
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህንፀት ሃገረ ኢትዮጵያ ዓብይ እጃም ካብ ዘበርከቱ ህዝብታት እቲ ሓደን ዋናን’ዩ፡፡ወናኒ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ብዝተፈላለዩ እዋናት ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ክደፍሩ ዝመፅኡ ሓይልታት ወፃኢ ሓፁር ሃገር ኮይኑ መስዋእትነት ኸፊሉ እናመከተ ዝመፅአ፣ምስ ካልኦት ኣሓት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ክብሪ ሃገሩ ዝሓለወ ህዝቢ’ዩ፡ ፡ናይ ሰለስተ ሽሕ ዘመን ታሪክ ኢትዮጵያ እንትልዓል ህዝቢ ትግራይ ሓቢሩ ይልዓል፡፡ኣብዚ ነዊሕ ዘመን ታሪኩ ዋላ’ኳ ኣብ ውሽጠ ሃገር ዘሎ ስርዓት ወፅዓ የብፅሐሉ ኣብ ኢትዮጵያዊነቱ ኣማቲኡ ኣይፈልጥን፡፡
ብዝተፈላለየ እዋንን ስርዓትን ንህዝቢ ትግራይ ዝመርሑ ዝነበሩ ተጋሩ መራሕቲ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ዋላ ኣይስማምዑ፣ዋላ ይጎነፁን ይዋግኡን ኣብ ኢትዮጵያዊነት ግና ተደራዲሮም ኣይፈልጡን፡፡ሃገር ንምህናፅ’ምበር ንምፍራስ ሓሲቦም ኣይፈልጡን፡፡ሙሉ ኢትዮጵያ ሓደ ገይሮም ንክመርሑ ይፅዕሩ’ምበር ትግራይ ንበይንና ገይርና ንምራሕ ኣይበሉን፡፡እቲ ህዝብ’ውን ተወሳሳሊ ሓ ሳብን ተግባር ዘለዎ ህ ዝቢ’ዩ፡፡
ሃፀይ ዮሃንስ ሰራዊቶም ሒዞም ኣብ መተማ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ንኢትዮጵያ ኽብርን ንኢትዮጵያዊነት’ዩ፡፡ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ሓዊሱ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ባዕዳዊ መግዛእትን ወረርትን ዝተፋለሙን ዝተሰውኡን ንኽብሪ ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ኣብ ዘይማዕበለ ዘበን ዝነበሩ ህዝብን መራሕትን ትግራይ ታሪኹም ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ምበር ኣብ ምፍራስ ኣይነበረን፡፡ስለዚ ሐዚ ብራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ዝግባር ፃዕሪ ምስ ታሪኽ ተጋሩ ዘይቃደውን ዘይኸድን ‘ዩ፡፡ስለዚ እዚ ተግባር እዚ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ክቃወሞን ከውግዞን ይግባእ፡፡ምስ ታሪኹ ዘይኸይድ ተግባር ስለዝኾነ ኣም ሪሩ ክቃለሶ’ውን ኣለዎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ንጉጅለ ራዕዲ ብምውጋዝን ሰራዊት መከላኸሊ ብምድጋፍን ኣብ ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ጎሊሆም ካብ ዝወፅኡ ሓሳባት እቲ ቐንዲ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ሃገር ምህናፅ’ምበር ምፍራስ ከምዘይኮነ’ዩ፡፡ንዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝተሓሰበ ሓደጋ ህልውና ንምፍሻል ኣብ ዝግበር ቓልሲ እጃሞም ከምዘበርክቱ እቶም ሰልፈኛታት ኣረጋጊፆም’ዮም፡፡ምኽንያቱ ታሪክ ተጋሩ ሃገር ምፍራስ
ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን ወለዶን ታሪኽ ተወለድቲ ትግራይ ምህናፅ ሃገር’ዩ፡፡ ሃገር ናይ ምፍራስ ታሪኽ የብሎምን፡ ፡ሐዚ ግና ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ቖሪፁ ተላዒሉ ኣሎ፡፡ ንዚ ዕላማኡ ንምዕዋት ድማ መናእሰይ ትግራይ ብግዲ ናብ ኲናት እናዳጎነ ንሞትን ስቓይን እናዳረጎም ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ጠዋርን ቐባርን ከይህልዎን ንሓዋሩ ዘልምዕን ዝሰርሕን መንእሰይ ከይህልው እናገበረ ‘ዩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ንዘበናት ብሓድነት ምስ ዝነበሮ ህዝቢ ንምፍልላይ ፅዕንቶ ኣብ ምግባር ይርከብ፡፡ ኮይኑ ግና ተወላዲ ትግራይ ንዚ ፈሊጥም ኣንፃር ረብሓኦም ጠጠው ንዝበለ ሓይሊ ክቃለስዎ ይግባእ፡፡
ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይን ተወለድትን ከምኡ ‘ውን ንኢትዮጵያ ኣይጠቅምን፤ተወለድቲ ትግራይን ህዝብን ክዘናግዑ የብሎምን፡፡ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዝርከብ ትግራዋይ ተሓላቒ ህዝቢ‘ምበር ተሓላቒ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ኣይግብኦን፡፡ስለዚ ንዚ ሃገር ንምፍራስ ዝተልዓለ ሓይሊ ይኣክል ክንብሎ ይግባእ፡፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዓፊኑ ሒዝዎ ፀኒሑ ‘ዩ፤ሐዚ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ዓፊኑ ሒዝዎ ኣሎ፡፡ ካብ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያወነትን ንምንፃል እናሰርሐ ይርከብ፡፡ እዚ ዝገብር ዘሎ ድማ ንስልጣኑ ‘ምበር ንህዝቢ ሓሲቡ ኣይኮነን፡፡ስለዚ ክውገዝን ይኣኽለካ ክብሃል ይግባእ፡፡ሃገር ንምፍራስ ንዝገብሮ ፃዕሪ ከይዕወት ምግባር ይግባእ፡፡
ህወሓት ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ንባዕሉ ጥራሕ እናነበረ ዝፀንሐ፤ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝኸበረ፤ሐዚ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕን መከራን እናውረደ ዘሎ ጉጅለ’ዩ፡፡ንለኣኽቱ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ኣይፈልጥን፤ድሕሪ ሐዚ ‘ውን ኣይሓስብን፡፡ካብ ባህሊ ትግራዋይ ወፃኢ ብዝኾነ መገዲ ሽማግለታት፣ ኣዴታት፣ ህፃውንትን እንስሳትን ከይተረፈ ቐቲሉ ‘ዩ፡፡እዚ ሓይሊ ድሕሪ ሐዚ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቅም ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብደሙን ኣዕፅምቱን ተቓሊሱ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብደሚቕ ታሪኽ ዝፀሓፈ ህዝቢ ‘ዩ፡፡ሎሚ ራዕዳዊ ጉጅለ ሃንደበት ተላዒሉ ንዓ ተገንፀል ክብሎ ኣይግባእን፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣባሓጎታቱ ንዝተሰውኡላ ኢትዮጵያ ዋርድያ ኾይኑ ነዚ ጉጅለ ራዕዲ ይኣክል ብምባል ኢትዮጵያውነቱ ከቐፅል ይግበኦ፡፡ ምኽንያቱ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምህናፅ ሃገር’ምበር ኣብ ምፍራስ ሃገር ኣይኮነን፡፡
30 ሕዳር 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ