ብሽም ህዝቢ ዝተሸፈነ ግብረ ራዕዲ

ራዕዳዊ ህወሓትን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ደገፍቱን ናብ ክልል ትግራይ ‹‹ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይምብፅሑ ህዝቢ ንኸቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ እዩ›› ብምባል ተደጋጋሚ ኽሲ ብምቕራብ ትኹረት ዓለም ንምስሓብ እናፈተኑ ይርከቡ፡፡ ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ትግራይ ንዕጡቓት ስንቂ ንኸዳሉ እናገበረ ይርከብ፡፡ ብሓደ ወገን ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ እናበለ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ንኲናት ስንቂ እናዳለወ ፈኸራ ጀግንነት ዘስምዕ ድኣ ንምንታይ እዩ?

ኣብዚ ሰሙን እዚ ራዕዳዊ ህወሓት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንኽፈጥር ብምግባር ‹‹ጥምየት ተኸሲቱ፣ ሰባት ሞይቶም›› ዝብሉ ዜናታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ሓደ ሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ እናፈተኑ ይርከቡ፡፡

መንቀሊ ናይቲ ኽስን ዕላማ ርብርብን ማሕበራ ሚዲያን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንኽፍጠር ምግባር ከምዝኾነ ግልፂ እዩ፡፡ንራዕዳዊ ህወሓት ከምዚ ዝዓይነቱ ተግባር እቲ ውዳበ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝፍፅሞ ዘይተቐየረ ማልይኡ ከምዝኾነ መብዛሕትኦም ዝሰማምዑሉ እዩ፡፡

ኣብ 1977 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣትዩ ህዝቢ እንትሳቐይ ረድኤት ካብ ማእኸል ሃገር ንኸይሓልፍ መንገዲ ብምዕፃው ነበርቲ እቲ ክልል ናብ ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዘቃለዐ መሪር መዘከርታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንጥቕሙ ይሰርሕ ከምዝነበረ ዕላዊ መረዳእታ እዩ፡፡

ኣፍቲ እዋን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ካብ ወፃኢ ንዝመፀሎም ምግቢ፣ ጨርቃጨርቅን ብምዝራፍ ንሱዳን እንትሸይጥ ዝተዓዘቡ ሎሚ ‘ውን ከምዝደግምዎ ኣይጠራጠሩን፡፡ሐዚ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ንኸይረክብ እናገበሩ እዮም፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ዝተረኸበ ረድኤት ብምሕዳግ ‹‹ደቅኻ ንወፍሪ እንድሕር ዘየሰለፍካ ረድኤት ኣይትረክብን››ብዝብል ሰበብ ንዘረፍቲ ከምዝህቦ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡ በዚ መልክዑ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዘካየዶ ወራር መፈፀሚ እናተጠቐመሉ ከምዝኾነ ተራእዩ እዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ጋይንት ዝርከብ ንህፃናትን ኣዴታትን ዝኸውን ዝተኸዘነ ናይ ዩኒሴፍ ምግቢ ረድኤት ከምዝተዘረፈ ምጥቃስ ይከኣል፡፡ንፁሃት ብጅምላ ብምጭፍጫፍ፣ መንደር ብምዕናው፣ ከፍቲ ብምቕታል፣ መኻዚኖ እኽሊ ብምቅፃልን ትካላት ብምዝራፍ ገበን መግለፂ ባህሪኡ ዝኾነ ራዕዳዊ ጉጅለ፤ መኻዚኖ ትካላት ዓለምለኸ ረድኤት ብምዝራፍን ዜጋታት ክጠምዩ ብምግባርን ‹‹ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ እዩ››ዝብል ኽስትታት ምቕራቡ ብዕሊ ዝስትውዓል ጉዳይ እዩ፡፡

ቕድም ክብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ) ከም ምዝራፉ እቲ ትካል ዕላዊ ከምዝገበሮ ዝፍለጥ እዩ፡፡ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩ.ኤስ.አይ.ዲ) ኣባላት ራዕዳዊ ህወሓት ሰሪጎም ኣብ ዝኣተዉሉ ከባብታት ዝርከቡን ንህፁፅ ረድኤት ዝውዕል ኽዙን እኽሊ ከምዝዘረፉ ብዕሊ እንተተዛረቡኳ ዝወሰድዎ ቕዋም ግና የለን፡፡ እቲ ዝተዘረፈ እኽሊ ግና ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ዝውዕል ከምዝነበረ መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ መኻዚኖ ጉጅለ ራዕዲ ንዕጡቓት ዝተኸዘነ ምግቢ ከምዘሎ የመላኽት፡፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም እዚ ይጠፍኦ ዶ?

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ልሳን ጉጅለ ራዕዲ ብዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሻት ንዕጡቓት እቲ ጉጅለ ህዝቢ ስንቂ እናዳለወን ተግባር ጅግንነት እናፈፀመን ከምዝኾነ እናገለፁ እዮም፡፡ እቲ ዕጡቕ እኹል ስንቂ ከምዘለዎ ዝዛረብን መኻዚኖታት ዘሪፉ ዝኸዘነ ብኸመይ ድኣ ብዛዕባ ሕፅረት እኽሊ ከልዕል ይኽእል?

ሚኒስቴር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚል፤ ራዕዳዊ ጉጅለ‹‹ኣብ ክልል ትግራይ ጥምየት ከምዝተኸሰተ ብምግላፅ እናኸሰሰ ብዝበለሉ ኣንደበቱ ንዕጡቓት ድማ ‹‹እኹል ስንቂ ተዳልዩ እዩ ብምባል፤ ነንርእሱ ዝዋቓዕ መረዳእታ ሓሶት እናሰራጨወ እዩ›› ክብላ ኣረጋጊፀን፡፡

መንገግስቲ ፌደራል ጠጠው ምባል ተኹሲ ድሕሪ ምግባሩ ንክልል ትግራይ ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግብን ኻልኦት ኣድለይቲ ናውትታት ንኽባፃሕ ምግባሩ መረዳእታታት የረጋግፁ፡፡በዚ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 14 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽልን ልዕሊ ኣርባዕተ ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ሓዊሱ ኻልኦት ናውትታት ናፍቲ ስፍራ ክባፃሕ ተገይሩ እዩ፡፡

እዞም ሰብኣዊ ረድኤታት ናብ ህዝቢ ንኽባፃሕ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም፡፡ ይኹን ‘ምበር እቲ ዝተልአኸ ረድኤት ንዝግበኦ ሰብ ከምዝተባፅሐ ከየረጋገፁ ‹‹እኽሊ ተወዲኡ፣ ህዝቢ ክውዳእ እዩ›› እናበሉ ብተደጋጋሚ ዓለምለኸ ትካላት ዝዛረብዎ ዘረባ ሕቶ ዘልዕል እዩ፡፡

እኳድኣስ ፕሮፖጋንዳውያን ናይዚ ጉጅለ ‹‹መንግስቲ እኽሊ ናብ ክልል ትግራይ ንኸይኣቱ ብምኽልኻሉ ኣፍቲ ክልል ጥምየት እናተኸሰተ እዩ››ብምባል ንማሕበረሰብ ዓለም ኣደናጊሮም ድጋፍ ንምርካብ ኣብ ሓቂ ተደሪኾም ኣብ ክንዲ ምቅላዕ ዘረባ ጉጅለ ራዕዲ መሊሶም ምግዋሕ ዝመረፁ ምኽንያት››ንምንታይ? ዘብል እዩ፡፡

ዓለምለኸ ትካላት መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኸውን እኽሊ ኸዚኑ ከምዘቐመጠ፣ ምግብን ናውትን ብዓፋር ንኽኣቱ ምግባሩ ግቡእ ትኹረት ከይሃቡ ‹‹ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ እዩ››ዝብል ኣተሓሳስባ ራዕዳዊ ህወሓት እናሓገዙ ይርከቡ፡፡

ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ጥምየት ከም መሳሪሒ ኲናት ብምጥቃም ኣብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዘዕገርግር ራዕዳዊ ከምዝኾነ ዓለም ዝፈለጦ ጉዳይ እዩ፡፡እዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምቑፃር ‹‹መንግስቲ ፌደራል ኣፍቲ ክልል ህዝቢ ጥምየት ንኽኽሰት ምኽንያት ኾይኑ እዩ››ክብል ምኽሳሱ ብዙሕ ኣይደንቕን፡፡ ካብዚ ፍልይ ዘብሎ ማሕበረ ሰብ ዓለም ‹‹ትኽክል ኣይኮነን፤ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ህዝቢ እናተጎድአ እዩ››ብምባል ሓቃዊ ነገር ንምንግጋር ዘይምኽኣሉ እዩ፡፡

ራዕዳዊ ህወሓት ‹‹ብህዝቢ ዝሽቅጥ ጉጅለ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ፤ መንግስቲ ከኽስስ ዝኽእል ሓንቲ ሞራል የብሉን››ክህልዎ ኣይኽእልን ብምባል ሚኒስቲር ሰላም ነቲ ሓቂ ገሊፀንኦ እየን፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You