
ኣዲስ ኣበባ፡- መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ ድሕሪ ኲናት ‘ውን ናብ ጠረጴዛ ምምፅኦም ዘይተርፍ ስለዝኾነ ቅድሚ ኲናት ብዝርርብ ፀገሞም ክፈትሑ ከምዝግባእ ደራሲ፣ ስራሕ መካየዲ ቱር ኦፕሬተር ቤተ ነጋሽን ቢላል ኣይድን ኣይተ ኣሚር ሳሊሕ ገሊፆም።
ኣይተ ኣሚር ሳሊሕ(ኣሚር ዛኪ) ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበለዎ፤ መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ ከይረፈደ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም ፀገሞም ክፈትሑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ድሕሪ ኲናት ‘ውን ናብ ጠረጴዛ ምምፃእ ስለዘይተርፍ እቲ ዝርርብ ቅዲሚ ኲናት ክኸውን ይግባእ።
ኲናት በላዒ ሂወት ሰብን መዕነዊ ሃፍቲ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ኣይተ ኣሚር፤ ብፍላይ ከቢድ ዝብሃል ኲናት ዘተኣናገደት ክልልን ሃገርን ይትረፍ፤ ምንም ዓይነት ንዘይረአየት ሃገር እንተኾነ ‘ውን ሰላም ዝመስል ስለዘየለ ብዝኾነ ይኹን ናብ ኲናት ክእተው ከምዘይግባእ ኣረዲኦም። ኣብ ቀረባ እዋን ከቢድ ኲናት ዘተኣናገደት ክልል ትግራይ ተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ኲናት ዝትሽከመሉ ዓቅሚ የብላን ዝበሉ ኣይተ ኣሚር፤ ነዚ ህዝቢ መሊስካ ናብ ኲናት ንክኣትው ምግባር ዓብይ ስሕተትን ናይ ገበን ገበንን ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ሰላም ብፍላይ ኣብቲ ተሰማረዮምሉ ዘሎ ዘፈር ቱሪዝም ወሳኒ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሚር፤ በቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ስግኣት ኲናት ምኽንያት ሎሚ ከምቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረ ፍሰት ቱሪስት ከምዘየለን እቲ ዘፈር ይጉዳእ ከምዘሎ ‘ውን ገሊፆም። ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ዓብይ ተስፋን ምልዕዓላትን ተፈጢሩ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሚር፤ ሐዚ ግና ምስ ዘይምርግጋዕ ፖለቲካን ዘሎ ድባብ ኲናትን ምንቅቃሕ ጀሚሩ ዝነበረ ምንቕስቃስ ቱሪዝም ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑሉን እናብፀሐሉን ይርከብ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ብኹሉ ወገን ዘለው ፖለቲከኛታት ንካልኣይ ግዘ ኲናት ገይሮም ካብ ዝጨባበጡ ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዎም ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ዘለዎም ፀገማት ክፍትሑ ከምዝግባእ ኣይተ ኣሚር ፃዉዒት ኣቅሪቦም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም