
ካብ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክት እቲ ሓደ ህንፀት ብሄራዊ (ኣደይ ኣበባ) ስታድየም ‘ዩ። እዚ ዓብይን ዘመናውን ስታድየም እቲ ህንፀት እንትዛዘም ስፖርት ቤተሰብ ናይ ዘመናት ሕቶ ካብ ምምላስ ብዝዘለለ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣህጉርን ዓለምለኸ ውድድራት ንክትሰናድእ ዘኽእላ ‘ዩ ተባሂሉ ተስፋ ተገይርሉ ‘ዩ። እቲ ህንፀት ካብ ዝጅመር ብዙሓት ዓመታት እንተቖፀረ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ኣብ ዝተድሓዘሉ ግዜ ምዝዛም ኣይተኽኣለን።
መንግስቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ናይቲ ስታድየም ህንፀት ንምዝዛም ትኹረት ሂቡ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ። ናይቲ ህንፀት መዛዘሚ ዘካተተ ዓብይ ስምምዕነት ውዕሊ ተኻይዱ ‘ዩ። እዚ ‘ውን መንግስቲ ስፖርት ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ዝወሰዶም ስጉምትታት እቲ ዓብይን ተስፋ ዝተገበረሉን ‘ዩ። ስታድየም ንምዝዛም ዝተበፅሐ ስምምዕነት ናይ ኣፍሪካ መዲና ናይ ብዙሓት ዓለምለኸ ትካላት መቐመጢት ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኢሉ ‘ውን ንኢትዮጵያ ተወሳኺ እሴት ‘ዩ።
ኣብ ዙርያ ስፖርት ኢትዮጵያ ብዓለምለኸ መድረኻት ብፍላይ ‘ውን ብኣትሌቲክስ ስፖርት ዝፍለጥ ሽም ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ብህዝቢ ኢትዮጵያ ብተፈታውነት ቁፅሪ ሓደ ዝኾነ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ዘይዝንጋዕ ዓሻራ ኣብ ኣፍሪካ እግሪ ኩዕሶ ኮንፌዴሬሽን (ካፍ ) ምስራታ ከምዘንበረት ዝዝከር ‘ዩ።
ቅድሚ 2008 ዓ.ም ዝተጀመረ ህንፀት ብሄራዊ ስታድየም ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ህንፀት እንተተዛዘመ ‘ውን ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዘይምኽኣሉ እቲ ስራሕ ተቋሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃዕሪ ካብ ዩናይትድ ዓረብ ኤሜሬትስ መንግስቲ ብዝተረኸበ 50 ሚልየን ዶላር ገንዘብ ናይ ምዕራፍ ኽልተ ህንፀት ንኽቅፅል ከምዝተገበረ ዝዝከር ‘ዩ።
ኸዚ ድማ ናይ ምዕራፍ ኽልተ ሎት ናይ መወዳእታ ስራሕቲ ናይ ፊፋን ካፍ ደረጃ ብዝሓለወ ንምቕፅል ብዝወፀ ዓለምለኸ ጨረታ ምስ ዘሸነፈ ናይ ቻይና ኮሙዩኒኬሽን ኮንስትራክሽን ካምፓኒ (CCCC) ናይ ውዕሊ ስምምዕነት ተገይሩ ‘ዩ። ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ሸዊት ሻንካ ኣብቲ ስምምዕነት ናይቲ ስታድየም ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ህንፀት ምዝዛም ነቲ ፕሮጀክት ናይ 18ነጥቢ 6ቢልየን ብር ከምዝተፈረመ ገሊፀን።
ናይ ምዕራፍ ኽልተ ሎት ኽልተን ሰለስተን ስምምዕነት ስታድየም ኣደይ ኣበባ ሙሉእ ብሙሉእ ስርሑ ብምዝዛም ዘኾነ ዓለምለኸ ፀወታ ምትእንጋ ዝኽአል ‘ዩ። እዚ ንኢትዮጵያ ልምዓት ስፖርት ዓብይ ዓወት ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ። ነዚ ድማ ፍሉይ ትኹረት ፤ ክትትልን ልምዓትን ብምሃብ ብቕርበት እናደገፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብስፖርት ቤተሰብ ክምስገኑ ይግባእ ኢለን።
ናይቲ ብሄራዊ ስታድየም ስትራክቸራል ዲዛይን ኣዳለውን ኣማኻርን ትካል ዝኾነ ኤችኤም ኢንጅነሪንግ ማኔጂንግ ዳይሬክተር መሰለ ሃይለ(ዶ/ር)፤ ኣብ ምዕራፍ ኽልተ ሎት ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ተፃወቲ መቐየሪ ክፍልታት ፣ ዝግልገልሉ ክፍልታት መራኸቢ ሓፋሽ ከምኡ ‘ውን ዓብይ ወፃኢ ዝሓቱ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ ዝካተት ‘ዩ።
ኣብ ሎት ሰለስተ 70ሚልየን ዶላር ወፃኢ ክሓትትት ‘ዩ ተባሂሉ ዝግመት ናይ ላዕሊ ሽፋን ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ። ህንፀት እቲ ስታድየም እንትዛዛም ፅዋዕ ዓለምን ኣፍሪካን መዕፀዊ ፀወታታት ምትእንጋድ ዘኽእል ደረጃ ሓደ ዘማልእ ‘ዩ ዝኾን። ኣብ ኽልተ ዓመት ውሽጢ ተዛዚሙ ኢትዮጵያ ንምትእንጋድ ዝተለመቶ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ከምዝበፅሕ እቶም ኣማኻሪ ገሊፆም።
እቲ ብሄራዊ ስታድየም ንምዝዛም ውዕሊ ዝኣተወ ናይ ቻይና ካምፓኒ ማናጀር ሚስተር ሲን ብወገኖም ፤ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 20 ዓመት ልምዲ ስራሕ ዘለዎን 127 ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ምፍፃም ዝኻኣለ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም። ኸዘ ‘ውን ብዘለዎ ዓቕሚ ሙሉእ ግዜን ትኹረትን ብምሃብ እቲ ፕሮጀክት ብዝተቐመጠሉ ግዜን ብፅሬት ብምስራሕ ንምርካብ ድልው ከምዝኾኑን እምነት ተዋሂብዎም እዚ ፕሮጀክት ስለዝተውሃም ድማ ኣመስጊኖም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም