
ኣይተ ግርማይ ሃደራ ነባር ተጋዳላይ ፓርቲ ኢድዩን ፖለቲከኛን ‘ዮም። ኣብ ዘመነ ደርጊ ዝነበረ ስርዓት ጨቋኒ ስለ ዝነበረ ኣባል ኢድዩ ኮይኖም ንነዊሕ እዋን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፎም ‘ዮም። ኣይተ ግርማይ ድሕሪ ምውዳቕ ደርጊ ዝተተከአ ስርዓት ኢህወዴግ ‘ውን እናተቓወሙ ዝነበሩ እንትኾኑ፤ ሕዚ ድማ ህወሓት ካብ ማእኸላይ መንግስትነቱ ለቒቑ ናብ ትግራይ ከይዱ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ኣምሪሮም እናተቃወምዎ ‘ዮም ዝርከቡ። እምባኣርከስ ክቡራ መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ምስ ኣይተ ግርማይ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣመልኪትና ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዝስዕብ ኣዳሊናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ኣመሳራርትኡ ጀሚሩ ዝነበሮ ባህርያትን ሕዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳን ብምትሕሓዝ ከመይ ይገልፅዎ?
ኣይተ ግርማይ፡- ህወሓት ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ንስልጣኑ ‘ምበር ንፍትሕን ዲሞክራስን ኢሉ ዝቓለስ ውድብ ኣይነበረን። ራዕዳዊ ህወሓት ናብ ስልጣን ክመፅእ እንተሎ ንህዝቢ ትግራይ ወኪለ ‘የ መፂአ ይበል ‘ምበር ንማንም ዝወከለ ውድብ ኣይነበረን። ንትርፊ ንስልጣኑ ንሃገርን ህዝብን ጠጠው ዝበለ ሓይሊ ኣይነበረን። ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ዝመፀ ሓይሊ ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ክኸውን ገይርካ ንምግዛእ ዝተተለመ ‘ዩ ነይሩ። ህዝቢ ዝቖፃፀሮ ውድብ ኣይኮነን ነይሩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ናይ እኒ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራባውያንን ተለኣኣኺ ዝነበረ መንግስቲ ‘ዩ። ባህርያት ህወሓት ከንገልፆ እንተኾይና ንኢትዮጵያ ዘይሓስብ ውድብ ‘ዩ። ሃገሩ ዝፀልእ፣ ኢትዮጵያ ዝብል ስም ንምፅዋዕ ዝፅየፍ ‘ዩ። ንትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውፃእ ዝተጣየሸ ኣይነበረን። ኮይኑ ግና ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ‘የ ተጣይሸ ይብል። ንናይ ባዕሉ ስልጣንን ጥቕምን ዝተጣየሸ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ጉዳየ ኣይኮነን ኢሉ ዝሓስብ ውድብ ‘ዩ። ፀቢብ ዕላማ ሒዙ ዝጓዓዝ ውድብ ‘ዩ። ተለኣኣኺ ኣውሮፓውያንን ነይሩ ሕዚ ‘ውን ተለኣኣኺ ኮይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሕዚ ድማ እንተኾይንሉ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ወይ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ‘ዩ ዓሊሙ ዝሰርሕ ዘሎ።
ወጋሕታ፡- ኣሜሪካ ሓዊሱ ሃገራት ምዕራባውያን ንራዕዳዊ ህወሓት እናሓገዛሉ ዝርከባሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ይብሉ?
ኣይተ ግርማይ፡- ልክዕ ‘ዩ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ንህወሓት ንምሕጋዝ ኢለን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናሓደራ ‘የን ዝርከባ፤ እዚ ሕዚ ኣይኮናን ጀሚረንኦ ካብ ታሪኽ ጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ከም ድሌተን ክገብራ ዕድል ኣይረኸባን ነይረን። ሕዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብራዕዳዊ ህወሓት ኣቢለን ድሌተን ንምፍፃም ዝሓሸ ዕድል ረኺበን ‘የን ዝንቐሳቐሳ ዘለዋ። ኣውሮፓውያንን ኣሜሪካን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢለን ኣይፈልጣን። እዘን ሃገራት እዚአን ናፃነት ኢትዮጵያ ዝደልያ ኣይኮናን። ናይዘን ሃገራት እዚአን ኢድ ኣእታውነት ብምኽንያት ራዕዳዊ ህወሓት ዝሓሸ ዕድል ረኺበን በርቲዐን እናተንቓሳቐሳ ዋላ ይኹና ዝሳኸዐለን ኣይኮነን። ካብ ቐደሙ ‘ውን ህወሓት ብሓገዝ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ተጎቲቱ ‘ዩ ናብ ስልጣን መፂኡ ነይሩ። ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኣትሒዞም እናሓገዝዎ ዝነበሩ ‘ዮም። ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ዝብላ ሩስያን ቻይናን ‘የን፤እዘን ሃገራት እዚአን ንሓቕን ፍትሕን ጠጠው ዝብላ ‘የን።
ሃገራት ምዕራባውያን ሃገርና ከም ድሌቶም ንምብትታን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዝሳኻዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተለኣኣኺ መንግስቲ የለን።ንምንታይ ኢትዮጵያ ንምብትታን ኣድለየ እንተይልና ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ፈጣሪት ከትኸውን ኣይደልዩን። ኢትዮጵያ እንተዓብያ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ክዓብያ ስለ ዝኽእላ ተለኣኣኺት ሃገር ኣይረኽባን። በዚ መሰረት ዝደለይዎ ነገር ክረኽቡ ኣይኽእሉን ‘ዮም። ብሓፂሩ ግና ሓሳቦም ንምስኻዕ ህወሓት ከም ድልድል ‘ዮም ዝጥቐምሉ ዘለዉ።
እዞም ሓይልታት እዚኦም፣ ድሌቶም ንምስኻዕ ህወሓት ኣብ ስልጣን ክነብር ‘ዮም ዝደልዩ። ብፍላይ ድማ ዕቤት ኢትጵያ ንደሓር ንምምላስ ‘ዩ። ሃገርና ድኻ ከትኸውን በዚ ኣቢላ ናታቶም ተመፅዋቲት ከትኸውን ‘ዩ ድሌቶም። ብሓደ ኢዶም ባኒ በቲ ካሊእ ኢዶም ድማ መርዚ እናተጠቐሙ ክገዝኡና ‘ዮም ዝደልዩ።
እንተዘይኮይኑ መሰል ህወሓት ወይ ህዝቢ ትግራይ ስለ ተረገፀ ኣይኮነን። እኳደኣስ መሰል ህዝቢ ትግራይ ዝተረገፀ ኣብ ዘመን ህወሓት ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነት ክነብር ዝገበሮ ከይኣክል ሕዚ ድማ ናብ ሓዊ ክኣቱ ይገብሮ ኣሎ ‘ዩ።
ተግባር ኣሜሪካ እንተሪእና ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪሳ ‘ያ። ከም እኒ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያ፣ የመንን ሊብያን ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ። ንትርፊ ምፍራስ ክተልምዕ ኣይትረአይን ‘ያ። ኣሜሪካ ዝኸፈለት ኸፊላ ሃገራት ንምፍራስ ንድሓር እትብል ኣይኮነትን። ምስ ህወሓት ብጥቕሚ ተኣሳሲራ ‘ያ ትሰርሕ ዘላ። ንበዓል ኣሜሪካ ብቐጥታ ኣትዮም ሃገር ከፍርሱ ዓለምለኸ ሕጊ ስለ ዘይፈቕደሎም ብህወሓት ገይሮም ‘ዮም ዝሓሰብዎ ክፍፅሙ ዝደልዩ። ብህወሓት ጥራሕ ኣቢሎም ኣይኮኑን ዝመፁኡ ብኻልኦት ቕሬታ ዘለዎም ኣካላት ‘ውን ገይሮም ‘ዮም ዝመፁ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ቕሬትኡ ንጎኒ ብምግዳፍ ንሃገሩ ብሓደ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ብምምብርካኽ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ንምምብርካኽ ‘ያ ትደሊ። ንኢትዮጵያ እንተምበርኪኽካ ንኻልአት ‘ውን ምምብርካኽ ማለት ‘ዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ምልክት ናፃናት ‘ያ። ዓወት ዓድዋ ንኹሉ ኣፍሪካዊ ዝውክል ዓወት ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ንምንታይ እዩ ምስ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራባውያን ጥቡቕ ርክብ ብምምስራት ሃገር ንምፍራስ ዝደሊ?
ኣይተ ግርማይ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ጥፍኣታት ፈፂሙ ‘ዩ። ነቲ ዝፈፀሞ ጥፍኣት ተሓታቲ ከይኸውን ‘ዩ ሃገር ከትፈርስ ዝደሊ ዘሎ። ንናይ ደገ ሓይልታት ኣሕሊፍካ ብምሃብ ናይ ባዕሉ ረብሓ ንምሕላው ‘ዩ። ወይ ኣጭበርቢሩ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ልዕል ኢለ ከም ዝበልክዎ ካብ ምዕራባውያን ኣሜሪካን ዝረኽቦ ጥቕሚ ኣለዎ ‘ዩ። ናይ ውልቐ ጥቕሚን ‘ዩ ዝደሊ ‘ምበር ብዛዕባ ረብሓ ሃገር ኣይግድሾን ‘ዩ። እንተስዒሩ ድማ ብሕጊ ዝሓትዎ ኣካላት ንምጥፋእ ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ከም ዝፍለጥ ታሪኻዊት ሃገር ‘ያ። ኣሜሪካ ግና ዋላ ሃፍቲ ይሃልዎም ‘ምበር ከም ኢትዮጵያ ታሪኽ የብሎምን። ኣሜሪካ ፀረ ሓቕን ሰላምን ‘ያ። ምዕራባውያን ‘ውን ከምኡ ‘ዮም፤ ተመሳሳሊ ባህሪ ‘ዩ ዘለዎም። ናይ ባዕሎም ወኪል ኣቐሚጦም ክመርሑና ‘ዮም ዝደልዩ። ዝኣዘዝዎ መራሒ ንምቕማጥ ‘ዩ። እምቢ እንተይልና ድማ ሓገዝ ብምኽልካል ክንፅገም ንምግባር ‘ዩ። ብኸብድና ከንግዛእ ‘ዩ ድሌቶም። ኢትዮጵያ ዘይነፅፍ ታሪኽን ተፈጥሮ ሃፍትን ኣለዋ ‘ዩ። ነዚ ንምጥቓም ‘ዩ ድሌቶም። እዞም ሃገራት እዚኦም ቴክኖሎጂን ዶላርን ጥራሕ ‘ዩ ዘለዎም። ኢትዮጵያ በቲ ዘለዋ ተፈጥሮ ሃፍቲ ተጠቒማ ከይትቕየር ስግኣት ኣለዎም ‘ዩ። ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ እንተወኒና በዓላ ከትጥቐመሉ ትኽእል ‘ያ። ነዚ ተፈጥሮ ሃፍትና ከም ድሌቶም ጓሕጕሖም ክወስዱ እንተደልዮም ንህወሓት ናብ ስልጣን ብምምፃእን ወይ ንዓና ኣብ ድኽነት ከንቕመጥ ብምግባር ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ምዕራባውያን ሚድያታት ‘ውን ንህወሓት ወጊነን ክፅብፅባ ‘የን ዝስትውዐላ፤ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ኣወንታዊ ኢትዮጵያ ክፅብፅባ ኣይስትውዐላን፤ እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ?
ኣይተ ግርማይ፡- እዞም ሚድያታት እዚኦም ናፃ ሚድያታት ኣይኮኑን፤ ከመይ እንተይልካኒ ዕላማ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ንምስኻዕ ዝተላዕሉ ‘ዮም። ብገንዘብ ዝተገዝኡ ‘ዮም። ንሕሊነኦም ዝሰርሑ ኣይኮኑን። ብተደጋጋሚ ናይ ሓሶት ፀብፃብ ብምግዋሕ
ዓለም ንምእማን ‘ዩ። ከምዚ እንተዘይገይሮም ዝሓሰብዎ ሓሳብ ከሳኽዑ ኣይኽእሉን ‘ዮም። ዝወፈርሉ ዕላማ ቕኑዕ ኣይኮነን። በዚ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋዳ ኣመኽኒኻ ንኢትዮጵያ ንምምብርካኽ ‘ዩ።
ኣብ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ከም ዝፍፀም ዘሎ ንህዝቢ ዓለም ንምእማን ‘ዩ። እዚ ድማ ኮነ ኢሎም ‘ዮም። ንምንታይ መበገሲ እቲ ኩናት ዘይፅብፅብዎ? ነቲ ሓቒ እናፈለጡ ‘ዮም ዝዘልዎ። ዝተወሰነ ጌታታት እናጋነኑ ‘ዮም ዘጋውሑ ዘለዉ። ምዕራባውያን ክሳብ ሕዚ ናይ ገዛኢ ደርቢ ኣተሓሳስበኦም ኣይለቐቖምን። ክሳብ ሕዚ እኮ ኣብ ፀለምቲ ህዝቢታት ኣሜሪካ ግፍዒ ይፍፅሙ ኣለዉ ‘ዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎም ኣረኣእያ ዝተዛበዐ ‘ዩ። እዞም ሚድያታት እኮ ብሓፈሻ ብናይ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ዝውነኑ ‘ዮም። ኢትዮጵያ ብዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ተጠቂማ ከትልወጥ ዝደልዩ ኣይኮኑን። ነዚ ‘ዮም ብሚድያታቶም ኣቢሎም ዝዘምቱና ዘለዉ። እዞም ሚድያታት እዚኦም ስነ ምግባሮም ሓልዮም ኣይኸዱን ዘለዉ። ከም ስረሖም ክኹነኑ ዝግበኦም ‘ዮም። ኮይኑ ግና ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ዘዋፅእ ኣይኮነን። ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሳዒራ ወፂኣ ‘ያ። ዘምፀአቶ ውፅኢት የለን፤ ሃገር ‘ያ ኣፍሪሳ ከይዳ።
ወጋሕታ፡- ነዚ ልዕል ኢልና እናገለፅናዮ ዝመፃና ተፅዕኖ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓውያንን ንምቕልባስ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?
ኣይተ ግርማይ፡- ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝነበሮ ኣፋላላይ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ሓደ ክፀንዕ ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ሃገር ‘ዩ። ሃገር እንተዘይሃልያ ኩሉ ነገር የለን። ስለዚ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ንምምካት ሓደ ካብ ምዃን ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ የለን። ኣብ ደገ ዘለዉ ዲያስፖራታት ፅቡቕ ይንቐሳቐሱ ኣለዉ ‘ዮም። ኣጣናኪሮም ክቕፅልሉ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ‘ውን ናታቶም ኣሰር ክኽተል ኣለዎ። ፀላእቲ ክፍተት እንተረኺቦም ‘ዮም
ክስዕሩና ዝኽእሉ። ፈቲና ፀሊእና ናፃነትና ንምሕላውን ፀረ ናፃነትና ንዝኾነ ከይዲ ንምፍሻል በርቲዕና ምምካት ‘ዩ። ብኢትዮጵያውነት መንፈስ ጠጠው ከንብል ‘ዩ ዘለና። ናይ ሓባር ፀላኢ ብሓባር ‘ዩ ክምከት ዘለዎ። ኩሉ በቢዝኸኣሎ ዓቕሚ ክሳተፍ ኣለዎ። ኩሉ ዜጋ ሃፍቱ፣ ጉልበቱን ኣተሓሳስብኡን ተጠቒሙ ክረባረብ ኣለዎ። እዚ መፂኡ ዘሎ ፀገም በዚ ዓይነት እዚ ‘ዩ ክቕልበስ ዝኽእል። እዚ ኢድ ኣእታውነት ፀረ ሓደ ፓርቲ ወይ መንግስቲ ኣይኮነን፤ ብጠቕላላ ፀረ ሃገር ‘ዩ። ከምዚ ገይራና እንተዘይ ቐልቢስናዮ ናብ ባርነት ኢና ንኣቱ ዘለና ማለት ‘ዩ። ስለዚ ከምዚ ከይኸውን ካብ ብሕዚኡ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ።
እዛ እዋን እዚኣ ናይ ፈተና እዋን ‘ያ፤ ናይ ኣቦታትና ታሪኽ ከንደግሞ ኣለና። ወለድና ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ሃገር እንተዘየፅንሑና ነሮም ንሕና ሃገር ኣይምሃለወናን ነይሩ። ስለዚ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለና ወለዶ ሃገርና ልክዕ ከም እቶም ወለድና ሓብሒቦም ዘረከቡና ንሕና ‘ውን ንመፃኢ ወለዶ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ኣለና ‘ዩ። ኣብ ደገ ዝኒሀ ምልዕዓል ተስፋ ዝህብ ‘ዩ፤ እዚ ምልዕዓል እዚ ፀላኢ ክሳብ ዝጠፍእ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። መሳርሒ ኢድ ኣእታውነት ዝኾኑ ኣካላት ክሳብ መሊኦም ዝጠፍኡ ብሓደ መንፈስ ከንምክቶም ‘ዩ ዝግባእ።
ወጋሕታ፡- ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከትብል ብመንግስቲ ዝቐረበ ፃውዒት ከመይ ይርኢዎ?
ኣይተ ግርማይ፡- ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ብዙሕ ኣወንታዊ ነገር ኣበርኪታ ‘ያ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ‘ዩ ዘሎ። ኩልና ከም ንፈልጦ ዓወት ዓድዋ ምልክት ሓርነት ፀለምቲ ህዝቢታት ወይ ኣፍሪካውያን ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ብናይ ምዕራባውየንን ኣሜሪካን ኢድ ኣእታውነት ከትድፈር እንተላ ኣፍሪካውያን ይምልከቶም ‘ዩ፤ ስኺሎም ዝርእይሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን። ስለዚ እቲ ብመንግስትና ዝቐረበ ፃውዒት
ግቡእ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ተምሳሌት ናፃነት ኣፍሪካ ‘ያ። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዓብዪ ዋጋ ከፊላ ‘ያ፤ ዓድዋ ታሪኻዊ በዓል ፀለምቲታት ህዝቢ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ተደፊራ ማለት ኣፍሪካ ተደፊራ ማለት ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ካልኦት ኣፍሪካ ሃገራት ሓራ ንኽወፃ መሰረት ኮይና ‘ያ። ንጉስ ምኒሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ብምስዓር ክሓፍር ገይሮሞ ‘ዮም። ንጉስ ሃፀይ ሃይለስላሴ ‘ውን ኣብ ፀለምቲ ህዝቢታት ዘለዎም ኣመላኻኽታ ንኽቕየር ሽምጦም ገቲሮም ኣብ ኣዳባባይ ዓለም ተማጕቶም ‘ዮም። ብሓፂሩ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ንኣፍሪካ ዝነበሮም ቕዋም ጠንካራ ‘ዩ ነይሩ። መሰል ኣፍሪካውያን ንምሕላው ኣፍሪካውያን ክተሓባበሩ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቕስቓስ ግደ ቐሊል ኣይኮነን ነይሩ።
አትዮጵያ እንተጠፊኣ ኣፍሪካውያን ተበዲሎም ኣለዉ ማለት ‘ዩ፤ ስለዚ ኣፍሪካውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብሉ ዝቐረበ መፀዋዕታ ትኽክለኛ ስለ ዝኾነ ንባዕሎም ናፃነትን ክብርን ‘ውን ክብሉ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ‘ዩ ዝግባእ። ኣፍሪካውያን እዚ መፀዋዕታ እዚ ዝምልከቶም ምዃኑ ተረዲኦም ዋጋ ክኸፍሉ ኣለዎም።
ወጋሕታ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ‘ያ ብዝብል ናብ ግንባር ምዝማቶም ከመይ ተመልኪቶሞ?
ኣይተ ግርማይ፡- ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ትሕቲ ሃገር ‘ምበር ልዕሊ ሃገር ኣይኮነን ኢሎም ናብ ግንባር ምውፋሮም ብጣዕሚ ዘሐጉስ ተግባር ‘ዩ። ኢትዮጵያ፣ ዝድነቕን ቖራፅን መራሒ ረኺባ ኣላ። ናይ ቐደም ነገስታት በዓሎም ኩናት ይመርሑ ነይሮም ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ‘ዩ ዘዘኻኽረካ። እዚ ተግባር እዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኽተሎ ‘ዩ ዘለዎ። ከም በዓል ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ ግንባር ከይዶም መስዋእቲ ከፊሎም ‘ዮም። ሃገር ልዕሊ ሂወት ምዃና ስለ ዝተረድኡ ‘ዮም። ሃፀይ ሚኒሊክ ‘ውን ወተደራቶም ሒዞም ናብ ኩናት ዓድዋ ክወፍሩ እንተለዉ ኩልኻ ውፈር ሃገርካ እናተደፈረት ስኽ ኢልካ ምርኣይ ኣይከኣልን ኢሎም ነሮም። በዚ መሰረት ኩሉ ተኸቲልዎም ወፊሩ ተዓዊቶም ተመሊሶም ‘ዮም። መራሕቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ንመስዋእትነት ዝስስዑ ኣይኮኑን። ኩሉ ግዜ ብሃገሮም ዝመፆም ኣይፈትዉን።
ወጋሕታ፡- ወፍሪ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ህብረተሰብ ክፈጥሮ ዝኽእል ምልዕዓል ከመይ ይገልፅዎ?
ኣይተ ግርማይ፡- ሓደ መራሒ ሃገር ዝተወሃቦ ሓላፍነት ሃገር ምምራሕ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና እዚ ወፍሪ እዚ ናይ ካሊእ ስራሕ እናሃለወ ምቾት ይቅረየኒ ካብ ሃገር ዝዓቢ ነገር የለን ኢሎም ‘ዮም ከይዶም። እዚ ወለዶ እዚ ድማ ካብዚ ዝመሃሮ ነገር ሃገር ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ምዃና ‘ዩ። ንሃገር ዝኽፈል ሂወት ዘይምስሳዕ ‘ዩ ዘምህረካ። ብዘይ ሃገር ከትነብር ከም ዘይትኽእል፣ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ክግንዘብ ኣለዎ። ኣብ ግምባር ከይድካ ምውጋእ ወይ ዶብ ምሕላው ናይ ሰራዊት ‘ዩ ነይሩ። ዶክተር ኣብይ ግና ምውጋእ ናተይ ስራሕ ኣይኮነን ኣይበሉን። ከም ማንም ወታደር ኣብ ኩናት ከይዶም ክዋግኡ ወሲኖም ‘ዮም። ስለዚ ህዝቢ ነዚ ቖራፅ ተግባር መራሒና ተኸቲሉ ኩሉ ክወፍር ኣለዎ። ኣነ ንባዕለይ ንምኻድ ድልዊ ‘የ። ዶክተር ኣብይ ናይዚ ክፍለ ዘበን ‘ዚ ኣብነትን ቆራፅ መራሒን ‘ዮም።
በርግፅ ኩሉ ናብ ግንባር ክኸድ ትፅቢት ኣይግበርን፤ ኩሉ ሰብ ዝከኣሎ ወይ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ብትኽክል እንተተዋፂኡ ፅቡቕ ‘ዩ። ኩሉ ንዝተዋሃቦ ዝኾነ ይኹን ሓላፍነት ብወነ ተላዒሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ዝተዋፈሮ ዓውደ ስራሕቲ ግብኡ እንተተዋፂኡ ዳርጋ ናብ ግንባር ዝኸደ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብዛ እዋን እዚኣ ኩሉ ኣብ ጎኒ ሓየወሊ ፀጥታ ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ በቢኸባቢኡ ቑቋሕ ኮይኑ ክሕሉ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ፀጥታ ፀገም ከጋጥም ስለ ዝኽእል ከባቢኻ ብዝግባእ እንተሓሊኻ ቐሊል ስራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ናብ ግምባር ክኸድ ዝኽእል ኣሰር መራሒኡ ተኸቲሉ ክኸድ ኣለዎ፤ ዘይከኣለ ድማ ብዝኸኣሎ ነቒሑ ኸባቢኡ ክሕሉ ኣለዎ። ሃገርካ ምሕላው፣ ንሃገርካ ምስዋእ ምስ ጥቕሚ ዝተሓሓዝ
ኣይኮነን። ብሓፂሩ ግና ምዝማት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ወነ ህዝቢ ዘለዓዕልን ሓቦ ዘስንቕን ተግባር ‘ዩ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ጎኒ መራሒና ጠጠው ዘይበለ ፅባሕ ተሓታቲ እዩ።
ብፀላኢ ካብ ተወሪርካ ካብ ምንባር ታሪኽ ሰሪኻ ምሕላፍ ይሕሽ፤ ብደውካ እናሃለኻ ከትውረር ዕድል ከትህብ የብልካን። ከም እኒ ኣሉላ ዝበሉ ጀጋኑ ብዝፈፀምዎ ተጋድሎ እናተዘከሩ ይነብሩ ኣለዉ ‘ዮም። ናፃነት ሃገር ምስ ማንም ዝዋዳደር ኣይኮነን። ኣብዛ እዋን እዚኣ ሃገርካ ተዋሪዳን ናፃነትካ ተገፊፉን ካብ ምንባር ሂወት ከፊልካ ሃገርካ ናፃ ምግባር ‘ዩ ዝምረፅ። ንመፃኢ ትውልዲ መስዋእቲ ምኽፋል ኣድላይ ‘ዩ። ንስኻ ሓሊፍካ ሃገርካ ምድሓን እቲ መማረፂ ዝየብሉ ጉዳይ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ኩናት እዚ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ ‘ዩ፤ እስቲ ኣብዚ ኣመልኪቶም ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ኣብ መወዳእታ ዕድል ክህቦም።
ኣይተ ግርማይ፡- ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስዋእቲ እናኸፈለ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብዚ ኣመልኪተ ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ህወሓት ካብ ዝምስረት ከባቢ 50 ዓመት ይገብር ኣሎ ‘ዩ። እዚ ፓርቲ እዚ ንባዕሉ ስልጣን ክብል ህዝቢ ትግራይ ብኩናት ክውዳእ ‘ዩ ዝገብሮ ዘሎ። እዞም ሰበ ስልጣናት እዚኦም ንባዕርሶምን ደቖምን ኣብ ውሕስ ቦታ ኮይኖም ደቒ ድኻታት ናብ ሓዊ እናጠበስዎም ‘ዮም ዝርከቡ።
ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ከም ዘይተጠቐመ ክፈልጥ ኣለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ባዕሉ ገንዘብ ጥራሕ ‘ዩ ዝእክብ ነይሩ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ክወፅእ ዝገበሮ ነገር የለን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግዜ ህወሓት ኣብ ድኽነት ተዘፊቑ ክነብር ተገይሩ ‘ዩ። ገሊኡ ፎቖድኡ ስደት፣ ገለኡ ድማ ተተኳቢ ክኸውን ገይርዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሐዚ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ይኣኽሎ ‘ዩ። ብተደጋጋሚ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን ኢለ ‘የ ከተሓሳስብ ዝደሊ።
ካሊእ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካሊእ ክልላት ብህዝቢ ዘይተወከሉ ተወኪልና ኢና እናበሉ ደስ ከም ዝበሎም ኣብ ሚድያ እናወፅኡ ህዝቢ ንህዝቢ ዘፃልእ ዘረባ ይዛረቡ ‘ዮም። እዚኦም ትዕግስቲ ክገብሩ ኣለዎም። ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝወከሎም ኣምሲሎም ህዝቢ ንህዝቢ ንምፅላእ ዝገብርዎ ምንቕስቓስ ጠጠው ከብሉ ይግበኦም።
ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ብተመሳሳሊ ይኸፍል ኣሎ ‘ዩ። ይኣኽለኒ ክብል ኣለዎ። እዚ ብሓፈሻ ንሃገር ዓብዪ ክሳራ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩናት እዚ ዝጥቀሞ ነገር ምንም የለን። ነዚ ፈሊጡ ይኣኽለኒ ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ክቓለስ እንተኾይኑ ንዲሞክራሲ፣ ንሓድነት ኢትዮጵያ ‘ዩ ክቓለስ ዘለዎ። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ተናቢቡ ምእንተ ፍትሕን ሃገርን ‘ዩ ክቃለስ ዘለዎ።
ህዝቢ ትግራይ ኣመራርሓ ህወሓት ገበነኛታት ስለ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ‘ዩ ክረባረብ ዘለዎ። ነዚኦም ናብ ሕጊ ንምቕራብ እንተዘይክኢሉ ድማ ንባዕሉ ሓራ ከውፅእ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ መሳርሒ ራዕዳዊ ህወሓት ክኸውን የብሉን። ህወሓት ንባዕሉ መሳርሒ ምዕራባውያን ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን መሳርሒኡ እናገበሮ ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ናይ ምዕራባውያን ልኡኽ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ገሊኡ ተገዲዱ ገሊኡ ድማ ተታሊሉ ‘ዩ ዝቓለስ ዘሎ። ኣብ መግዛእቲ ህወሓት ኮይኑ ብዛዕባ ናፅነቱ ክዛረብ ኣይኽእልን ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ዋላ ዓሚፁ ‘ውን እንተኾነ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ራዕዳዊ ህወሓት ክስለፍ የብሉን። ህወሓት 50 ዓመት ፀኒሑ ፍትሒ ከምፅእ ዘይከኣለ ፓርቲ ‘ዩ። ነዚ ተረዲኡ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን ክስለፍ ክኽእል ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።
ኣይተ ግርማይ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ የቕንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ