
ኣዲስ ኣበባ፦ ኣብ ክልል ትግራይ ኸይዲ ምኽክር ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጣት እናተገበሩ ምዃኖም ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገሊፁ። ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው እናተሰርሑ ምዃኖም ‘ውን ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቓል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ምኽክር ንክሳኻዕ ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ምሁራንን ተወለድቲ እቲ ክልልን ምይይጥ ገይሩ። እቲ ምይይጥ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ክልል ንዝግበር ምኽክር እታዎት ከምዝኸውን ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ኸይዲ ምኽክር ንምጅማር ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ። በዚ ‘ውን ንኸይዲ እቲ ምኽክር እታዎት ዝኾኑ ኣቑሑት ብቋንቋ ትግርኛ እናዳለወ ምዃኑ ሓቢሮም፤ ነዚ ‘ውን መንግስቲ ፌደራል፣ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ከምኡ ‘ውን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላት ድጋፍ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ክልል ትግራይ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብዝተማልአ ኩነታት ንምጅማር ዘኽእሉ ኩነታት ከምዘየለዉ ዝተዛረቡ ኣይተ ጥበቡ፤ እዚ ‘ውን እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ምዃኑ ገሊፆም። እቲ ኮሚሽን ንግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ንዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ግልፂ ዝኾነ ደብዳበ ብምፅሓፍ መልሲ እናተፀበየ ምዃኑ ዝተዛረቡ ኣይተ ጥበቡ፤ ኣብቲ ክልል ኸይዲ ምኽክር ንምግባር ዘኽእሉ ኩነታት እንትርከቡ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ከምዝኣትው ተዛሪቦም።
ብዘይካ ክልል ትግራይ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ሃገርና ምትእኽካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ከምዝተዛዘመ ብምሕባር፤ እቲ ኮሚሽን ከም ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ ዝኣከቦ ኣጀንዳ በቢዘፈሩ ብምውዳድ ኣጀንዳ ናብ ናይ ምሕንፃፅ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእሎ ስራሕ እናወድአ ምዃኑ ሓቢሮም።
ከም ገለፃ ኣይተ ጥበቡ፤ ምሕንፃፅ ኣጀንዳ ንምክያድ ምድላው ስርዓት ኣሰራርሓ እናተዛዘመ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት በቢቦትኦም እናተዋደዱ ‘ዮም። ነቲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ‘ውን ስራሕቲ ቕድመ ምድላው እናተሰርሑ ‘ዮም። ኣብዚ ሕዚ እቲ ጉባኤ ዝምርሐሉ ስርዓት ኣሰራር፣እናተዳለወ ከምዝርከብ ‘ውን ገሊፆም።
ነዚ ‘ውን ንኣማኻሪ ኮሚቴ እቲ ኮሚሽን ሓዊሱ በቢብርኩ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ እታዎት ንኽህቡ እናተገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም፤ ንጉባኤ እቲ ምኽክር ኣመቻቸውትን ኣመያየጥትን ንምምራፅ መለክዕታት ተዳሊዎም ናይ ምፍላይ ንጥፈታት እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ‘ውን ኣብቲ ምኽክር ንኽሳተፉ ምድላዋት ምጅማሮም ኣልዒሎም፤ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ሕዚ ‘ውን ምቕፃሎም ኣመላኺቶም። ንቤተኽርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላትን ማሕበራትን ኣብ ቐረባ ኣጀንዳታት ምኽክሮም ናብቲ ኮሚሽን ምርካቦም ኣረዲኦም።
እዚ ኸይዲ ንኽቀላጠፍ ኸይዲ እቲ ምኽክር ብዝበለፀ ኣሳታፋይ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ። ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ውሽጢ ዘለዉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ ፍርዲ ኸይዶም እናተኸታተሉ ንዝርከቡን ሓዊሱ ካብቲ ምኽክር ዓርሶም ዘግለሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣጀንድኦም ንኸትሕዙን ኣብቲ ምኽክር ንኽሳተፉን ፃዕርታት እናተገበሩ ምዃኖም ኣልዒሎም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም