‹‹ህዝቢ ትግራይ ኩናት ፈፂሙ ኣይደልን››  – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ኣብ ወጥሪ ‘ዩ፤ ዝሕግዛና ሃገራት ኣለዋ ‘የን ብዝብል ዝተጋገየ ስልሒት ግዚኡ ሕዚ ‘ዩ ብዝብል ውግእ ንምኽፋት ዝደልዩ ኣለዉ። እዚ ዝተጋገየ ኣካይዳ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ፈፂሙ ኣይደልን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ፈፂሙ ኣይደልን። ኮይኑ ግና መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ተወጢሩ ‘ዩ፤ ዝሕግዛና ሃገራት ኣለዋ ‘የን ብዝብል ዝተጋገየ ስልሒት ግዚኡ ሕዚ ‘ዩ ብዝብል ውግእ ንምኽፋት ዝደልዩ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ዝተጋገየ ኣካይዳ ‘ዩ። ንትግራይ ዘድሊ ሰላም፣ ፀገማት ብምይይጥን ብምዝርራብን ምፍታሕ ‘ዩ ኢሎም።

መንግስቲ ሓንቲ ጥይት ‘ውን ናይ ምትኳስ ድልየት የብሉን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ ኣቦታት ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓድን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ኵናት ንኸይኣትው ሕዚ ናይ ሰላም ግደኹም ተዋፅኡ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ምልማዕ ‘ዩ ድላይና፤ ኹሉ ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎ ኵናት ኣየድልን።

ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር ኹሉ ዝብፅሖ ግደ ምብርካት ኣድላዪ ምዃኑ ገሊፆም፤ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምፂኡ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደቁ በቢመዓልቱ ከይስእን ገይሩዎ። ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኻልኦት ሃገራትን ድማ መንግስቲ ሰላም ይሕሽ ኢሉ ንዝተዋግእዎ ሓይልታት ዕድል ይህብ ‘ዩ ዝብል ሓዱሽ ባህሊ ምፍጣሩ ተዛሪቦም

ኣብቲ ክልል ግልጋሎት ብዝምልከት ቴሌኮም፣ ባንክታት፣ መንገዲ ኣየርን ኻልኦት ግልጋሎትን ምሉእ ብምሉእ ምጅማሮም ገሊፆም፤ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብዝምልከት ራያ ሚኢቲ ብሚኢቲ ፀለምቲ ‘ውን ተመሊሶም ‘ዮም። ዝተረፈ ወልቃይት ዘይተመለሱ ኣለዉ፤ መንግስቲ ንዘይተመለሱ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ፅኑዕ ቕዋም ኣለዎ ኢሎም።

ነበር ዕጡቓት ዳግማይ እግሪ ምትካልን ናብ ማሕበረሰብ ምሕዋስን ‘ውን ብቕልጡፍ ክፍፀም ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ረብሕኡ ንግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ‘ውን ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዘለዉ ጉዳያት ብሰላም ናይ ምፍታሕ ፅኑዕ ቕዋሙ ብተደጋጋሚ ከምዘርአየ ‘ውን ኣፍሊጦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You