
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ካብ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ዝብገስ ስለዘይኮነ እቲ መንእሰይ ተወዲቡ ክቓለሶ ይግባእ ክብላ ነበር ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን።
ወይዘሮ ኬርያ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበረን ፃኒሕት ከምዝገለፀኦ፤ ንህዝቢ ዘይጠቅም ፖለቲካዊ ኣካይዳ እንተጋጥም መንእሰይ ትግራይ ተወዲቡ ኣይኸውንን ብምባል ጠጠው ከብሎ ኣለዎ። ሕዚ ናይ መንእሰይ ግዜ ‘ዩ። መንእሰይ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ፤ ካሊእ ብዝወሰነሉ መንገዲ ናብ ሓደጋ ክኣቱ የብሉን፤ እቲ ቀንዲ ሞተር እቲ መንእሰይ ስለዝኾነ ተሪሩ ክቓወሞን ክቓለሶን ‘ዩ ዝግባእ ኢለን።
ውሱናት ኣካላት ናብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣትዮም ኣለዉ፤ ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ድራር ዓረር ብምግባር ናይ በዓሎም ድሌት ጥራሕ ንምምላእ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንእሰይ ብዝግባእ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ካሊእ ኣካል ንውልቐ ረብሕኡ ክብል ብዝወሰነሉ ኣብ ዘይጠቅሞ ኩነታት ኣትዩ ዋጋ ክኸፍል የብሉን ኢለን።
ኣብ ግጉይ ኣካይዳ እቲ መንእሰይ ፈፂሙ ዋጋ ከይኸፍል ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ ክበሃል እንተሎ ቕድሚ ኩሉ ንውልቐ ረብሓ ንዝሓስቡ ሰባት ክቓለሶም ኣለዎ። ህዝብና ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ብኸመይ ነውፀኣዮን፤ እንደገና ተመሊሱ ናብ ኩናትን ዕፅዋን ክባን ከይኣቱ ብኸመይ ንቓለስ ክብል ኣለዎ ኢለን።
ቕድሚ ኩሉ ናይ ህዝቢ ትርግታ ልቢ ንርአ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ድሕንነቱ ውሑስ ዝገብረሉ ኣካል ‘ዩ ዝደሊ፤ ስለዚ እቲ መንእሰይ ነዚ መሰረት ብምግባር ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ ክብላ መልእኽተን ኣሕሊፈን።
እቲ ንውልቑ ዝሓስብ ኣካል ካብ ተበታቲንካ ምቕላስ ናይ ህዝቢ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ሓቢርካ ምቕላስ ክመርፅ ነይርዎ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ተበታቲንካ እትገብሮ ቓልሲ ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ዘማልእ ኣይኮነን ኢለን።
ካብ ሕግን ድሌትን ህዝቢ ወፃኢ ዝኸድ ዘሎ ኣካል ነዚ ክሓስበሉ ይግባእ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ ዘሎ ዕድልን ካልኦት ዕድላትን እናተጠቐምካ ንህዝብኻ እተድ ሕነሉ ጥበብን ብልሓትን እንተዘይሃልዩ ህዝብኻ ክተድሕን ኣይንኽእልን ክብላ ገሊፀን።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ተወዲብካ ብምቕላስ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮይንካ ተመያይጥካ ‘ዩ ክፍታሕ ስለዝኽእል ነዚ ሚዘን እዚ ዘስተኻኽል ስራሕ ምስራሕ የድሊ፤ ሰላማዊ ቓልሲ እንተልዩ ዘይፍታሕ ነገር የለን። ነዚ ከይትግበር ሓሊኹ ዝሕዝ ኣካል ስለዘሎ ግና ክኸውን ኣይከኣለን ኢለን።
ኢሊት ይኹን ዲያስፖራ ናይ በዓሉ ኣራኣእያን ድሌትን ‘ኳ እንተሃለዎ፤ ኮይኑ ግና መጀመርታ ከመይ ጌይርና ህዝቢ ነድሕን ወይ ሰላም ነምፅእ ኣብ ዝብል ናይ ኩልና ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ። ንህዝብን ንዓዱን ኣብ ዝጠቕም ብሓባር ብምንጣፍ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቕም ወይ ዝጎድእ ኩነታት እንትህሉ ተወዲቡ ክቓለስን ክቓወምን ኣለዎ ክብላ መኺረን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም