መዋፅኦ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ

ትንታነ ዜና

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኵናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ‘ኳ ህድእ እንተበለ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ግና ሕዚ ‘ውን ኣይተፈትሐን። ንምዃኑ መዋፅኦን መፍትሒን ፀገም ፖለቲካዊ ትግራይን እንታይ ‘ዩ’

ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርኢቶአን እንትህባ፤ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ፣ ቕድሚ ኩሉ ክመፅእ ዘሎዎ ውልቐ ረብሓ እንተይኮነስ ህዝብና ነድሕን ዝብል ‘ዩ። ህዝብና እንደገና ተመሊሱ ናብ ኩናትን ዕፅዋን ክባን ክኣቱ የብሉን። ቕድሚ ኩሉ ናይ ህዝቢ ትርግታ ልቢ ንርአ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ምስራሕ የድሊ ይብላ።

ድሌት ህዝቢ ድሕንነቱ ውሑስ ዝገብረሉ ኣካል ‘ዩ ዝደሊ። ስለዚ ነዚ መሰረት ብምግባር ምስራሕ የድሊ። ትግራይ ናበይ ትኺድ ዝብል ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን ኩልና ክህልወና ይግባእ፤ ኩሉ ናይ በዓሉ ኣይዶሎጂ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ። ህዝብና ወይ ትግራይ ናብዚ ትኺድ ቅድሚ ምባልና ህዝብና ክነድሕን ኣለና፤ ድሕሪኡ ዝመፅእ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።

መጀመርያ ግና ህዝቢ ከም ህዝቢ ከመይ ጌይርና ነድሕና ኣብ ዝብል ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ኣለዎ። ከመይ ጌይርና ሰላም ነምፅእ፣ ህዝቢ ነድሕን ዝብል ናይ ኩልና ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ ክብላ ይገልፃ። ሌ/ ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል ብወገኖም፤ ቀዳማይ ነገር ሊሂቃት(ኢሊታት) ትግራይ ንበዓሎም ረብሓን ስልጣንን  እንተይኮኑስ ንህዝቢ ክሓስቡ ኣለዎም።

ካብ ዕንኪሊል ንምውፃእ ረብሓ ህዝቢ ማእኸል ጌርካ ምኻድ፤ ካሊእ ንውልቕኻን ጉጅለኻን ረብሓ ምሕሳብ ተሪፉ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ኣተኩርካ ምስራሕ የድሊ። ነንበዓልኻ ተቐራሪብካ ኢሂን ምሂን ተባሃሂልካ ምስራሕ። ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ጉድኣት ክከሓስ ኣለዎ። ኩሉ ትግራዋይ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ተቐራሪቡ ክሳርሕ ኣለዎ ክብሉ ይገልፁ።

ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ፅምዶ እናበልካን ካልኦትን ኣካይዳ እሞ ድማ ንህዝቢ ዘይጠቕሙ እናተኸተልካ ናብ ዕንክሊል ዘእትወካ ኣካይዳ ክቀሪ ኣለዎ፤ ካብ ሕጊ ወፃኢ ምኻድ ‘ዩ ናብ ዕንክሊል ዘአቱ ስለዝኾነ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከምዝኾነ ክኣምን ኣለዎ። ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ትኹረት ጌርካ ምስራሕ የድሊ። ሕግን ስርዓትን እታ ሃገር ቐዳምነት ክዋሃቦ ኣለዎ ይብሉ።

ካሊእ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርኢተኦም ዘካፈሉና ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ)ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ድማ፤ እቲ ዋና መዋፅኦ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ነቂሑን ተወዲቡን ክቃለስ ከሎ ‘ዩ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ዝፍታሕ ይብሉ። ህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ኵናት ከይኣትው ተወዲቡ ክቃለስ ኣለዎ። ኣብቶም ዝሓለፉ ኵናት ብምሉኦም ኣብቲ ህዝቢ ሰፍ ዘይብሉ በሰላታት ኣዕሪፎም ‘ዮም።

እቶም ዝተፈጠሩ ኵናታት እንተኾኑ ‘ውን ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሎም ዝተፈጠሩ ኣይነበሩን። ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ዝንቀሳቀሱ ሓይሊታት ደው ኣብ ምባል ህዝቢ ክቓለስ ኣለዎ። ብተወሳኺ ኩሎም ፀገማትና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንክንፈትሖም ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ብዙሓት ፀገማት ኣለዉና ‘ዮም። መፍትሒ ዘይብሎም ፀገማት ከዓ የለውን። ስለዚ ነዞም ፀገማት ክንፈትሖም እንኽእል ከዓ ብሰላማዊን ዴሞክራሲያውን መንገዲ ጥራሕ ኢና። ምስ ከማና ዝበሉ ውፅዓት ህዝብታት ሓቢርና ብምቅላስ ኢና ክንፈትሖም እንኽእል።

ስለዚ እቲ ዝነበረ ፀገማት ብኵናት ናይ ምፍታሕ ልምዲ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ፅዕንቶ ከዕርፍ ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ንረብሑ ደው ብምባል ተቃውምኡ ብምግላፅ፣ ኣብ ብሱል ስነሓሳብ ኣብ ዘለዎም ብምውዳብን ብምስላፍን ግደኡ ክፃወት ክኽእል ኣለዎ። እዚ እንተኾይኑ ‘ዩ ዘላቂ ፍታሕ ክመፅእ ዝኽእል ክብሉ ሪኢቶኦም ይገልፁ።

ካሊእ ኣብዚ ርኢቶኦም ዝገለፁልና ድማ ፖለቲከኛ ኣይተ ስዩም ዮሃንስ ‘ዮም። መፍትሒ ፖለቲካዊ ፀገም እቲ ሊሂቅ ናይ ህዝቢ ጉዳይ የእትዎኒ ‘ዩ፤ ህልውናን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይን የእትወኒ ‘ዩ ኢሉ ብቕንዕና ዝቑርቖር ክኽእል ኣለዎ ይብሉ። መሪሕነት ክመዓራረ ክኽእል ኣለዎ፤ መሪሕነት ክመዓራረ ዝኽእል ድማ ካብ ናይ ውልቐን ጉጅለን ረብሓን ስልጣንን ኣተሓሳስባ ወፂኡ ንህዝቢ ክሓስብ እንተኽኢሉ፤ ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ማእኸል ገይሩ ክሰርሕ እንተኽኢሉ፤ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ስትራተጂ እንተተኸቲሉ ጥራሕ ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ናይ እንካን ሃባን ውልቐ ረብሓን ስልጣን እንተድሂቡ ወይ ምቕዳም እንተኣትዩ ግና እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይኽእልን፤ ስለዚ ብኸምዚ እንተኸይዱ ‘ዩ እቲ መሪሕነት ናብ ሓደ ክመፅእ ዝኽእል፤ ብኸምዚ ናብ ሓደ ክመፅእ እንተዘይክኢሉ ህዝቢ ይከፋፈል፤ እቲ ኩነታት ‘ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓመቐ ይኸይድ ክብሉ ይዛረቡ።

ስለዚ ልዕሊ ውልቐ ረብሓ ናይ ህዝቢ ረብሓን ድሕንነትን ምቕዳም የድሊ፤ እንደገና ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ፖለቲካዊ ውሳነን ኣሰራርሓን ምኽታል የድሊ፤ እዚ እንተዘይኮይኑ ናብ ሓደ ምምፃእ ኣይከኣልን፤ ጠንካራን ንህዝቢ ዝሓስብን መሪሕነት ክህሉ እንተዘይክኢሉ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ክፍታሕ ኣይኽእልን ክብሉ ይግልፁ።

መንቐሊ ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ብዙሓት ‘ኳ እንተኾኑ እቶም ቐንድታት ግና ረብሓን ስልጣንን ዓርስኻ ምቕዳም ዝወለዶም ‘ዮም። ብምኽንያት እዚ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ተባሳቢሱ ‘ዩ። ብፍላይ ካብ ለውጢ ንነዘ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እቲ ክልል ኣዝዩ እናሓመቐ ብምምፅኡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣት ሓሊፉ ብዙሕ ናይ ህይወት መስዋእትን ምጉዳል ኣካልን ኣጋጢምዎ ‘ዩ።

እቶም ርኢቶ ወሃብቲ ከምዝገለፅዎ፣ መፍትሒ ፖለቲካዊ ፀገም ትግራይ ሰላም፣ርዝብ፣ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ምሃብ …’ዩ። ኮይኑ ግና ውልቃዊነት እንተቐፂሉ፣ረብሓ ህዝቢ ዘየቐድም ሊሂቅ እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝገደደ ፀገም ክኣቲ ይኽእል’ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You