ታሪኻዊ ሓደራና ንሓልው

 ታሪኽ ኢትዮጰያ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንትንርኢ ኣብ ዝተፈላለየ ዘበን ዝነበሩ ህዝብታት ኢትዮጵያን መራሕታን ንናፅነቶም መስዋእትነት ብምኽፋል ሃገርና ኢትዮጵያ ብሓደራ ኣረኪቦምና’ዮም። ከም ሃፀይ ዮሃንስን ሃፀይ ቴዎድሮስን ንክብሪ ሃገር መስዋእቲ ብምኽፋል ግቡኦም ብምፍፃም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሽሞም ብደሚቑ ተፃሒፉ ይርከብ። ሃፀይ ሚኒሊክ’ውን ኲናት ዓድዋ ብምምራሕ ድሙቕ ዓወት ብምምዝገብ ኣብ ፀረ ባዕዳዊ ቓልሲ ፀለምቲ ህዝብታት ኣብነት ዝኾነ ታሪክ ንክፀሓፍ ገይሮም’ዮም።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ በቢዘበኑ ዘጋጠሙ ባዕዳዊያን ወረርቲ ብምምካት፣ ህልውና ሃገር ኣብ ንሓደጋ ዘቃልሑ ፀገማትን ጎንፅታትን ብሓባርን ብሓድነትን ብምምካት ሃገር ስጋብ ሐዚ ቐፂላ ኣላ። ንቕድሚት’ውን ታሪኻዊ ሓደረኦም ብዝግባእ ብዝዋፅኡ ወለዶታት ክትቕፅል’ያ። ሐዚ ዝገጠማ ሓደጋ ህልውና’ውን ብምምካት ሓድነታ ሓሊያ ንወለዶ ክትመሓላላፍ’ያ። ንዚ ዝገብሩ ወሎዶታት ኣለውዋ።

ኢትዮጵያ ብራዕዳዊ ህወሓት ብዝወለዖ ኲናት ምኽንያት ኣብ ወፍሪ ህልውና ትርከብ። ኣብዚ ወፍሪ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ እናተሳተፉ’ዮም። ናብ ግንባር ብምውፋር፣ ከባቢኦም ብምሕላውን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደጀን ኮይኖም ብምድጋፍን ንሓድነት ሃገሮም እናተዋደቑ ይርከቡ። ሐዚ ድማ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣመራርሓ ብልፅግና ፓርትን ካልኦት አመራርሓ መንግስትን ፖለቲካዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ናብ ቅድመ ግንባር ብምውፋር ግቡኦም ንምውፃእ ወሲኖም ተንቀሳቒሶም ኣለው።እዚ ታሪኻዊ ሓደራ ናይ ምውፃእን ታሪኽ ናይ ምዕቃብ ስጉምቲ ስለዝኾነ ካልኦት’ውን ክስዕብዎ ይግባእ።ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ሓደራ ኣቦታትን ኣዴታትን ክሕልው ይግብኦም።እዚ ንምግባር ድማ እዋኑ ሐዚ’ዩ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ናፅነት ሽም ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለና›› ብዝብል ናብ ቅድመ ግንባር ከይዶም ኣመራርሓ ንምሃብ ምውሳኖም ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ብደቃ ጅግንነትን መስዋእትነትን ክብራን ናፅነታን ሓሊያ ዝነበረት ሃገር’ያ። እዚ ድማ ፈታዊን ፀላኢን ይፈልጦ ‘ዩ። ዶባ ክደፍሩ ዝፈተኑ ዘይንካእ ቕልፅማ ሪኦም ‘ዮም። ከጎብጥዋ ዝተሃንጠዩ ደኒኖም ተመሊሶም ‘ዮም ክብሉ ገሊፆም’ዮም።እዚ ማለት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንናፅነት ሃገር ተፃቢኦም ዝመፅኡ ሓይልታት በቢ እዋኑ ብዝነበረ ወለዶ ግቡእ ምላሽ እናተውሃቦም ናፃ ሃገር ከምዘረከቡና መረጋገፂን በቢ እዋኑ ዝነበረ ወለዶ ታሪኻዊ ሓደራኡ እናተዋፅእ ሃገሩ እናሓለወ ኣብዚ ዝበፅሐት ሃገር ምዃና መረጋገፂ’ዩ።ናይ ሐዚ ወለዶ ድማ ንዚ ክደግም ግድን ይኸውን።

ኢትዮጵያን ህዝባን ክሕደት ንዝፈፀሙሎም ግቡእ ትምህርቲ ብምሃብ፣ ብድሕሪት ንዝወግእዎም ዘድሊ ቅፅዓት ብምሃብ ይፍለጡ። ንኣሽሓት ዘበናት ዝተሓለወ ናፅትን ሉኣላዊ ክብሪን ብውህብቶ ዝተረኸበ ኣይኮነን። ብዘይዋጋ ናፅነት ኣፅንዒኻ ምሕላው ኣይከኣልን።ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ናፅነት ሽም ናይ ደም ዋጋን መስዋእትነት ተኸፊሉሉ’ዩ።እዚ ኣዝዩ ገዚፍ መስዋእትነት ዝተኸፈለሉ ናፅነትን ክብሪ ናይ ሐዚ ወለዶ ድማ ኣብ ወፍሪ ህልውና እጃሙ ብምውፋይን ኣሰር ቐዳማይ ሚኒስትርን ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ብምኽታል ታሪኻዊ ሓደራኡ ክዋፃእ ግድን ይኸውን።ካብ ሃገር ንላዕሊ ዝዓበየ ስለዘየለ።

ብታሪኽ ንፈልጦም ኣቦታትናን ኣዴታትናን ብምምሕዳራዊ ኣተሓሳስባን ይፈላለዩ፤ ንመሰል፣ ንፍትሒን ማዕርነትን ብዝነበሮም ኣመለኻኽታ ይፈላለዩ እንተነበሩ’ኳ ንኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ናፅነትን ሉኣላውነትነ ብዘለዎም ቦታ ግን ኣፈላላይ ከምዘይነበሮም ታሪኽን ዓወትን ዓድዋ ምስክር’ዩ። ውልቃዊ ድሌቶም ብዝኾነ መገዲ ዋላ ሓደ ዓይነት ኣይኹን ሓበራዊ ፀላኢ እንትመፅ ግና ኢትዮጵያዊነት ልዕሊ ውልቃዊ ድሌቶም ዝቕመጥ ስለዘይነበረ ብሓበር ኣንፃር ወረርቲ ወፊሮም ዓወት ብምምዝጋብ ዓባይን ታሪኻዊትን ሃገር ኣረኪቦምና’ዮም።ኣብ ሐዚ እዋን ድማ ራዕዳዊ ህወሓትን መወልቱ ሓደ ሓደ ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ህልውና ደቂኖም ኣለው።እዚ ሓደጋ ብሓባር ቕልፅም ብምክልኻልን ብዓወት ብምዝዛምን ናይዚ ዘበን ወለዶ ታሪኻዊ ሓደርኡ ክዋፃእ ኣለዎ።

መስዋእትነት ሃፀይ ዮሃንስን ሃፀይ ቴዎድሮስን፣ከምኡ’ውን ንዓወት ዓድዋ ዘመዝገበ ኣመራርሓ ዝሃቡ ሃፀይ ሚኒሊክን ካልኦት ቀደምቲ መራሕቲ በቢዘመኖም ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦን ዓበይን ታሪኻዊትን ሃገር ዘረከቡና ሓደራ ስለዝኾነ ናይ ሐዚ ወለዶ ድማ እዚ ሓደራ’ዚ ሓልዩ ዓወት ብምዝጋብ ሃገር ንቕድሚት ንክትስጉም ክገብር ኣለዎ።

16 ሕዳር  2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You