
ኣንፃር ራዕዳዊ ቓልሲ ኣብ ዓውደ ውግእ ብዝተጎናፀፍናዮ ዓወት ጥራሕ ኣይረጋገፅን። ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ መሰረት ገይርካ ኣመላኻኽታ ህዝቢ ካብ ሕዚ ጀሚርካ ምምራኽ የድሊ።
ነዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ካብ ህዝቢ ንምንፃል ዝተናበበ ምርብራብ ይሓትት። ኣሜሪካ ን20 ዓመታት ልዕሊ 2ትሪልዮን ዶላርን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ወትሃደራታ ኣሰዊኣን ኣካለ ጎደሎን ገይራ ጥራሕ ኢዳን ተዋሪዳን ዝወፀት ስነ-ልቦና ኣፍጋኒስታውያን ምስዓር ብዘይምኽኣላ እዩ። ናይቲ ግንባር ዓውደ ውግእ እማ ቕድሚ 20 ዓመት ንታሊባን ብዝግባእ ብምቕፃእ ቐጥታ ኣሸኒፋ ነይራ እያ። ኣብ ኢራቕ፣ ሶርያ፣ሱማልያ፣ የመን፣ ሊቢያ፣ ናይጀርያ፣ ማሊ፣ ሞዛምቢክ ወዘተረፈ.. ራዕዳውያን ብቐሊሉ ክተሸንፍ ዘይከኣለትሉ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ።
ራዕዳውያን ብውግእ ንምምብርካኽ ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብዘይንእስ ኣብ ስነ ልቦና ህዝቢ ፀቒጥካ ምስራሕ የድሊ። ኣብ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ዝተጎናፀፍናዮ ኣንፀባራቒ ወትሃደራዊ ዓወት ክፀንዕ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ስነ ልቦና ትግራዋይ ብዝግባእ ብዘይ ምምራኽና እዩ። ሕዚ ‘ውን ንዘይቐሪ ወትሃደራዊ ዓወት ዘላቕነት ክህልዎ ካብ ሕዚ ጀሚርና ልቢ ትግራዋይ ብምሽናፍ ነዚ ወትሃደራዊ ዓወት እዚ ልቢ ትግራዋይ ብምምራኽ ከንዕጅቦ ይግባእ። ህዝባዊ ምይይጣትን ካልኦት ዝተጀመሩ ነገራትን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም። ምስ ሸኔ፣ ኣብ ጉሙዝን ካልኦት ራዕዳውያን ሽፍታታትን ንገብሮ ቓልሲ ‘ውን ከምዚ ክኸውን ኣለዎ። ብግልፂ ዋላ ኣይንገንዘቦ ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፁላ ሰዓት ጀሚሩ ናይ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ናይ ትግራዋይ ልብን ኣማላኻኽታን ንምሽናፍ ብዙሕ ፅዒሮም እዮም።
ንሰላም ካብ ዘለዎም ቖራፅነት ኵናትን ክንደይ ዝኣክል ጎዳኢ ከም ዝኾነ ኣብ ውትድርና ህይወቶም ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥዎ፤ ኣሕዋቶምን ኣዕርኽቶምን ስለ ዝሰኣንሉ፤ ጦርነት ኢኮኖሚ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ከምዝጎድእ ብዝግባእ ስለ ዝተገንዘቡን ህዝቢ ትግራይ ኵናት ይኣኽሎ እዩ ብዝብል ፅኑዕ እምነት ነይርዎም እዩ። ኵናት ዝደልዩ ኣካላት ደቒ ድኻታት የውድኡ እምበር ንባዕርሶም ኣይርከቡን ብምባል ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንኻልኦት ህዝቢታት ድሕንነት ክብሉ ክሳብ መወዳእታ ትዕግስቲ መሪፆም እዮም።
‹‹ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ›› ከም ዝበሃል ንሉኣላውነትና፣ ሃገርናን ንሰላም ህዝብና ተኣማኒ ዝኾነ ምክልኻል ሃገርና ብከሓዲ ህወሓት ሃንደበታዊ ጥቕዓት በፂሕዎ እዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ትዕቢት ብዝተመልኦ ዝፀሓሮ ሓዊ ክቡር ዝኾነ ናይ ሰብ ሂወት ክጠፍእ ክኢሉ እዩ፤ ኣካል ጎዲሉ፤ ኢኮኖሚ ሃገር ብጣዕሚ ተጎዲኡ፤ ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ንምፅጋን ጥራሕ ካብ 100ቢልዮን ብር ንላዕሊ ወፃኢ ኮይኑ እዩ። እዚ ወፃኢ እዚ ወትሃደራዊ ወፃኢ ኣየካትትን። ፅገና ዘካይዱ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ቴሌኮምን ሓይሊ ኤሌክትርክ ኢትዮጵያን ብግፍዒ ተቐቲሎም እዮም። እዚ ፃዕሪ እዚ ልቢ ትግራዋይ ናይ ምምራኽ ኣካል ፃዕሪ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ መንግስቲ ድሕሪ 8 ወርሒ ንሰብኣውነት ኢሉ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ዝኣወጀ ነዚ ዕላማ እዚ እዩ ነይሩ።
ራዕዳዊ ህወሓት እዚ ከም ፅቡቕ ዕድል ብምጥቓም ወረራ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፋሕ ኣብ ዓፋር ዞባ ፈንቲ ረሱ ኣብ ጋሊኮማ ግዝያዊ መዕቖቢ፤ ብራያ ቖቦ ኣጋምሳን ካልኦት ከባቢታትን ንፁሃን ብምቕታል፣ ኣገዲድካ ብምድፋርን ብምዝራፍን ግፍዒ ምፍፃሙ ከይንእሶ እንስሳትን ብጥይት ብምርሻን ፃዕሪ መንግስቲ ዋጋ ኣስኢንዎ እዩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ሃገርና ካብ ናይ ኵናት ንምውፃእ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ መንግስታት ዘይገበርዎ ትዕግስቲ ብምግባር ከፍ ኢልካ ምዝርራብን ሓዱሽ መገዲ ብምምራፆም በዚ ልክዕ ኣፍልጦን ክወሓቦብን ኣብ ጎኖም ደው ኣብ ክንዲ ምባል ቑፅሩ ዘይነዓቕ ዜጋ ዝተደናገረሉ ግዜ እዩ ነይሩ።
ኩሎም እዚኦም ልቢ ትግራዋይ ንምምራኽ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ከምዝነበረ ግንዛቤ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ዕቡይ ህወሓት 24 ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም ዝፈፀሞ ዓብዪ ክሕደት ስዒቡ መንግስቲ ሉኣላውነት ሕጊ ንምኽባር ሃገር ንምቕፃልን ዘርአይዎ ቖራፅነትን ሰራዊት ካብ ተፈፀሞ ታሪኽን ትውልዲ ይቕረ ዘይብሎ ክሕደትን ሞራሉን ድሌቱን ኣላዓዒሉ ብህልኽን ንዴትን ኣንፃባራቂ ዓወት ብምምዝጋቡ ሃገራዊ ሞራሉ ክሕሎ ገይሩ እዩ። ዕቡይ ህወሓት ዝዕበየሉን ዝምከሐሉን ዝነበረ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ብዝግባእ ብምቕፃዕ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን 19 ሕዳር 2013 ዓ.ም መቐለ ክኣቱ ክኢሉ እዩ።
እዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ሰለስተ ግንባራት ነይርዎ። ናይ መጀመርያ ምስ ከሓዲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ሓሰተኛ፣ ዝተዛብዐን ብተንኮል ዝተበረዘን ሓበሬታ ምስ ዝነዝሕ ናይ ህወሓት መደበኛን ማሕበራዊን (ዲጅታል ወያነ) ሚድያ እዩ። እቲ ሳላሳይ ግንባር ድማ ህወሓት ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ሓደ ንሓሙሽተ ኣዋዳድባ ጠርኒፉ ብሽሙ ዝሽቕጥን፣ ዝምሕልን ብናይ ፈጠራ ዝግዘትን ብፕሮፖጋንዳ ብዘይ ፍቓድ ይውቐር ዝነበረ ልቢ ትግራዋይ ምምላስን ምምራክን እዩ። እዚ ካብ ክልኦም ግምባራት ዘይንእስ ፅንዓትን ጥንካረን ዝሓትት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ካብ ሕዚ ትግራዋይ ካብ ራዕዳዊ ህወሓት ናይ ምንፃል ፣ ኣማላኻኽትኡን ልቡን ናይ ምሽናፍ ስራሕቲ ጎኒ ንጎኒ ምስራሕ የድሊ። ሕዚ ‘ውን ኵናት ጥራሕ ምሽናፍ ነቲ ዓወት ሙሉእ ስለ ዘይገብሮ ልቢ ትግራዋይ ምሽናፍ፣ ምእማን ናይቲ ኵናት ስትራተጂ ኣካል ገይርካ ምውሳድ የድሊ። ፈጣሪ ካብ ኩሉ ነገር ዘቐደሞ ልብና እዩ። ከም ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ኩሉ ሓደ ናይ ሕጊ ፍልጠት ዘለዎ ፈጣሪ ክፍትኖ፤ ‹‹ መምህር፣ ካብ ዝኾነ ሕጊ ትእዛዝ ዓባይ እያ? ኢሉ ጠየቖ። ›› ፈጣሪ ኣብ መፅሓፍ ቕዱስ ማቴዎስ 22 ÷ 37 – 38 ከምዚ ብምባል ይምልሰሉ። ›› ጌታ ኣምላካ ብሙሉእ ልቢኻ፣ ነፍስኻን ሐሳብካን ፍተዎ። ዓባይን ፈታኒትን ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ በዚ ዓብዪን ቐዳሚን ትእዛዝ እየሱስ ክረስቶስ ቅድሚ ካብ ነብሲ ኮነ ሓሳብ ልቢ ከምዘቐደመ ንርዳእ። ናይ መበል 32 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ናይ ፍራንኪሊን ዴሎን ሮዝቬልት ባዓልቲ ቤትን ቐዳማይ እመቤት ኤሌንኖር ሮዝቬልት ፤ ሮዝቬልትን ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ፕረዚዳንትታት ኣማኻሪ ሊቕ ዝነበረ በርናንድ በሩክ፤ ‹‹ኣእምሮይን ልበይን ብሓሳብ ዋላ የፈላለዩ ዝኾነ ንኸተል!?›› ክትብል ትጥይቖ ፣ ንሱ ‘ውን ብዘይ ምንም
ምውልዋል፣ ‹‹ልብኺ ተኸተሊ›› ክብል ይምልሰላ። ከምዚኦም ዝበሉ መንፈሳውን ዓለማውን ትምህርቲ ልቢ ኣብ ወዲሰብ ዘለዎ ቦታ ልዑል ምዃኑ የርኢ።
ብዲፕሎማሲ መልክዑ ካብ 30 ዓመታት ንነዘ ብልጭ ከም ዝበለ ዝዝረበሉ ናይ ምምራኽ ወይ ናይ ምርድዳእ ፃዕሪ ( ናይ ሶፍት ፓወር) መንግስታት ከመይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ፅዕንቶ ከም ዘሕድሩ ንምርዳእ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ‹‹ፎሪን ፖሊሲ›› መፅሄት ይጠቅስ። ኣሜሪካውያን ናይ ፖለቲካ ሳይንቲስት ጆሴፍ ኔይ፤ ሶፍት ፓወር ሓንቲ ሃገር እትኽተሎ ስርዓት ፖለቲካ፤ ፖሊሲ፣ ሃፍተ ገነት ከምኡ ‘ውን ብምኽንያት ኣብ ማሕበረሰብ ባህሊ ሃገራት ናይ ምምራኽን ናይ ምስሓብን ዲፕሎማስያዊ ሓተታ እዩ። ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ብምምራኽ ( ኣትራክሽን) ዝተመስረተ ዓይነት ዲፕሎማሲ እዩ። ሃርድ ዲፕሎማሲ ካብዚ ብተፃራሪ ወትሃደራዊ ሓይልን ጉልብን ዝጥቐም እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ሜዳ ኵናት ዋላ ዓወት ትርከብ ናይ ኢራቓውያንን ኣፍጋኒስታውያንን ልብን ኣእምሮን ኣብ ምምራኽ ብዘይ ምስርሓ እቲ ተልእኾ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳኻዕን ሽትኡ ክወቕዕን ኣይከኣለን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብዚ ቐራበ መዓልትታት ዘስተውዐለናዮ ወትሃደራዊ ዓወት ንበይኖም ኣብ ማንም ከምዘይበፅሑ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ፀገም ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ሶፍት ፓወር ክንደይ ዝኣክል ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ካብዚ ምርዳእ ይከኣል። ናይ ኣሜሪካ ዲሞክራሲ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ብልፅግና፣ ዩኤስኤይድ፣ ሆሊውድ፣ ትካላት ትምህርቲ ሙዚቓ፣ ወዘተረፈ… ናይ ሃገራት ልብን ኣእምሮን መማረኺ ኣካል ሶፍትፓወር እዮም።
ብሓፈሻ መንግስቲ ፌዴራል ካብቲ ኵናት ብዘይንእስ ልብን ኣማላኻኽታን ትግራዋይ ንምሽናፍ ሜላን ምርድዳእን ብምሕንፃፅ ለይትን ቐትርን ክሰርሕ ኣለዎ። ደጀን ህዝቢ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንምንቕቓሕን ናይ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ጭካነን ሃገር ናይ ምፍራስ ተንኮል ንምቕላዕ ብዝሰርሖ ዘሎ ልክዕ ህዝቢ ትግራይ ንምምራኽ ብዝግባእ ም ንቕስቓስ የድሊ።
ን50 ዓመታት ዝኣክል ደሙ ብምምጣጥ መኻን ዝገበሮ፣ ሓደ ንሓሙሸተ ጠርኒፉ ብዓፈናን ጭቖናን ባርያ ዝገበሮ፤ ምስ ሓቱ ኢትዮጵያውያን ደም ብምቕባእ ብሽሙ እናመሓለን እናተገዘተን ጥቕሙ መሐለዊ ካብ ምግባር ወዘተረፈ… ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያዊ ነንባዕሉ ብማዕርነትን ፍቕርን፣ ብሰላምን፣ናፃነትን ናይ ምብልፃግ ዓቕምን ተስፋን ከም ዘለዎ፤ ንራዕዳዊ ህወሓት ውልቐ ጥቕሙ ክበሃል ደቑ ካብ ሕቑፎ ኣዲኦም እናተነጠቑ ንኵናት ከምዘይጥበሱ ዕድል ትግራዋይ ምስ ዝቐረየ ኢትዮጵያዊ ብመስዋእትነት ዝተኣሳሰረን ዝተቖላለፈን ምዃኑ ደጋጊምና ብተፈላለየ ምኽንያት ብምግላፅ ልቡን ኣመላኻኽትኡን ምሽናፍ የድሊ። ብሽሙ እናመሓለን እናተገዘተን ን27 ዓመታት ሃገርን ህዝብን እናዘረፈ ንባዕሉ እንትብልፅግ ንህዝቢ ካብ ድኽነትን ካብ ረድኤት ሶፍቲኔትን ናፃ እንተይ ኣውፀአ ሓደ ግዜ ኣብይ ከንበርክኸካ እዩ፣ ካሊእ ግዜ ኣምሓራይ ከጥፈአካ እዩ እናበለ ብዝተሰሓሓተ ወረ ናብ ሓዊ ዝጠብሶን ዘሎ ህዝቢ እዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ ንውልቐ ጥቕሙን ካብ ተጠያቕነት ንምምላጥ ምዃኑ ደጋጊምና ከነቓለዖ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድሉ ምስ ኢትዮጵያዊ ብመስዋእትነት ዝተኣሳሰረ እዩ።
ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፣ትርጉም መኣርግ ገ/ሄር
ጋዝጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም