
‹‹ሓደ ኣፃብዕቲ ቚንጪ ኣይቐትልን›› ከምዝባሃል፤ ናይ ባሓቒ ሓንቲ ኣፃብዕቲ ጥንካረኣ ከም ዘሎ ኮይኑ በይና ነታ ንእሽተይ ፍጥረት ዝኾነት ቑንጪ እኳ ናይ ምቕታል ዓቕምን ክእለትን የብላን።
‹‹ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፅምባዓ›› ስለ ዘኾነ ንውፅኢት ሕብረትን ሓድነትን ብዓብይኡ ወሳኒ እዩ። ክልተ ኣፃብዕቲ ተኣምር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ሕብረት ድማ ወሳኒ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኮነን።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ እብ ዝሕዚ ሰዓት ናይ ውሽጥን ደገን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ‹‹ ኣነ እንድሕር ሞይተ ደንዴር ኣይትብቖላ በለት ኣድጊ›› ከም ዝበሃል ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ናብ ኵናት እናሰለፈ ናይ ባዕሉ ባይታ እናመቻቸወ ይርከብ።
እዚ ሕልሞም ከም ግመ በኒኑ ከምዝጠፍእ ንኩሎም ሃገር ፈተውቲ ኢትዮጵያውያን ግልፂ እዩ። ናይ ባዓልቶም ደቖምን ቤተሰቦምን ኣብ ኣውሮፓን ኣሜሪካን እናምሀሩ ወዲ ድኻ ሞት እናተፈረዶ ናይ ራዕዳዊ ህወሓት ድራር ሓዊ ኮይኑ ክቐሪ የብሉን።
ንኢትዮጵያን ህዝባን ጠንቒ ዝኾነ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ንምጥፋእ ህዝቢ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ እዩ። ካብ ወልድያ ክሳብ ሃድያ፣ ካብ ኣሳኢታ ክሳብ ወላይታን ከምባታን፣ ካብ ጉሙዝ ክሳብ መንዝ፣ ካብ ጋምቤላ ክሳብ ዲላ፣ ካብ ጎንደር ክሳብ ጉደር፣ ካብ ኣማሮ ኬሌ ክሳብ ሞያሌ፣ ካብ መተማ ክሳብ ጅማ፣ ካብ ቐብሪ ደሃር ክሳብ ባህርዳር፣ ካብ ማእኸል ሸገር ክሳብ ወሰን ሃገር፣ ደቒ ኣንስትዮ፣ ደቒ ተባዕትዮ፣ መናእሰይን ዓበይቲን ንህላወ ሃገሩ ሽግ ዓወት ንምውላዕ ተዳልዩ እዩ። ወፍሪ ህልውና ሃገር ኢትዮጵያውያን ብዓወት ከምዝውድእዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ግጥም ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝተላዕለ ጉጅለን ሃገር ንምድሓን ምስ ዝተላዕለ ህዝቢ እዩ።
ናይ ትውልዲ ሓይሊ ሕብረት እዩ። ብምዃኑ ዕፃ እቲ ግብረ ራዕዲ ከም ኣባሃህላ ‹‹ዘይርካ ዘይርካ ናብ ገዛ፣ ነይርካ ነይርካ ናብ መሬት›› ካብ ምዃኑ ኣይቐርን። ‹‹ ተበአስ በእንተ ፅድቕ እስከ ሞት›› ይብል ግእዝ፤ ትርጉሙ ንሓቒ ክሳብ ሞት ተዃሻሕ›› ምዃኑ ሊቓውንት ይዛረቡ። ኢትዮጵያውያን ሓቒ ሒዞም ነዚ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ንምጥፋእ ተዳልዮም እዮም። ‹‹ነገረኛ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኣይሞትን›› ከምዝበሃል ካብ ገዝኡ ወፂኡ ናብ መ ቓብሩ እናምረሐ ይርከብ።
ራዕዳዊ ህወሓት ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ዓመታት ብሕገ-መንግስቲ እናመሓለ ሰሪቁ እዩ። ሕቶ ንዘልዕሉን ብግልፅን ብስውርን እናቐተለ ቐቢርዎም እዩ። ብጥቕሙ ንዝመፆ ዝኾነ ኣካል ፈታውን ሓውን እንተይበለ ካብ ምቕታልን ምልማስን ንደሓር እንተይበለ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ኣፈጣጥርኡ ካብ በረኻ ጀሚሩ ንሓቒ ዝቓለሱ መሓዙቱ እንተይተረፈ ብግልፂ ‹‹ ካብ ጥቓይ ረሓቑ›› ብምባል ናብ ካልኦት ሃገራት ክስንዮም እንተሎ እምቢ ዝብል እንተጋጥሞ እንተሎ ድማ ብተናፀል ብምስጢር ዝቐትል ከም ዝነበረ ናይ ኣዳባባይ ምስጢር እዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚሩ ክንድ ዝኸኣሎ ንምስራቕ ናይ መወዳእታ ዕላማ ገይሩ ሒዝዎ ዝነበረ ከይኣኽሎ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃገር ናይ ምግባር ሒዝዎ ዝነበረ ተወሳኺ ትልሚ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ጆርጅ ቦልተን ከምዝበሎ ‹‹ ኢትዮጵያ ዩጎዝላቭያ ኣይኮነትን፤ ኣይትፈርስን፤ ንበዝሕዚ ‘ውን ኣይትፈርስን፤ ክነፍርሳ ኢና ዝብሉ ኩሎም ክፈርሱ’ምበር›› ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ሓባር መንበሪ ኮይና ከትቕፅል እያ።
ራዕዳዊ ህወሓት ተንኮሉ ስለተፈለጠ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ዘፃወዶ ‹‹ፈንጂ›› እቲ ለውጢ ዘምፀኦም ሃገር ፈተውትን ብምትሕብባር ህዝቢ ቐስ ብቐስ እናመኸነ ይርከብ። ህዝቢ ዝሃንፆ ዝነበረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ራዕዳዊ ህወሓት ምስ ሓይልታት ደገ ተመሻጢሩ ነዚ ግድብ እዚ ከጫናግፎ ብዙሕ ተጓዒዙ ከምዝነበረ ሃገር ዝፈለጦ ጉዳይ እዩ። እዚ ከምዚ እንደሃለወ በቲ ሓይሊ ለውጢ መስተኻኸሊ ተገይርዎ ንኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ በቒዑ እዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ህንፀት እቲ ግድብ ክተዓናቐፍ ኣቐዲሙ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ዕርቡን ዝተቐበለሉ ግድብ ብኣመራርሓ እቲ ለውጢ መስተኻኸሊ እናተገበረሉ ምዃኑ እንትረጋገፅ ብጌታቸው ረዳ ‹‹ እቲ ግድብ ተሸይጡ እዩ›› ዝብል ነፀላ ዜማ ብምውፃእ ንምቕንቓን ዋላ ይሞክር ተቐባሊ ስኢኑ እቲ ሓቂ ተገሊፁ እዩ።
ዓወት ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከሓዲን ራዕዳዊ ህወሓት ኣቖጢዑ፤ እቲ ህንፀት ‹‹ ናይ ሕልሚ እንጀራ እዩ›› ዝብሉ ዝነበሩ ግብፅን ሱዳንን ኣባሳጭይዎም እዩ። ዝሰረቖ ኣንጠልጢሉ ትግራይ ዝሰፈረ ራዕዳዊ ህወሓት ‹‹ርስሓቱ ብማይ፣ በደሉ ብንስሃ›› ምሕካም እንትግበኦ ይግደድ ኢሉ ኣብ ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ሃንደበት ብምጥቓዕ ናይ ኣዳባባይ ክሕደት ፈፂሙ እዩ።
ድሕሪ ሕዚ ጁንታ ንኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜ ብምቑፅፃር ናብ መንበረ ስልጣኑ ንምምላስ ዝነበሮ ትልሚ ተነቒሕዎ እዩ። ‹‹ ሓመድ ኢኻ ……›› ከምዝበሃል መበገሲኡን መወዳእትኡን ደደቢት ኮነ፤ ዝሸራሸረሉ ቦታ ቖላ ተምቤን›› ኮነ።
ሓይሊ ራዕዳዊ ህወሓት ‹‹ ፈቖድኡ ሽንጥሮ ሰፊሩ›› ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናተሃደነ ነይሩ ንህዝቢ ትግራይ ፅሞና ተባሂሉ እቲ ሰራዊት ለቒቑ እንትወፅእ ‹‹ ተበቲኑ ዝነበረ ጉጅለ ተኣኻኺቡ ብናይ ደገ ሓይሊ ኣይዞኻ ተባሂሉ ‹‹ ኢትዮጵያ ክሳብ ሲኦል ኣቲና ክነፍርሳ ኢና›› ብዝብል ናብ ኵናት ተኣትዩ እዩ።
ዝተፈላለዩ ሓይልታት ወፃኢ ብቓልሲ ኢትዮጵያውያን ዝሞተ ህወሓት ‹‹ ጭርጋፍ›› ፀጋጊኖምን ደጋጊፎምን ናብ ኣራት ኪሎ ንምምላስ ፃዕሮም እናቐፀሉ ይርከቡ። ‹‹ ሕልሚ ኣይኽልከልን›› ከምዝበሃል ፀላእቲ ኢትዮጵያ ደቒሶም እንተሓለሙ ሓተፍተፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ሕልሚ ክኸውን ኣይኽእልን።
ኢትዮጵያ ብምፍራስ ካብ ጉባ ዝውላዕ ናይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ሽግ ብልፅግና ንምጥፋእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከንቱ ልፍዓት’ምበር ፍፁም ዝሳኻዕ ኣይኾንን። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ባይደንን ኣጋራቶምን ‹‹ እምቢ ንሃገረይ›› ኢሉ ዝሰርሕ መንግስቲ ብኻሊእ ተለኣኣኺ ሓይሊ ንምቕያር ዝገብርዎ ፃዕሪ ፈፂሙ ኣይሳኻዕን።
ኣብ ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዲ ተባሂሉ ዝተሰየመ ብሽሙ እናፀውዑ ኣብ ክንዲ ምኹናን ዓረቕቲ መሲሎም ንምቕራብ እናሞከሩ እዮም። ንሳቶም ግብረ ራዕዲ ዝበልዎ ዓለም በሽሙ ፀዊዑ ክኹንኖ ከምኡ ‘ውን ክዋገኦ እናሰበኹ፣ ባሕሪ ኣቋሪፆም ብምስጋር ካብ ገፅ ምድሪ እንተጥፍኡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ምሸት ብድንገት ክሕደት ብዝተመልኦ ስብእነኦም ብምንካእ ግፍዒ ዝፈፀመ ሓይሊ ‹‹ ግብረ ራዕዲ›› ኢልካ ምፅዋዕን ዝግበኦ ቦታ ንምሃብ ዘይምድፋሮም ንምንታይ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዘይቐሪ እዩ። ሕቶ ተዝለዓል ‘ውን ንሳቶም ናብ ዝምችዎም ምድላዎም ዘይቐሪ እዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ናይ ትግራይ ወሰን ሓሊፉ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ንፁሃን ንክሞቱን፣ ንክመዛበሉ፣ ንክፅገሙን ክንገላትዑን እናገበረ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንምኹናን ኣይደፈረን፤ ኣይሞከረን። ኣብ ትግራይን፣ ዓፋር ይኹን ኣምሓራ ዜጋታት ክፋናቐሉ ብምግባር ንፀገምን ስቓይን ክወድቑ ምግባር ንዝኾነ ዜጋ ዘሐጉስ ኣይኮነን። እዚ ፀገም እዚ ንኹሉ ዜጋ ዝምለከቶ እዩ። ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ራዕዳዊ ህወሓት ሃገር ናይ ምብታን ዕላምኡ ተቓሊስካ ንምሽናፍ ካብ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ይግበር።
‹‹ሕብረት ሓይልን ሃፍትን ምዃኑ ተረዲእና ኢትዮጵያ ንምፍራስ ‹‹ሲኦል ክኣቱ እየ›› ንዝበለ ጉጅለ ግብረራዕዲ ህወሓት ሲኦል ንምእታው ብሓባር ጠጠው ምባል የድሊ። (ግዜኢ)
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም