
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እትርከብ ኢራቕ ኣብ ተፈላለዩ ዓመታት ኵናት ካብ ዘተኣናገዳ ሃገራት ሓንቲ እንትትኸውን ብ1990 ኣ. ፈ ዝላዕለ ኵናት ምዕራባውያን ዘሳተፈ ከምዝነበረ ናይ ታሪኽ ሙሁራት ይገልፁ። ኣሜሪካ ደገፍታ ብምትሕብባር ወትሃደራታ ናብ ኢራቕ ብምውፋር ዝፈፀመቶ ወራር ኣብታ ሃገር ልዑል ክሳራ፣ ውድቐት ባህልን ከምዘብፀሐላ ሓበሬታታት ይጥቑሙ። ኣብ ኢራቕ ዝተኻየደ ኵናት ቒም ገዲፉ ሓሊፉ እዩ።
እዚ ኵናት እዚ ካብ ኢራቕ ሓሊፉ ንዝቐረዩ ሃገራት ኣዕራብ ብምትራፍ ከም ኣቖፃፅራ ፈረንጂ 2014 ንዝተላዕለ ናይ ዓረብ ነውፂ (ናይ ዓረብ ስፕሪንግ) እናተባህለ ዝፅዋዕ ህዝባዊ ዓመፅ ምልዕዓል ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝረብ። ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ብዝፈፀመቶ ወራር ናይታ ሃገር ፕረዚዳንት ዝነበሩ ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ካብ ዝተወገድሉ ግዜ ንነዘ ኣብ ውሽጢ ኢራቕ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሑ ብዙሓት ፀገማት ምህላዎም ሙሁራን ይገልፁ።
ኣብ ውሽጢ ኢራቕ ዝተፈጠረ ኵናት ነታ ሃገር ናብ ልዑል ድኽነት ምብፅሑ ብሓፈሻ ካብ ዓለም ተፈልያ ከትቐሪ ገይርዋ እዩ። ኣብታ ሃገር ቕርሕንቲ ክበኣኣስ ህዝቢታት ነንባዕሎም ተኸኣኢሎም ንምንባር ዘለዎም ድሌትን ዝነበረ ታሪኽን ክሽርሸር ገይርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢራቕ ንባዕላ ናይ ምምሕዳር ዓቕማ ብምድኻሙ ብባዕዳውያን ሃገራት እናተመርሐት ህዝባ ብሕማቕ ክረኣኣዩ ገይርዋ እዩ።
ብናይ ደገ ተዋሳእቲ እናተዘወረ ናይ ነኒባዕልኻ ኵናት ሶርያ ካብ ዝጅመር ዓስረተ ዓመታት ዝሓለፎ እንትኸውን ናብ 400ሺሕ ዝፅጋዕ ሂወት ሰብ ምጥፍኡ ፀብፃባት የማላኽቱ። ኵናት እናተስፋሕፈሐ ብምምፅኡ ቑፅሪ ሓይልታት ደገ ብገንዘብ፣ ብኵናት መሳርሕን ተዋጋእትን ብምልኣኽ ዝደለይዎ ጉጅለ ብምድጋፍ እቲ ፀገም ክቓለል ምግባር እንትግበኦም ክብእስ ገይረሞ እዮም። እቲ ኵናት ብ2011 ኣ. ፈ ዜጋታት እታ ሃገር ብዘልዐልዎ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ከምኡ ‘ውን ግዕዝይና ብምቕዋም ዝተለዓለ እንትኸውን ሓይልታት ደገ ኢዶም ብምእታዎም ምኽንያት ክሳብ ሕዚ ናብ ዝኸፍአ ህልቒት ከምርሕ ክኢሉ እዩ።
ዝተፈላላዩ ፀብፃባት ከምዘመላኽትዎ፣ ኣብቲ ግዜ ብተዋሳእቲ ሓገዝ ብዝተባረዐ ኵናት ምኽንያት ህዝቢ ሶርያ ልዕሊ ፍርቒ ዝኾኑ ንስደት ተቓሊዖም እዮም። ልዕሊ 6.7 ሚልዮን ዝኾኑ ተፋናቐልቲ ኣብ ካምፕ ውሽጢ ዓቒቦም እዮም። ድሕሪ እቲ ናይ 10 ዓመት ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር መሰረተ ልምዓት ሙሉእ ብሙእ ዳረጋ ክባሃል ዝኽእል ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ እዩ። ብሓፂሩ ሶርያ ዝፈረስት ሃገር ከትኸውን ገይርዋ እዩ።
ሊብያ ኣብ ዘመን ምምሕዳር ሙሃመድ ጋዳፊ ዋላ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ፀገም ከምዝነበራ ዝንገር ይኹን ህዝቢ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ነይሩ እዩ። ሊብያ ብሃፍቲ ነዳዲ እትፍለጥ ሃገር ከም ምዃና መጠን ዜጋታታ ዝተፈላላዩ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ብናፃ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ እዩ። ምዕራባውያን ተሓባቢሮም ኣብ ሊብያ ኢዶም ብምእታው ሓይሊ ወትሃደራቶም ብምውፋር ንጋዳፊ ካብ ስልጣን ምስ ኣወገዱ እታ ሃገር ሰላም ስኢና እትርከብ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ጉዳይ ሊብያ ይምልከተና እዩ ዝብሉ ተዋሳእቲ በዚሖም ይርከቡ፤ እታ ሃገር ግና እናፈረሰት እያ እትርከብ።
ኣሜሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝኣተወት ንናይ ባዕላ ስግኣት ድሕንነት ንዝኾኑ ግብረ ራዕዳውያን ንምጥፋእ’ምበር ንኣፍጋኒስታን ንምህናፅ ከምዘይኮነት ኣብ ቐረባ ግዜ ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆባይደን ምዝራቦም ይዝከር። ኣሜሪካ ከም ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ብ2001 ዓ.ም ንኣፍጋኒስታን ምስወረረት ጀሚሩ ልዕሊ 3 ሺሕን 950 ወታደራታ ወሲኹ ልዕሊ 64 ሺሕ ሰባት ሂወቶም እንተስእኑ፤ 20 ሺሕን 660 ወትሃደራት ኣሜሪካ ኣካላቶም ምጉዳሎም ፀብፃባት የምልክቱ። ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ኣብ ዝፀነሕትሉ ግዜ ካብ 2.4 ትርልዮን ዶላር ወፃኢ ከም ዝገበረት ሓበሬታታት ይጥቑሙ። ከም ሰብ ሞያታት ትንተና ስነ- ቚጠባ እንተኾይኑ ኣሜሪካ ነዚ ገንዘብ እዚ ንኵናት ካብ እተውዕሎ ንልምዓት እንተተውዕሎ ነይራ ክሳብ ሕዚ 5.2 ትሪሊዮን ዶላር ንላዕሊ ክበፅሐላ ከምዝኽእል ገሊፆም እዮም።
ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ ምስ ፀንሐት ዕላማኣ ምስኻዕ ኣብይዋ ወተወሃደራ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ኣፍጋኒስታን እንትተውፅእ ኣፍጋናውያን መእተውን መውፅእን ጠፊእዎም እዩ። ዓመፅቲ ታሊባን ብዘይተሓሰበ ፍጥነት ነታ ሃገር እንትቖፃፀሩ ዝተፈጠረ ፀገም ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ነይሩ። ናይ ጀርመን መራሂተ መንግስት ኣንጌላ ሜርክል ‹‹ ኔቶ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ዘጋጠሞ እቲ ኣብዪ ውድቐት እዩ ኢለን። እዚ ናይ ቻንስለርዋን መልእኺቲ ናይቲ ዘፈር ሙሁራን ናይ ኣሜሪካ ውድቐት ዝተረኣየሉ ውሳነ ንምባል ዝተደለየሉ ከምዝኾነ ይገልፃ።
ናይ ጀርመን ናይ ክርስትያን ዲሞክራቲክ ሕብረት CDU ፓርቲ ኣቦ ወንበር ኣርሚን ላሼት ብግዲኦም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ተልእኮ ‹‹ዝተሳኸዐ ኣይነበረን›› ድሕሪ ምባሎም ‹‹ኔቶ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ዝገጠሞ ዝዓበየ ውድቐት እዩ። ብምባል ተዛሪቦም። ምእራባውያን ኢዶም ዘእተውለን ሃገራት ናይ መወዳእታ ውፅኢት ነንባዕልኻ ግርጭት፣ ድኽነትን ስደትን ከምኡ ‘ውን ዘይምርግጋዕን ብሞግዚትነት ዝምራሕ ምምሕዳር መንግስቲ ስርዓትን እዩ ዝፍጠር። ኢራቕ፣ ሶርያን ሊብያን ንኣብነት ተጠቐሱ ‘ምበር ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ዝሓሸ ህይወት ምስግጋር ዝኸኣሉ እንትኾኑ ዝተሸነፉ ድማ ዝፈረሰን ሕልኽላኽ ፀገማት ዘለዎን ሃገራት ንም ምራሕ ተገዲደን ይርከባ።
ታሪኽ ዓለም ከም ዘምልክቶ ከም ሩስያ፣ ቻይና፣ ቱርኪ ፣ባህሬን፣ ኢራን፣ሰሜን ኮርያ፣ ጀርመን ፣ጃፓን፣ ኮርያን ቬትናምን ዝመሳሰላ ሃገራት ኣብ ሓደ እዋን ካብ ኣሜሪካን ሓደ ሓደ ሃገራት ኣውሮፓን ዝተገበረሎም ኢድ ኣእታውትን ፅዕንቶ ብሓባር ደው ብምባል ግንባር ንግንባር ብምግጣም ዓርሶም ኣኽቢሮም እዮም። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዓቕሚ ኢኮኖሚኦምን ብዘመናዊ ፖለቲካዊ ምምሕዳርን ብጣዕሚ ዘመናዊ ካብ ዝባሃሉ ሃገራት ዝምደቡ እዮም።
ብኣንፃሩ ድማ ብሓድነት ደው ምባልን ዝግበሮም ኢድ ምእታው ክምክቱ ዘይከኣሉ ከም እኒ ሊብያ፣ ኢራቕ፣ ሱማልያ፣ ሱዳን (ኣብ ክልተ ከትኽፈል ምግባሮም)፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያ፣ የመን፣ ዝመሳሰሉ ድማ ዕጨኦም ኣሜሪካን ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዝደልይዎ ኮይነን ምርካበን ሙሁራን ታሪኽ ይዛረቡ።
ምዕራባውያን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለትሉ ስትራተጂክ ቦታ ናይ ቐርኒ ኣፍሪካ ዓቅሚ እንተዕብያ ኣብቲ ዞባ ከትፈጥሮ እትኽእል ፅዕንቶ ብስግኣት ብምምልካት ኣብቲ ዞባ ኣለና ዝብልዎ ጥቕሚ ንምርካብ ፈተና ከትኾነና እያ ብዝብል ስግኣት ብቕርበት ከም ዝከታተልዋ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ተፈላላዩ ግዚያት ጠንካራ ሃገረ መንግስት ንምምስራት ዝተገብሩ ፃዕርታት ንምትዕንቓፍ ዝተፈላለዩ ሜላ ተጠቒሞም እዮም።
ታደሰ በቐለ ‹‹ከቀዳማዊ እስከ ቀዳማዊ›› ኣብ ዝብል መፅሓፎም እንግሊዛውያን ንኢትዮጵያ ንምድኻም ዝነበሮም ድሌት ‹‹ መንግስቲ ትግራይ፣ መንግስቲ ኣምሓራን መንግስቲ ኦሮሞን…›› ብዝብል ከፋፊሎሞ ከምዝኾኑ የርድኡ። ብተመሳሳሊ ጣልያን ‹‹ መንግስቲ ኤርትራ፣ መንግስቲ ኣዲስኣበባ፣ ናይ ኦሮሞ መንግስቲ፣ መንግስቲ ኣምሓራ፣ መንግስቲ ሲዳማን መንግስቲ ሱማልያን ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ሃረር›› ብዝብል ናብ ዝተበታተኸ ሃገር ከትቕየር ይሰርሑ ከም ዝነበሩ የዛኻኽሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራባውያንን ኢትዮጵያ ሓድነታ ብምጥንኻር መንግስቲ ንምምስራት ምንቕስቓስ ብምጅማራ ምኽንያት ዝተለመደ ናይ ምድኻም ስትራተጂኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንምትግባር እናሰርሑ ይርከቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ዝጀመሮ ለውጢ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንምብራቕ ኣፍሪካ ንምልማዕ ተሓሳቢ ዝገበረ ብምዃኑ ኣብ ወፃኢ ሓይልታት ዝላዕለ ስግኣት ምፍጣሩ ብዙሓት ዝረዳድእሉ ሓሳብ እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ምዕራባውያን ጠበቓ ራዕዳዊ ህወሓት ብምዃን ኣብ መንግስቲ ፅዕንቶ ንምፍጣር ብኹሉ ኣንፈት ወፍሪ ከፊቶም እናሰርሑ ይርከቡ። መንግስቲ ዘለዎ መማረፂ ድማ ዝተኸፈቶ ወፍሪ ተፃዊሩ ምሕላፍ እዩ እንተዘይኮይኑ ድማ ከም ኢራቕ፣ ሶርያ፣ ሊብያን ዝመሳሰሉ ሃገራት ብሞግዚትነት እናተማሓዳደርካ ምንባር እዩ።
ታሪኽ ኢትዮጵያ ከም ዘርእዮ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ልዝብ ብዘይምፍላጦም እንትኾን ሕዚ ዘርእይዎ ዘለዉ ኩነታት ከምዚ ብምዃኑ ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ኣብዘጋጠሞም ግዜ ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሪ ክህሉን ተጠናኺሩ ክቕፅልን ከምዝግባእ ብዙሓት ወሓብቲ ርኢቶ ይስመዓምዑ።
(ፍልፍል፣ግዜኢ፤ትርጉም መኣርግ ገ/ሄር)
ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም