ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብትኹረት ክስረሓሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡-ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዝልዓል ሕቶ ከይተዘሓሓለ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም። ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝድግፎ ገሊፁ፡፡

ዓለም ለኸ ርክብ ተመራማሪ ጌትዮ ትርፌ ፣ መንግስቲ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ተገይሩ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ትኹረት ምሃቦም ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን እናቐነሰ ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡

ነቲ ኣጀንዳ ዝምልከት ዝለዓል ሕቶ ብዘይ ወዓል ሕደር ክስርሓሉ ከምዝግባእ ኣረዲኦም፣ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብ ሚድያ፣ ዲፕሎማሲ፣ መሓውር መንግስቲን ካልኦት ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግእ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን መራኸብቲ ሓፋሽ ጠመተ ምሃብ ከምዘለዎ ብምሕባር፣ ሕቶ ዝቀረበሎም ኣካላት እቲ ጉዳይ ደው ኢሎም ክሓስቡን ሰናይ ምላሽ ንምሃብ ዝዝትይሉ ዕድል ከምዝፈጥር ኣብሪሆም፡፡

ዓለምለኸ ርክብ ተመራማሪ ዝኾኑ ጥላሁን ሊበን ብግዲኦም፣ ኢትዮጵያ ኣፍደ ባሕሪ ንኽትረኽብ ሕቶ መንግስቲ ጥራሕ እኹል ከምዘኾነ ህዝቢ ኢትዮጱያ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብል ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡ ቀይሕ ባሕሪ ዓለምለኸ ፖለቲካ ስሕበት ምዃኑን ኣብቲ ዞባ ኣፍደ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ‘የን ዝበሉ እቶም ተመራማሪ፣ ፅዕንቶ ፈጣሪት ንምዃን ሉኣላዊነት ንምኽባርን በዓል ዋና ኣፍደገ ባሕሪ ምዃን ኣድላዩ ‘ዩ ከምዝበሉ ካብ ኤፍ.ኤም.ሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት፡፡

ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ውድብና ሙሉእ ብሙሉእ ዝድግፎ ‘ዩ ክብሉ ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ገሊፆም። ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ኢትዮጵያ ንዘበናት ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ዝፀንሐትን ወደባ ንምሕላው ብዙሕ መስዋእቲ እናኸፈለት ዝነበረትን ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ኣባል ፈፃሚት ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ተካ ሹሻይ፣ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ፍትሓዊን ታሪኻዊን ግቡእነት ዘለዎ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ብመንፅር ክልል ትግራይ እንትረአ ‘ውን ከም ሃገር ኣብ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝነበሮ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ፅዕንትኡ ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዕድል ስራሕ ኣብ ምርካብ፣ ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ብቕርበት ኣብ ምርካብን ኣብ ጥቓ ወደብ ባሕሪ ዝርከብ ከባቢ ተረባሒ ከምዝገብር ዝገለፁ ኣይተ ተካ፣ሕቶ በሪ ባሕሪ እንትምለስ ንትግራይ ብቐዳምነት ተረባሒት ዝገብራ ‘ዩ ኢሎም። ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣይተ ገብረጊዮርጊስ ግደይ ብግደኦም፣ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምምላስ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዝረብሕ ዘይኮነስ ንመላእ እቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወናኒት ወደብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ዝነበሩ ከባቢታት ቀንዲ ተረባሕቲ ከምዝነበሩ ሓቢሮም። ብመንፅር እዚ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ እንትምለስ ክልል ትግራይ ‘ውን ቅድሚት ተረባሒት ንክትከውን ከምዝገብራ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝለዓለ ኢኮኖሚ እተንቀሳቕስ ሃገር ምዃና ዝገለፁ ኣይተ ገብረጊዮርጊስ፥ ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ምላሽ እንትረክብ ሰፊሕ ወደብ ሒዘን ተረባሕቲ ንዘይኮና ጎረባብቲ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም። ብምዃኑ ድማ ካብ ህልኽ ፖለቲካ ውፅእ ኢልካ እንተተራኢዩ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ፍትሓዊ ሕቶ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ወደብ ንዘሎ ማሕበረሰብ ዝጠቅም ስለዝኾነ ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ርእይተኦም ሂቦም።

እቶም ኣባላት ኣመራርሓ ውድብ ትዴፓ፣ መንግስቲ ኣበጊሱዎ ዘሎ ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ስለዝኾነ ውድብና ሙሉእ ብሙሉእ ዝድግፎ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም። ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፣ እዚ ንምርግጋፅ ብኹሉ ወገን ድሌት ሰላም ክህሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You