ናፊቐ

ብናማነይ ናፊቐ እዚ ዝሰምዖ ዘለኹ ዝሪኦ ዘለኹ ሕሾት ተቐንጢጡ ሓቂ ከም ፀሓይ በሪቓ ዘረባ ሓቂ ክሰምዕ ናፊቐ። እዚ ዕሸላት ትግራይ ዝሸፈኖም ከውታ ለይቲ ወጊሑ ኣዕዋፍ ዝዝምራሉ ወጋሕታ ክርእይ ናፊቐ። ኣዴታት ትግራይ ቑናንአን ተቖኒነን ሳስለአን ገይረን፤ ምዕሩግ ሽፎነን ተኸዲነን ነፀለአን ገይረን፤ እክብ ኢለን ብሰሓቕን ፀወታን ደሚቐን ክሪአን ሃፂፀ።

ሓደሽቲ ሚዲያታት ሓቂ፣ ጥበብ ድርሰቶም ብስሓቕ ዘንብዑ ተዋሳእቲ፣ እቶም ዝተሸፈኑ ዓበይቲ ምሁራት ሃገረይ ዘቕርብዎ ኣፍካ ዘኽድን ምርምር ፍልጠት፣ ጥበባውያን ሰኣልቲ ዝስኣልኦ ዘደንቅ ቕብኢ ሕብሪ፣ ብናፅነት ዝዛተያ/ዩ መናእሰይ ዓድና፣ ተሸለምቲ ፈጠርቲ ስራሕ፣ ምኽሪ ዓበይቲ ዓዲ፣ ታይ ግድኹም ሰላም ዝተጎናፀፈት ህርመት ዜማ ስነ ፅሐፍ ግጥሚ ዝደረበት ሃገር ናፊቐ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምልእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቕ ትርከብ፤ ትግራይ ግን ብሓቂ ኣብ ከውታ ለይቲ ከምዘላ ኹላትና እንተተረደኣና ‘ኳ በዓል ጌታቸው ረዳ ግና ዝተረደኦም ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ተዝርድኦም ነይሩ፤ቖሎ ጥጥቆ ኣብዘይብሉ ዓዲ ቖሎ ጥጥቆ ኣይመውጉዑን።

ንህዝቢ ትግራይ ከም ኽፍእቲ ሰበይተቦ እኽሊ ኸሊኦሞ ንድሕሪት ዓፅዮም ምጋሾም ከይኣክል፤ካብ መገሻ ምስ ተመለሱ ዘውግዕዎ ወግዒ ክሰምዕ ከለኹ ሓደ ነገር ትዝ ኢሉኒ ‹‹መርገምያ ወላድስ ተዘይቐተለ የዕነንይ›› ዝበሃል ለካ ሓቂ እዩ፤ ዘረበኦም ሃለውለው፣ናብርኦም ዓነውነው፣ ሕፍረት ዝበሃል ጠፊእዎም ዘረባ ዕብዳን ጥራሕ ኾይኑ ዕላሎም።

እስኪ ይግረምኹም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኾኒኑ ዝፀልኣኩም ንምንታይ ይመስለኩም? ምሕደራኹም ምስ ናይ 21 ክፍለ ዘበን ስለዘይዛመድ እዩ። ኣብዚ ዘበን እዚ ዘሎ መንእሰይ መብዛሕትኡ ኻሊእ ይትረፍ ዘረባኹም ፀሊእዎ እዩ። እስኻትኩም ግና ብዘገርም ኹነታት ብዛዕባ ኻልኦት ሚዲያታት፣ ብዛዕባ ፌደራል መንግስቲ ኣፍኹም መሊእኹም ክትዛረቡ ምፍታንኹም ጥዕና ምስኣንኹም ዘመላኽት እዩ። ምኽንያቱ ጠያይቲ ዓዲግኹም፣ ኸዚንኹም፣ ወተሃደራዊ ስልጠና ሂብኹም፣ ኲናት ኸፊትኹም፤ መጨረሽኡ ህዝብኹም ዝብላዕ ዝሰኣነ ለማኒ ረድኤት ምግባርኹም ዘየሕፍረልኹም፤ 1 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊየን ዕሸላት ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብዲኹም ብዛዕባ ጅግንነት ተውግዑ ትርጁጋት ዘይነቓሕኹም ፋራታት ኢኹም።

ክነግረኩም ሚዲያታት ከጋንኑ ክሕስዉ ይኽእሉ ይኾኑ፤ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ምሩኽ እናደጋገሙ እንተውግዑ ንዓኻትኩም እዮም ዝመስሉኒ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ዝግበር ኲናት መሕፈሪ ኾይኑ እናሃለወ፣ ብዙሕ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ጉዳያት ከምኡ’ውን መፍትሒ ሓሳባት ክልዓሉ እናተገቦኦም ዜና እናተብሃለ ዝቐርብ መሰልቸዊ ዘረባ ክሰምዕ ከለኹ ንስኻትኩም ትዝ ትብሉኒ-ጉጅለ ራዕዲ ማለተይ እየ።ንምንታይ እንተይልኩምኒ እዚ ‘ውን ብኣኻትኩም ሰንኪ እዩ ዝግበር ዘሎ መልሲ ስለእትደልዩ ንዓኻትኩም ከርእዩ ክብሉ ህዝቢ ይርስዑ እስኻትኩም ግና ህዝብኹም ረሲዕኹም ህዝቢ ኢትዮጵያ ክርሳዕ እዩ ድሌትኩም፤ አረ ንምዃኑ ዕላማኹም እንታይ እዩ?ህዝቢ ኣጥሚኻ ቐቲልኻ መን ክተመሓድር ኢኻ?ወይስ ተታሒዝና ንጥፋእ እዩ?።

‹‹ሂበይስያ መዓኮር ሂበይ ሪኣ ሰሓቐት››ከም ዝበሃል ጌታቸው ረዳ በቐደማይ ኽልተ ሚዲያታት ጠቒሱ በቶም ሚዲታት ከምዝዝናነይ ክዛረብ ሰሚዐዮ ብሓቂ ኣደሚሙኒ፤ ብኣኻ ዝዝናነይ ብዙሕ እዩ ነይሩ፤ ሐዚ ግና ብሞትን ጥምየትን ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣእዛኑ ደንፅዩ ንዓኻ ምስማዕ ከም ሓጥያት ዝሪኦ ሰብ ይበዝሕ፤ ኣነ ግን ኣጋጣሚ ሰሚዐካ እንኳዕ ሰማዕኹኻ ምኽንያቱ ካባኻትኩም ዝርከብ ፍትሒ ከምዘየለ ይፈልጥ ነይረ እየ፤ ይኹን ‘ምበር ብኣኻትኩም ኣዝየ ተስፋ ክቖርፅ ስለዝገበርኩምኒ የቐንየለይ። ይኾን ደኾን ቑሩብ ትምለሱ እንተበልናስ እናገደድኹም ትኸዱ፤ ኣቱም ሰባት መንግስቲ ፌደራልኮ እንተንኣሰ ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት እናሃበ፣ ብሰላም ውዒሉ ንኽሓድር እናፀዓረ እዩ ዘሎ፤ እስኪ ህዝቢ ትግራይ ርኣይዎ ኣብ ፀልማት፣ ኣብ ጥምየት፣ ኣብ ሞት ምውዳቑ ኣየሕዝነኩምን?

ኣነ ግን ዘለኒ መማረፂ ምንፋቕ ጥራሕ ኾይኑ፤ኹሉ ግዘ ድማ ዝናፈቕኽዎ ይረኽቦ እየ፤ ይግረምኹም ብኣኻትኩም ሰንኪ ኽሳዱ ዘድነነ መንእሰይ ትግራይ ብዙሕ እዩ፤ ንቡር ዝሰኣኑ ፍቑራት የሕዝኑኒ፣ እቶም ዝሞቱ ከይቖፀርኩ ዝጠመዩ እናፈለጥኩ፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ብስርሖም ንፉዓት፣ ብባህረተን ጥዑያት፣ እሙናት ተፈተውቲ ተጋሩ ብኣኻትኩም ሓፊሮም።

 አረ ይኾነኩም እዚ ዘይረብሕ ድራማኹም፤ ካብ ልዕሊ ህዝቢ ውረዱሞ ሽዑ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ከምዝጥዕሞ ዕድመ እንተሂብኩም ክትሪእዎ ኢኹም። ወይለይ! ብወገነይ ይኾኖ በሃሊት እየ፤ ሕሰብዎ እስኪ ወዮ ድኣ መሕሰቢኹም ተደፊኑ እዩ ‘ምበር ለውጢ ተትቕበሉ ነይርኩም ክንድዚ ክሳራ ዶ ምወረደና ነይሩ?ደሓን ሕራይ እሱ ግደፍዎ ድሕሪ ኲናት ኸ ንምንታይ ኢኹም ናብ ኲናት ዝተመለስኩም? ህዝቢ ትግራይ ካብዚ እንታይ ተጠቒሙ? ድዩ ‹‹ታለንትኹም›› ምርባሽ ጥራሕ እዩ?። ራዕዳውያን ጠጠው ኣብሉ ይኾነኩም ህዝብና ዘርኡ ኣይተጥፍኡዎ ታሪኽ ኣይተበላሽዉ፤ግዲ የብልኩምን ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ኣይሰንፍን ተፋቒሩ ዝነብርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ስለዝኾነ ክነብር ጥራሕ ፍቐዱሉ፤ ናታትኩም ምሕደራ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ በዚሑና ኣሰኪፍኩምና ሓፊርና ህዝብና ኣዋሪድኩሞ ሎሚ ግና ይኾነኩም።

ናፊቐ ኣይተርፍን፤ ናፊቕና ኣይንተርፍን ህዝብና ዝብህጎ ሰላም ክረክብ እዩ፤ መንእሰይ ንቡር ፈቲኑ ክምርዖ ክወልድ ክዘምድ እዩ፤ ኣዴታት ብሰላም ብታሕጓስ ዝተረፉ ደቀን ሓብሒበን ከዕብያ እየን ብሰንክኹም ቦታን ኹነታትን ዝፈለዮም ፍቑራት ክራኸቡ እዮም፣ ኣብ ሓደ ቦታ ኾይኖም ብሰንኪ ንስኹም ዝፈጠርኩሞ ሓዘንን ህውከትን ብሱቕታ ዝተሓተሙ ልሳናት ክኽፈቱ እዮም፣ ዕድመ ንእስነቶም ከየስተማቐሩ ብሰንክኹም ሓዘን ዝወረዶም መናእሰይ ክሕጎሱ እዮም፤ እዚ ኹሉ ናፍቖትና ክሳኻዕ እዩ። ግና ግዲ የብልኩምን ጥራሕ ዘወር በሉ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You