ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተሓራሲ መሬት እንተሃለዋ ብዝድለ ልክዕ ስለዘይተሰረሐሉ ህይወት ሕብረተሰብ ክንድቲ ዝድለ ምቅያር ኣይተኸኣለን፡፡ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክበፅሕ ብዙሕ ትኹረትን ስራሕን ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ልሙዕ ተሓራሲ መሬት፣ ንሕርሻ ዝምችው ኣየር፣ ዝናብን ማይ ከርሰ መሬትን ከምዘለዋ ይፍልጥ፡፡
ስራሕቲ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምምላስን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን፣ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል እንተተደልዩ ብጥበብን ብሳይንስን ምስራሕ ግድን ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡ ኮይኑ ግና ሕርሻ ገና ናብ ዘመናውነት ዘይተሰጋገረ ዘፈር ‘ዩ፡፡ ሕርሻ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክንድ እቲ ዝድለ ትኹረት ስለዘይተውሃቦ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዘመናት ሓገዝ ምግቢ ካብ ወፃኢ ሃገራት ትፅቢት እትገብር ሓንቲ ኮይና ንብዙሕ እዋን ፀኒሓ ‘ያ፡፡
በርግፅ ኣብ ዝሓለፉ ቅሩብ ዓመታት ለውጥታት እናተርኣየ ‘ዩ፡፡ ሕርሻ ብኣግባባ ከይድታቱ ዛዚሙ ኣብ ረብሓ ንክውዕል ኣብ መንጎ ፀገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡ እዚኦም ዕንቅፋት ዝኾኑ ከመይ ገይርና ክንሰግሮም ኣለና ዝብል ትኹረት ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኸዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ብምጥቃም ድማ ሓረስታይ ተረባሓይ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ኽራማት ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ከደንፍዑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ተሰርሖም ‘ዮም፡፡ ብዝነበረ ፅቡቕ ዝናብ ‘ውን ዝሓሸ ኣዝመራ ኣሎ፡፡ ሓረስታይ ሕርሻኡ ብዝግባእ ትኹረት ገይሩ እናተንከባኸበ ስለዝኸረመ ሐዚ ድማ ምህርቲ ኣብ ዝሓፍሰሉ ኹነታት ይርከብ፡፡ ምህርቲ ኣብ ፅቡቕ ኹነታት ይርከብ፤ ኾይኑ ግና እዋን ዘይሓለወ ማይ ነቲ ምህርቲ ከየበላሽዎ ብእዋኑ ብምእካብ እቲ ዝተረኸበ ማይ ድማ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ምድላው ክግበር ይግባእ፡፡
እቲ ማይ ብፍላይ ኣብ ምህርቲ ጣፍ ሓደጋ ከየስዕብ ብእዋኑ እናተዓፀደ ንክኹመርን እንተተኻኢሉ ተኣኪቡ ናብ ጎተራ ንኽኣትው ምስ ሓረስቶት ተረዳዲእኻ ክስራሕ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምህርቲ ዓተርን ስገምን እናተዓፀደ እንተኾነ ‘ውን ኮይኑ ግና ደንጉዮም ዝተዘርኡ ጣፍን ማሸላን ጥንቃቐ ብምግባር ንቐፃሊ ንኽዕፀዱ ብትኹረት እናተሰተርሐ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡
ዘራእቲ ተዛሪኡ ክሳብ ንዓፀዳ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ፀገማት ዕንቅፋት ዝኾኑ ከጋጥምዎ ከምዝኽል ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ እዚ ንምክልኻል ድማ እቲ ገባር ጥራሕ እንተይኾነስ ባዓል ሞያ ሕርሻ ኾነ ካብቲ ሞያ ወፃኢ ዘሎ ማሕበረሰብ ዝምልከቶ ጉዳይ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ኣብ ሕርሻ ዝበፅሕ ጉድኣት ንምክልኻል ነባራይ ነቲ ኸባቢን ኣብ ቀረባ ዝኾነ ኣካል ‘ዩ። ኸዚ ‘ውን እቲ ዘራእቲ ቅድሚ ምንም ጉድኣት ምብፅሑ ተረባሪብኻ ምእካብ የድሊ፡፡
እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከም ሓደጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ፀጋ ምርኣይ ኣድላይ እንተኾነ ‘ውን ብሓደ ገፅ ኣብ ዝራእቲ ሓደጋ ከይበፅሕ መናእሰይ፣ ሓይልታት ፀጥታ፣ ተምሃሮን ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብን ብምትሕግጋዝ እኽሊ ብግቡእ ብምእካብ ናብ ዓዲ ምባል እንተድሊ በቲ ካልእ ገፅ ድማ እቲ ዝናብ ኣብ ረብሓ ስራሕቲ መስኖ ተጠናኺሩ ክስራሕ ኣለዎ።
ብብዙሕ ፃዕሪን ልፍዓትን ዝተዘርአ ዘራእቲ ኣብዘይ እዋኑ ብዝመፅ ዝናብ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣብ ሓረስታይን ማሕበረሰብን ቅድሚ ጉድኣት ምብፅሑ ክንበፅሐሉ ይግባእ፡፡ ጉድኣቱ ቀኒስኻ ኣብ ረብሕኡ ትኹረት ምግባር። እዚ ካብ መንግስቲ ጥራሕ ትፅቢት ዝግበር ሓገዝ ኣይኮነን፡፡ ዓብይ ማሕበረሰባውን ሕብረት ቆራፅነትን ዝደሊ ሰራሕ ‘ዩ፡፡
ስለዚ መንግስቲ ብዝገበረና ፃውዒት ዘራእትና ነድሕን ፡፡ ዝራእቲ ብእዋኑ ምዕፃድ ጥራሕ ዘይኾነ ዝተኣከቡ ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ብዘይጉዳእን ዉሕስ ብዝኾነ መልክዑ ብቑልጡፍ ናብ ገዝኡ ዘእትወሉ ኩነታት ክመዓራረን ይግባእ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ጉዳይ ሕርሻ እናተማሕየሸ መፂኡ ‘ዩ፡፡ ዘመናዊ ንምግባርን ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእን ብሜካናይዜሽን ዝተሓገዘ ክኸውን ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ብሉፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዒን ትራክተራትን ኣብ
ምጥቓም ፅቡቕ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሕርሻ ኢትዮጵያ ብዝተኸኣለ መጠን ንቕድሚት ዝኸደሉ ኩነታት ተራእዩ ‘ዩ ፡፡ ኣብ ፍርያት ስርናይ ፅቡቕ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበን ክሳብ ንደገ ሰደድ ከምዝተገብረን ዝዝከር ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ኣብ ሕርሻ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ኢኮኖሚ ‘ውን ብዙሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ‘ዩ ዝርከብ፡፡
ንኣብነት ሕርሻ ኣብ ምዝማን፣ ቱሪዝም ወዘተ ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ዝበራታትዑ ተግባራት ‘ዮም። ኮይኑ ግና ብፍሉይ ኣብ ሕርሻ መሰረት ኹሉ ብምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ ተጣናኺሩ ክስራሕ ይግባእ፡፡ ክልላት ሃገርና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብግቡእ ተረዲአን ብዝግባእ ክደፍኣሉ ኣለዎን፡፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ኣለዉ፡፡ ብዝነበረ ዘይምቹ ኩነታት ዝተልዓለ ኣብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ዘርፍታት ብዝግባእ ዝተሰርሐሉ ኣይኮነን።
ኣብዝሓፈ መሰረት መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸ ብምዃኑ ኣብ ከም እዚኦም ዝበሉ ነገራት ጠመተ ተዋሂብዎም እንተተሰሪሖም ህይወት ህዝቢ ትግራይ ምቕያር ይከኣል ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ዘምፀኦ ረብሓ ብኣግባቡ ብምጥቃም ፤ዘምፀኦ ጉድኣት ድማ ቀዲምኻ ኣብ ምክልኻል ዓበይቲ ስራሕቲ ንክስርሑ ትፅቢት ዝግበር ኣብዚ እዋን ‘ዩ፡፡
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም