
ህዝቢ ትግራይ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሎም 27 ዓመታት ኣብ ዘይበልዖ በሊዕኻ እናተብሃለ ብሽሙ ዝተሸቀጠሉ ህዝቢ’ዩ።ስጋብ ሐዚ’ውን ኣብ ዓፈና ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ዕሸላት መናእሰይ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት እናተዳጎኑ ዘየድሊ መስዋእትነት እናኸፈሉ ይርከቡ።እዚ ግቡእ ኣይኮነን።
ህዝቢ ን17 ዓመታት ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝተገበረ ቓልሲ ልዕሊ ስልሳ ሽሕ ደቁ ገቢሩ፣ ልዕሊ ሚኢቲ ሸሕ ድማ ጉድኣት ኣካል ኮይኖም’ዮም።ኮይኑ ግና ንማዕረነትን፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ዝተኻየደ ቓልሲ ብራዕዳዊ ህወሓት ተጨውዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ መከራ ንክኣትው ተገይሩ’ዩ።ብሽሙ ዝሽቅጡ ውሑዳት ንውልቀ ረብሓኦም ቀዳምነት ብምሃብ ሕድሪ ሰማእታት ብፆቶም ጠሊሞም እቲ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ከንቱ ገይሮሞ’ዮም።እዚ ተግባር ህዝብን ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ክፈልጦ ይግባእ።ሐዚ’ውን ንዞም ሕድሪ ዝጠለሙ ሓይልታት መስዋእትነት ክኸፍል የብሉን።ስሊዚ ኢዱ ብሰላም ክህብ ኣለዎ።
ራዕዳዊ ህወሓት ብሃገር ደረጃ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተኸተሎ ዝተጋገየ ኣካይዳ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዓፊኑ ስለዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናዕቢ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ምስ ኣባረሮ ኣብ 27 ዓመት ስልጣኑ ብሽሙ ይሽቅጥ ‘ምብር ርኢይዎ ዘይፈልጦ ህዝቢ ትግራይ መሕብኢ ገይሩዎ። ኣብ ሃገር ምስ ዝተፈጠረ ኣመራርሓ ለውጢ ኣብ ምውጣጥ ብምውእታው ኲናት ወሊዑ ሐዚ’ውን ህዝቢ ትግራይ ዳግም ጉድኣት ንክበፅሖ ገይሮ ኣሎ።
‘እቲ ኣመራርሓ ለውጢ ኣብ ሃገርና ዘይተለመዱ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ወሲዱ ‘ዩ።ናይ ፖለቲካ እሱራት ንክፍትሑ ምግባር፣ዝተኣገዱን ራዕዳዊያን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ሓይልታት ፖለቲካ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንክንቐሳቀሱ ምግባር፣ዝተኸልኸሉ ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ንክሰርሑ ምፍቃድ ይጥቀሱ።እዚ ተስፋ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያውን ዘነቓነቐ እንተኾነ ‘ውን፤ ንዚ ጉዳይ ከም መርድእ ዝቖፀረ ሓይሊ ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ብዴሞክራሲን ብሂብካ ምቕባል ስለዘይኣምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቓዕቲ ብምፍናው ኲናት ወሊዑ ስጋብ ሐዚ ቐፂልሉ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ንክሃልቕ እናገበሮ ይርከብ።
ራዕዳዊ ህወሓት ስጋብ ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ስራሕ ኣይሰርሐን።ትግራይ ማእኸል ኲናት ገይርዋ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ኣቢሉ ካብ መቐለ ዋላ እንተወፅአ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፋሕ ሂወት መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት እናጠፍአ ይርከብ። ስለዚ ኣዴታት ትግራይ ደቅና ኣበይ ኣእቲኻዮም ኢለን ክሓታ ይግባእ። እቶም መናእሰይ ድማ ካብ ኲናት ዝርከብ ረብሓ ስለዘየለ ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ክህቡ ኣለዎም።
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ከይዶም’ዮም። ኣብቲ ግንባር ኮይኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዴታት ትግራይ ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ተሰሊፎም እናተዋግኡ ንዝርከቡ ደቀን ኣብይ ኣለው ኢለን ክሓታ ከምዝግባአን ኣገንዚቦም’ዮም።ምኽንያቱ እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ ሐዚ ከምተሰዓረን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብውሑድ መስዋእትነት ዓወት ኢትዮጵያ ከምዝረጋፅ ብምግላፅ፣ ኣባላት ራዕዳዊ ህወሓት’ውን ኢዶም ብሰላም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክህቡ ከምዝግባኦም ገሊፆም’ዮም።
መንእሰይ ትግራይ ከም ቖፅሊ እናረገፈ’ዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣መናእሰይ ትግራይ ከምተስዓሩ ብምርዳእ ትልሚ ንዘይብሉን መብፅሒኡ ኣብ ዘይፍለጥ ጉዕዞ ዓወት ከምዘየለ ፈሊጦም ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ንፍሉይ ሓይልን ንኣባላት ምልሻ ንክህቡ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።ኣዴታት ትግራይ’ውን ‹‹ደቕና ኣበይ ከይዶም›› ኢለን ክሓታ ይግበአን ኢሎም።
ድሌት መንግስቲ ኵናት ኣይኮነን።ድሌት መንግስቲ ሰላም፣ልምዓትን ሓድነትን ‘ዩ ። ኮይኑ ግና ሃገር ከፍርስ ‘የ ኢሉ ንዝተልዓለ ሰራዊትን ህዝብን ኢትዮጵያ ከምዝድምስስዎ ርግፅ ስለዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ሂወቱ ክስእን ስለዘይብሉ ኢዱ ክህብ ኣለዎ።ኣዴታት ትግራይ’ውን ‹‹ደቂና ናበይ ከይዶም›› ኢለን ብምሕታት ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ምዃኑ ክርደኣ ይግባእ።
23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ