
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስፍራ ዘለዎን ብኢትዮጵያዊነቱ ዘይደራደርን ዘይጠራጠርን’ዩ:: ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን እንትሕሰብ ብዝኾነ መለክዕ ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክሕሰብ ኣይኽእልን:: መንነቱን ዝተሃነፀሉ ኢትዮጵያዊ እሴታት ማለት’ውን ሃይማኖት፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ስነ ልቦንኡ ናይ ትኽክለኛ መንነቱ መሰረታት’ዮም:: እዚኦምን ካልኦትን ኢትዮጵያዊ እሴታት ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብሕውነት፣ ብፍቕሪን ብሓድነትን ንዘመናት ንኽነብርን ዕደሉ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንኽተኣሳሰር ገይሮሞ’ዮም:: እዚ ናይ ነዊሕ ዘመንን ታሪኻዊ መሰረት ዘለዎ ሓቂ ካብ ውልደት ራዕዳዊ ህወሓት ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣትዩ ይርከብ:: በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ዋጋን ኺሳራን ንምኽፋል ተገዲዱ’ዩ:: ራዕዳዊ ህወሓት ብሓደ ወገን ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ናፅነት፣ መዓርነት እናተዛረበ ብኻሊእ ወገን ድማ ንህዝቢ ዘይጠቅም ሓሳብን ተግባርን ሒዙ ኢትዮጵያዊነትን ኢትዮጵያዊ እሴታትን እናተፈታተነ ኣብ ዓብይ ሓደጋ ኣውዲቕዎም’ዩ:: እዚ ጉጅለ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብዘይካ ንሱ ክነብር ከምዘይኽእል ንክሓስብ፣ ብፀላኢ ዝተኸበበ ብምምሳል ተስፋ ንክቖርፅ ብምግባር ንእከይ ተግባሩ ተሓባባሪ ንክኸውን ብዙሕ ሰሪሑ’ዩ:: መንእሰይ ትግራይ ብዝተጋገየን ብሓሶትን ሓበሬታ ኣሰሊፉ ካብ ህዝቢ ትግራይ ስነ ልቦናን ባህል ዝፃባእን መመለይ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ግፍዕን ዕንወትን ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣብፂሑ’ዩ:: እናብፅሐ’ውን ይርከብ:: ስለዚ ንዚ ሓይሊ ጠጠው ምባል ግድን ይኸውን:: እዚ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ሒዝዎ ከይጠፍእ መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: ዕድል ህዝቢ ትግራይ ዝውሰን ብህዝቢ ትግራይ’ምበር በዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ኣይኮነን::እዚ ሓይሊ ንዝሓለፉ ከባቢ 50 ዓመታት ብዝሓዞ ኣተሓሳስባን ብዝፍፅሞም እከይ ተግባራትን ህዝቢ ትግራይ ተጎዳኢ’ምበር ተረባሒ ኣይነበረን:: ሐዚ’ውን ብዝወልዖ ኹናት ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘስካሕክዕ ግፍታት ፈፂሙ’ዩ:: ሰባት ብጅምላ ቐቲሉ፣ ፈላሲት ከይተረፈ ዓሚፁ፣ንብረት መንግስትን ውልቀን ዘሚቱ ኮታስ ማእለያ ዘይብሉ ጥፍኣት ኣብፂሑ ኣሎ::እዚ ኹሉ ተግባር ንፖለቲካዊ ረብሓኡ’ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሊዩ ዝፈፀሞ ከምዘይኾነ ክፍለጥ ኣለዎ::ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ ሓይሊ’ዚ ንባዕሉ ሓራ ከውፅእ ይግባእ:: ህዝቢ ትግራይ በሰንኪ እዚ ጉጅለ ትማሊ ሓደ ወለዶ ገቢሩ ተረብሒ ኣይኮነን::ሎሚ’ውን እዚ ጉጅለ ንህልውናኡ ክብል ካልኣይ ወለዶ ንክበርስ እናገበረ’ዩ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኹናት ዝሳተፍ ዘሎ ወለዶ መስዋእትነት ንህልውናን ፖለቲካዊ ኸስቢ ራዕዳዊ ጉጅለ ተዘይኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ኣይኾንን:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ንዚ ጉጅለ ይኣክል ክብሎ ይግባእ::ንዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝወስዶም ስጉምትታት ተሓባባሪ ብምዃን ዕድመ ራዕዳዊ ንክሓፅር ክሰርሕ ኣለዎ:: ረብሓን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ክሊ ኢትዮጵያዊነት ብዝስራሕ ስራሕን ብኣንፈት ፌደራል መንግስቲ ምዃኑ ኩሉ ክፍለጥ ኣለዎ:: ቅድሚ ምፍጣር ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ነይሩ’ዩ:: ሐዚ’ውን ኣሎ:: ንቐፃሊ’ውን ክነብር’ዩ::ስለዚ ራዕዳዊ ህወሓት ሃለወ ኣይሃለው ኣብ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ዘጉድሎ ነገር የለን:: ህልውና ህዝቢ ብህዝቢ’ምበር በዝኾነ ዕላማ ብዝተኣኻኸቡ ጉጅለታት ኣይረጋገፅን:: ስለዚ ካብዚ ሓይሊ ሓራ ምውፃእ ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ይኸውን::ንዚ ድማ ህዝቢ እቲ ዝዓበየ እጃም ክዋፃእ ይግባእ::ይኣክል ክብል ኣለዎ:: እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ንኢትዮጵያን ህዝባን ኣብ ፀበባ ንምእታው ክብል ምስ ታሪካዊ ፀላእትና ዝሓበረ፣ ስጋብ ሲኦል ከይደ ኢትዮጵያ ከፍርስ’የ ዝበለ፣ ኣብ ዝሓለፉ ከባቢ 50 ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ’ውን ሰፍ ዘይብል ኺሳራ ዘብፅሐ፣ ኣብ 17 ዓመት ዕጥቓዊ ቓልሲ ልዕሊ 60 ሽሕ መናእሰይ ትግራይ ንፍትሕን መዓርነትን መስዋእትነት ኸፊሎም ሓደራኦም ዝበልዐን ሕድሮም ዝጠለመን ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ዝተሰበኾ ናፅነት፣ዝተመነዮ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት፣ዝፀምኦ ፍትሒ፣ ራህዋን ቕሳነት ንክረክብ ኣብ ክንዲ ምግባር ምስ ካልኦት ህዝብታት ብፅሊኢትን ብጥርጣረ ንክርአ፣ ብመንነቱ ንክሽቑረርን ብናፅነት ንከይውስን ዝገብሩ ተግባራት ብምፍፃም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ’ዩ:: ስለዚ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢድ ሕድ ሕድ ትግራዋይ’ምበር ኣብ ራዕዳዊ ጉጅለ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ህዝቢ ትግራይ ንራዕዳዊ ህወሓት ይኣኽለካ ክብሎ ይግባእ::እዚ ምግባር እንትከኣል ህዝቢ ኣብ ቐፃሊ ወለዶ ዳግም ተመሳሳሊ ፀገማት ከምይበፅሕ ምግባር ይከኣል::
7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ