ካብ ውልደት ክሳብ ሞት ግብረ ራዕዳዊ

 ብታሪኻዊ ፀላእትና ኣዋፋርነትን ኣዘዝትን መዋልነትን ብግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ተላኣኽነትን ፊት ኣውራሪነትን ብእኒ ሸኔ፣ ብጉምዝ፣ ብጋምቤላን ቅማንትን ተዓጠቕቲ ተልእኾ ብምቕባል ኣብ ህልውና ሃገርና ዘንፀላለየ ብዙሕ ራዕዳዊ ኹናት ተኸፊትሉና እዩ። ኣብ ኲናት፣ብሓሶት ሓበሬታ፣ ብኢኮኖሚ ሽርሒ ብፖለቲካዊ ዲፕሎማሲያዊ ዓውደ ግምባራት ዝተናበበን ዝተወደበን ግብረ ራዕዳዊ ኹናት ተኣውጅልና እዩ።

ህወሓት ኣብ ሜሪላንድ ኮሌጅ ፓርክ ብዝመሓደር ዓለም ለኸ ግብረ ራዕዳውነት ሓበሬታ ቅድሚ ዓመት ብግብረ ራዕዳውነት ዝተመዝገበ’ዩ።ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ህወሓትን ባዕሉ ሰራዊት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ ሸኔ ኣብ መጨረሻ ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ብግብረ ራዕዳዊ ተፈርጁ እዩ።

ህወሓት ኣብ ሰሜን እዚ ዝፈፀሞ ክሕደት ታሪኽን ትውልድን ይቕር ዘይብሎ ጨፍጨፋ ኣብ ለይቲ ዝፈፀመሉ እዋን፣ ሸኔ ድማ ኣብ ኦሮሞ ዝተፈላለዩ ከባብታት መንነት ተኮር ተደጋጋሚ ጅምላ ጨፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን እንትፍፅም ብግብረ ራዕዳውነት እንትፍረጅ ብዝተፈላለዩ ክልላት ሕብረተሰብ ድፍኢትን ውትውታን እናገበረ እንተፀንሐ’ውን ፀኒሑ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣቕራብነት ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ብራዕዳዊነት ምፍራጅ ተግባራዊ ኾይኑ እዩ።

መንግስቲ ብስሩዕ ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ተግባራት ገበን ንምክልኻልን ዝርዝር ክትትል ንምግባር ዘይካኣለ ኩነታት እንትፍጠር ሓደ ጉጅለ ግብረ ራዕዳዊ ብምባል ክፍረጅ ይኽእል እዩ። ሓደ ተግባር ‹‹ራዕዳዊ››ንምባል ‹‹ናይ ፖለቲካ ሃይማኖት ወይ ድማ ርእዮተ ዓለም ዕላማ ንምርማድ ብምሕሳብ ህዝቢ ወይ ድማ ዝተወሰነ ክፍሊ ማሕበረሰብ ንምሽባር ተሓሲቡ ዝተፈፀመ ተግባር እንትኾን ፣መንግስቲ ፣ ወፃኢ ሃገር ወይም ዓለም ለኸ ትካላት ንምግዳድ፣ ህይወት ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ፣ ጉድኣት ኣካል ምብፃሕ፣ ምዕጋት ወይም ምጥላፍ፣ ንብረት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ግልጋሎት ዕንቅፋት ምዃን ››ዝብል ሓዊሱ ዝጠቐመጡ ሓሙሽተ ክልከላታት ተጣሒሶም እንትረከብ ግብረ ራዕዳዊ ገበን ይጣየሽ እዩ።

ሓደ ትካል እዚኦም ተግባራት ዕላማኡ እንተገይሩ፣ ናይቲ ትካል ኣመራርሓ ገበን ብኣሰራርሓ ወይ ድማ ብግልፂ ዝተቐበሎ እንተኾይኑ፣ ብኣሰራርሓ ወይ ድማ ብኣፈፃፅማ ገበን ናይቲ ትካል መግለፂ እንተኾይኑ፣ ሓደ ጉጅለ ግብረ ራዕዳዊ ተባሂሉ ክስየም ከምዝኽእል፣ ራዕዳዊ ሕጊ ምርቃቕ ኣብ ተግበር ዝተሳተፉን ዓቃቢ ሕግን ኣማኻሪ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ዝመርሕዎ ኣባድር ኢብራሂም (ፒ.ኤች.ዲ) ኣብቲ ሰሙን ንቢቢሲ ከምዘረድኡ ዝዝከር እዩ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሁርሶ ኮንቲንጀንት ወታደራዊ መሰልጠኒ 3ይ ዙር ስልጠና ስነ ስርዓት ምርቃት ከምዝተዛረብዎ፤ ‹‹ህወሓት ብራዕዲ ተፈጢሩ ብራዕዲ ዓብዩ ብራዕዲ መንግስቲ ኾይኑ ብራዕዳዊ ጫካ ዝኣተወ ግብረ ራዕዳዊ ውድብ እዩ።‹‹ከሓድን ዓፋንን ህወሓት 24ጥቅምቲ 2013ዓ.ም መጥቃዕቲ እዚ ሰሜንን ማይ ካድራን፣ ጋሊኮማንና ኣጋምሳን ትውልድን ታሪኽን ይቕረ ዘይብሎ ናይ ክፍለ ዘመን ዓብይ ክሕደት ጨፍጨፋ ንምፍፃም ምድላውን ልምዱን ዝጀመረ ካብ ደደቢት ትውልዱ ካብ 11ለካቲት 1967ዓ.ም ጀሚሩ እዩ።

ከሓድን ናይ ባንዳ ዲቓላ ጉጅለ ህወሓት ኣብ 1968 ዓ.ም ኣብ ዘዳለዎ ርኢዮተ ዓለም መርሃ ግብሪ /ማንፌስቶ/ህዝቢ ኣምሓራን ህዝብን ብፀላእትነት ከምዚ ኢሉ ፈሪጅዎ እዩ።‹‹ ጨቋኒ ብሄር ኣምሓራ ምጭቃን ጠጠው ክሳብ ዘየበለ ሕብረተሰባዊ ዕረፍቲ ኣይርከብን።ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ቃልሲ ፀረ ኣምሓራ ብሄራዊ ጭቆና ፀረ ኢምፔራሊዝም ከምኡ’ውን ፀረ ንኡስ ከበርቴያዊ ፀጋኒ ለውጢ እዩ። ስለዚ ዕላማ ወያናይ ቃልሲ ካብ ካብ ባለባታዊ ስርዓትን ኢምፔራሊዝም ናፃ ዝኾነ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ምጥያሽ እዩ ዝኸውን።ኸዚ ዘሎ ባህሊ ኣምሓራ ደምሲሱ ብሓድሽወያናይ ባህሊ ምትካእ ትልሚ ህወሓት እዩ።››ኣብ ዓለምና ካብ ናዚውአዶልፍ ሂትለር ቐፂሉ ሓደ ህዝቢ ብፀላእነት ዝፈረጀ ፓርቲ እንሃለወ ህወሓት መበል ካልኣይ እዩ።ሂትለር ኣይሁዳውያን ብፀላእትነት ፈሪጁ ፖለቲካዊ ሓተታ ኣዋቒሩ እዩ።ኣብ ዝወረሮም ከባብታት እዚ ትልሙ እዩ ተግባራዊ እናገበረ ዘሎ።ብደቡብ ጎንደር ብዋግኽምራን ሰሜን ወሎ ዝፈፀሞ ህልቂት ዘስካህክሕ ግፍዒ መንነቱን ብዝግባእ ኣሪኡ እዩ።

ባንዳ ህወሓት ኣብ ኣገዛዛኣ ኣብ ዝነበሮም 27ዓመታት ኾነ ካብ ስልጣኑ ህዝባዊ ተቃውሞን ብሓይሊ ለውጢ ተፈንጊሉ ምስ ኸደ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ኣብ ዝነበርሉ ኾነ ዕላማ ዝገበሩ ብዙሓት ንምርኣይ ንምስማዕ ዘስካሕክሑ መጥቃዕቲ ኣብፂሑ እዩ።ኣብ 70ታት መጀመርያ ጀሚሩ ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ኣብ ህዝቢ ዘብፀሖ ጨፍጨፋ፣ ዘርኢ ምፅራይ ግፍዒ ን47ዓመታት ዘሊቑ እዩ። ወልቃይት ብመንነቶም ብግፍዒ ተቐቲሎም እዮም፣ ተሳቕዮም እዮም፣ ተደብዲቦም እዮም፣ ተኣሲሮም እዮም።ብቋንቖኦም ከይዛረቡ ከይማሃሩ ተገይሮም እዮም።ኣብ ወልቃይት ብዙሓት ግፍዕታት ተሰሪሖም እዮም።ዘሕዝን ድማ ከሓዲ ህወሓት ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ኣብ ኣምሓራ ግፍዒ እንትፍፅም ዝነበረ ምስ ሱዳን ብምውዳብ እዩ።

እዚ ጉጅለ ክሓድቲ ናብ መግዛእቲ ምስ መፀ ብማንፌስቶን መሰረት ኣምሓራ ንምድኻም፣ ንምሽቑራር፣ ክሳድ ንምድፋእ፣ ድኻ ንምግባር ቋንቑኡ ንምጥፋእ፣ መሬቱ ንምውራር ድሕሪ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል’ውን እናገበሮ ዘሎ’ውን እዚ እዩ። ድሕሪ ስግግር ጀሚሩ ፖለቲካዊ ውክልና ተሳትፎ ንከይህልዎ ብምግባር፣ ክልል ኣምሓራ ብደቁ እንተይኾነስ ንሱ ብዝመደበሎም ኣምሓራ ብዘይኾኑ ሞግዚት ተላኣኣኽቲ ንክግዛእ ብምግባር ቅስሚ ንምስባር ለይትን ቀትርን ሰሪሑ እዩ።ከሓዲ ፀላኢ ኣምሓራ ዝኾነ ህወሓት እዚ ብሄር ብኻልኦት ብሄራት ንክፅላእ ተሊሙ ብስፍሓት ሰሪሑ እዩ።ከም ሸኔ ኦነግ ዝበሉ ተለኣኣኽቲ መጥቃዕቲ ንምፍፅም ትእዛዝ ተዋሂብዎ እዩ።ስፖንሰር ገይሩ እዩ።በዚ ድማ ብዓሰርተ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣምሓሩ ተቐቲሎም እዮም።ኣካሎም ጎዲሉ እዩ።ተመዛቢሎም እዮም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተቐቲሎም እዮም። ኣካሎም ጎዲሉ’ዩ።ተመዛቢሎም’ዮም፣ ተዘሪፎም’ዮም። ድሕሪ እቲ ለውጢ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት በዚ ብሄር ዝፍፀም ግፍዒ እናገደደ ቐፂሉ እዩ።ኣብ ክልል ሶማሌ ብፍላይ ድማ ጅግጅጋ ፣ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ፣ ብቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣብ ካልኦት ዝተፈፀሙ ጨፍጫፋት ብኣብነት ምልዓል ይካኣል እዩ።ኣብ እዚ ሰሜን ኾነ ኣብ ማይ ካድራ ንፁሃን መንነት መሰረት ተገይሩ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ናይቲ ካሓዲ ህወሓት 47 ዓመታት ፀረ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ፕሮጀክት ኣካል እዩ። ናይ ህወሓት ግፍዒ ፅዋ መሊኡ ዝፈሰሰላ ማይ ካድራ መን እያ?

ማይካድራ ከተማ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ብቓፍታ ሑመራ ወረዳ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ እያ።እታ ከተማ ካብ ከተማ ሑመራ ብደቡብ 30ኪ.ሜ ርሕቐት ከምኡ’ውን ካብ ምድረ ገነት ከተማ 60ኪ.ሜ ርሕቀት ብሰሜን ኣንፈት ትርከብ።ኣብታ ከተማ ናይ ትግራይ፣ ወልቃትን ኣምሓራን ተወለድቲ ከምኡ’ውን ካልኦት ብሄራት ተወለድቲ ሓዊሱ ካብ 45 ክሳብ 50ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ይነበር እዩ።ኣብ ወልቃይት ዝተወለዱ ወይ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብቲ ኸባቢ ብተለምዶ ‹‹ወልቃይቶች›› ብዝብል ስያሜ ይፅውዑ እዮም።እዚ መፀውዒኦም ገበን ኾይኑ ካብ 1972 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ማይ ካድራ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ ግፍዒ በፂሕዎም እዩ።

ነበርቲ ማይ ካድራ ንመዓላታዊ ስራሕ ካብቲ ክልላት ጎረባብቲ ዞባታት ብዝመፁ ኣምሓሩ ብዝተፈፀመ ግፍዒ እንተናኣሰ ልዒሊ 1000 ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር መሓውር ፀጥታ ‹‹ሳምሪ›› ብዝተብሃለ ኢ-መደበኛ ቐታሊ ጉጅለ መናእሰይ ከምዝተቐተሉን እቲ ቑፅሪ ድማ ካብዚ ክበልፅ ከምዝኽእል ተመልኪቱ እዩ።

በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስዒቡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተስፋሕፈሐ ግብረ ራዕዳዊ ወረራ ዓብይ ሰብኣዊ መሰል ምጥሓስን ምጥፋእ ዘርኢ ተፈፂሙ እዩ።ናይ እንግሊዝ ዘ ቴሌግራፍ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦ ኣጋምሳ ብዝተብሃለ መንደር ፍርቂ ሓምለ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ልዕሊ 300 ንፅሃን ምጭፍጫፉን ኣብቲ ክልል ልዕሊ 500ሽሕ ህዝቢ ከምዝተማዛበለ ፀብፂቡ እዩ።

‹‹ብጀጋኑና ዝተውሃደ መጥቃዕቲ እንትፍፀመሉ፣ ብኣናብስት ሓልታት ምክልኻል ውቅዒት እንትበፅሖ ምፅዋር ዘይካኣለ እዚ ወራሪ በቢገዘኦም ዝነበሩ ሽማግለታት፣ ህፃናትና ኣደታትን ብዘለዉዎ መንደር ብምእታው፣ ኣቃውሽቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ንድሕሪት ብምእሳር ጨፍጪፉ እዩ፤ ›› ክብል ኮመዩኒኬሽን ቤት ፅሕፈት ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ጠቒሱ ሪፖርተር ፀብፂቡ እዩ።

ኣብ ሓደ ገዛ ሽድሽተ ሰባት ጨፍጪፉ እዩ።ህፃን ሽድሽተ ወርሒ ዝሓቖፈት ናይ ካህናን ባዓልቲ ገዛ ምስ ወዳ ብግፍዒ ካብ ዝተጨፍጨፉ ዝርከብዎም እዮም።100 ናይቲ ጣቢያ ሰባት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን።ናይቲ ሓረስታይ ንብረት ተዘሪፉ እዩ፤ ብዕራያትን ደርሆን ሓሪዱ በሊዑ እዩ ዝተረፉ ድማ ብግፍዒ ብጥይት ደብዲቡ እዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዞባ ፈንቲ ረሱ ጋሊኮማ ግዝያዊ መፅለሊ ዝነበረ ራዕዳዊ ህወሓት ብዝተተኮሰ ከቢድ መሳርሒ 107 ህፃናት፣ 89ደቂ ኣንስትዮ፣ 44 ሽማግለታት ተቐቲሎም እዮም።30ሽሕ ኩንታል እኽሊ ሓገዝ ዝሓዘ መጋዘን በቲ መጥቃዕቲ ዓንዩ እዩ።እብቲ ወረራ ብብዙሕ ዓሰርተ ኣሻሓት ዝግመቱ ንፁሃን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም።ባዕሉ ‹‹ሰራዊትነፃነት ኦሮሞ›› ኢሉ ዝፅውዕ ሸኔ ምስ ህወሓት ብወታደራት ጉዳያት ብምትሕብባር ንምስራሕ ምስምዕምዑ ግብረ ራዕዳዊ ሸኔ መራሒ ኩምሳ ድሪባ /ጃል ማሩ/ ንሓደ ሓደ ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ከምዝገለፀን ህወሓት ድማ ኣብ ኣደባባይ ፍለጡለይ ብምባሉ ቅድሚኡ’ውን ሓቢሮም ከምዝነበሩ ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣወሳንቲ ከባቢታት ዝራኣዩ ዝተዓጠቑ ኣካላት መጥቃዕቲ፣ ናይ ቤንች ሸኮ ዞባ ጉራፈርዳ ግፍዕታት፣ ከምኡ’ውን ምዕራብ ኦሞ ፀገማት ፀጥታ ናይ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ስራሕ እዮም።ኣብ ጅግጅጋን ከባቢኡን ካብ ሓምለ 28 ክሳብ 30/2010 ዓ.ም ብኣብዲ ኢሌ ዝምራሕ ሄጎና በቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ኣባላት ተተሊሙ መንነት ዕላማ ብምግባር ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ስቓይን፤ ኣብ ቀረባ ድማ ብ ጉሙዝ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣባላት ተዓጠቕቲ ጉጅለ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉምዝ ክልል ዞባ ካማሺ ኣብ ወረዳ ሎጅጋንፎይ ልዕሊ 50 ንፁሃን ዜጋታት ዝተጨፍጨፍሉን ታሪኻዊ ፀላእትና ብራዕዳዊ ህወሓት ኣዋፋሪነትን ፋይናንስን ከምዝኾነ ኣረጋጊፅሉና እዩ።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኾነ ሸኔ ከምኡ’ውን ኣብ ቅማንት መንነት ስም ዝንቀሳቐስ ሓዊሱ ካልኦት ጉምዝን ጋምቤላን ግልገል ራዕዳውያን ፓለቲካዊ ስልጣን ናይ ሞት ሕየትን ጉዳይ ዝገበርዎ ዘይንፀፍ ሃፍቲ ስልጣን ወይ ድማ ፍልፍል ኢኮኖሚ ስለዝኾነ’ምበር ንውክሎኢና ንዝበልዎ ህዝቢ ሓሲቦም ኣይኮነን።ፖለቲካዊ ስልጣን ምድሓዝ ሃፍተን በጀትን ናይ ምቁፅፃር ጉዳይ ስለዝኾነ እዩ፤ ህወሓት ኾነ ተኸተልቱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ዝገብሮም ዘሎ።

ንፀገማት ዘላቒ ፍታሕ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ጠንካራ ትካላት ፀጥታ ምህናፅ ጥራሕ ኣይኮነን።ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢድ ዝኾነ ኢኮኖምያዊ ስልጣን ንህዝብን ትካላትን ምድልዳል እዩ።ሃፍታምን ዓብይ ምዃን ዘለዎ ህዝቢ’ምበር መንግስቲ ኣይኮነን።ናትና መንግስቲ ፃዕዱ ዓብይ መንግስቲ ዝብልዎ ዓይነት’ምበር ኣገልጋሊ ስለዘይኾነ እዩ ስልጣን ምድሓዝ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ዝኾነ። ኣብ ሓፂር እዋን ንህረት ናብራ ስራሕ ምስኣን ብቕልጡፍ ምስትኽኻሉ ከምዘሎ ኾይኑ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ሓቀኛታትን ብጀጋኑ ውላዳ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላኣለም ክትነብር እያ።

(ፍልፍል፤ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You