
ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስተጀመረ ኣብ መበል 3ይ ዓመት ኣብ 1941 ኣ.ፈ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዝኾነ ፍራክሊን ሩዝቬልትን ቐዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ዊንስተን ቸርችልን ኵናት ኣላይድ ፓወርስ (Allied powers) ዓወት ከምዝቐንዖም ብምሕሳብ ኣብ ካናዳ ሚስጥራዊ ኣኼባ ኣካየዱ። ድሕሪ ሚስጥራዊ ኣኼባ ምስ ሃገራት ኣላይድ ፓወርስ ከምእኒ በዓል ሩስያ ዝበላ ሃገራት ብምግባዝ ዓለምለኸ ትካላት ንምምስራት ተስማዕምዑ። በዚ ምኽንያት ዓለምለኻዊ ትካል ተፈጠረ። እዚ ትካል እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት እዩ። እዚ በዞም ክልተ ሃገራት ሚስጢር ዝተመስረተ ትካል ክንደይ ዝኣክል ካብ ኣድልዎ ናፃ እዩ? ኢልና እንተሓቲትና መልሱ እዚ ውድብ እዚ እንትፍጠር እንተሎ ክሳብ ሕዚ ብሳንባ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዘተንፍስ ምዃኑ ዋላ ሓንቲ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ምምስራት ትካል ሕቡራት መንግስትታት ኣብዪ ግደ ዝነበራ ኣሜሪካን ካልኦት መስራቲ እቲ ትካል ከም ሩስያ ኣብ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ኣብ ዓለም ጎሊህኻ ንምውፃእ ምቕድዳም ዝጀመሩ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት እዩ። በዚ መሰረት ሃገራት ዓለም ክስለፉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለምን ምምስራት ሕቡራት መንግስትታት ብሓደ ጠጠው ዝበሉ ኣሜሪካን ራሻን ንኻልኣይ ግዜ ንዘይምስምዕማዕ ፍትሕ ፈፀሙ።
ሕቡራት መንግስትታት ንምምስራት ዝተሓሳበ መራሕቲ ኣሜሪካን አንግሊዝን ሚስጥራዊ ኣኼባ ምስ ኣካየዱ እዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ህዝቢ ዓለም ዘለዎም ፖለቲካዊ ድሌት ከም መዐቐኒ ብምግባር እናተጠቐሙሉ ይርከቡ። ኣብዚ ውድብ እዚ ማዕርነት ሃገራት ዝባሃል ነገር የለን። ኣባል ሃገራት ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ዘለዎን ሃገራት ሓሙሽተ ሃገራት ጥራሕ እየን።
ኣብዚ ትካል እዚ ብዙሓት ክፍልታት ኣለዉ እዮም። ኣሜሪካን ደገፍታን ነዚ ክፍልታት ብምጥቓም ዝደለይዎ ይገብሩ። ንኣብነት ናይ ቐረባ እዋን እንተሪእና ንግብፂ ንምሕጓስ ተባሂሉ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሕቡራት መንግስትታት ነዚ ግድብ እዚ ከም ስግኣት ብምሕሳብ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስትታት ቐንዲ መዛተዪ ኣጀንዳ ኮይኑ እንትቐርብ ተራእዩ እዩ።
ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራባውያንን ኣብ ውድብ ህቡራት መንግስትታት ብዘለዉ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ብምጥቓም ንሰብኣውንት ጠጠው ዝበሉ ብምምሳል ሉኣላውነት ሃገራት ይጥሕሱ፤ ንሓሳቦም ዝቓወሙ መራሕቲ የምክኑ። እዚ ፀገም ዝበፅሖም መራሕቲ ኣፍሪካውያን ከም ቶማስ ሳንካራ፣ ሙሓመድ ጋዳፊ፣ ፓትሪስ ሉሙምባ፣ ክዋሜ ንኩርማህ ተጠቐስቲ እዮም።
ቶማስ ሳንካራ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ኣንፃር ኢፔሪሊያሊስት ተቓላሲ ብምባል ዝፍለጥ ናይ ፓን ኣፍሪካን ፊተውራሪ ቶማስ ሳንካራ ታህሳስ፣ 1949 ኣ.ፈ ኣብ ሰሜን ኣፐር ቮልታ ተወለደ። ሳንካራ ሃገሩ ቡርኪናፋሶ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳይ ተላቒቓ ናፃነታ እንትረክብ ወዲ 12 ዓመት ነይሩ። ናይ ፓን ኣፍሪካ ወያናይ መራሒ ሻምበል ቶማስ ሳንካራ ኣብ 1983 ኣ.ፈ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ ንአሽተይ ግዜ ኣፐር ቮልታ ዝብል ናይ ሃገሩ መፀውዒ ቡርኪናፋሶ ወይ ‹‹ ናይ ቕኑዓት ሰባት ሃገር›› ብምባል ቐየሮ። ካብ ቕድሚኡ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ብግልፂ ብምርሓቕ ምስ ደሓና ዝባሃል ሶሻሊስት ፖሊስትታት ኣፋለጠ። ሳንካራ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሎም ኣርባዕተ ዓመታት ብፍላይ ቕድሚኣ ዝሃቦ ብኽነት ናይ መንግስቲ ገንዘብ ወፃኢ ብምቕናስ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ካብ ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ብዙሕ ክፍልታት ዝሽፍኑ ሂወት ሓረስቶት ምሽፋን እዩ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ቶማስ ሳንካራ ንክፍለ ዓለማዊ ፀገም ክፍለ ዓለማዊ መፍትሒ ምቕማጡን ፀገም ሃገረይ ንምፍታሕ ናይ ማንም ተለኣኣኺ ምዃን ኣየድልን ዝብል ፅኑዕ ቕዋም ብምሓዙ ናይ ኣፍሪካ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ዕቤት ስግኣት ዝኾኖም ምዕራባውያን ብፍርሓት ተዋሕጡ። ካብኡ ነዚ ተስፋ ዘለዎ መራሒ ንምውዳቕ ተለሙ። ናይ
መበል 20 ክፍለ ዘመን ናይ ፀረ ኢፔሪሊያሊስትን ናይ ፓን ኣፍሪካውን ፊትኣውራሪ ቶማስ ሳንካራ ብተንኮል ምዕራባውያን ብዘሕዝንን ልቢ ብዝሰብርን ኩነታት ክቕተል ተገበረ። ነዊሕ ራእይ ዝነበሮ ቶማስ ሳንካራም ንሃገሩን ህዝቡን ብምሕሳቡ ብሓይሊታት ኢምፔሪያሊስት ብሓፂሩ ክውገድ ተገብረ።
ፓትሪስ ሉሙምባ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቤልጄየም ዝኾነት ኮንጎ ከም ኣ.ፈ 30 ሰነ 1960 ናፃነታ ረኸበት። ድሕሪ ዓወት ናይ ፓትሪስ ሉሙምባ ፓርቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መረፃ ሰዓረ። ሉሙምባ ናይ መጀመርያ መራሒ ንምዃን በቕዐ። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርቢ ኣብ ህዝቢ ኮንጎ ዘብፀሐቶ ግፍዒ ከም ግፍዒ ዘይቖፀረቶ ናይ ፓትሪስ ሉሙምባ ኣካይዳ ንምቕዋም ዝቐደማ ኣይነበረን። ንጉስ ቤልጅየም‹‹ ብምሽኳል ንምምሕያሽ ኢልኩም ናይ መፃኢ ዕድል ኣይተባላሽዉ። ከምኡ ‘ውን ፅቡቕ ምስራሕኹም ርግፀኛ ክሳብ እትኾኑ ቤልጀም ዝሃበትኩም መዋቕር ኣይትቐይሩ። ናባና ምምፃእ ኣይትፍርሑ፤ ኣብ ጎንኹም ኢና። ከንመኽረኩም ኢና። ››በለ።
በዚ ዘረባ ናይዚ ንጉስ ደሙ ዝፈልሐ ተጋዳላይ ፓትሪስ ሊሙምባ ናይ ቤልጀየም ንጉስ መርዚ ዝቋፀረ ዘረባ ብምቑዋም ዋላ እኳ ናይ ሎሚ ናይ ኮንጎ መዓልቲ ናፃናት ብማዕረ ምስ ዝተሰራዕናላ ፈታዊት ሃገር ቤልጀየም ሓቢርና ዋላ እንተኽበርና ዝኾነ ዜጋ ኮንጎ ናብዚ ዓወት ዝበቕዐ ብኵናት ደሙ ብምፍሳስ ብምዃኑ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ቓልሲ ኣብ ንገብረሉ ግዜ ብምግቢ ሕፅረት ኮነ ብውፃእ ውረድ ተሸኒፍና ዝገደፍናዮ ኵናት ኣይነበረን። በዚ ናፃነትና ምርግጋፅ ክኢልና ኢና። ብምኻኑ ብጣዕሚ ኢና ንኾርዕ፤ ብሓይሊ ዝተፃዕነና ዘሕፍር ባርነት ቐንጢጥካ ምድርባይ ኣድላዪ ነይሩ ክብል ተዛሪቡ ።
ነዚ ዝሰምዑ ኣሜሪካን ምስኣ ጥቕሚ ዝካፈሉ ብናይ ሉሙምባ ጠንካራ ዝረባ ተዳናገፁ፤ ተናደዱ። ምዕራባውያን ዝውንንዎም ጋዜጠኛታት ናይ ሉሙምባ ዘረባ ከም ሓጥያት ብምቑፃር ፀብፀቡ። ቤልጄየም ኣብ ግዜ ግዝኣት ደርቢ ኣብ ህዝቢ ኮንጎ ዝገበረቶ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ክንዲ ይቅረ በሉኒ ምባል ይብኣስ ኢላ ንናፃናት ኮንጎዊያን ማዕርነት፣ ዕቤት፣ ተስፋ ተስፋን ኣብ ዝቐደደሉ መራሒ ስና ነኸሰት። ኣሜሪካ ‘ውን ብስውር ስና ብምንካስ ተሓነየት።
ኣሜሪካን ቤልጄየምን ብሕቡእ ዝፈጠርዎ ሸፈጥ ብ1960 ኣ.ፈ ኣብ ወታደራት ኮንጎ ዓመፅ ተላዕለ። ድሕሪ መጋረጃ ናይ ኢድ ቤልጄየም ከም ዘለዎ ካብ ሉሙምባ ሕሊና ዝተሰወረ ኣይነበረን። ፀገም ኮንጎ እናገደደ እንትመፅእ ሉሙምባ ናይ ካታንጋ ናይ ደቡብ ካሳይ ተገንፀልቲ ንምጥያሽ ዘኽእሎ ሓገዝ ካብ ኣሜሪካን ሕቡራት መንግስትታትን ተጠየቐ። ሉሙምባ ኮንጎ ሓንቲ ንምግባር ዋላ ይፅዓር ሰማዒ ኣይረኸበን። መልሲ ዝሰኣነ ሉሙምባ ገፁ ናብ ሶቬት ሕብረት ኣዞረ። እቲ እዋን ዝሑል ኵናት እናተጎሃሃረሉ ስለ ዝነበረ ኣሜሪካ ብሕማቕ ዓይኒ ከትምልከቶ ጀመረት።
ኣሜሪካ ናፃናት ኮንጎ ዘይተዋሕጠላ ስለ ዝነበረ ኣብ ኮንጎ ግዝኣት ናይ ቤልጄየም ዓብላልነት ክህሉ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ነይራ። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ አምበኣር ኣሜሪካ ብቤልጄየም ተሓጊዛ ናይ ዩራንየም ንጥረ ነገር ካብ ግዝኣት ኮንጎ ናብ ሃገራ ብምውሳድ ኣቶሚክ ቦምብ ምብልፃግ ዝጀመረት። ስለዚ ናይ ሉሙምባ ናብ ስልጣን ምምፃእ ኣሜሪካ ከም ልባ እትዕንድረሉ ናይ ኮንጎ ማእድናት ከስእና ክኢሉ። ናይ ኣሜሪካ ውሳነ ሓንትን ሓንትን ነይራ። ‹‹ሞት ሓርማዝ ቐንዲ ሞቱ ስኑ እዩ›› ከምዝብሉ ኣሜሪካውያን ማእድን ኮንጎ ከምደስ ዝበላ ንምግባር ፓትሪስ ሉሙምባን ንምቕታል ወሰነት።
ብምኽንያት ምብእኣስ ዓመፅ ኮንጎ ቤልጄየም ድሕንነት ዜጋታተይ የተሓሳስበኒ እዩ ብምባል 6 ሺሕ ዝኾኑ ወትሃደራታ ናብ ኮንጎ ‹‹ ካታንጋ›› ኣእተወት፤ ሉሙምባ ተንኮል ቤልጄየም ንህዝቢ ዓለም ኣፍለጠ። ኮይኑ ግና ኣሜሪካ ካብ ናይ ባእሎም ጥቕሚ ወፃኢ ናይ ካሊእ ኣይግድሾምን። ከምኡ ‘ውን ሃገራት ኣውሮፓ ጭረኦም ደጕሎም ዝኽተልዋ ኣሜሪካ፣ ኮንጎ ብናይ ኢድ ቤልጄየም እናደመየትን ናብ ሞት እናተቓረበትን እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ኮኑ። ስኽ ምባል መረፁ፤ ምዕራባውያን ብዝገብርዎ ፅዕንቶ ምኽንያት ኣብ ኮንጎ ዝተወለዐ ወትሃደራዊ ዓመፅ ተበኣኣሰ። ነዚ ተኸቲሉ ናይ ኮንጎ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣውሮፓውያን ጥቕዓት ምፍፃም ጀመሩ።
ኣማውታ ሉሙምባ ብምዕራባውያን ዝሕገዝ ሞቡቱ ሴሴ ሴኮ ዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ ሉሙምባ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናሃለወ ክዕፈን ገበረ ሉሙምባ ንሃገረይ ብምባሉ ብተንኮል ምዕራባውያን ብዕልዋ መንግስቲ ተታሒዙ ተኣሰረ። ሶቭየት ሕብረት ሉሙምባ ክፍታሕ ኣለዎ ብምባል ንሕቡራት መንግስታት ኣፍለጠት። ሕቡራት መንግስታት ድማ ናይ ቤተሰብ ማሕበር ስለ ዝኾነ ፍታሕ ብዘይ ምሃቡ ናይ ሉሙምባ ምዕጋት ሰማዒ እንተይረኸበ ቐረየ። ናይ ስልጣን ፅምኢ ዘለዎ ሞቡቱ ሴሴ ሴኮ ግና ሉሙምባ ‹‹ንምፅናት ህዝቢ ኮንጎ ምኽንያት እዩ›› ብዝብል ሰየሞ። ካብኡ ኣብቲ ዝተተሓዘሉ መዓልቲ ምሸት ሉሙምባ ናብ ካታንጋ ክርሸን ተወሰደ። 17 ጥሪ 1961 ኣ.ፈ ኮንጎ ናብ ቐድሚት ናይ ምስጋር ሕልሙ በዚኦም ምኽንያት ቕሂሙ ተረፈ።
ሉዶ ዴ ዊቴ ዝተባህለ ናይ ስነ ማሕበረሰብ ሙሁር (The Assasination of Lumumba) ብዝብል ዘሕተሞ ናይ ምርምር ፅሑፍ ሉሙምባ፣ ብቐተልቲ ጉጅለታት ናብ ካታንጋ በረኻ ተወሲዱ ከምተረሸነ ኣመልኪቱ እዩ። ናይቶም ጉጅለ ቐተልቲ ዝኾነ ጌራልድ ሶቴ ምስ ሓዉ ብምዃን ኣስከሬን ሉሙምባ ካብ ተቐበረሉ ብምውፃእ ሰውነቱ ብመጋዝ ብምቚራፅ ብሳልፈሪክ ኣሲድ ክመክኽ ገይሮም እዮም።
ኣብዚ ትልሚ ቕትለት ውሽጢ እዚ ናይ ኣሜሪካ ኢድ (ሲ.አይ.ኤ) ከም ዘለዎ የሲ.ኣይ. ኤው ዳይሬክተር ኣለን ዱልስ ‹‹ሉሙምባ ስልጣን ምስ ሓዘ ዝተሓላለኸ ነገር ምምፅኡ ዘይቐሪ እዩ›› ብምባል ናይ ሉሙምባ ቕትለት ኣድላይ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። ኮንጎ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ከትዋፀኦ ኣብዘይትኽእለሉ መንቐራቕር ውሽጢ ብምእታው ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካብ 27 ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ኮንጎ ብሽም ሰላም ምኽባር ኣትዮም ሃፍቲ ህዝቢ ኮንጎ እናዘረፉ ይርከቡ።
ሞአመር ጋዳፊ ካሊእ ብኣሜሪካን ደገፍታን ብኽፍኣት ካብ ዝተወገዱ ኣፍሪካዊያን መራሕቲ እቲ ሓደ ናይ ሰሜን ኣፍሪካ ሊብያ መራሒ ኮሎኔል ሞኣመር ጋዳፊ እዩ። ብዛዕባ ጋዳፊ ኣፍሪካውያን፤ ኢትዮጵያን ሓዊሱ ተንኮል ምዕራባውያን እናፈለጡ ይኹኑ ኣይኹኑ ከም ገባሪ ሓዳጊ መንግስቲ ይቖፅርዎ ነይሮም። ኮይኑ ግና ሓቕን ማይን እናሓደረ ይፀሪ ከምዝባሃል ኣብዝ ሕዚ እዋን ምዕራባውያን ኣብ
ኢትዮጵያ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዒ እዝኒ ሂቡ ንዝኸታተል ሞአመር ጋደፊ ንዝተፈፀመ ተንኮል ምዕራባውያን ብግልፂ ምምልካት ይከኣል እዩ።ጋዳፊ ስልጣን ምስ ሓዘ ሊቢያ ዘለዋ ሃፍቲ ነዳዲ ከትጥቐም ገበረ። ካብቲ ነዳዲ ዝርከብ ንትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ወዘተ ጉዳያት ብምውዓል ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ሂወት ሊቢያውያን ምልዋጥ ከኣለ። ዕቤት ሊቢያውያን ብዙሕ ናይ መርከብ ምንቕስቓስ ስለ ዝነበሮ ኣብ ሜድትራንያን ባሕሪ ዓብዪ ተፅዕኖ ፈጠረ። እዚ ድማ ንምዕራባውያን ዘተሓሳስብ ኮነ። ነዚ ንምጥፋእ ምዕራባውያን ናይ ክፍኣት መፃወድያ ኣፃወዱ። ንህዝቢ ሊቢያ ዝሓሰቡ ብምምሳል መራሒኦም ብተንኮል ክጠፍእ ገበሩ። ጋዳፊ ንምጥፋእ ዝመፁ ኣሜሪካውያንን ፈተውታን ህዝቢ ሊቢያ ካብ ድኽነት ዘውፀአ መራሒ ምቕታላ ከይኣኽላ ዝነበራ ሃፍቲ ነዳዲ ብምብዝባዝ ከምኡ ‘ውን ሊቢያውያን ነንባዕሎም ብምብላዕን ሊቢያ ናብ ዘይትዋፀኦ ዓዘቕቲ ኣእትዮማ እዮም። ኣሜሪካ ኣብ ሊቢያ ዝፈፀመቶ ፍፃመ ኣግባብ ከምዘይነበሮ ባራክ ኦባማን ሓዊሱ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ሰበ ስልጣናት ምንዛዝ እናጀመሩ እዮም።
ክዋሜ ንኩሩማህ ካሊእ ኣፍሪካዊ መራሒ ክዋሜ ንኩርማህ ንርአ። ኣብ መጀመርታ1960ታት ብርክት ዝበሉ ሃገራት ኣፍሪካ ናፃነቶም ረኸቡ። ኮይኑ ግና ሃገራት ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፈላ። ቐዳማይ ጉጅለ ‹‹ ጉጅለ ካዛብላንካ›› እዩ። ኣባላት እዚ ጉጅለ እዚ ብፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝተወሃሃደት ፌዴሬሽን ኣፍሪካ ናይ ምምስራት ፖለቲካ ብዝደልዩ መራሕቲ ዝተዋቐረ እዩ ነይሩ። በዚ መዳይ እዚ ዝተሰለፉ ሃገራት ከምእኒ ጋና፣ ኣልጀርያ፣ ጊኒ ፣ሞሮኮ፣ ግብፂ፣ ማሊን ሊቢያን እንትኾኑ ናይቲ ጉጅለ መራሕቲ ናይ ጋና መራሒ ዝነበሩ ፕረዚዳንት ክዋሜ ንክሩማህ እዮም ነይሮም።
ካልኣይ ጉጅለ ድማ ‹‹ ናይ ሞንሮቪያ ጉጅለ›› እዩ ነይሩ። ናይዚ ጉጅለ እዚ ኣባላት ድማ ሃገራት ኣፍሪካ ብኢኮኖሚን ብምትእስሳር ህዝቢ ንህዝን ምትሕብባርን ክስጉሙ እንተኺኢሎም ፖለቲካዊ ምውህሃድ ኣብ ከይዲ ክብፃሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣምን ነይሮም። ኣብዚ ጉጅለ እዚ ዝነበሩ ሃገራት ድማ ከም ናይጀርያ፣ ላይበርያ፣ ኢትዮጵያን መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ዝነበሩ እንትኾኑ ናይቲ ጉጅለ መራሒ ድማ ኣብቲ ግዜ ንሱ ናይ ሴነጋል ፕረዚደንት ዝነበሩ ገጣሚን ፋላስፋን ፖለቲከኛ ሊዮፖልድ ሴዳር ሴንጎር እዮም ነይሮም።
ኣብዚ ልቢ ክወሃቦ ዝግባእ ኣሎ። ክዋሜ ንኩርማህ ዝመርሑ ናይ ካዛብላንካ ጉጅለ ዘይቕኑዕ ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ክዋሜ ንኩርማህ ናይ ኣሜሪካውያን ተፃራሪ እዮም ነይሮም ማለት እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንምንታይ ኣሜሪካ ኣብ ኩዋሜ ንኩርማህ ስና ነኸሰት እንተይልና እቶም ፕረዚዳንት ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ምስ ሶቬት ሕብረት ጠጠው ምባላ እዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ብFort Hays State Univer¬sity ; The United States and the overthrow of Kwame Nkrumah ብዝብል ዝተፀንዐ ፅንዓት ክዋሜ ንክሩማህ ኣብ ቬትናም ሰላም ከምፅእ ተልእኾ ወሲዱ ቬትናም ከም ዘለውዎ ኣሜሪካ ብዘቐናባበረቶ ተንኮል ብኣቖፃፅራ ፈረንጂ 24 ለካቲት 1966 ዓ.ም ዕልዋ መንግስቲ ከም እተኻየዶም ተመላኺቱ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ‘ውን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ምዕራባውያንን ሕቡራት መንግስትታትን ከምኡ ‘ውን መንግስታውን ዘይ መንግስታውን ትካላት ብምጥቓም ምስ ህወሓት ጠጠው ዝበልሉ ቐንዲ ሚስጥር ንኢትዮጵያ ብምፍርራስን ንባዕሎም 360 ዲግሪ ዘሽከርክርዎ መንግስቲ ብምምስራት ኢትዮጵያውያን ክዋፅእዎ ናብ ዘይኽእሉ ፀገም ከውርዱ ብምሕስብ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቦቐለ ናይ ምዕራባውያን ናይ ጥፍኣት ተለኣኣኺ ዝኾነ ህወሓት ምስባር የድሊ። ሰላም!!!
(ፍልፍል ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፣ትርጉም ማአርግ ገ/ሄር)
ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም