
‹‹ዓብዪ ክኸውን ዝደልይ፤ ትሕት ኢሉ የገልግል!›› ዝብል መሰረታዊ ኣስተምህሮ መፅሓፍ ቅዱስ ‹‹We Trust in God›› እናበለት ዶላራ ብመንፈሳዊ ብሂል ተዋዝይ ‹‹ዓባይ!›› ኣሜሪካ ዝውሓጥ መልእኽቲ ኣይኮነን። ‹‹መሰረትና ዝፀንዐ ብፀሎት ቐዳመወት ኣቦታትና እዩ›› ዝብል (For Father) ጭርሖ በቶም ሐዚ ዘለዉ መራሕታ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይመስልን።
ኣይተሳኸዐላን ‘ምበር ተዝኾነላ ነይሩ ኣሜሪካ ንእትበሃል ሃገር ኹሉ ተዝሰግደላን ዓለም ተዝድፈአላ ታሕጓሳ አዩ። እንትብርትዕ ብሓይሊ ሰራዊት፣ እንተደልያ ድማ ረድኤት ብምኽላእ፣ እዚ ኹሉ እንተዘይተሳኺዑላ ድማ ዲፕሎማሲ ብዝበሃል ፀወታ ሉኣላውያን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅራ ተትረግፅ ትምኒታ እዩ።
ቐስቲ ናይዚ ፅሑፍ ዘነፃፅር ኣብ ልዕሊ ሃገረይ በትረ ስልጣኖም እናወጣወጡ ተዘይጠፋሕናኪ እናበሉ ውዲት ዝኣልሙ መራሕቲ ‘ምበር፤ ክንጠሚ ከለና እኽሊ፣ ክንፅገም ከለና ኣእዳዎም ዝዘርግሑልናን ገንዘብ ካብ ጁቦኦም እናፍሰሱ ብትካላት ረድኤቶም ኣቢሎም ስንቂ ኣትሒዞም እናልኣኹ ‹‹ኣጆኹም›› ኣብ ጎንኹም ኢና እናበሉ ንዝሕግዙና ኣይምልከትን።
ከም ኣጋጣሚ ኾይኑ ድሕሪ ኻልኣይ ኲናት ዓለም ‹‹ዓባይ¡››ሃገር ንምምራሕ ዕፃ ዝበፅሖም መራሕትን ፖሊሲታቶምን ጃህራ ዝተመልኦን ‹‹ረጊፅካ›› ግዛእ ዝዓይነቶም ባህርታት ከምዝስተውዓል ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ይስማምዑ እዮም። ናይዞም መራሕቲ ውሽጣዊ ምኽክርን ናይ ኣደባባይ ዲስኩርን ብትሕዝቶ ይኹን ብድምፀት ከም ሰማይን ምድርን ዝረሓሓቕ መረዳእታ እናጣቐሱ ዝፀሓፉ ብዙሓት እዮም።
ዕብየቶም ብተግባር ክንዲ ምግላፅ ብንእሽተይ ኣተሓሳስባ ምዕግርጋር ዝፈጠረሎም ‹‹ውርደትን ስብራትን›› ጠጠው ኢሎም ብምስትውዓል ንምእራምን ንምሕካምን ገታር ቕዋም ዝስተውዓሎም መራሕቲ ሞራላዊ ብቕዓት ኣይተዓደሉን። ኣብ ዘየእትዎም እናኣተዉ ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊ ሃገር ጠውለቕ እናበሉ ዝበፅሖም ውርዴት ንምዝርዛር ዝኸብድ ተዘይኮነ ‘ውን ዕላማ ናይዚ ፅሑፍ ስለዘይኮነ ብተራ ትዕዝብቲ ጥራሕ ኢና ንሓልፎ።
‹‹ዝሰኣነ እንትረክብ፣ ዝረኸበ እንትስእን፣ ምስ ሓለፈ ግና ከተዓዛዝበና እዩ›› ኢላ ይበሃል ሓንቲ ተስፋ ዝፀልመታ መስቆንቆኒት ሓፍትና።
‹‹ኣድጊ ሞይታ ተባሂሉ መንገዲ ኣይተርፍን›› ከምዝበሃል ንምንታይ እያ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውያን ሃገራት ማዕቀብ ብምግባር ሃረርታ ልዕልንኣ ንምውፃእ እትፃደፍ? ድሌቶም ዝተረድኡ ወይ ድማ ሕትኡ ዝተረድኦም ማሕበርተኛታት ነዚ ጉዳይ ፈታቲሖም ተዘረድኡና ፅቡቕ ነይሩ።
ርክብ ዲፕሎማቲክ ኢትዮ ኣሜሪካ ካብ ዝምስረት ካብ 1903 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ካብ ዝዛመደና 118 ዓመታት ተቖፂሮም እዮም። ብፅልኢ ዝባን ንዝባን እናተዳፋእና 17 ዓመታት ናይ ደረጊ ይኹን ኢልና ተንቕንስ እኳ ድፉን ሓደ ሚኢቲ ዓመት ብፈታውነትን ብሓበራዊ ተጠቃምነት እናተደጋገፍና ከምዝፀናሕና የመላኽት።
ኣብዚ ናይ ሓደ ክፍለ ዘበን ‹‹ርክብ ዕርክነት››ኣብ መንጎ ኽልቲአን ሃገራት ፅቡቕ ውፅኢታት ምምዝጋበን ኣይተረፈን። ብኣገዛዝኣ ዘበነ ደርጊ እተኾነ ‘ውን ርክብ ሰንሰለት ‹The weakest link› ተዘይኾይኑ ሙሉእ ንሙሉእ ማዕፆ ዓፂውና ነይርና ንምባል
ዘፀግም እዩ። ንነገሩ ኣፍቲ ዘበን እሱ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ፀገም ድርቂ ቐልጢፎም ኢዶም ዝዘርጉሑልናን ልምዓታዊ ድጋፋት እናቖንጠሩልና ከምዝነበሩ እንተዘይዘኪርና በላዕቲ ውዕለታ ዘብለና እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብጃህራ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ልዕሊ ሃገረይ ንምንታይ ቕልፅሙ ንምርኣይ ከምዝፍትን ኣይርደአንን። ንምንታይ እዩ?ብምንታይ ምኽንያት እዩ?ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ዘርዚሩ ዘረድኣና ተዝህሉ ንፀሎት ይኹን ንፍልጠት ፍንጪ ዝህበና እዩ ነይሩ። እዚ ብቐዋምነት እነስቆንቁነሉ ናይ ናፃ መድረኽ ወርድን ስፍሓትን ንዝግድበና እቲ እንደልዮ ኹሉ ስኢንና ንምቕራብ ኣየኽእለናን ‘ምበር መድረኽ ፅሑፍ ናብ ኣዳራሽ ዘተ ስፍሕ ኢሉ ተዝምከረሉ ብዙሓት ገበናታት እናውፃእና ክነርእይ ምኽኣልና ነይርና።
ብናተይ ኣርኣእያ መራሕቲ ‹‹ናይዛ ዓባይ¡›› ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገረይ ገፆም ፀዊጎም ልቦም ዓፂዎም ብሓርፋፍ ኣቀራርባ ኣብ ናይ ባዕልና ጉዳያት ተዘይኣተውና እናበሉ ምዕግርጋር ዝጀመሩ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ መንበረ ስልጣኑ ተደርብዩ ናፍቲ ዝተወለደሉ ማህፀን በረኻ ደደቢት ዳግም ድሕሪ ምምላሱ ይመስለኒ። ምኽንያት መኾረይኦም ድማ ‹‹ንምንታይ ደቀይ ተነኸሱ›› ዝብል ዘሎ ‹‹God Father›› ኣሜሪካውያን የግዲ ኾይንዎም እዩ። ኣንፈት መኾረይኦም ድማ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ዝነበሮም ዘባል ቕዋም ክነስተባህል ከለና፤ ጉዕዞ ተስፋ ነፀብራቕ ብልፅግና ውሽጣዊ ትምክሕቲ ዓይኖም ምውጋእ ብምጅማሩ ይመስለኒ።
እዚ ናይ ኹራ ዓጎምጎም ዝያዳ ድምፁ እናወሰኸ ዝመፀ ድሕሪ ንራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝተወሰደ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ ይእመን። ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ እዛ ሃገር ‹‹ራዕዳዊ›› ኢሉ ብሕጊ ዝወሰነሉ እዚ ጉጅለ ንምንታይ ይትንከፍ ብምባል ኣውያት ከስምዕ ዝጀመረ ድሕሪኡ እዩ ነይሩ። መከላኸሊ ሰራዊት ዝኣክል ገዚፍ ሓይሊ ብዝተዋደደ ናይ ትዕቢት ውዲት እንትድፈር ሱቕ ኢሎም፤ ተራ ጉጅለ ሸፋቱ እንትጥፋሕ ንምንታይ ኢሎም ምፍካርን ምፍርራሕን ካብ ሕልና ወፃኢ ምዃንን ‹‹ሰብኣውነትን ዲሞክራስን››እናበሉ ብዝልፍልፉሉ እሴት ምቕላድ ይመስል።
ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ብግፍዒ ተጨፍጪፎም ደሞም ናብ መንግስትን ናብ ፀባኦትን እንተእዊ ኣእዛኖም ደፊኖም ራዕዳውያን ንዝፍፅምዎ ግፍዒ መሪር መቕፃዕቲ እንትቕፅዑ ኣፈጉባኤ ብምዃን ማዕቀብ ንምግባር ምቅድዳሞም ክነስተባህል ከለና ‹‹ዕቡይስያ ኽልተ ሻዕ ተበን ነኸሶ›› ኢልና ክነባጭው ንግደድ።
ናታቶም ፈኸራ ማዕቐብ ንኢሱ ሃገራት ኣውሮፓ ከይተረፋ ንሃገረይ ድጋፍ ልቓሕን ልምዓትን ከይትረክብ እናፈጠርዎ ዘለዉ ፅዕንቶ ሕልንኦም ዝሞቶም ካብ ምባል ሓሊፍና እንታይ ይብሃል። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ድማ ወግሐ ፀብሐ ዝፀልመተ ገፆም ካብ ምርኣይ ይትረፈኒ ኢላ ናብ ኻልኦት ገፆም ዘብሩሁላ ፈተውታ ብምኻድ ራእያ ንምትግባር ቐትርን ለይትን እናደኸመት እያ ዘላ። እዚ ስጉምታ ‘ውን ኣየሐጎሶምን። ‹‹ካባና ወፃኢ ንምንታይ ትኸይድ!›› ብዝብል ትምክሕታዊ ምፍርራሕ ሓዙኒ ስደዱኒ ምባሎም ብጋህዲ እናተራእየ እዩ።
ቕድሚ ቑሩብ ኣዋርሕ ንላዕለወት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ማዕቐብ ቪዛ ከምዝገበሩ ብዕሊ እንትዛረቡ ኣግራሞት ፈጢሩ ነይሩ። ‹‹ብምንታይ ምኽንያት?›› ተባሂሎም ተዝሕተቱ እዚ እዩ ዝበሃል ማይ ዘእቱ ምላሽ ኣይህልዎምን። ዘእምን መከራኸሪ ስለዘለዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ቕልፅሞም ንምርኣይ ስለዝደለዩ ከምዝኾነ ተረዲኡና እዩ። እዚ ጉዳይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኢትዮጵያውን ኣቖጢዑ ናብ ኣደባባይ እንትወፁ እኳ ‹‹ኣሜሪካ›› ናይ ዋዛ ውሳንኣ ክተስተውዕል ግዜ ኣይወሰደትን። እኳድኣስ ዲፕሎማታታን ሹማምንታን እናንቀሳቐሰት እሳ ዝኣነበቶ ገመድ ኻልኦት ከስጥሙላ እናፀዓረት ነይራ።
እዚ ከይኣኽላ ድማ ኣብ ቐረባ AGOA (The Africa Growth and Opportunity Act )ዝተብሃለ ካብ ቐረፅ ናፃ ዕድል ንግዲ ንኽቋረፅ ከምዝተወሰነ ኣብ ታሪኽና እንፅሕፎ ኻሊእ ግፍዓዊ ውሳነ እዩ። ካብ 2001 ኣ.ፈ ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ AGOA ፕሮግራም ዕድል ንግዲ ክትግበር ዝተወሰነ ብኣውራ ትሕቲ ሰሃራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ እዩ ነይሩ። እዚ ዕድል ብምጥቃም ሃገርና ናይ ኣልባሳት፣ ጨርቃጨርቂ፣ ቖርበትን ብውሑድ እንተኾነኳ ውፅኢት ሕርሻ ካብ ቐረፅ ወፃኢ ናብ ዕዳጋታት ኣሜሪካ ብምእታው ተጠቃሚት ኾይና ነይራ። ብሓቂ እንተኾይኑ እቲ ዕድል ብስፍሓት ክንጥቀመሉ ተዘይኸኣልናኳ ክንድቲ እንተኾነ ‘ውን ንምድሓን ኢኮኖሚ ሃገርና ዝንዓቕ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ኣይተረፈን።
18 ሜይ 2003 ኣ.ፈ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ዘተ ርእሱ ‹‹Africa Growth and Opportunity Acts (AGOA0 and Ethiopia, Current Issues and Awareness>>ዝብል እዩ ነይሩ። ከም ዝዝከር ኣብዚ መሰረታዊ ጉዳይ ዝዛተዩ ዝነበሩ ኣጋይሽ ኣፍቲ እዋን ፕሮሞሽን ኤክስፐርታት ኢትዮጵያ ዝበሃል ዝነበረ ትካል ጄኔራል ዳይሬክተር ዝነበሩ ኣይተ ግዛው ሞላ፤ AGOA Linkages in Comes ንዝተብሃለ ኣፍሪካዊ ትካል ዳይሬክተር ናይቲ ፕሮግራም ዝነበረት ነባሪት ዋሽንግተን ዲሲ ሚሚ ኣለማየሁን ዳይሬክተር ኣፍሪካ ኢኒሸቲቭ ኣይተ ክቡር ገና ካብ ኣዲስ ኣበባ ነይሮም።
እዚ ዘተ ኣፍቲ እዋን ብፅቡቕ ምንቕቓሕ ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ይዝክር። በዚ መሰረት ድማ ተዘይተጋግየ ኣፍቲ ዓመት ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ዝነበሩ ኤክስፖርተራት ሃገርና ናይ 822 ሽሕ ዶላር ዕድጊት ከምዝፈፀሙ እቲ ሪፖርት የመላኽት። እዚ ዕድል እናሰፍሐ ኸይዱ ዋላኳ 1800 ሽሕ ዶላር ዝኸውን ሸቐጣት ንምእታው ዕድሉ ዝተመቻቸወ እንተኾነ ኣብ 2020 ኣ.ፈ ብኣፃብዕቲ ካብ ዝቑፀሩን ናብ ኣሜሪካ ካብ ዝለኣኹ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣልባሳት ሃገረይ ከባቢ 525 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ ነይራ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝገበረቶ ማዕቀብ፤ ኢትዮጵያ ብኣተሓሳስብኦም ንክትደንን ተሓሲቡ ዝተገበረ ይመስል። እዚ ውሳነ ዓርዩ ከምዝጎድኣና ዘይከሓድ እንተኾነ ‘ውን ‹‹ካብ ዘልኣለማዊ ባርነት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ናፅነት ››ስለዝትበልፅ ኻልኦት ዓበይቲ መማረፂ ዕዳጋታት እናደለና እቲ ጉድለት ዝቕረፈሉ መገዲ ከምዝመቻቾ ኣፍቲ ዘፈር ዝተሰማረዩ ክሓስቡሉ ይግባእ። ማዕቀብ ናይ ምግባር ሱስ ዘለዎ ምምሕዳር ኣሜሪካ ናብ ቐልቡ ተመሊሱ ውሳንኡ ንኸስተብህል ጥንኩር ስራሕ ዲፕሎማሲ ከምዘድልዮ ይእመን። ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድማ እዚ ፅዕንቶ ንኽቃለል ዓቕሞም ብዝፈቐዶ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኽሙጉትዎ መልእኽቲ ይብፃሕ ይብለኹ። ሰላም ይኹን!(ፍልፍል፡-ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)
ትርሓስ ፍቓዱ
6 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ