‹‹ ህወሓት ኢትዮጵያዊ ‘ውን ትግራዋይ ‘ውን ኣይኮነን ››- ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ

ኣብ ሃገርና ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ መንግስቲ ከምዝተመስረተ እዚ ድማ ንሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝፈጠረ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ እዚ ስዒቡ ብብርኪ ሚኒስትራትን ኣመሓደርቲ ክልላትን ሓላፍነት ተረኪቦም ‘ዮም፡፡ እዚ ዕድል ክልል ትግራይ ንክትረክብን ንመፃኢ እንታይ ክስራሕ ከምዘለዎን እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ቀፃልነት ንክህልዎ ትኹረት ተገይሮም ክስርሑ ዝግበኦም ዓበይቲ ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሓላፊ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ምስዝነበሩ ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ዝገበርናዮ ፃንሒት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና፡፡ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡-ኸዚ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ለውጢ ንክመፅእ እናሰርሐ ይርከብ፣እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ከመይ ይሪእዮ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- እዚ ዝተመስረተ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ለውጢ ካብ ዘምፀኦም እቲ ሓደ ጉዳይ መረፃ ‘ዩ:: ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ እዋን ዝተገበሩ መረፃታት ፀገማት ነይርዎ ‘ዩ፣ በቢ ሓሙሽተ ዓመቱ ሰብ ይመውት ፣ምንግልታዕ ኣሎ፣ ሰብ ይመዛበል ፣ዝተፈላለየ ፀገማት ዝተኣናገደሉ ‘ዩ ነይሩ፣ ንመጀመርያ እዋን ሰላማዊ መረፃ ዝተኻየደ ኣብዚ ሎሚ ዝተገበረ ሻድሻይ እዋን መረፃ ‘ዩ:: እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ብልፅግና ፓርቲ ክምስረት ኸሎ ብብዙሕ መገዲ ተደጊፉ ‘ዩ:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣሳታፊ ‘ዩ ፣ ዲሞክራሲ ክህበና ‘ዩ፣ አብ ናፅነት ትኹረት ዝገብር ‘ዩ ብዝብል ‘ዩ:: ብሓሳብ ብምእማን ክንሰርሕ ኢና ብምባል ተቃወምቲ ፓርቲ ከይተረፉ ድጋፎም ገሊፆምሉ ‘ዮም:: እዚ ድማ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ናይ መፈለምታ ከምዝኾነን ፣ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ እናተፃላእኻ ስም እናጥፋኻን ‘ዩ ነይሩ ::

እዚ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝተርኣየ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ህዝብን ፓርትታትን ብዙሕ ተስፋ ገይሮም ‘ዮም:: ኣብ ሃገርና ዘለዉ ዓበይቲ ተፎካካርቲ ናይ ቡዙሕ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ዝነበሩ ሰባት ‘ዮም፤ብልፅግና ደጊፎም ኣብ ዶክተር ኣብይ እምነት ነይርዎም ‘ዩ:: ስለዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ተስፋ ዝሃበን ኣብ ሹመት ክንርኢ ከለና ድማ ቅድሚ ኸዚ ዝቃለሱ ዝነበሩን ሓደሽቲ መናእሰይን ቅድሚ ኸዚ ዝነበሩ ተቃወምቲ መንግስቲ ስለዝፈርሕ ንድሕሪት ‘ዩ ዝብል ነይሩ:: ኣብዚ ኸዚ ግና ሓደሽቲ መናእሰይ ሪእና ኢና ፣ሓደሽቲ ፓርትታት ተሳተፍቲ ኾይኖም ‘ዮም::

ናይ ቦታ ኣቀማምጣን ሽግሽግን ድማ ዝተሓሰበሉ ምዃኑ ዘፍልጥ ‘ዩ:: እቶም ዝተሸወሙ ሚኒስትራት ልዕሊ ሓደ ዓመት ፅንዓት ዝተገበረሉ ‘ዩ:: ኣብ ሃገርና ትኹረት ተገይሩ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ ሰላም ቐፂሉ ድማ ጉዳይ ግዕዝይና ዝካተተ ስርቅን ልመናን ንምጥፋእ ክስራሕ

ኣለዎ:: ሃገርና ድኻ ኾይና ኣይኾነትን ግና ምንም ስርቒ ዘይፈርሕ ትውልዲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመት ስለዝተፈጠረ፣ኣብዚ ኸዚ ግና ተፀዋዕነቱ ንቐዳማይ ሚኒስትር ብምዃኑ ኣሰራርሓ ክቕይር ‘ዩ ኢለ ይኣምን::

ግልጋሎት ዝህቡ ስራሕቲ ኹሉ ተፀዋዕነቱ ናብ ቐዳማይ ሚኒስትር ምዃኑ እዚ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ:: ኣብ ፓርላማ ዝመሰለካ ሓሳብ ምግላፅ ጅማሮ ኣሎ::ቅድሚ ኸዚ ኣብ ፓርላማ ተዘራሪብካ ‘ዩ ዝእቶ ነይሩ፣ ዝተፈለየ ንቐዳማይ ሚኒስትር ወይ ድማ ንኣባላት ፓርላማ ሓሳብ ኣይተቕርብን፤ ኸዚ ዝራእናዮ ግና ሓደ ብሓላፍነት ዝተቐመጠ ሰብ ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ቀጥታ ንቐዳማይ ሚኒስትር ‘ዩ እናቐረበ ዝዛራና:: ክደየናይ ነፃነትን ዲሞክራስን ምስፋኑ ዘርኢ ብምዃኑ እዚ ንኢትዮጵያ መፃኢ ዕድል ተስፋ ዝህብ ‘ዩ::

ኣብ ፓርላማ ሓደሽቲ ገፅ ምርኣይና ብኡኡ ልክዕ ሓድሽ ሓሳብ ‘ውን ሒዙ ክመፅእ ተስፋ ንገብር:: ደቂ ኣንስትዮ ዘሳተፈን ሓሳብ ብናፅነት ዝተገለፀሉ መድረኽ ‘ዩ ነይሩ:: ካብዚ ብምቕፃል መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጉዳይ ግዕዝይናን ትኹረት ክሰርሕ ኣለዎ:: ስራሕ ዕድልን ዲሞክራስን ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ኣለዎ:: ናይዛ ዓዲ ናይ ሌብነት ክሕሰብ ከሎ ሃገር ምሉእ ፍተሻ የድልዮ ‘ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ:: ናይ መሬት ኾነ በጀት ካልኦት ወፃኢ ጥብቂ ዝኾነ ቁፅፅር ኣድላይ ‘ዩ:: እዚ ክንብል ኸለና ግና ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ፀገም ስለዝኾነ ብሓደ ግዘ ክቕየር ‘ዩ ማለት ኣይኮነን:: እዚ ፀገም ኣተሓሳስባ ስለዝኾነ እዚ ንምቕያር ደረጃ ብደረጃ ዝሰራሕ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ::

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትካል ቦርዲ መረፃ ናይሩ’ዩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ቦታ ዝተቐመጠ ኣካል ‘ዩ ዝውስኖ፣ ወይዘሪት ብርትኳን ኣብቲ ቦታ ንክትቕመጥ ብምግባር ነቲ ቦታ ትኽክለኛ ብምፍላጥ ውፅኢት ዘለዎ ስራሕ ንክመፅእ ክኢሉ ‘ዩ:: ንናፅነትን ትኽክለኛ ቅዋም ኣካል ብምምራፅ እቲ ትካል ኾነ ውፅኢት እቲ ስራሕ ክሳኻዕ ክኢሉ ‘ዩ:: እዚ ማለት እቲ መረፃ ምሉእ ብሙሉ ኣይጭብርበርን ክትብል ኣይትኽእልን ግና ኣብ ከይዲ ዓብይ ተስፋን ለውጥን ተራእይሉ ‘ዩ:: ስለዚ ፀገማት እንተሃለዉ ‘ውን ኣብ ከይዲ ከምዝፍትሑ ዘርኢ ‘ዩ:: ንኣብነት ጉዳይ ብሄር ጉዳይ ኣተሓሳብ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ ዝዕረን ግዜ ዝደልን ‘ዩ:: ሰብ ብምዃና ንሃገር እነገልግል ምዃና ተሪፉስ ብሄሩ እንታይ ‘ዩ ዝብል ኣካል ተፈጢሩ ‘ዩ:: እዚ ብጊዜ ዝፍታሕ ፀገም ‘ዩ::

ኣነ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ እንትምረፅ ብሄሩ ኣይኮነን ዘሕስብኒ ብቅዓቱ ‘ዩ ዘሕስብኒ፣ እዞም ዝተመረፁ ኣካላት ሃገር ንምቕያር ቅዋሞም እንታይ ‘ዩ’ምበር ብሄሮም እንታይ ‘ዩ ክንብል የብልናን:: ስለዚ ብመስርሕ ክዕረዩ ዝግበኦም ነገራት ኣለዉ ፣ብኣተሓሳስባ ክቕየሩ ዝኽእሉ ነገራት ኣለዉ፣ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምቕያር ክዕረዩ ዝኽእሉ ነገራት ኣለዉ:: ናይ ሓደ ሰብ ቅዋም ብምቕየር ናይ ሓደ ትካል ምቕያር ብቅዓት ኣለዎ ‘ዩ:: ሰራሕተኛ ብምቕያር ፣ ካልኦት ሰባት ብምፍጣር ይኹን ብዝተፈላለየ መልክዑ እቲ ትካል ክቕይር ይኽእል ‘ዩ:: ትካል ተቐይሩ ማለት ድማ ስልጣነ እናተስፋሕፈሐ ‘ዩ ዝመፅእ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ተስፋ ገይሩ ‘ዩ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝደገፎ ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ኢሉ ‘ዩ፡፤ እዚ ህዝቢ ክድግፍ ከሎ ሙሉእ ብሙሉእ ዝደልዮም ነገራት ተማሊእሉ ኣይኮነን ፤ብዙሓት ሕቶታት ኣለውዎ ‘ዮም፤ ግና ጉዳይ ሃገር ስለዘቐድም ፀገማት እናኽኣለ ‘ዩ፤ ናብራ ምኽባር ንባዕሉ መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ ከስተኻኽለሉ ይግባእ:: ኣብዚ ሃገር ጥቕመኛታት ዝኾኑ ጉጅለ ተወዲቦም ‘ዮም:: ከምዚ ዝኾነ ጉጅለ ድማ ንማንም ክሓስብ ኣይኽእልን .ሪእናዮም ኢና ምስ ግብፂ ኾይኖም ሃገሮም ዝክሕዱ ዘለዉ::

ወጋሕታ፡-ካብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ዝኾነሉ ዕድል ይህልዎ ዶ ይኸውን?

ኣይተ ባርያጋብር፡- ጉዳይ ትግራይ ክትሓስብ ኸለካ ዘጨንቕ ነገር ኣለዎ ::ዝሓለፈ ወርቂ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ተባላሽዩ ‘ዩ:: ጉዳይ ትግራይ ንትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ከም ሃገር ‘ውን ናብ ፀገም ‘ዩ ኣእትዩ፡ ፡ሓደ ምስ ምዕራብውያን ጎንፂ ንክፍጠር ዝተገበረ በዚ ምኽንያት ‘ዩ፤ ጥፍኣት ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ስልጣን ከምዝባረሩ ስለ ዝፈልጡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣፅዋር ቀቢሮም ‘ዮም ኸይዶም:: ስራሖም ኹሉ ብተንኮል ዝተመልአ ‘ዩ ፣ተንኮል ዝሓስብ ኣካል ድማ ሓደ መዓልቲ ናይ ኢዱ ምርካቡ ስለዘይተርፍ ዝገደደ ጥፍኣት ‘ዮም እናሰርሑ ፀኒሖም:: ትግራይ ብዙሓት እዋን ዘሕለፈቶ ኹናት ብምትእንጋድ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ድማ ብኢኮኖሚን ኣተሓሳስባን ንጉጅለ ህወሓት ከምልኽ እናተገበረ ‘ዩ ፀኒሑ:: እዚ ኸዚ ንኹናት ወፂኡ ዘሎ መንእሰይ ንመን ከምዝገዋጋእ ኣይፈልጥን:: ንምንታይ ዕላማ ከምዝዋግኡ ኣይፈልጥን ፤ ኸዚ ‘ውን ንዝሓለፈ ዓመታት እናመርሕዎ ዝነበሩ እቶም ዋና ጉጅለ ህወሓት ‘ዮም ነቲ ወለዶ እናወድእዎ ዘለዉ::

 ጉዳይ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ተዋሊዱ ዝተዛመደ ህዝቢ ‘ዩ፣ ህዝብታት ተረጋጊዖም ንከይነብሩ ኣብ ክልቲኡ ሰላም ዘስእን ስራሕቲ ተሰሩሒ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ኣብዚ ኸዚ ዘለዉ ሹመታት ግና እዚ ፀገም ክፈትሑ ዝኽእሉን ነገራት ካብ ኽልቲኦም ዓበይቲ ሰባት ብምምፃእ ዕርቅን ሰላምን ክፈጥሩ ‘ዮም ኢልና ተስፋ ንገብር::

ወጋሕታ፡-ብልፅግና ትግራይ ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ምንታይ ጉዳያት እናተንቀሳቐሰ ይርከብ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- ብልፅግና ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ ኣለና ‘ዩ::ሙሉእ መሓውር ብምጥያሽ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ:: ብዛዕባ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዉ ዘፃሪ ‘ዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ፕሮግራም ኣሸንዳ ብምስንዳእ ልዕሊ ዓሰርተ ሚኒስትራት ዝተረኸብሉ ዓብይ ምድላው ነይሩ ‘ዩ፤ እቲ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ መቐለ ክኸውን ዋና እንተተገበኦ ‘ውን ብዝተፈጠረ ኩነታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን እናሰርሐ ይርከብ:: ጎኒ ንጎኒ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ውዳበ ብዝተወሰነ መልክዑ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ክንዲቲ ዝድለ ድዩ ተሰሪሑ ካልእ ጉዳይ ‘ዩ:: ምስቲ ኩነታት ተደሓሒዙ ማለት ‘ዩ:: ብልፅግና ትግራይ ካብቶም ካልኦት ብልፅግናታት ፓርቲ ብጣዕሚ ይፍለ ‘ዩ:: እቶም ካልኦት ኢህወዴግ ዝነበሩን ከምዘለዉ ናብ ብልፅግና ‘ዮም ተለውጦም፣ ብኣዴን ዝነበረ ‘ውን ከምኡ፤ ብልፅግና ትግራይ ግና ይፍለ ‘ዩ:: እዚ ፓርቲ ህወሓት ተኪኡ ‘ዩ ተመስሪቱ ፣ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ትግራዎት ከይጥቃዕ ተባሂሉ ብጣዕሚ ብፍጥነት ‘ዩ ተመስሪቱ:: ፓርቲ ብዙሕ ቃልሲ ‘ዩ ዘለዎ እዚ ድማ ብፍጥነት ካብ ምጥያሹ ዝተልዓለ ዓቅሚ ንከይህልዮ ገይርዎ ‘ዩ::

ኣብ ውሽጢ ብልፅግና ክሳብ ህይወቱ ዝህብ ኣመራርሓ ኣሎ፣ በዚ ልክዕ ድማ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከምዝበደለ ምግላፅ ዘይደሊ ኣመራርሓ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ብልፅግና ትግራይ ምስ ተፈጠረ ብዙሕ ፀገማት ተፈቲሑ ዩ:: ትግራይ ክትድሕን እንተኾይና ብልፅግና ፓርቲ ጠንካራ ክኸውን ይግባእ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊን መንእሰይን እቲ ፀገም ኣብኡ ስለ ዘሎ ናይ ምዕራይ ዕድል ኣለዎ:: እዚ ተስተኻኺሉ ማለት ንትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውጥረት ‘ውን ዝስተኻኸል ‘ዩ ዝኸውን:: ብልፅግና ፓርቲ ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ምዝርራብ ስለ ዘለና ኣብ ቀረባ እዋን እቶም ዝነበሩ ፀገማት ብፍታሕ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ትግራይ ካልኦት ክልላት ዝረኸብዎ ዕድልን ዝመርሖም ናይ ምምራፅ መሰል ንኽትረክብ ካብ መን እንታይ ሓላፍነት ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ናይዛ ሃገር ፀገማ ናይ ኸዚ ኣይኮነን ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀሩን ሱር ዝሰደዱን ‘ዮም:: ብፍላይ ድማ ጉዳይ ስርቂ ፣ስራሕ ዕድል ንኹሉ ማዕረ ንከይኸውን ብዘመድ እናአተወ፣ ምጭብርባር ዝተመልኦ ስራሕ፣ ስልጣን ብህዝቢ ዝመረፆ እንተይኾነስ ብሓይልን ብምጭብርባርን ብሓፈሻ ኢትጵያውነት ዝገልፁ ክብሪ ንዝሓለፉ ዓመታት ጠፊኦም ‘ዮም:: እዚ ፀገም ዝፈጠረ ድማ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ:: ትግራይ ካልኦት ክልላት ዘግነይዎ ዕድል ንክትረክብ ናይ ባዕላ ዝኾነ ጠንካራ ጉጅለ ክትምስርት ኣለዋ:: ሓደ ኣካል ብምርኣይ ጥራሕ ክትምድብ ኣይትኽእልን፤ ስለዚ ብዘለዎ ቅዋም ፣ድልየትን፣ተላዓዓልነትን ብምፍታሽ ‘ዩ

ዝኸውን:: እዚ ድማ ህዝቢ ናይ ምእማን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ:: ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኹናት ጠጠው ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብዝመረፆ ፣ክመርሐኒ ‘ዩ ኢሉ ሓላፍነት ዝወስደሉ መራሒኡ ከምዝመርፅ ኣይጠራጠርን:: እዚ ሓላፍነት ድማ ናይ ኹሉ ኢትጵያዊ ‘ዩ:: ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እያ ዘላ::

ወጋሕታ፡- ሓገዝ ብምፅዓን ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ

 መኻይን እናተመለሳ ኣይኮናን እሞ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሕድሮ ፀገም ንክጋደድ ኣይገብሮን?

ኣይተ ባርያጋብር፡- እዚ ዘርእየና ጭካነ ህወሓት ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ‘ዩ:: እዚ ፀገም ብህዝቢ ትግራይ ‘ውን ዝፍለጥ ‘ዩ:: ካልእ ይተርፍ ሓገዝ ስርናይ ዝዋሃብ እኳ ደቁ ናብ ኹናት ዝሰደደ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ኹናት ፈፂሙ ከምዘይደሊ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተራእዩ ‘ዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ሰብዓን ሸውዓተን ጥምየት ‘ውን ህወሓት ፖለቲካ ሰሪሕሉ ‘ዩ:: እዚ ታሪኽ ኸዚ ‘ውን እናደገሞ ‘ዩ

ዝርከብ:: ትግራይ ቴሌቪዥን ናይ ሙሉእ መዓልቲ ፈነውኡ ቅድሚ ኸዚ ‹‹ክንድዚ ቁፅሪ ዘለዎም ሰራዊት ማሪኽና›› ፣ ‹‹እዚ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርባ ኣብውዒልና ›› ዝብል ‘ዩ ነይሩ፤ ሐዚ ድማ ብምኽንያት ስእነት ምግቢ ክድዚ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ጥምየት ይርከብ ዝብል ‘ዩ:: ብተመሳሳሊ ድማ ቅድሚ ኣዋርሕ ሓደ ወረዳ ክንድዚ ዝኣክል ሓጊዙ ንሰራዊት ምግቢ የዳሉ ኣሉ ‘ዩ ዝብል ነይሩ ፤ ኣብዚ ኸዚ ናይ መወዳእታ ፖለቲካ ትርፊ እናተጠቐሙላ ዘለዉ ድማ ጥምየት እትብል ዜና ‘ያ:: ልዕሊ ኣርባዕተ ሚኢቲ መኻይን ሒዝካስ ስለ ጥምየት ‘ዩ ዘውሪ:: ዕላማ ጭካነ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝገደደ ፀገም ምእታው ‘ዩ:: ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ‘ውን ንህወሓት ምድጋፍ እናቐነሱ ‘ዮም:: ባዕሉ ህወሓት ‘ውን እናተኸፋፈለ ‘ዩ፤ ህወሓት ኣብዚ ኸዚ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ እናተፈለጠ ‘ዩ ዘሎ:: ልዕሊ ብልፅግና ከምዚ ‘ዩ ዝብል ባይቶናን ናፅናት ትግራይ እናተዛረቡ ‘ዮም ዝርከቡ:: ፀረ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ጥራሕ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ:: ህወሓት ካብ መሰረቱ ‘ዩ ክጠፍእ ዘለዎ፤ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምይ ኢሉ እዚ ኹሉ ዓመት ከምዝፀንሐ ‘ውን ብጣዕሚ ‘ዩ ዝገርም:: እዚ ፓርቲ ሃይማኖተኛ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሃይማኖተኛ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ማለት ጋሻ መፂኡ እግሩ ሓፂቡ ፣ኣብሊዑ ዘተኣናግድ ሕያዋይ ህዝቢ ‘ዩ፤ ህወሓት ማለት ከም እኒ ጌታቸው ኣሰፋ ዝበሉ ‘ዮም ፣ላቐተሉይ፣ላሳቐዩን እናሰቐቐሉን ዝነበሩ ኣካላት ‘ዮም:: ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ዘመን ኢህወዴግ ዘይነበረ ናፅነት እዪ ዝረአ ዘሎ፤ ባዓል እሬቻ ተቓውሞ ዘልዓሉ ኣካላት ነይሮም ‘ዮም ፣ ግና ማንም ዝነኽኦም ኣይነበረን፤ መሰሎም ‘ዩ ተባሂሎም ከይዶም በቃ፤ ኣብ ዘመን ህወሓት ግና ኣሽንከዋይዶ ሆ ንዝበለ ውልቀ ጋዜጠኛ እናቐተለ ዝመፀ ‘ዩ:: እዚ ፓርቲ ካብ ትግራይ ከመይ ኢሉ ‘ዩ ተፈጢሩ ‘ዩ ዘብል፤ ኣነ ኹልግዜ ዝዛረቦ ህወሓት ኢትዮጵያዊ ‘ውን ትግራዋይ ‘ውን ኣይኮነን እዚ ናተይ ድምዳሜ ‘ዩ ግና ንዝሓለፉ ዓመታት ግና ከመይ ገይሩ ‘ዩ ዘመሓደር ዝነበረ ዝብል ሕቶ ዝፈጠር ‘ዩ:: ተግባር ህወሓት ብቃል ጥራሕ እንተይኾነስ ብመፅሓፍ ‘ውን እዩ ተፃሒፍሉ :: እዘ ዘሕፍር ታሪኽ ‘ዩ:: እዚ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን እናበረዞ ‘ዩ ዘለዎ:: ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ፈፂሞም ዝራኸቡ ኣይኮኑን:: ብዛዕባ ጥፍኣት ህወሓት መፅሓፋት ተፃሒፎም ‘ዮም:: ግደይ ዘርኣፅዮን ን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ሓዊሱ ካብ ስልስን ሸውዓተን ዝወፁ ጀሚሩ ፃሓፍቲ ኣለዉ ‘ዮም:: ክሳብ ኸዚ ‘ውን ክፍኣትን ተንኮልን ይፃሓፍ ኣሎ:: ህወሓት ኣነ ዝገርመኒ ስግብ ሐዚ ዘይተፅሓፈ ጉዳይ ግና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ኸመይ ኢሉ ዝኹሉ ዘመን ሓቢሮም ነቢሮም ዝብል ‘ዩ:: ብስሩ ለጋኒ ነገር የብሎምን:: ርግፅ ህወሓት ካብ ሓደ ብሄር ዝወፀ ጉጅለ ‘ዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን::

ህዝቢ ትግራይ ኣጥሚኻ ናይ ምግዛእ ፖሊሲ ህወሓት ናይ ኸዚ ኣይኮነን ፣ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ‘ዮም ጀሚሮምዎ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ህወሓት ካብ ዝኽእል ከስዕሮ ‘ዩ ዝግባእ:: እቲ ህዝቢ ንክኽእል ተገይሩ ‘ዩ:: ትግራዋይ ሓገዝ ዘድልዮ ዳርጋ ኹሉ ‘ዩ:: ከምዝባሃል ሓደ ነጥቢ ሸሞንተ ሚሊዮን ጥራሕ ኣይኮነን:: ምናልባት ብጉጅል ህወሓት ብናታቶም ዝሓለፈሎም እንተዘይኾነ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮ ‘ዩ:: ጨረታ እንትወፅእ ናታቶም ሰብ ‘ዩ ኹሉ ግዜ ዝስዕር፣ ምስኪን ህዝቢ ምልክታ እንትወፅእ ይወዳደር’ምበር ንስራሕ ፈተና ሓሊፉ ኣይፈልጥን፣ ህንፃታት ኣብ መቐለ ናይ መን ምዃኑ ዘይፈልጥ ብዙሕ ‘ዩ ፤ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ንከሕልፍ እናገበረ ዘሎ ባዕሉ ጉጅለ ህወሓተ ‘ዩ:: ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ጨካን ‘ዩ፤ ኸዚ ኣሽንኳይዶ እኽሊ ከቐርበሎም ህፃናት ናብ ኹናት እናእተወ ትግራይ ተረካቢ ዘይብላ ክልል እናገበራ ይርከብ:: ብሓፈሻ ግና ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሕዝን ብፍላይ ድማ ብጥምየት ዝመውት ሰብ ናብ ውግእ ዝኸይድ ዘሎ ዝበፅሖ ነገር ‘ዩ ፈሊጡ ዝኣቱ፣ ኣብ ገዛ ኾይኑ ብጥምየት ዝመውት ህፃን ወይም ኣደ ግና ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘይግበኦምን ‘ዩ እሞ መንግስቲ ብጣዕሚ ክሓስበሉ ዝግባእ ጉዳይ ‘ዩ:: እዚኣቶም ኣብ ከተማ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ዝነበሩ ሸፋቱ ‘ዮም:: ስረሖም ‘ውን ናይ ሽፍታ ‘ዩ ነይሩ::

ወጋሕታ፡-ኣብዚ ሓድሸ ምዕራፍ ዝተመረፁ ሚኒስትራት ስርቅን ልመናን ንከጥፍኡ ዓብይ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ‘ዩ እሞ ዝሓለፈ ንከይድገምን ስርቅን ልመናን ንክጠፍእ ኣብ ምንታይ ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም ይብሉ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- ኣብዚ ኸዚ ዝምረፅ ኣመራርሓ ዒስራን ኣርባዕተን ሰዓት ንምስራሕ መስዋእቲ ክግብር ኣለዎ:: እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ልመናን ስርቅን ባዕሉ እቲ ኣመራርሓ ናፃ ክኸውን ኣለዎ፣ ካብ ምጉጃል ባዕሉ ዘግለለ ክኸውን ኣለዎ፤ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ስራሕቲ ምጉጃል እቲ ሓደ ጠንቂ ‘ዩ ነይሩ:: ኣብ ጉዳይ ንምፍፃም እኳ ናታቶም ጉጅለ እንተዘይቐሪብካ ጉዳይካ ዘይፍፀመሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ:: ስለዚ እዚ ንምጥፋእ ድማ መጀመርያ እቲ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኣካል ካብዚ ዝፀረየ ክኸውን ኣለዎ:: እዚ ጉዳይ ስርቅን ልመናን ኣብ ሃገርና ዝነበረ ስለዝኾነ ምሉእ ንሙሉእ ናፃ ንምግባር ግዜ እንተወሰደ ‘ውን ንድሕሪት ከይንሳሓብ ግና ካብ ሚኒስትራት ዓብይ ጥንቃቐን ትኹረትን ትፅቢት ይግበር:: እዛ ሃገር ናይ ኹላትና ‘ያ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ:: ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እንድሕር ተኸቲልና እቲ መሓውር ናብ ዝድለ ኣንፈት ‘ዩ ዝመፅእ:: እቲ መሓውር ናብ ትኽክል ኣንፈት እንድሕር ዘየምፃኻ ህዝቢ ግልጋሎት ኣይረክብን ማለት‘ዩ:: ኣብ ሰርቂ ምሕረት ክህሉ ኣይግባእን:: ጠንካራ ቅዋም ክህሉ ኣለዎ:: ህዝቢ ዝተኣማነሉ ሓላፍነት ዘለዎ ክኸውን ዘለዎ:: ካብ ህዝቢ ድማ እናተለማመድናዮም ዝመፃና ኣሎ፤ ስርቂ እናረእኻ ከምዘይረእኻ ምሕላፍ፤ ሌብነት ንክጠፍእ እቲ ዋና ተዋሳኢ ህዝቢ ባዕሉ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ:: ህዝቢ ለውጢ እንድሕር ዝደሊ ኾይኑ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ክቃለስ ኣለዎ፤ ካብ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን ለውጢ ዝመፅእ::

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን::

ኣይተ ባርያጋብር፡-ኣነውን የመስግን::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

Recommended For You