ግቡእ ትኹረት- ብኽነት ምህርቲ ሕርሻ ንምቕናስ

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ህይወቱ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዝተመርኮሰ ’ዩ። ብምዃኑ ኢትዮጵያ ንዓውደ ሕርሻ ዓብዪ ትኹረት እናሃበትሉ ትርከብ፡፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣትሒዛ ንኣፍራያይነት ከዕብዩ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ዕማማት ብምሕንፃፅ እናሰርሐት ትርከብ፡፡ ብተኸታታሊ ንሕርሻ ዝድግፉ ልምዓታዊ ንጥፈታት እናተተግበሩ መፂኦም ሕዚ ‘ውን ተጠናኺሮም እናቐፀሉ ይርከቡ።

ኣብዚ ምምሕያሽ ዘፈር ሕርሻ ብዙሓት ምምሕያሻት ተሰሪሖም ቁጠባ እታ ሃገርን ህዝብን ክዓቢ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ህይወት ሓረስቶት ክመሓየሽ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ብዝኽተሎ ዘሎ ምጥቓም ዘመናዊ እታዎታት ሕርሻ ኣብዛ ሃገር ቐሊል ዘይበሃል ወሰኽ ምህርቲ ተራእዩ ‘ዩ፡፡ ግብርና ልምዓት ገጠር ንምምሕያሽ ቑፅሩ ቐሊል ዘይበሃል ማሕበረሰብ ህይወቱ ክቕይር ክኢሉ ኣሎ፤ እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዝተወሰዱ ናይ ልምዓት ስጉምትታት ስዒቡ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ጠንካራ ናይ ምምሕያሽ ስጉምቲ እናወሰደ ‘ዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሓት ሓረስቶት ሰብ ሃፍቲ ክኾኑ በቒዖም ‘ዮም፡፡

ይኹን እምበር እዞም ተግባራት እዚኣቶም እኹላት ‘ዮም ምባል ኣይከኣልን፡፡ ብዙሓት ጉድለታት ኣለዉ ‘ዮም፡ ፡ ብፍላይ ኣብ ምእካብ ምህርቲ እንተወሲድና ቐሊል ዘይበሃል ብኽነት የጋጥም ‘ዩ፡፡ ዘመናዊ ዝኾነ ኣታኣኻኽባ ምህርቲ ብዝግባእ ኣሎ ምባል ኣይከኣልን፡፡ ብዙሓት ምህርትታት ናብ ቖፎ ክኣትዉ ምስቐረቡ ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ኣብ መሬት ባኺኖም ይቀርዩ ‘ዮም፡፡ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ምስ ዘለዎ ዓሚቕ ዓቕሚ ሃፍቲ ሕርሻ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተጠቐመትሉን፡፡

ብምዃኑ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ውሕስና ምግቡ ኣረጋጊፁ ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡ ፡ እዚ ዘሪአካ ድማ ካብቲ ዘሎ ስራሕ ንለዓሊ ምስራሕ ዘድሊ ምዃኑ ‘ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ብዙሓት ‘ዮም። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብዙሕ ቴክኖሎጂ ምጥቓም የድሊ፡፡ መዋቕራዊ ለውቲ ንምምፃእ ብዘመናዊ ቴክኒሎጂ ዝተደገፉ ብዙሓት ስጉምትታት ምውሳድ ግዴታ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ብፍላይ ድማ ዓመት ዝተፃዓሮ ፍርያት ሕርሻ ቅድሚ ናብ ቖፎ ምእታዉ ዘጋጥምዎ ዝተፈላላዩ ብኽነት ብኣግባቡ ክሕሰበሉ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ቴክኖሎጂ ዋላ ክንድትዝድለ ኣይንጠቐም ብዝኸኣልናዮ ኩሉ ከንረባረብ ይግባእ፡፡ ዝፀንሐ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና ከነዳብሮ ይግበአና፡፡ ምኽንያቱ ከምኡ እንተዘይጌርና ብዙሕ እኽሊ ምብኻኑ ዘይቐሪ ‘ዩ፡፡ በቢ ዓመቱ ዝባኽን ምግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ፡ ፡

ንኣብነት ትካል ሕርሻን ምግብን ዓለም ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሳላሳ ሚኢታዊ ዝኸውን ፍርያት ግብርና ይባኽን ‘ዩ። እቲ ፍርያት ዝባኽን ድማ እቲ ናይ ምእካብ ንጥፈታትና ኣብ ዘመናዊ ምእካብ ምህርቲ ዝተመርኮሰ ብዘይምዃኑ ‘ዩ፡፡ ማለት እቲ ምህርቲ ብቴክኖሎጂ ተደጊፍካ ኣብ ትኽክለኛ እዋኑ ዘይምእካብ ‘ዩ፡፡ ካብ መጠን ንለዓሊ ምንቃፅን ልዕሊ ዓቐን ኣጠቓቕማ ፍርያትን ምዃኑ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘረድእ።

መንግስቲ ቐንዲ ትኹረቱ ፍርያት ኣብ ምዕባይ ‘ዩ፤ ኣብ ምእካብ ፍርያት ብዙሕ ዘመናዊነት ኣሳራርሓ ኣይተኸተለን፡፡ ሕዚ ‘ውን ካብ ምዕፃድ ክሳብ ምዝባጥ እኽሊ ኣብ ባህላዊ ኣሳራርሓ ዝተመስረተ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝተውሃቦ ትኹረት ዳርጋ ትሑት ‘ዩ ምባል ይከኣል። ኣብ ክልላት ዝፈረዩ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ሕርሻ ካብ ክልል ናብ ክልል ወይ ናብ ዋና ከተማ ክሳብ ዝበፅሑ ክሳብ ሓምሳ ሚኢታዊ ከምዝባኽኑ ይግለፅ።

ሙሁራት እቲ ዓውዲ ከምዝሕብርዎ፣ ኣብ ፍርያት ኣእኻል ናብ ሳላሳ ሚእታዊ፤ ኣብ ፍርያታት ኣትኽልትን ፍራምረን ድማ ክሳብ ሓምሳ ሚኢታዊ ብኽነት ፍርያት ከምዝፍጠሩ ይሕብሩ፡፡ ካብዚ መረዳእታ እዚ ተላዒልና እናባኸነ ዝርከብ ፍርያት ሕርሻ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ክቕልብ ዝኽእል ምዃኑ ምግማት ዘፀግም ኣይኮነን። ስለዚ ክንድዚ ዝኣክል ዝባኽን እንተኾይኑ በዝሒ ቁፅሪ ህዝቢ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ዘሎ ተተሓሒዙ ክሳርኡ ብቐሊሉ ዝረኣይ ኣይኮነን፡፡

ምኽንያቱ ምስ ምውሳኽ ህዝቢ ተተሓሒዙ ድልየት ምግቢ እናወሰኸ እምበር እናቐነሰ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ፡፡ ስለዚ መንግስቲ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከሕድር ይኽእል ‘ዩ። እዚ ብክነት ፍርያት ሕርሻ እዚ እታ ሃገር እትደልዮ ኣቅርቦት ምግቢ ንምርግጋፅ ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብተወሳኺ ኣብቲ ለይትን ቐትርን ዝፀዓረ ሓረስታይን ኣብ ጠቅላላ ኢኮኖሚያዊ እታ ሃገርን ዘስዕቦ ክሳራ ብቀሊሉ ክረኣይ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ዝባፅሑ ኣእኻል ኣብ እዋኖም ክዕፀዱን ክዝበጡን እንተዘይክኢሎም እዞም ፍርያታት ሕርሻ እዚኦም ንምብልሻውን ንባልዓትን ተቓላዕቲ ንክኾኑ ዝፍጠር ዕደል ሰፊሕ ‘ዩ፡፡

ብባህላዊ መንገዲ ኣብ ምእካብ ዘጋጥም ብኽነት ምህርቲ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት እታ ሃገር ናይ በዓሉ ኣሉታዊ ግደ ኣለዎ፡፡ ፅርየት መፍረያይነትን ፍርያት ኣዝርእቲን ክቕንስ ይገብር፡፡ ፅሬት ዘለዎ ፍርያት ሕርሻ ኣይህሉን፡፡ ብናይ ሰብ ጉልበት እንትእከብ ብዙሕ ግዜ ስለዝወስድ ንተፈላላዩ ባልዓትን ንእዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ክቓላዕ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ምእካብ ፍርያት ሕርሻ መንግስቲ ኣብዪ ትኹረት ክገብረሉ ኣለዎ፡፡

ብሓፂሩ ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ብኽነት ክሳራ ንምቕናስ ናብ ናይ ሕርሻ ቦታታት መሰረተ ልምዓት ብምዝርጋሕ ክሳራ ክቕንስ ክኽእል ኣለዎ፡፡ እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ሓረስታይ ብፍልጠትን ክእለትን ክበቕዕ ብምግባር ብኽነት ፍርያት ዝቕነሰሉ መንገዲን ኣሳራርሓን ምኽታል የድሊ፡፡ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ዝበፅሕ ብኽነት ብዝግባእ ቐኒስካ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ መንግስቲ ግቡእ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ይግባእ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You