
ኽፍኣትን ክሕደትን ራዕዳዊ ህወሓት
መንግስቲ ፌዴራል ሓረስታይ ትግራይ ክሓርስ ከምኡ ‘ውን እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ጁንታ ህወሓት ስኽን ኢሉ ንክሓስብ ናይ ፅሞና ግዜ ንምሃብ 21 ሰነ 2013ዓ.ም በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ብምባል ንክልል ትግራይ ዋላ ለቒቑ ይውፃእ መንግስቲ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ራዕዳዊ ህወሓት ኣይተቐበሎን።
ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ካብ ትግራይ ምስ ወፀ ነዚ ተኸቲሉ ሰይጣናዊ ግብሩ ዘይለቐቖ ራዕዳዊ ህወሓት ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ጉድጓድ ወፂኡ ክሕደቱ፣ ተንኮሉን ትዕቢቱን ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ገዲድዎ ይርከብ።
እቲ ሃሪሱ ዘይህርስን ድንጋፀ ዘይብሉን ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ካብ ተምቤን ናይ ቡኻርያ ጉድጓድ ኣብ ዝወፀሉ ፅባሕ ንፁሃን ዜጋታት ተጋሩ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምግቢ ትሸጡ ነይርኩም ኢኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊኦም ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ‹‹እንዳ ስጋ፣ ሻሂ ብምኽፋት ንሰራዊት ትሸጡ ነይርኩም ኢኹም፤ ሰራዊት ብበዝሒ ናብ ገዛኹም ይመፅእ ነይሩ እዩ፤ ኣብ ገዛኹም ሻሂን ቢራን ይስተ ነይሩ እዩ›› ብምባል ብዙሕ ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ‹‹ሰብኣዊ ሓገዛትን፣ ፀጥታ መንግስታውን ህዝባውን ግልጋሎት ንኽጅመር ተተሓባብሩ ነይርኩም ኢኹም፤ ብልፀግና ትድግፉ ነይርኩም ኢኹም›› ብዝብል ልዕሊ 300 ንፁሃን ኣብ ቕድሚ ቤተሰቦምን ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ተቐቲሎም እዮም።
ንባህልን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ብዘይምጥንን ብዝወረደን ተግባር በቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ቤተክርስትያናት ተዘሪፎም እዮም። ናይ ሃይማኖት ኣቦታት እንተይቐረዩ ካብ ምእሳርን ምንግልታዕን ሓሊፉ ክሳብ ሂወት ምኽፋል በፂሖም እዮም። ምንም ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ዘይገበሩ ኣካላት ንህዝቢ ተባሂሉ ሓገዝ ብምትሕብባሮምን ዝፈራረሱ መሰረተ ልምዓት ከም እንደገና ክፅገኑ ብምግባሮምን፣ ግልጋሎት መንግስትን ህዝብን ከም እንደጋና ክጅመር ብምፅዓሮም፣ ብሓፂሩ ሕብረተሰብ ንምክሓስን ዝጎበጠ ንምቕናዕ ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ካብ ክልል ክሳብ ጣቢያ ብተፈላላዩ ብርኪ ዘግልግሉ ዝነበሩ ልዕሊ 55 ኣካላት ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፍለጥ ጭካነ ክብርን ባህል ህዝቢ ብዘይገልፅ ንምዝራቡ ብዘሰክፍ ኩነታት ተቐቲሎም እዮም።
ጁንታ ኣብቲ ክልል ዘፍረሶ ሰላም ንምምላስ፣ ዘጥፈኦ ንምስትኽኻል፣ ዝተቋረፀ ንምቕፃል፣ ዝተዓፀዉ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ንምኽፋት፣ ጠጠው ዝበሉ ዕዳጋታትን ትራንስፖርትን ንምጅማር ላዕልን ታሕን ዝብሉ ዝነበሩ እሞ ድማ ብሓይሊ ግብረ ራዕዳዊ ብግፍዒ ዝተቐተሉ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ሓደ ሓላፊ ቢሮ ኢንቨስትመንት ዝነበረ ኢንጅነር እምብዛ ታደሰ እዩ።
እዚ መዋቲ ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንና ወፃኢ ኮይኑ ህዝቢ ንምርግጋዕ ኢሉ ብሞይኡ ህዝቢ ንምግልጋል ንመንግስታዊ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ ናብ ኤርፖርት ኣብ ዘምረሐሉ ግዜ ናይ ጁንታ ተቖፀርቲ ዝኾኑ መኪና ጠሊፎም ናብ በረኻ ወሲዶም ኣካሉ ኣብ ሸሞንተ ብምቑርራፅ ንዝብኢ ሂቦሞ እዮም። ካብ ህዝቢ ብዝተረኽበ ጥቖማ ፖሊስ ካብ ዝብኢ ዝተረፈ ኣካላቱ ኣኻኺቡ ስነ ስርዓት ቐብሩ ክፍፀም ተገይሩ እዩ።
‹‹ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከምዝባሃል›› እዚ ኢንጅነር እዚ ንምንታይ ህዝቢ ኣገልገልካ ተባሂሉ ብዝስካሕኽሕ ኩነታት ክቕተል ምግባሩ ከይኣኽሎ፤ መንግስቲ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ብምግባር ነቲ ክልል ለቒቑ ምስ ወፀ እቲ ጁንታ ካብ ዝብኢ ዝተረፈ ቕሪተ ኣካል ካብ መቓብር ኣውፂኡ አዕፅምቱ ንከልብን ዝብእን ኣብ ሜዳ በቲንዎ እዩ።
ብተመሳሳሊ ካብ ኣባል ብግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ወረዳ ሃገረ ሰላም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ዝነበረት ነብሰፁር ወይዘሪት ሂሩት ገብረመድህን ፍርቒ ለይቲ ኣብ ገዝኣ ብምእታው ናብ በረኻ ብምውሳድ ኣእዳዋን ኣእጋራን ቖራሪፁ ደርብይዋ እዩ። ናይዚኣ ‘ውን ዝቐረየ ኣካላታ ተኣርዩ ክቕበር ዋላ ይገበር ድሓረ መንግስቲ ካብቲ ክልል ሰራዊቱ ምስ ኣውፀአ ዝተቐበረ ኣካላታ ኣውፂኡ ደርብይዎ እዩ። እዞም ግፍዕታት እዚኦም ከም ኣብነት ጠቐስናዮም’ምበር ካልኦት ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት ግፍዕታት ተፈፂሞም እዮም።
ብኻሊእ ወገን ጁንታ ብፍላይ ኣብቲ ክልል ሃይማኖት እስልምና ተኸተልቲ ዝኾኑ ትኹረት ብምግባር ብፍላይ ኣብ መኾኒ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ወንጀል ፈፂሙ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ኣብ ወረዳ ስሓርት ግጀት ኣብ ኣብ ልዕሊ ተፈላላዩ ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ኣካላት ዘነፃፀረ መጥቓዕቲ ፈፂሙ እዩ። ካብዚኦም ውሽጢ ናይቲ ወረዳ ካቢኔ ዝነበሩ ማስተር ደሳለው፣ ሙሃመድ ጁሃር፣ ኣይተ ጌታቸው የማነ (ኃላፊ ዘፈር ፀጥታ)፣ ኣይተ ሓየሎም (ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ)፣ ኣይተ ሞሳ ከድር (ሽፈር ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ) ከምኡ ‘ውን ኣይተ ሃሺም ጣዕመ ተለኣኣኺ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ዝነበሩ ጉድጓድ ክኹዑቱ ተገይሩ ብዓሎም ኣብዚ ኾዓትዎ ጉድጓድ ክቕበሩ ተገይሩ እዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ናይ 17 ዓመታት ቓልሱ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘቐንቕኑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብተንኮል ስለ ዝቐተሎም እሞ ድማ ንኣዴታት ትግራይ መልሲ እንተይሃበ ናብ ስልጣን ምስ ወፀ ካብ 1983 ዓ.ም ንነዘ ልዕሊ 30 ሺሕ ንፁሃን ተጋሩ ብግፍዒ ምቕታሉ ከይኣኽሎ፣ ሕዚ ድማ ብቤተሰብ ንዝተኣሳሰሩ ውሕዳት ስልጣን ተባሂሉ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ጭቑን ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደ ጣቢያ 50 ተጋደልቲ ኣውፅኡ እንተዘይ ኣዋፂእኹም ሓገዝ እኽሊ ዝበሃል ኣይትረኽቡን፤ ኣብትግራይ ‘ውን ኣይትነብሩን ብዝብል ምፍርራሕ ህፃናት ካብ ጉሎ ኣዲኣቶም ብምሕዳግ ከምኡ ‘ውን ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ናብ ግንባር ክስለፉ ብምግባር ድራር ሓዊ እናገበሮም ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘሓቦ መግለፂ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝረገፉ መናእሰይ ተጋሩ ከምዘለዎ ኮይኑ፤ ድሕሪ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ‘ውን ጁንታ ኢትዮጵያ ንምብታን ዕላማ ገይሩ ኣብ ዝጀመሮ ወረራ ልዕሊ 10 ሺሕ መናእሰይ ተጋሩ ኣብ ግንባር ብምስላፍ ከምቖፅሊ ረጊፎም ቐርዮም እዮም።
ብኻሊእ ወገን ‹‹ንኸልቢ እንተጎየምሉ፣ ንቖልዓ እንተስሒቖምሉ›› ከም ዝበሃል መንግስቲ ብዘይምንም ውግእ ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ለቒቑ ምስወፀ ጁንታ ህወሓት ብናይ ባዕሉ ሓይሊ ዓወት ከምዝረኸበ ብምምሳል ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ነወራርዶ ሒሳብ ኣለና እዩ ብምባል ብፍላይ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ራእዩ ንምስኻዕ ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ ኵናት ጎኒ ንጎኒ ናይ ዲፕሎማሲ፣ ኢኮኖሚያዊ ተንኮል ከምኡ ‘ውን ናይ ስነ ልቦና ውግእ ከፊቱ ሃገር ንምፍራስ ናይ ሞትን ሕየትን ምንቕስቓስ እናገበረ ይርከብ።
እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ መንግስቲ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ምስ ኣወጀ ንፅባሒትኡ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ትልሙ ንምዕዋት ካብ 10 ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ብምስላፍ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ፍሉይ ዝኾነ ወረራን ዘረፋን ዘካየደ እንትኸ’ውን፣ ኣብዘን ክልላት እዚአን ማለት ጁንታ ኣብዝተቖፃፀሮም ከተማታትን ከባቢታትን ዝፍፀሞ ግፍዒ ክረአ እንተሎ ብኽፍኣትን ክሕደትን ካብ ሳጥናኤል ከም ዘይንእስ ኣርእዩና እዩ።
ኣብ ክልል ዓፋር ህፃናትን ኣዴታትን ብምድፋር፣ ንፁሃንን ብምቕታል፣ መሰረተ ልምዓታት በምፍርራስ ናይ መንግሰትን ውልቐሰባትን ንብረት ዘሪፉ እዩ። ብተመሳሳሊ ጁንታ ኣብ ወርሒ ሓምለ መወዳእታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቖቦ ውሽጢ ኣጋምሳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓደ ጣቢያ ናይ ሓረስቶት መንደር ምንም ዓይነት ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣብ ዘይብሉ ብኸቢድ ብረት ገይሩ ብዝፈፀሞ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ወንጀል ካብ 100 ንላዕሊ ንፁሃን ሓረስቶት ቐቲሉ እዩ።
ኣብዚ ከባቢ እዚ ጁንታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 50 መንበሪ ገዛ ሓረስቶት ከቢድ ብረት ብምጥቓም ኮነ ኢሉ ብሓዊ ክቓፀል ዝገበረ እንትኸውን፣ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ብገመድ ብምእሳር ክቓፀሉ ገይሩ እዩ። ካሊእ ቒልጡ፣ ድቡስ ቓና፣ ኣዲ ውድየ ዝተባህሉ ሰፈራት ብመድፍዕ ዘቓፀለ እንትኸውን ኣባላት ዕጡቓት ጁንታ ሓዊ ኣብ ኢዶም ብምሓዝ ገዛ ንገዛ ብምዛር ብዙሓት ገዛውቲ የቓፅሉ ከምዝነበሩ ናይቲ ኣካል መጥቓዕቲ ዝኾኑ ሓረስቶት ንቢቢሲ ተዛሪቦም እዮም።
ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ከተማ ደብረታቦር ኣብ ዘወንጨፎ ከቢድ መሳርሒ ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ መንበሪ ዓሪፉ ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዕድመ ህፃን ሓዊሱ ሽዱሽተ ኣባላት ሓደ ስድራ ብጅምላ ክጠፍኡ ብምግባር ካብቲ ጥቕዓት ስድራ ዝተረፉ ሽማግለ ብዘይ ኣካቢን ቐባሪን ክቐርዩ ገይሩ እዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ከተማ ንፋስ መውጫ ደቖም ሒዞም ሂወቶም ንምድሓን እናጎዩ ዝነበሩ ኣባላት ቤተሰብ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ እዞም ንፁሃን ብዝተኮሶ ተኹሲ ብደም ኣቡኡን ኣዲኡን ተሓፂቡ ዝተረኽበ ኣብ ንፋስ መውጫ ወዲ ክልተ ዓመት ዝኾነ ህፃን ካብ ኩሉ ሕሊና ኢትዮጵያዊ ዝስወር ኣይኮነን።
ኣብ ከተማ ጋሳይ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ደቖም ሂወቶም ንምድሃን ኢሎም ንጉሆ ካብ ገዝኦም ወፂኦም ኣብ ዱር ድሕሪ ምውዓሎም ምሸት ገዝኦም ምስ ኣተዉ ጁንታ ብዝተኮሶ መድፍዕ ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን ወዶም ሓደ እግሩ ቖሪፁ ደርብይዎ እዩ።
ኣብ ገዳም ዋልድባ ዓለም ብምንዓቕ ብቑርን ሃሩርን እንተይ ተበድሁ እምኒ ተተርኢሶም ብዛዕባ ኢትዮጵያ እናፀለዩ ዝነብሩ መነኮሳት ብዘስካሕኽሕ ግፍዒ ጁንታ ደብዲብዎም እዩ። ከምኡ ‘ውን ግዳይ መቕተልቲ ዝኾኑ መነኮሳት ኣለዉ እዮም። ከም እኒ ጨጨሆ መድሃኔኣለም ዝበሉ ታሪኻዊ ናይ እምነት ቦታታት ብኸቢድ መሳርሒ ብምዕናው ኣብ መሳጊድን ቤተ ክርስትያንን ካምፕን ድፋዕን ብምስራሕ ግፍዒ ፈፂሙ እዩ።
ብሓፈሻ ራዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተቖፃፀሮም ቦታታት ልዕሊ ፍርቒ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ካብ ምዝንባሉ ንላዕሊ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ሰብኣውን ማሕበራውን ፀገም ዝወዲቑ ምዃኑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ እዩ። ጁንታ ኣብቲ ክልል ብወረራ ዝሓዞም ከተማታት ህፃናት ብምድፋር፣ ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ምሳና ወጊንኩም ተዋግኡ ብምባል እሞ ድማ እምቢ ስለ ዝበሉ መደንዘዚ እፅ ብመርፍእ ብምውጋእ ኣብ ናይ ውግእ ሜዳ ብምስላፍ ብኣሕዋቶም ኢድ ክሞቱ እናገበረ እዩ ።
እቲ ውግእ ኣቋሪፁ እዩ እኳ እንተዝበሃል እቲ ማሕበረሰብ ብኢኮኖሚ ከይመሓየሽ ምእንቲ ጁንታ ዝዘረፎ ዘሪፉ ናብ ትግራይ ካብ ምውሳዱ ሓሊፉ ዘይኽእሎ ብምቕፃል፣ ኣፎም ዘይዘረቡ ኣኻፍት እንተይቐረየ ብምቕታል ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ገበናት እናፈፀመ ይርከብ። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ገበን ብምፍፃም ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ራዕዳዊ ጉጅለ እዩ።
ጁንታ ብዝኸፈቶ ውግእ ኣብ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ክልል ትግራይን ልዕሊ 7 ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ (ዩኒቨርስቲ ወልድያ ሓዊሱ) ብዝተወሰነ ደረጃ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ክዓኑ ብምግባር ካብ 1ነጥቢ 4 ሚልዮን ንላዕሊ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ምግባሩ ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር/ ኢንጅነር ጌታሁን መኩርያ ተዛሪቦም እዮም።
ስለዚ ናይዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እኩይ ስራሕ ሕዚ ብግልፂ ናብ ኣዳባባይ ወፀ’ምበር፣ ጁንታ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቒ ቓልሱ ኢትዮጵያውነት ስምዒት ዝነበሮም ማእለያ ዘይብሎም መናእሰይ ትግራይ ብተንኮል ብምቕታል ንሓገዝ ዝመፅእ ዝነበረ እኽሊ ብምሻጥ ንመግዝኢ ኣፅዋር ብምውዓል ቑፅሩ ዘይነዓቕ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክሃልቕ ገይሩ እዩ። ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ንህዝቢ ትግራይ መማረፂ ሓሳብ ከይረክብ ዓፊኑ ብምሓዝ ይኣስርን የሳቕይን ነይሩ እዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጥቕሚ ሃገር ኣሕሊፉ ሂቡ’ዩ።
መኣርግ ገ/ሄር
1 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ