
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓደሽቲ ኣባላት ካብኔ ሕፁያት ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ 26 መስከረም 2014 ዓ.ም እንተቕርቡ መዐቐኒ ሹመትን ካብቶም ሚኒስትራት መንግስትን ህዝብን እንታይ ትፅቢት ከምዝገብር ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኸዚ ብዝፀደቐ ስትራክቸር ኣባላት ካብኔ ኾይኖም ሃገሮምን ህዝቦምን ብተኣማንነት ንከገልግሉ ንቤት ምኸሪ ዘቕረቦም ውልቀ ሳባት ከም መሰረታዊ መመዘኒ ገይሩ ዘቐመጦም ሹመት ንምሃብ ትኹረት ዝገበረሎም ሓሳብ ነይሮም ‘ዮም፡፡
እቲ ሓደ መዐቐኒ ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ካብኔ ኾይኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ኮፍ ኢሉ ሓሳብ ንምልውዋጥ ዝኽልክል ክኸውን የብሉን፡፡ ዝተፈላለየ ኣመላካክታ ዘለና እንተኾነ ‘ውን ተቐራሪብና ክንሰርሕ ክንኽእል ኣለና፡፡ ንሕና መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ድምፂ ዝረኸብና እንተኾነ ‘ውን ካልኦት ኣካቲትና እንተሰሪሕና ንቕድሚት ሓደ ፓርቲ መንግስቲ ምምስራት ዘኽእሎ ድምፅ ተዘይረኸበ ‘ውን ነዚ ግብኣት ዝኸውንን መሰረት ‘ዩ ዝኾን፡፡ ብዝተለመደ መገዲ ክንኸድ የብልናን ዝብል ከም መሰረታዊ ሓሳብ ወሲድና ኢና፡፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ብዝተኽኣለ መጠን ኸባቢ መሰረት ንምግባር እኹል ኣይኮነን ሰፊሕ ስራሕ ንምስራሕ ዝሓትት’ ዩ ግና ከም ሓሳብ ንምውሳድ ተሞኪሩ ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ሰባት ልምድን ዓቕሚ ድርጊት ንምርኣይ ‘ውን ተሞኪሩ ‘ዩ፡፡ካብ ፆታ ኣንፃር ከምዝድለ ተዘይከደ ‘ውን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝውክለሉ ካብኔ ንምግባር ፃዕሪ ተገይሩ እዩ፡፡ ብብቅዓት ሰሪሖም ዘስርሑ ሰባት ከምዝኾኑ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ጉዳይ ሃይማኖት ድም መልክዕ ኢትዮጵያ ንክሕዝ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ካልእ ድማ ጉዳይ ምግላል ትርጉም ተረድኢዎም ሓላፍነት ንምውሳድ ዝደልዩ ሰባት ምኳኖም ንምርግጋፅ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ጉዳይ ምደባ ዝውዳእ ስለዘይኾነን ኹሉ ምሕጓስ ስለዘይካኣል ብዝተኻኣለና መጠን ጊዜ ወሲድና ንምርኣይ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ካብኔ ትፅቢት ክግበር ኣለዎ ኢሎም ዘቕመጥዎ ኣብ ዝቕፅል መንግስቲ ኣባላት ካብኔ ኾይኑ ሚኒስትራት ዋና ተልእኾም ገይርም ምውሳድ ዘለኩም ምጥፋእ ልመናን ሌብነትን ‘ዩ፡፡ ሌብነትን ልመናን እናሃለዩ እዛ ሃገር ቅንዕ ምባል ስለዘይካኣል ልመናን ሌብትን ንምጥፋእ፣ ባዕልና ክኢልና ክንሓድር ዝገብረና ፣ምስ ልመና ተዳሓሒዙ ዘሎ ሌብነት ሕማቕ ኣመል ንምጥፋእ ተሊሙ ዝሰርሕ ካብኔ ንክኾን ሓቲቶም ‘ዮም፡፡
እቲ ካልኣይ ድማ ኣባላት ካብኔ ሚንስትራት ኢትዮጵያ አቲኹም ተወከልቲ ብሄር ምዃን ምምኳር ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ትኽክል ‘ዩ፤ ብካብኔ ግና ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ሓደ ሰብ ሚኒስትር ግብርና እተኾይኑ ንኢትዮጵያውያን ሚኒስትር ግብርና ኾይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ፡፡ ንሓደ ከባቢ ተወሲኑ በዚ መንፈስ ዝሰርሕ እንተኾይኑ እንደልያ ኢትዮጵያ ክንፍጥር ስለዘይንኽእል ኣባል ካብኔ እዚ ጉዳይ ካብ ኸዚ ክሓስበሉ ይግባእ፡፡
ተፎኻኸርቲ ፓርቲ ናይ ካቢኔ ኣባልነት ብምእታዎም ትኹረት ክገብርሉ ይግባእ ኢሎም ዘቕመጠዎ ድማ ትካል ምምራሕን ትካል ምቅዋምን ብጣዕሚ ዝተፈላለዩ ‘ዮም፡፡ ኣብ ወፃኢ ኾይና እንትንቃዎም ጉዳያት ቀለልቲ ‘ዮም፣ ኣቲና ትካል እንትመርሕ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣለዎ፡፡ እቲ ሓቂ ቀሊል ኣይኮነን፣ ንስኻትኩም ባዕልኹም መገዲ ፀራጊ ናይ ምዃን ሓላፍነት ውሰዱ። ንህዝቢ እዚ ሓቂ ብኣግባቡ እንተዘይተረዲእና ጥምር መንግስቲ ንቕድሚት ምፍጣር ዘይሕሰብ ስለዝኾን ድርብ ሓላፍነት ኣለና፡፡ ሚንስትር ጥራሕ እንተይኾነስ ካልእ ሓሳብ ‘ውን ኣብ ካብኔ ውሽጢ ኣትዮም ልምምድ ዝካየደሉ ናይ መጀመርያ መድረኽ ስለዝኾነ ሓላፍነትና ዓብይ ኢዩ ኢልኩም ንክትሪኡ ፣ሓቢርና ምስራሕ ከምንኽእል ፣እናተዛተና ንሓባርና ልምዓት ንሃገር ብልፅግና ምስራሕ ከምንኽእል ንመፃኢ ወለዶ እተሪኡ
ከምትኾኑ ብዓብይ ትሕትና የተሓሳስብ፡፡ብልፅግና ባዕሉ መንግስቲ ከጣይሽ ይኽእል ‘ዩ፤ ግና ንህዝቢ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ‘ዩ እናሳተፈ ዘሎ፡፡ትልሚ ዘመናዊ ገይኹም እዚ ሓሳብ ትኽክል ከምዘይነበረ ብተግባር እተሪኡ ከምትኾኑ ሓደራ ክብለኩም ይፈቱ ኢሎም እዮም፡፡
ብህዝብን መንግስትን ጎኒ ዘለዉ ብሓባር ብኮሚቴ ስለዝሰርሑ ፣ሕድ ሕድ መራሒ ትካል መጀመሪያ ኣእምሮና ንሓድሽ ሓቂ ክፉት ከንገብር ኣለና፡፡እቲ ሰብ ካብ ማንም ፓርቲ ይምፃእ ብኸመይ በዚ ልምዲ ይመርሐኒ እንተይኾነስ ኣእምሮና፣ ልብና፣ ፍቃድና ክፉት ገይርና ክንፅበ ኣለና፡፡ ኸዚ ብቤት ምኽሪ ዝተመረፀ ምስ ፀደቐ ሚኒስትር ‘ዩ፡፡ ምንም ዓይነት ‹‹ጄጅመንት›› ክህሉ ኣይግባን፡፡ ተቐቢልና ከም መራሒ ምግልጋል ኣድላይ ‘ዩ፡፡ እዚኦም ኣተሓሳብባ እንተሃልዩ ተኣኪብና ንምስራሕ ሃገር ንምልማዕ ክንፅገም ኢና፡፡ተፎካካርቲ ፓርቲ ንሃገር ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ምሕሳብ ከምዘለና ኣቀዲመ ከተሓሳስብ ይግባእ፡፡
ብምኽንያት ሹመት ሚኒሰትራት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝቐረቡ ሕቶታት ቐዳማይ ሚኒስትር መብርሂ ሂቦም ‘ዮም፣ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተልዓሉ ሓሳባት ኸሎም ብትሕትና ከም ግብኣት ክወስዶም ‘የ። ብርግፀኝነት ዝነግረኩም እዚ ሹመት ካብኔ ሚኢቲ ፐርሰንት ፐርፌክት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ሰብ ከም ጨው ምጥዓም ስለዘይካኣል ትምህርቱን ልምዱን ሓደ ሐዳ ነገራትን ‘ዩ’ምበር ምርኣይ ዝካኣል ምሉእ ሰብ ምፍላጥ ኣይካኣልን፡፡ ኣሽንባይዶ ሰብ ካልእ ሰብ ክፈልጦ ይትረፍ ሰብ ባዕሉ ካብ ባዕሉ መንነት ዘይፈልጦም ብጣዕሚ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፡፡ፐርፌክት ነገር ትፅቢት ኣይግበርን፤ መንግስቲ እኩብ ፐርፌክት ሰባት ኣይኮነን፡፡ ምግልጋል ዝደልዩ ሰባት እኩብ እዩ፡፡ እዚ ምምራሕ ብቕድሚያ ካብዚ ቤት ምኽሪ ትፅቢት ዝገበር ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ግዘ ወሲድና ምግባር ዝኻኣልናዮ እዚ ‘ዩ፡፡ ኣብ ኹላትና ዝፍተሸ ነገር ክህሉ ‘ዩ፤ ትሕግዙ ኢኹም ብዝብል’ምበር ፍፁም ሰብ የለን፡፡
ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝተልዓለ መምህር ማለት ፍልጠት ዘሸጋግር’ምበር ፍልጠት ኣሻጋሪ ኣኪቡ ዝመርሕ ኣይኮነን፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ ቐዳማይ ሚኒስትርነት ማንም ተማሂሩ ዝመፀ የለን እኮ። ስርዓት ትምህርቲ ብፍልጠት ምምራሕ ትኽክለኛ ኣመራርሓ ‘ዩ፡፡ ግና ብ ብኢዱኬተርስ ንስኻትኩም ንክተምህሩ’ምበር ንክትመርሑ ኣይድለን፡፡ ኣይድለይን ማለት መራሒ ካባኹም ኣይወፅእን ማለት ኣይኮነን። ኣነ ብርግፅ ዝነግረኩም ብዓለም ለኸ ርክብ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ካልኣይ ዲግሪ ሳልሳይ ዲግሪ ዝወሰደ ሰብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ምምራሕ ኣይክእልን፡፡
ተፎካርቲ ፓርቲ ብዝምልከት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፈልጦ ፓርትታት ተቃውምቲ ኣብ ካብኔ ዝተኻተቱ ቦታ ተዋሂብዎም ‘ዩ ተባሂሉ ንክባሀል ኣይኮነን፡፡ ኣብነት ንኣመራርሓ ኣብን ዝሃብናዮ ቦታ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ትልምና ካብ ሓሙሽተ ፒላር እቲ ሓደ ‘ዩ፡፡ ሂብና ንምባል እንተይኾነስ ክሕግዙ ‘ዮም ሃገሮም ከገልግሉ ‘ዮም ብዝብል እምነት ‘ዩ፡፡ ክንድግፎም ኢና ንስኻትኩም ድማ ትድግፍዎም ኢኹም፤ እርግጠኛ ‘የ ውፅኢት ከምፅኡ ‘ዮም ኢለ ተስፋ ይገብር፡፡ ከም ቅድሚ ኸዚ እንተይኾነስ ማንም ይኹን ብሞየኦምን ብብቅዓቶም ንከገልግሉ ኢና ንደሊ፡፡ ፓርትታት ቅድም
ከምዘልዓልዎ ትካል ምምራሕ ካብ ቴሌቪዥን ካብ እንሪኦ ክርክር ፖለቲካ ዝፍለይ ‘ዩ፡፡ ነዚ ድማ ሓገዝ እናተገበረሎም ውፅኢት ከምፅኡ ‘ዮም ኢለ ተስፋ ይገብር፡፡ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ትምህርቲ ሚኒስትር ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚ ሚኒእተር ተዝኾኑ ዝብል ዝተልዓለ ሕቶ ልምዶም ክንርኢ ከለና ኢኮኖሚ ተማሂሮም’ ምበር ምስ ኢኮኖሚ ሚኒስቴር ዝደሓሓዝ ምንም ልምዲ የብሎም፡፡ ኢኮኖሚክስ ተማሂሮም ግና ህይወቶም ብምሉእ መምህር ‘ዮም ነይሮም፡፡ ፕሮፌሰር ካብ ሀገር
ውሽጥን ወፃእን ዝሓሸ ልምዲ ዘለዎም ብዝተምሃርዎ ሞያ እንተይኾነስ ምስ ምምሃር ዝተድሓሐዝ ስለዝኾነ ስርዓት ትምህርቲ ዘመናዊ ንምግባር ክሕግዙ ‘ዮም ተባሂሉ ስለዝእመን ‘ዩ ዝተመደቡ፡፡ እዚ ከምዝኾን ተስፋ ይገብር፡፡ብኦሮምኛ ካብ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝተለዓለ ሓሳብ ኣብ እዋን ክርክር ፖለቲካ ኹሉ ይዛረብ ‘ዩ፤ ብልፅግና ‘ውን ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ ተዛሪቡ። ብዝዛረቦ ልክዕ ኣብ ተግባር ግና ገና ዝረአ ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን፡፡
ኣብ እዋን ክርክር መረፃ ዝተዛረብዎ ቃለይ ክሕሉ ‘የ ዝብል ስብስብ እንሃልዩ እዛ ሃገር ክትብልፅግ ‘ያ።ኣብ እዋን መረፃ ነቲ መድረኽ ንክፅብቕ ጥራሕ እንድሕር ተዛሪብና ተቃወምቲ ጥራሕ እንተይኾነስ ንሕና ‘ውን ብዙሕ ፈተና ይፅበየና ‘ዩ፡፡ ምስ ኣይተ ደመቐ ንቀደማይ ሚንስትርን ንምክትል ቀዳማይ ምኒስትርን ተንወዳደር ብዙሕ ክንወቃቀስ ነይርና ኢና፡፡ ከም ሂላሪን ኦባማን፡፡ ኾይኑ ግና እቲ ነገር ምስ ሓለፈ እዚ ይተርፍ እሞ ንሓደ ዕላማ ‘ዩ ዝስራሕ። ስለዚ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ዘረባ ሰባትን ምግማት ኣይካኣልን፡፡ እዚ ገዲፍና ብተግባር ሂብና እነምፀኦ ነገር እንተሃለወ’ኳ እንረኽቦ ነገር ‘ዩ ዝበልፅ፡፡
ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ዝስደዱ፣ ዝፃልኡ ፣ ዘሸነፉ ጥራሕ ዝገዝእሉ ባህሊ ምቕያር ኣለዎ እንተይልና እዚ ዓብይ ነገር ‘ዩ፡፡ እንስእኖ ነገር እንተሃለዎ ንምስኣን ድልዋት ምዃን ኣድላይ ‘ዩ ሙሉእ ስለዘይኸውን፡፡ምስ ጉዳይ ወፃኢ ተዳሓሒዙ ዝተልዓለ ኹላትኹም ከምትግንዘብዎ ኣብ ኹሉ ትካላት ስራሕ እናሰራሕና እንተኾነ ‘ውን ስር ቦቀስ ሪፎርም እናሰራሕና ካብ ዘለናዮ ትካል እቲ ሓደ ጉዳይ ወፃኢ ‘ዩ፡፡ ጉዳይ ወፃኢ ኸዚ ኣብ ዝጀመርናዮ ሪፎርም እንተናኣሰ ኣብዚ ዓመት ሓደ ቢልየን ብር ንከድሕን ክንገብር ኢልና እናሰራሕና ኢና፡፡ ኣብ ጉዳይ ወፃኢ ‹‹ውፂኢታዊ ሪፎርም›› ካብ ዘካየዱ ኣይተ ደመቀ ነቲ ካልእ ምሕጋዝ ዘኽእል ብዙሕ መድረኽ ስለዘለዎም ምሕጋዝ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡
እዚ ሕቶ ዝተልዓለ ጉዳይ ወፃኢ ካብ ዘሎ ሃንቀውታ ኮንሰርን ዝተልዓለ ከምዝኾነ ይርደኣኒ ‘ዩ፤ ጉዳይ ወፃኢ ብደንቢ ሒዞም እቲ ሪፎርም ውፅኢታዊ ተዘይገይሮም ውፅኢት ኣይነምፅእን ብዝብል ‘ዩ ንዕኦም ዝመደብናዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዓመት ብዘይመልኦ እዋን ዝሰርሕዎ ስራሕ ኩለኹም ትፈልጡ ኢኹም፡፡ ስራሕ ጉዳይ ሚኒስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ካብ ጉዳይ ወፃኢ ዘራኸብ ስራሕ ኹሉ ዝሰርሕ ኣይኮነን። ዲፕሎማሲ ፐብሊክ ብጉዳይ ወፃኢ ኣይትካእን። ብጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ናይ መጨረሻ ጫፍ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዝሰርሕ ‘ዩ፡፡ እሱ ‘ውን ኣይትክእን። ኹላትና ክብርን ልዕልነትን ሃገርና ብምፍላጥ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ኸዚ እቲ ትካል ንምቕያር ንሶም ኣብቲ ቦታ ምኻድ ስግኣት ክቕንስ ‘ዩ።
ብሓፈሻ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ክግንዘቦ ዝደሊ ዓብይ ሕልሚ፣ ዓብይ ትልሚ፣ ዓብይ ሓሳብ ሒዝና ኢና፡፡ ግና ማይን ሚራዥን ከይተሓዋወሰና ክንጥንቀቕ ኣለና፤ ብበረኻ ዝጓዓዝ ሓደ ግመል ዝጎትት ሰብ ማይ ፅምኢ ስለዘ ዘፀግሞ ብርሕቀት ሚራዥ ብዝራኣየ ቁፅሪ ማይ ዝራኣየ ‘ዩ ዝመስሎ፡፡ማይ ዝራኣዮ መሲሎዎ ብፃዕሪ ኣብቲ ቦታ እንትበፅሕ ማይ የለን፡፡
ኢትዮጵያ ዘድልያ ማይ’ምበር ማይ ዝመስል ኣይኮነን፤ ፅምኢ ዝቆርፅ ብስራሕ ብፃዕሪ፣ ብሓቅነት፣ ሃገር ብሙፍታይ፣ ምትሕብባርን ስምዒት ምድማር ‘ዩ። ተሓባቢርና እንተሰሪሕና እንታይ ዓይነት ድንቂ ሃገር ከምዘለና ኣብ ሓፂር እዋን ምርኣይ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኣብ መንጎ ብልፅግናን ኣብን ብዙሕ ዘከራኽሩ ጉዳያት ነይሮም ‘ዮም፤ ኸዚ ሓቢርና ክንሰርሕ ኸለና ብዙሕ ዘቐራርቡ ጉዳያት ክፍጠሩ ‘ዮም፡፡ ስለምንታይ ኹላትና ሃገርና ስለ እንፈቱ፡፡ ኣብ መንጎ ብልፅግናን ኦነግን ብዙሓት ምፍልላያት ነይሮም ‘ዮም፡፡ሓደ ዝገብረና ነገር ምግንዛብ እንትንጅምር ምቅርራብ ክንጅምር ኢና፡፡
ኣብ መላእ ሃገር ኹሉ ፓርትታት ንምስታፍ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ኣቦ ወንበር ነፃነትን እኩልነትን ፓርቲ ካቢኔ ኣዲስ ኣበባ ንክኾኑ ሕቶ ቐሪቡ ነይሩ ‘ዩ።እቲ ፓርቲ ኣይፈቐደን’ምበር፡፡ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ንቕድሚት እናስተኻኸልና እናኣረምና ክንኸይድ ኢና ኸዚ ብዘለና ኣርኣእያ ብዝተኽኣለና መጠን ዝሓሸ ኣቕሪብና ኢና፡፡ የቕንየለይ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
4 ጥቅምቲ ጋዜጣ ወጋሕታ