ኣሜሪካ ንሰብኣዊ መሰል ወይስ ንባዕላ መኽሰብ?

ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ኣመልኪቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ እንኳን ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።እዚ ድማ ካብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እትፅበዮ ጉዳይ እዩ፤ ኩልና ከም ንፈልጦ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ፀቕጥታት እናገበረት ኣብ ዘለትሉ እዋን ፕረዚዳንት ኣሜሪካ መልእኽቲ ናይ እንኳን ኣብፀሐኩም ኣብ ዘመሓላለለፍሉ እዋን ኣሜሪካ ናብ ልባ ዝተመለሰትሉ ዝመስል ኩነታት ነይሩ።

ኮይኑ ግና ከምቲ ኩሉ ግዜ ማዕቐብ ብምሃብ እትፍለጥ ኣመል ኮይንዋ ንምሕዝነት ኽልቲአን ሃገራት ዝጎድእ ከምኡ ‘ውን ንጁንታ ህወሓት ንምድጋፍ ዝዓለመ ዝመስል ኣካይዳ ሓዱሽ ዘይተገመተ ዜና ብወገን ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ከንሰምዕ ከኣልና።እዚ ዜና እዚ ጆ ባይደን ተፋለምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንክግበረሎም ዘኽእል ትእዛዝ ፈሪሞም ‘ዮም።ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዳዊ ንምጥፋእ ኣብ እትረባረበሉን ሐዱሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ እትዳለውሉ እዋን ኣብ ክንዲ ምሕጋዛ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ራዕዳዊ ሓይሊ ቖፂራ ናይ መፈራርሒ ማዕቐብ ትእዛት ኣመሓላሊፋ ኣላ።እዚ ፍፁም ዝተጋገየ ኣካይዳ ምዃኑ ኣይሽምኳዶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓለም ፈሊጡ ትዕዝብቲ ኣሕዲሩላ እዩ።

ትማሊ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፍካ ድሕሪ ሒደት መኣልትታት በትሪ ምውጥወጥ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ እዩ።ንህዝብን መንግስትን ዘለዎም ክብሪ ካብ ዝተላዕለ መሲሉና ኩልና ኢትዮጵያውያን ፅቡቕ ትምኒት ብምምናይ ስልጣን ዘመኖም ይባርኽ ኢልና ነይርና ኢና።ኮይኑ ግና ድሕሪ ሰሙን ተስፋን እምነትን ኣሕዲሩ ዝነበረ ህዝቢ፣ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዝብል መልእኽቲ ጆ ባይደን ቓልዓለም ከም ዝነበረ የሪእየካ። ኣሜሪካ ራዕዳዊ ህወሓት ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ወቐሳታት እናስመዐት ኣብ ዘለትሉ እዋን ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ከትሰምዕ እንተለኻ ኣሜሪካ ሕውነትን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ብኣግባቡ ተረዲኣ ናብ ልባ ዝተመለሰት ይመስል ነይሩ።ኮይኑ ግና ምስ ህወሓት ዘለዋ ፍቕሪ ኣይሰድድን ኢልዋ መንግስቲ ናይ ምፍርራሕ ሙከራ ኣስመዐት።

ኢትዮጵያ ብወገን ኣሜሪካ ዝተፈላለዩ ፀቕትታት ዋላ እኳ እናተገበረላ እንተፀንሐት ታሪኻዊ ርክብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ኣወንታዊ መልሲ እናሃበት መፂኣ እያ።ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ክብራን ሉኣላውነታን ኣሕሊፋ ዘይትህብ ዘይትምብርከኽን ሃገር ምዃና ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንፕረዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ኣፍሊጦም እዮም። ተግባር ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ብዝግባእ ተረዲኣ ናብ ልባ ተመሊሳ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ኣብ ክንዲ ምባል ራዕዳዊ ህወሓት ብምሕጋዝ ኣንፃር ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጠጠው ምባላ ዘሐዝን ተግባር እዩ።ኣሜሪካ ናይ ባዕላ ጥቕሚ ንምሕላው ብሽም ሰብኣዊ መሰል ራዕዳዊ ሓይሊ እናሓገዘት ትርከብ። ራዕዳዊ ሓይሊ ምሕጋዝ ማለት ንባዕላ ካብ ራዕዳዊ ተግባር ፈሊኻ እትረአየሉ ኩነታት ኣይህሉን።ኣሜሪካ ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦ ኣካይዳ ካብ ምኻድ ተቖጢባ ኣብ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራ ከትሰርሕ እዩ ዝግበኣ።

ትእዛዝ ማዕቐብ ኣሜሪካ ፣ ኢትዮጵያ ዝገጠማ ግዝያዊ ፀገም ንምፍታሕ እንተይኮነስ ንምብእኣስ እዩ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ተፈላለዩ እዋናት ግዝያዊ ፀገማት ኣብ ዘጋጥምዋ እዋን ብዘይ ደጋዊ ሓይሊ ፀገማ ባዕላ እናፈትሐት ዝመፅት ሃገር እያ።ዝገጥምዋ ፀገማት ብናይ ባዕላ ጥበብ ናይ ምፍታሕ ልምድን ተመኩሮን ከም ዘለዋ ኣባላት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ኣኼባታት መስኪሮምላ እዮም።ካብዚኦም ከም እኒ ራሻ፣ ህንድን ቻይናን ዘረጋገፀኦ ሓቒ ምዃኑ ምጥቓስ ይከኣል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ገጢምዎ ዘሎ ንምፍታሕ እናሰርሐ ኣብ ዝርከበሉ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትእዛዝ ማዕቐብ ምውራድ ነቲ ፀገም ዘበኣእስ እምበር ፍታሕ ክኸውን ስለ ዘይኽእል ደጊማ ክትሓስበሉ ብዙሓት ሙሁራት ሓሳቦም ሂቦም እዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ተፈላለዩ እዋናት ውሽጣዊ ፀገማት እንተጋጥማ ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ ናይ ምፍታሕ ተሞኩሮን ልምድን ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣሜሪካ እንተይፈለጠት ቐርያ እንተይኮነትስ ብሄራዊ ጥቕማ ንምሕላው እዩ።እዚ ኢትዮጵያ ንኸይትራጋጋዕ ዝግበር ተንኮል ኮይኑ ነዛ ሃገር ናብ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ንባዕላ ዝእዘዛ ደካማ መንግስቲ ብምቕማጥ ድሌታ ንምስኻእ ከም ዝኾነ ዓለም ዝፈለጦ ጉዳይ እዩ።

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበር ዘመሓላለፍዎ ትእዛዝ ኮነ ተባሂሉ ንራዕዳዊ ህወሓት ንምሕጋዝን ኣብ ትክክለኛ ሓበሬታ ዘይተመርኮሰ ከምዝኾነ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።ኣሜሪካ ንዓዓ ዘይለኣኻኣ ሃገራት ዝተፈላለዩ ማዕቐባት ብምውራድ ምድኻም ቐዳማይ ስርሓ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።ናይ ውልቐ ጥቕማ’ምበር ጥቕሚ ሃገር ዘየግድሶ ጁንታ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ናይ ኣሜሪካ ልእኽቶ ንምፍፃም ላዕልን ታሕትን እናበለ ይርከብ።ኣሜሪካ ኣንቢራቶ ዘላ ማዕቐብ ኩነታት ሰብኣውነት ስለ ዘተሓሳሰባ ኣይኮነትን፤ እኳደኣስ ንጥቕማ ኢላ ኣብተፈላለዩ ሃገራት እናተግበረቶ ዝመፀት እዩ።

ራዕዳዊ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት ብኣግባቡ ካብ ዘይምርዳእ እንተይኮነስ ቕድሚ ሕዚ ተለኣኣኺኣ ስለ ዝነበረን ሕዚ ‘ውን ሃገር ንምፍራስ ለይትን ቐትርን ምስ ዝሰርሕ ዘሎ ገበነኛ ሓይሊ ተላዘቡ ማለት ንህወሓት ቐስ ብቐስ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እዩ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዝብ ፀሊኡ እንተይኮነስ ሃገር ምስ ዘጥፍእ ሓይሊ ኣብ ሓደ ወንበር ከፍ ኢሉ ንምልዛብ ዘኽእል ኣሰራርሓ ስለ ዘይብሉ እዩ።ጁንታ ህወሓት ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህዝብታት በቢመዓልቱ ከም ቖፅሊ ክረግፉ ዝገብር ዘሎ ሓይሊ እዩ።መንግስቲ ኣሜሪካ ንድሕንነት ህዝቢ ዝሓስብ እንተዝኾን ነይሩ፣ ኣቐዲሙ በቲ ራዕዳዊ ሓይሊ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣብ ከም ማይ ካድራ፣ ጋሊኮማ፣ ኣጋምሳ ጨፍጪፉ ብርክት ዝበሉ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ብምግበር ማሕበራዊ ቕልውላው ክህሉ ገይሩ እዩ።ማዕዘ እዚ ጥራሕ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ እምነት፣ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበረ ኣሜሪካ እንተይፈለጠት ቐርያ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣሜሪካ ኩሉ ግዜ እሺ እናበለ ድሌታ ዘፍፅመላ እያ ትደሊ።ኣሜሪካ እኒ የመን፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን ሊብያን ዝመሳሰሰላ ሃገራት ብምፍርራስ ዜጋታት ከም ደቒ ዛግራ ተበቲኖም ክተርፉ ገይራ እያ።እዚ ስራሕ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ንምግባር እያ ትፍትን ዘላ።ይኹን’ምበር ታሪኽ ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ካብ ዘይምርዳእ ዝመፀ ይመስለኒ።ኢትዮጵያ ትድፈር ሃገር ከምዘይኮነት።ታሪኽ ዓድዋ ምስክር እዩ። ኣሜሪካ ኢዳ ዝአተወትለን ሃገራት ወይ ድማ ናታ ተኣዘዝቲ ዝኾና ሃገራት ንቑልቑል ካብ ምውራድ ሓሊፈን ዕቤት ከመዝግባ ኣይረአያን።ሙሉእ ብሙሉእ ትእዛዝ ኣሜሪካ ዝነፀጋ ሃገራት ግና ጠንካራታት ሃገራት ኮይነን ክወፃ ክኢለን እየን።ንኣብነት እኒ ባዓል ቻይና፣ ሩስያን ህንድን እንተሪእና ኣብ ዝሓሸ ለውጢ ከምዘለዎ ግልፂ እዩ።ኣሜሪካ ብፍላይ ምስ እኒ ቻይናን ሩስያን ደርሆን ጥረን ከትኸውን ዝገበራ ብድሌት ኣሜሪካ ስለ ዘይከዳ ጥራሕ እንተይከነስ ብዘመዝግበኦ ዘለዋ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ህራስ ስለ ዘስአነኣ እዩ።

ኣብ ውሽጥኺ ምስ ዘሎ ራዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ እንተዘይተላዚብኪ ብዘይ ምንም ቕድመ ኩነታት ማዕቐብ ከውርድ እየ ማለት ካብ ዓባይ ሃገር እየ ትብል ዘይትፅበዮ ተግባር እዩ።እዚ መንግስቲ ኢዱ ጠዊኻ ነዓ ተላዘብ ማለት ዘይሰርሕ ምዃኑ ከትርዳእ ይግበኣ።ኣሜሪካ ሓዊሱ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ኣውሮፓ እንትወድቓ እንተለዋ ኢትዮጵያ ግና ፀላእታ ብምሽናፍ ንዓለም ኣብነት ከም ዝኾነት ኣሜሪካ እዚ ከትርስዕ ኣይግበኣን። እቲ ጅንነት ትማሊ ነይሩ ሕዚ ‘ውን ኣሎ እዩ።ስለዚ ኢድ ብምጥዋይ ዝመፅእ ለውጢ ከም ዘየለ ኣሜሪካ ከትፈልጥ ይግበኣ።ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ምዃኑ ተረጋጊፁ ዝተሰየመ ሓይሊ ንዑ ተደራደሩ ብዝብል ዒባራ ምኽንያት ጁንታ ህወሓት ናብ ስልጣን ናይ ባዕላ ረብሓ ንምርግጋፅ ‘ምበር ንሰብኣውንት ሓሲባ ኣይኮነትን።እዚ ድማ ሉኣላውነት ምድፋር ስለ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍፁም ዘይቕበሎ ጉዳይ እዩ።ሓደ ወቕቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይልታት ደገ ዝጥምዘዝን ዝለኣኣኽን መንግስቲ ከምዘየለ ክፈልጡ ይግበኦ ››ኢሎም ነይሮም።

ብሓፈሻ ኣሜሪካ ኣብ ተፈላለየ ሃገራት ብተደጋጋሚ እትወስዶም ስጉምትታት ንረብሓኣ ብምሕሳብ’ምበር ንሰብኣዊ መሰል ሓሲባ ኣይኮነትን።ቕድሚ ሕዚ ኣብ ከም እኒ ሶርያ፣ ሊብያ፣ ኣፍጋኒስታን የመንን እናሰርሐቶም ዝመፀት ቀሊል ምስክር ኣይኮነን።ዜጋታት እዘን ሃገራት ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ኣብ ሜዳ ወዲቖም ክቐርዩ ክኢሎም እዮም።

ኣሜሪካ እቲ እትደልዮ ምስ ፈፀመት ብዛዕባ መሰል ደቒሰባት ዝግድሻ ኣይኮነን። ራዕዳዊ ሓይሊ እናበለት በቢሃገሩ እትቓለስ ጥቕማ ዘኽብረላ መንግስቲ ንምቕማጥ እዩ።ናብ ጉዳይ ሃገርና ከንመፅእ እንተለና ድማ ኣሜሪካ እትፍትኖ ዘላ ኣካይዳ ከምዚ ዓይነት ኣብ ኢትዮጵያ ንምድጋም እዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You