ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዘይፍቀዱ ተግባራትን

 ኣብ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነትን ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መንግስቲ ህልውና ሃገር፣ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ካብ ውሽጢ ይኹን ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ናይ ምሕላው ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ሓላፍነትን ግቡእ ከምዘለዎ ብምግንዛብ፤ ምንቅስቓስ ግበረ ራዕዲ ህወሓትን ራዕዳውያን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነትን ርኡይን ዝበፅሐን ሓደጋ ዘንፀላለወ ብምዃኑ፤

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ራዕዳውያን ተሓባበርቱን እኩይ ዕላመኦም ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናፈፀሙዎ ዝርከቡ መቕተልቲን ዘረፋን ካልኦት’ውን ልዑል ጭካነ ዝተመልኦ ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ደረጃ ምብፅሑ ኣብ ግምት ብምእታው፤

ካብ ቀጥተኛን ስሩዕን ዓውደ ውግእ ብተወሳኺ ልኡኽቶ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተሓባበርቱን ዝተሓንገጡ ውልቀ ሰባት ምስ ሰላማዊ ዜጋታት ተመሳሲሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ዘንፀላለዉዎ ልዑልን ጭቡጥን ስግኣት ድሕንነት ብምርዳእ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ናይ ምድኻም ኢሉ ‘ውን ናይ ምፍራስ ትምኒት ምስ ዘለዎም ሓይሊታት ወፃኢ ብልዑል ብርኪ ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤

ቅድም ክብል ዝተገለፁ ኣብ ህልውና ሃገር ዘንፀላለዉ ሓደጋታት ንምፅዋር ዘይከኣል ብምዃኑ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምድንጋግን ተግባራዊ ምግባርን እቲ ሓደጋ ንምምካት ኣድላዪ ኮይኑ ብምርካቡ፤ ኣብ ሕገ-መነግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 93/1/ሀ መሰረት ብምግባር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ። ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝተጣየሰ ‹‹እዚ›› ውሰዱ ስጉምቲታትን ዘይፍቀዱ ተግባራትን እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታት መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ህልውና ሃገርን ሉኣላውነትን ከምኡ’ውን ደሕንነት ሰለማዊ ዜጋታት ንምሕላው ኣደላዪ ኢዩ ኢሉ እንትኣም ን ፣

1. ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፍሊ እዛ ሃገር መከላከያ ወይ ካሊእ ኣካል ፀጥታ ብምውፋር ሰላምን ፀጥታን ነከኸብሩ ትእዛዝ ክህብ ይእኽእል’ዩ፤

2. ዕድመኦም ንወታደርነት ዝበቕዑን ኣፅዋር ኲናት ዝተዓጠቑን ዜጋታት ወታደራዊ ስልጠና ንክወስዱ፣ ወታደራዊ ግቡእ ንክቕበሉ፣ ወይ እዚ ምግባር ዘይኽእሉ እንትኾኑ ብኣማራፂ ዕጥቆም ንመንግስቲ ንከረክቡ ክተሓዝ ይኽእል፤

3. ናይ ሰዓት እቶ እቶ ገደብ ክውሰን ይኽእል፤

4. ዝኾነ ይኹን መጓዓዚያ መንግስቲን ውልቀን ስርዓት ንክዕፆ ወይ ክቋርፅ ክእዝዝ ይኽእል፤

5. ምስቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ክተሓባበር ይኽእል ‘ዩ ኢሉ ምኽኒያታዊ ብዝኸነ መገዲ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ትዕዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል፣ እዚ ኣዋጅ ተፈፃሚ ኮይኑ ኣብዘለወሉ ግዘ  

 ሒዙ ምፅናሕ ወይ ብስሩዕ ሕጊ ተሓታቲ ንክኸውን ንምግባር ይኽእል፤

6. ምስቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ክተሓባበር ይኽእል ‘ዩ ኢሉ ምኽኒያታዊ ብዝኾነ መገዲ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ሰብ ወይም ትካል ንብረት ዝኾነ ዝኾነ ገዛ፣ ህንፃ፣ ቦታ፣ መጓዓዚያ ንምፍታሽ ወይ ሰብ ደው ንምባል ፣ መንነቱ ንምሕታት፣ ንምፍታሽ ይኽእል፤ ብፍተሻ ዝተትሓዘ ናይ ኣፅዋር ኲናት ምውራስ ይኽእል፤

7. ንዝተወሰነ ጊዜ መገዲታት፣ ግልጋሎት መውሃቢ ትካላት ንምዕፃው፣ ከምኡ’ውን ሰባት ንግዚኡ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ንክፀንሑ፣ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ንክኣትዉ ወይ ካብ ዝተወሰነ ቦታ ንክልቀቑ ምእዛዝ ይኽእል፤

8. ልዑል ፀገም ፀጥታን ስጋትን ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ናይቲ ከባቢ አመራርሓ መሓውር ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ፣ ምእጋድ፣ ምልዋጥን ብሲቪል ይኹን ወታደራዊ ኣመራርሓ ምትካእ ይኽእል፤

9. ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቶም ራዕዳዊያን ጉጅለታት ናይ ሞራል ይኹን ናውቲ ድጋፍ ይገብር ‘ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ምንቅስቓስ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ብዝምልከቶ በዓልመዚ ንክእገድ ወይ ፍቓዱ ንክስረዝ ክተሓዝ ይኽእል ‘ዩ

10.ብቀጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ነቶም ንራዕዳዊ ጉጅለታት ናይ ሞራል ይኹን ናውቲ ድጋፍ ይገብር ‘ዩ ተባሂሉ ዝአምኑ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ወይ ጋዜጠኛ ብዝምልከቶ በዓል መዚ ንክእገድ ወይ ፍቓዱ ንክስረዝ ክተሓዝ ይኽእል ‘ዩ

ተመጣጣኒ ሓይሊ ብዛዕባ ምጥቃምን ዘይእገዱ መሰላት

1. እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣብዚ ኣዋጅ ዝተረቑሑ ስጉምቲታት ንምፍፃም ኣድላዪ ኮይኑ እንትረኽቦ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ተመጣጣኒ ሓይሊ ንክጥቀም መምርሒ ክህብ ይኽእል ‘ዩ።

2.እዝ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ኣብ ዘውፀኦም መምርሒታት፣ ኣብ ዝውስኖም ውሳነታትን ኣብ ዝወስዶም ስጉምቲታትን ብመሰረት ዓንቀፅ እቲ ሕገ መንግስቲ፥ 93(4) (ሐ) ክእገዱ ዘይኽእሉ ናይቲ ሕገ መንግስቲ ድንጋገታትን መሰላትን ከኽብር ኣለዎ።

ዝተኸልከሉ ተግባራትን ግቡኣትን

1. ኩሉ ሰብ መምርሒ እዚ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብምሰረት ኣዋጅ ዘውፅኦም መምርሒታትን ዝህቦም ትእዛዛትን ናይ ምቕባል ግዴታ ኣለዎ።

2. እዚ መምርሒ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ምንቅስቓስን ዕላማን ዝፃባእ፣ ዝቃወምን ዕላማ እቶም ራዕዳዊያን ጉጅለታት ንምስኻዕ ኣስተዋፅኦ ዝገብርን፣ ዘተባብዕ፣ ሰለማዊ ዜጋታት ዘርዕድ ዘረባ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምግባር ወይ ምፍናው ዝተኸልከለ ‘ዩ።

3. ብዝኾነ ይኹን መገዲ፣ ብቀጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ነቶም ራዕዳዊ ጉጅለታት ናይ ገንዝብ፣ መረዳእታ፣ ናውቲ ይኹን ሞራል ድጋፍ ምግባር ዝተኸልከለ ‘ዩ።  

 4. መምርሒ እዚ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ብተዋረድ ውክልና ካብ ዝሃቦም ኣካላት ፍቓድ ወፃእ ዝኾነ ናይ ኣደባባይ ኣኼባ ወይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ዝተኸልከለ ‘ዩ።

5. ካብ መከላከያ፣ ፌዴራል ፖሊስ ወይ ካልኦት ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ናይ ፀጥታ አካላት ወይ ካብዚኦም ኣፍልጠን ፍቓድን ወፃእ ዝኾነ ናይ ኣፅዋር ኲናት ብምሓዝ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ።

6.ኣብ ከተማታት ከባቢ ናይ ነባርነት ታሴራ፣ መንጃ ፍቓድ፣ ናይ ሰራተኛ መታወቂያ፣ ፓስርፖርት ወይ ምስ እዚኦም ተመጣጣኒ ዝኾነ መታወቂያ እንተይሓዝካ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ‘ዩ።እዚኦም ዘይብሉ ሰብ፥ መምርሒ እዚ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ዝርዝር መምርሒ ኣፈቫፅማ ካብ ዘውፅአ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ቀረብኡ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ፣ ወረዳ፣ ፀጥታን ምምሕዳርን ወይ ፖሊስ ጣቢያ ብምምዝጋብ ጊዜያዊ ናይ መታወቂያ ወረቐት ምሓዝ ግዴታ ኣለዎ።

7. ዝኾነ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ግልጋሎት ዓውዲ ይኹን ፍሪያት ኣብ ከይዲ ናይ ስራሕ ምትእጉጓል ወይ ናይ ኢኮኖሚ ኣሻጥር ምፍፃም ዝተኸልከለ ‘ዩ።

8. ኣፈፃፅማ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ሰበብ ብምግባር ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃም፣ ምኽኒያታዊ ዘይኮነ ጥርጣረ ዘይብሉ ኾነ ተባሂሉ ዜጋታት ምእሳር ወይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝተኸልከለ ‘ዩ።

ናይ ገበን ተሓታትነት

1. ናይዚ ኣዋጅ ድንጋገታትን በዚ ኣዋጁ መሰረት ዝወፅኡ መምርሒታትን ብምትሕልላፍ ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበፅሕ ቀሊል ማእሰርቲ ወይ ከም ክብደት እቲ ጥፍኣት ክሳብ 10 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ይቕፃዕ።

2. ናይዚ ኣዋጅ ድንጋገታትን በዚ ኣዋጁ መሰረት ዝወፅኡ መምርሒታትን ብምትሕልላፍ ዝተፈፀመ ገበን ብኻልኦት ሕግታት ካብዚ ልዕል ዝበለ ቅፅዓት ዘስዕብ እንተኾይኑ ዝኸበደ መቕፃዕቲ ተፈፃሚ ይኸውን።

3. ኣብ እዋን ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ዝተፈፀሙ ናይ ኣዋጅን በቲ ኣዋጅ ማዕቐፍ ዝወፅኡ መምርሒታትን ብምጥሓስ ናይቲ ኣዋጅ ተፈጻሚነት ጊዜ እንተተዛዘመ’ውን፣ ዘስዕብዎ ናይ ገበን ተሓታትነት ብስሩዕ ስነ ስርዓት ገበን ይቕፅል።  

ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥቅምቲ 2014  ዓ.ም 

Recommended For You