በፃሕቲ ዓዲ እናስተኣናገደ ዝርከብ ጥንታዊ ጥበብ ኣክሱም  

ሓወልቲ ኣክሱም ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ዝድህሰሱ ሓድግታት ዓለም ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮን] ዘመዝገበቶ ሃፍታ ‘ዩ። በብዓመቱ ልዑል ቑፅሪ ዘለዎም በፃሕቲ ዓዲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከተማ ኣኽሱም ይበፅሑ። ተምሃሮን ሙሁራትን ዩኒቨርሲቲታት ‘ውን ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ዙርያ ኣኽሱም የዳልውን ብቐርቡን ይመሃርሉን።

ካብዚ እታ ከተማ እትረኽቦ እቶት ኣሎ። ዓብይ ሃፍቲ ቱሪዝም ‘ያ ከተማ ኣኽሱም፡፡ እዚ ሃፍቲ ተጠናኺሩ ንከይቕፅል ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠመ ዕንቅፋት ኹላትና እንፈልጦ ኢና፡፡ ብፍላይ ድማ ጉዳይ መጓዓዝያ ምሉእ ብሙሉእ ብምዕፃዉ በፃሕቲ ዓዲ ናብታ ከተማ ንከይኣትዉ ዓብይ ፀገም ኾይኑ ከምዝፀንሐ ይዝከር፡፡

እዚ ድማ ናይታ ከተማ እታዎት ዝኾነ ዘፈር ቱሪዝም ኣዝዩ ጎዲእዎ ‘ዩ፡፡ ብባህሪኡ ዘፈር ቱሪዝም ዝጠልቦም ነገራት እንተሪእና ቱሪዝም ደቂ ሰብ ብቐዋምነት ካብ ዝነብርሉ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ምስዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰረ ዘፈር ‘ዩ፡፡ እዚ ምንቅስቓስ ድሌት ደቂ ሰብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናሰፈሐን እንዳተፋላለየን ብምኻዱ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቱሪዝም ተጠናኺሩ ናብ ብርኪ ኢንዱስትሪ ከምዝዓበየ ተመራመርቲ እዚ ዘፈር ይሕብሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና ኣለው ካብ ዝበሃሉ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ሓደ ኮይኑ ብናህሪ እናዓበየ ዝርከብ ዘፈር ኮይኑ ይርከብ። ደቂ ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ብምንቅስቃስ እዚ ዘፈር ክዓቢ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ክልተ መቒልካ ምርኣይ ይካኣል፡፡ እቲ ሓደ ድሌት ምዝንጋዕ ተጓዓዝቲ እንዳወሰኸ ብምምፅኡ እንትኾን፣ እቲ ካሊእ ኣብ ንግዳውን ፍሉይ ድሌት ዘለዎምን ተጓዓዝቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ክብ እንዳበለ ብምምፅኡ ‘ዩ።

መንግስቲ ነዚ ዘፈር ንምዕባይ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ፖሊቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖሊስታቶም ዝገብርዎ ኣወንታዊ ሓገዛት ካብ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝዓበየሉ መገዲ እንተሃለወ ‘ውን ግና ብዝተፈላላዩ ተፈጥራውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት ዕንቅፋት ክበፅሖ ይረአ። ብተወሳኺ ሰባት ሰሪሖም ዝረኽብዎ እቶትን ንካልኦት ህዝብታት ናይ ምፍላጥ ድሌት እናወሰኸ ብምምፅኡ፣ ቅልጡፍን ምችውን ግልጋሎት መጓዓዝያ ኣየር ተወሲኽዎ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ኣብ ዓለም ክዓቢ ገይርዎ ይርከብ።

ቱሪዝም በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ሓደ ህዝቢ ዝርከብ ዝተፈላለዩ ሃፍታት ቱሪዝም ንምርኣይ፣ ባህላዊ ፍርያት ንምዕዳግ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብረ በዓላት ንምዕዛብ፣ ኣብ ሓድግታት ምርምር ንምክያድን ፍልጠት ንምቕሳምን ወዘተ ዝግበር ምብፃሕ ዘጠቓለለ ‘ዩ። ከምተን ካልኦት ሃገራት ካብዚ ዘፈር ንረኽቦ ረብሓ ክብ ንኽብል ዝተፈላለዩ ስፍራታት፣ሆቴላት፣ መዘናግዕታት፣ዓበይቲ ህንፃታት፣ኣደባባያት፣ቤት ብልዕን መስተን ብዝተኻእለ መጠን ፍርያት ከባቢ ዝጥቀሙ፣ብፍርያት ከባቢ ዝተጋየፁ ክኾኑ ይግባእ።

ብተወሳኺ ከተማታትና ብሉፃት ስራሓቲ ኪነ-ጥበብን እደ ጥበብን ዝስርሐለን፣ ዝተፈላለዩ ጋለሪ ኣርት ዘለወን፣ ፌስቲቫላት ባህሊ ዝካየደለን፣ሰፋሕቲ ፓርክታት ከተማን ሙዝየማትን ዝወነና፣ ኣደባባያት ህዝቢ ብባህላዊ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ዝማዕረጋ ሂወት ዘለወን ክኾና ይግባእ። መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ምዃን ፍልፍል ሃፍትን ዕድል ስራሕን ዝፈጥር ‘ዩ። ነዚ ሃፍቲ መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ሃገርና ብኹሎም ግንባራት ተኸፊቱ ዝርከብ ልምዓታዊ ምንቕስቓስ ሽትኡ ወቕዑ፣ዜጋታት ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ዝረኽቡላ፣ ዝተረጋገአ ማሕበራዊ ምንቕስቓስ ዝሰፈነላ ሃገር ክትህልወና ዘፈር ቱሪዝም ዝፃወቶ ግደ ዝላዓለ ‘ዩ።

እዚ መንቅስቃስ ዘላቕነት ንክህለዎ ድማ እቲ ዋና ግደ ዝፃወት ጉዳይ መጉዐዝያ ‘ዩ፡፡ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ካብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ዜጋታት ብሰላም ናብ ዝደልይዎ ቦታታት ኸይዶም ብሰላም ንክምለሱ ምችው ዝኾነ መጎዓዝያ ክህሉ ግድን ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ዳግም ምጅማር ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣክሱም እንተሪእና ናብታ ከተማ ዝኸዱ ቑፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ ‘ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ምችው ዝኾነ መጎዓዝያ ስለዝተመቻቸወ ‘ዩ፡፡ ናብ ከተማ ኣክሱም ዝኸይድ በፃሕቲ ዓዲ ቅድሚ እቲ ኹናት ብጣዕሚ ብዙሕ እኳ እንተነበረ ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ግና ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ብምዃኑ በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝፀንሑሉ ምችው ኩነታት ብምፍጣር ካብኣቶም ዝርከብ እቶት ናብ ረብሓ ምልዋጥን ምስሊ ክልልና ብኣወንታ ምህናፅን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ግድን ‘ዩ።

ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ፀጋታት ከተማ ኣኽሱም ተዓዚቡ ይኹን ተዛዋዊሩ ንምርዳእ ደጋጊሙ ናብዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ኣኽሱም ንክመፅእ ኸዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You