
ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትነብር ስለዘይትኽእል ዝጀመረቶ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ዲፕሎማስያዊን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጣናኺራ ከትቕፅለሉ ኣለዋ ክብላ ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን።
ወ/ሮ ኬርያ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበረን ፃኒሕት ከምዝገለፀኦ፤ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ በዝሒ ህዝቢን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ተተሓሒዙ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትነብር ስለዘይትኽእል እቲ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸበ ዝዕፆ ፋይል ኣይኮነን። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንድሕሪት ዝቕልበስ ወይ ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸበ ዝዕፆ ፋይል ኣይኮነን ክበሃል እንተሎ እዚ ሕቶ እዚ ሕዚ እንተዘይተመለሰ ‘ውን ቐፃሊ ወለዶ ዝምልሶ ወይ ዕዮ ገዛ ቐፃሊ ወለዶ ‘ዩ ዝኸውን ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ምልዓላ ፍትሓዊ፣ ሕጋዊን መሰልን ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ እዚ ሕቶ እዚ ምዝንግዑ እንተዘይኮይኑ ከም ሕቶ ምልዓሉ ግቡእን መሰልን ‘ዩ፤ ክሳብ ፍትሓዊ መልሲ ዝረክብ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ክብላ ገሊፀን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሎም ኩሎም ሰላማዊ መንገድታት ከትጥቐም፣ ከትፅዕር፣ ከትሰርሕ ኣለዋ።
ምኽንያቱ እዚ ክበሃል እንተሎ መሰልካን ሕቶኻን ክትሓትት ግድን ስለዝኾነ ዴሞክራስያዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተጠናኸረ ፃዕሪ የድሊ ኢለን። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከትረክብ ዲፕሎማስያዊ ቓልሳ ክተጠናኽር ኣለዋ ማለት ካብ ብረታዊ ቓልሲ ዲፕሎማሲያዊ ቓልሲ ዝበለፀን ጠቓሚን፣ ንኹሉ ዘርብሕን ስለዝኾነ ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ ቓልሲ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክሕግዝ ይግባእ ኢለን።
ከም ገለፃ ወይዘሮ ኬርያ፣ኣብቲ ዞባ ዘሎ መሰረታዊ ኣፈላላይ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ፤ እዚ ምስቲ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ፍትሓዊ ክፍፍል ዝተኣሳሰር ‘ዩ፤ ገሊአን ውሑድ ሕዝቢ ሒዘን ብዙሕ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ባሕሪ ኣለዎን፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ ዓፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ምቕራያ ብጣዕሚ ጎዳኢ ‘ዩ፤ ሕቶ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ ምርካብ ንሃገርን እቲ ኸባቢን ረብሓ ስለዘለዎ ኣወንታዊ መልሲ ከትረክብ ኣለዋ ክብላ ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ብናይ ታሪኻዊ ስሕተት ዝመፀ ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ብምዃኑ ‘ውን እተን ናይ እቲ ዞባዊ ሃገራት ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ቅርሕንቲ ክህሉ የብሉን።
ነዚ ሕቶ እዚ ስዒቡ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ናብ ምስሕሓብ እናኣተዋ ከምዘለዎ ንዕዘብ ኣለና ኢና ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ነቲ ከባቢ ንሓበራዊ ሰላምን ዕቤትን ዝጠቕም ስለ ዝኾነ ብኣወንታ ምቕባል የድሊ ኢለን። ኣብቲ ዞባ ሓበራዊ ዕቤትን ሰላምን ክነግስ ከም እኒ ኢትዮጵያ ዝበላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ስለዝግባእ ዝረኽባሉ መንገዲ ምፍጣር የድሊ።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካባ ንበዓላን ነቲ ዞባን ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ብፍላይ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚን ሰላምን ፀጥታን ክነግስ ኣዝዩ ዝሕግዝ ‘ዩ። ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ነቲ ከባቢ ‘ውን ብኹለመዳይ ተረባሒ ‘ዩ፤ ንማንም ብዘይምጉዳእ ተወሳኺ ረብሓ ዝፈጥር ‘ዩ ኢለን።
ብመዳይ ኢኮኖሚ እንተሪእና ኣብቲ ዘባ ዘለዋ ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ሓይሊ ሚዛን ‘ውን ዝተሓለወ ይገብሮ፤ ስለዚ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ነተን ካልኦት ሃገራት ‘ውን ዝጠቕም ስለዝኾነ ተሓባበርቲ ክኾና ይግባእ ክብላ ገሊፀን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም