‹‹ተሓጋዛይነት ጉዳይ ሉኣላውነት ስለዝኾነ ዝተጎድኡ ወገናትና ብናይ በዓልና ዓቕሚ ከንድግፍ ይግባእ›› -ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፡- ተሓጋዛይነት ንምትራፍ ዝተጎድኡ ወገናትና ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምድጋፍ ጉዳይ ሉእላውነት ‘ዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ መበል 90 ዓመቱ በዓል ምስረትኡ “90 ዓመታት ዝተሳገረ ዓሻራ ሰብኣዊ ኣገልግሎት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብቕድሚ ትማሊ ተኸቢሩ። ላዕለዋይ መራሒ እቲ ማሕበር ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መንፈስ ተመፅዋትነትን ተፀባይነትን ስነልቦና ዝሰብር ‘ዩ ኢሎም።

ዓለም ለኻዊ ኣካይዳ ሰብኣዊ ሓገዛት በቢእዋኑ ይቐያየር ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድጋፍ ንምግባር ዝነበረ ተበግሶ ምንቁልቋል፣ ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ደገፍ ምህላዉን መትከል ዘይብሉ ደገፍን ነቲ ዓውዲ ይጎድኦ ስለዘሎ፣ ናይ በዓልኻ ወገናት ብናይ በዓልኻ ዓቕሚ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ‘ዩ ኢሎም። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ፈተናታት ኢትዮጵያ ዝተወለደ ናይ ርህራሀ መግለፂ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 90 ዓመታት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኩሉ ንዘካየዶ ሰብኣዊን ጅግንነትን ተግባራት ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ዝተደረኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ጠመተ ክወሃብ ከምዝግባእ ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክምርኮስ እንተዘይክኢሉ ሙሉእ ሉኡላውነት ምርግጋፅ ከምዘይከኣል ብምግላፅ፤ ዝተፈላላዩ እቶታት ዘምፅኡ ፕሮጀክትታት ብምትግባር ብናይ በዕልኻ ዓቕሚ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጠናኸር ከምዘለዎ እቶም ፕሬዚዳንት ኣገንዚቦም።

ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ሉሌሳ ብወገኖም፣ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብሰማእትነት ተዓጂቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ን90 ዓመታት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ከምዘሕለፈን ወሲኹ ድማ ልዕሊ 700 ኣምቡላንሳት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ሃገር ብናፃ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ከም ገለፃ እቶም ዋና ፀሓፊ፣ እቲ ማሕበር ኣገልግሎት ባንኪ ደም ክህብ ፀኒሑ ‘ዩ። ተበታቲኖም ዝተጣፍኡ ቤተሰባት ኣብ ምርኻብ ‘ውን ዓቢዪ ስራሕ ሰሪሑ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና 91 መሸጢ መድሓኒታት ከፊቱ ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ቁፅሪ ኣባላት ማሕበር ልዕሊ 6 ነጥቢ 8 ሚልዮን በፂሑ ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።

እቲ ማሕበር ብዘቤታዊ እቶት ዓርሱ ክኽእል ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ቁፅርን ተሳትፎን ኣባላቱን ንምዕባይ ‘ውን ይሰርሕ ከምዘሎን ሓቢሮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You