‹‹ማዕርነትን ፍትሕን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ክነጎልብቶ ኢና›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

አዲስ አበባ፡- ማዕርነትን ፍትሕን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ክነጎልብቶ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልኽቲ ፣‹‹ምስ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ጉባኤ ኣብዚ ዓመት ተረኺብና።ብሉፅ ማዕርነትን ፍትሒን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ነጠናኽር ብምባል ፣ሓበራዊ መድረኽ ብሪክስ ልምዓትን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ንምዕባይ ልዑል ረብሓ ኣለዎ›› ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ኣብ ተኻየደ መበል 17 ጉባኤ መድረኽ ሰላም፣ ፀጥታን ዓለም ለኸ ኣመራርሓን ብሪክስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ዕዉት ምትሕብባር ንምኽኣል ዝበለፀ ምትእምማን ክብ ዘብሉ ዓለም ለኸ ትካላት ናይ ምንባር ህፁፅነት ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ሓበራዊ ድሕንነትን ኩለ መዳይ ሓቛፊ መዕባለን ንምምፃእ ዝሕግዝ ኣወሃህባ ውሳነ ኣወዳድበኦም ምሉእነት ብዘለዎ መገዲ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብወግዒ ናብ ብሪክስ ዝተፀንበረትሉ ኣብ 2015 ዓ.ም እንትኸወን፣ኢኮኖሚያዊ ሕውነት ጥራሕ እንተይኮነስ ፍትሓዊ ዝኾነ ማዕርነት ዝነግሰሉ ብዝሃ ዋልታዊ ዓለም ንምፍጣር ፃዕሪ ካብ ዝገብራ ሃገራት ብማዕረ በርኪ ዝተሳተፈትሉ ኣኼባ ‘ዩ ኢሎም። ኣብ ብሪክስ ዘለዋ ኣባልነት ኢትዮጵያ ነቶም ፃዕሪታት ነክዕወቱ ብፍላይ ኣብ ዓለም ለኸ ውሳበ ወሃብቲ መድረኻት ንሓደሽቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራትን ሰፊሕ ውክልና ብዝርከበሉ ኩነታት ብንቕሓት ኣስተዋፅኦ ከምእትገብር ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ናይ ብሪክስ እናማዕበለ ዝመፅአ ፅዕንቶ አንትገልፁ ድማ፣ ብሪክስ ካብ ጠንካራ ሓዱሽ ሓሳብ ብምብጋስ ንዓለም ለኻዊ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ ‘ዩ ኢሎም። ሓደሽቲ ኣባላት ብምውሳኸን ሓበራዊ ድምፅታት ብዝበለፀ ክጠናኸሩ ‘ዮም፤ ሓበራዊ ዕላማና ‘ወን ብዝበለፀ ክፀሪ ‘ዩ፤ ዓቕምና ክሰፍሕ ‘ዩ ምባሎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።

ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ብምክያድ ዘሎ ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ዘተታት ተኻይዶም ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዴዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)። ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ብራዚል ዝነበሮም ፃንሒት ብዝምልከት ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) መብራህርሂ እንትህቡ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽሩ ዘተታት ምክያዶም ኣረዲኦም።

ኣብቲ ዘተ ምስተን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ዘለዋ ቅዋም ድልየትን ተረዲኦም ክሕግዙ ንምርድዳእ ፅቡቕ ዕድል ምፍጣሩ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ደ ሲልቫ ናይታ ሃገር ምትሕብባር ንምጥንኻር ምዝታዮም ብምሕባር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ምዕባይ ኣብ ዝኽኣልሎም ጉዳያት ዘቲና ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያን ዞባዊ ዘሎ ህልው ኩነታት፣ ኣንፈትን ፖሊሲን ብግቡእ ንክርድኡ ብምግባር ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጠረ ‘ውን ኣረዲኦም። ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኪያንግ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተፈጠረ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዝዘተዩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ቻይና ኣብ ኢኮኖሚ ውሽጢ ዘለዋ እወንታዊ ግደ እተጠናኽረሉን ኣብ ማዕቀፍ ክለብ ፓሪስ ሽግሽግ ዕዳ ንኢትዮጵያ ንክኾን ዘካየደቶ ልዑል እጃም ኣብ ዝጠናኸረሉ ኣግባብ ዘትዮም። ሊ ኪያንግ ብግዲኦም፣ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና እትሰዶ ፍርያት ቡን ብልዑል ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ምግላፆም ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣረዲኦም።

ካብዚ ሓሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተማኸሩ ገሊፆም። ሲሪል ራማፎሳ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ልዑል ግደ ከምዝተፃወቱ ኣረዲኦም፤ እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሖ ብርኪን፣ምዝዛሙን ብዝምልከትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ዘትዮም ኢሎም።

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You