዃኑ ክርደኣ ኣለዎን፡፡ኣንፃር እዚ ሓይሊ ክለዓላ ይግባእ፡፡ ህወሓት ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ንባዕሉ ጥራሕ እናነበረ ዝፀንሐ፤ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝኸበረ፤ሐዚ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕን መከራን እናውረደ ዘሎ ጉጅለ’ዩ፡፡ ንለኣኽቱ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ኣይፈልጥን፤ድሕሪ ሐዚ ‘ውን ኣይሓስብን፡፡ ካብ ባህሊ ትግራዋይ ወፃኢ ብዝኾነ መገዲ ሽማግለታት፣ ኣዴታት፣ ህፃውንትን እንስሳትን ከይተረፈ ቐቲሉ’ዩ፡፡ እዚ ሓይሊ ድሕሪ ሐዚ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቅም ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡ እዚ ኹሉ እከይ ተግባር እንትፍፅም ድማ ብሂወት መናእሰይ ትግራይ ጠላዕ እናተፃወተ ምዃኑ ክፍለጥ ግድን’ዩ፡፡ ራዕዳዊ ህወሓት ብሓደ ወገን ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ናፅነት፣ መዓርነት እናተዛረበ ብኻሊእ ወገን ድማ ንህዝቢ ዘይጠቅም ሓሳብን ተግባርን ሒዙ ንትግራይን ትግራዋይነት እሴታትን እናተፈታተነ ኣብ ዓብይ ሓደጋ ኣውዲቕዎም’ዩ፡፡ ኣብ ባህልን ያታታትን ትግራይ ዘይነበረ ተግባር ፈፂሙ’ዩ፡፡ ብጠላዕ እዚ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ከይጠፍእ መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ዝውሰን ብህዝቢ ትግራይ’ምበር በዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ሐዚ’ውን ብዝወልዖ ኹናት ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘስካሕክዕ ግፍታት ፈፂሙ’ዩ፡፡ እዚ ኹሉ ተግባር ንፖለቲካዊ ረብሓኡ’ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሊዩ ዝፈፀሞ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ ሓይሊ’ዚ ንባዕሉ ሓራ ከውፅእ ይግባእ፡፡ በሰንኪ እዚ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ሓደ ወለዶ ገቢሩ ተረብሒ ኣይኮነን፡፡ሎሚ’ውን እዚ ጉጅለ ንህልውናኡ ክብል ካልኣይ ወለዶ ንክበርስ እናገበረ’ዩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኹናት ዝሳተፍ ዘሎ ወለዶ መስዋእትነት ንህልውናን ፖለቲካዊ ኸስቢ ራዕዳዊ ጉጅለ ተዘይኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ኣይኾንን፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንዚ ጉጅለ ይኣክል ክብሎ ይግባእ፡፡ ቅድሚ ምፍጣር ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ነይሩ’ዩ፡፡ ሐዚ’ውን ኣሎ፡፡ ንቐፃሊ’ውን ክነብር’ዩ፡፡ ህልውና ህዝቢ ብህዝቢ’ምበር በዝኾነ ዕላማ ብዝተኣኻኸቡ ጉጅለታት ኣይረጋገፅን፡፡ ስለዚ ካብዚ ሓይሊ ሓራ ምውፃእ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ይኸውን፡፡ ንዚ ድማ ህዝቢ እቲ ዝዓበየ እጃም ክዋፃእ ይግባእ፡፡እዚ ሓይሊ እዚ ዝፃወቶ ዘሎ ጠላዕ ጠጠው ንክብል ይኣክል ክብል ኣለዎ፡፡
ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም