‹‹ኣብ ትግራይ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝናብ ስለዝህልው ኣብ ታሕተዎት መፋስስ ጥንቃቀ ክግበር ይግባእ›› -ኣይተ ሚኪኤል ሙሩፅ

ከም ክልል ትግራይ ናይ ሎሚ ዘበን ናይ መፍረይነት ትልሚ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርእታት ብምሽፋን ካብዚ ናብ 24 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ‘ዩ፡፡ ነዚ ንምዕዋት ድማ ስልጠናታት ካብ ምሃብ ጀሚሩ እታወታት ናይ ምድላውን ካልኦት ምንቕስቓሳት ይግበር ኣሎ ‘ዩ። ምስ ዝናብ ተተሓሓዙ ናይ ሎሚ ዘበን ኩነታት ዝናብ ካብ ሜትሮ ሎጂ ብዝተገለፀልና መሰረት ኣብ ትግራይ ፅቡቅ ዝናብ ክህልው ተሓሳቢ ዝገብረ ‘ዩ ዘሎ። መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ‘ውን ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ከባቢ ‘ዩ ዘሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ዶግዓታት ምሕያል ዝናብን ውሕጃትን ክህልው ‘ዩ ዝብል ትንበያ ስለዘሎ። ኣብ ታሕታዎት መፋስስቲ ዘለው ከባቢታት ካብ ውሕጅ እኹል ጥንቃቀ ክገብሩን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ልምዓት መስኖ፣ ተኽልታት፣ እንስሳትን ሰብን ከይጉዳእ ጥንቃቀ ክግበር ይግባእ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኮሙኒኬሽን ዳይሬክተር ዝኾኑ ኣይተ ሚኪኤል ሙሩፅ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብ መድላዋት ሕርሻ ክልል ትግራይን መሰል ዛዕባታትን መለእኽታትን ከምዝስዕብ ኣሕሊፎም ኣለው ሰናይ ንባብ፡-

ወጋሕታ፡-ኣብ ትግራይ ምድላዋትን ትልምታትን ክራማት ዝራእቲን ከምኡ ‘ውን ዝተጀመሩ ስራሕትን እንታይ ይመስሉ ተዝገልፁለይ?

ኣይተ ሚኪኤል:- ከም ክልል ናይ ሎሚ ዘበን ናይ መፍረይነት ፕሮግራምና ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዘርእታት ንምሽፋን ተተሊሙ ኣሎ። ካብዚ ናብ 24 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ንሰርሕ ኣለና፡፡ እዚ ክንብል ከለና እቲ ሕርሻ ዕውት ንክኸውን ዘድልዩ ዝተፈላለዩ እታወታት ኣለውዎ ‘ዮም። ካብዚ ሓደ ናይ መፍራይነት ምድላው ብስልጠና ‘ዩ ዝጅምር።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ሕብረተሰብ ብፍላይ እቲ ገባር ካብ ስሩዕ ስርሑ ይኹን ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ሞያ ሓበሬታት ርሒቁ ስለዝፀንሐ፤ ክኢላና ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ኣድላይ ስራሕቲ ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ንምጥንኻር ስልጠና ተግባርን ክልሰ ሓሳብን እናሃብና ኢና። ብፍላይ ምስ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበሩ። ናይ ሃፍቲ እንስሳ ናይ ባዕሎም ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ኣብ ሕርሻ ናይ ጣፍ፣ ስርናይ፣ መሸላን ሰሊጥን እናበልና ብክላስተር ምዕባይ ዓቅሚ ንህብ ኣለና።

በዚ መሰረት ካብ ክልል ክሳብ ታሕታዋይ ናይ ጣብያ መሓውርና ዘለው ምስታፍ ተኻኢሉ ‘ዩ። ብስፍሓት ናይ ክለሳ ሓሳብን ተግባርን ስልጠናታት ‘ውን ተዋሂቦም ‘ዮም። ዝተወሃብዎ ናይ ክለሳ ሓሳብን ተግባርን ስልጠናታት ድማ ናብቲ ሓረስታይ ክወርድ ስለዘለዎ፤ ብፍላይ በቢኸባቢኡ ኣብ ጣብያታት ዝርከቡ ኣብ ማእኸል ሓረስቶት ኣብዚ ሰዓት እናተወሃበ ይርከብ። ዝወድኡ ‘ውን ኣለው።

ቀፃሊ ዝኸውን ድማ ቀረብ እታወታት ‘ዩ። ብፍላይ መዳበርያ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብሓፈሻ ነቲ ክልል ካብ ዘድሊ ኣቕርቦት ማዳበሪያ ከሳብ ሐዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ናብቲ ክልል ኣትዩ ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ነዚ ኣቅርቦት ብእዋኑ ብምእታው ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

መንግስቲ ናይ ሎሚ ዘበን ቀረብ እታወታት ብእዋኑ ብምእታዉ ነዓና ‘ውን ጠቂሙና ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣቀዲምና ውሕስ ዝገበርናዮ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። ዝጠለብናዮ ትሽዓተ ሚእቲ ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ነይርና ናብ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ‘ዩ ተፈቂዱና ክሳብ ሐዚ ድማ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ናብቲ ክልል ኣትዩ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ኸይዲ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡

ካብቲ ዝኣተወ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኩንታል መዳበሪያ ናብ ከባቢ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ዝኸውን ድማ ናብ ወረዳታት ክበፅሕ ተገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ብኮኦፕርቲቭን ማሕበራትን ኣቢሉ እቲ ሓረስታይ እናዓደገ ዝርብሓሉ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር ዘሎ።

ዋጋ ማዳበሪያ ኣብ ክልልና ኽባር ዝብሃል እንትዘይኮነ ‘ውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ ኩነታት ኲናት እቲ ሓረስታይ ብመንፅር ኣታዊ ናይ ምዕዳግ ዓቅሙ ተዳኺሙ ‘ዩ ዝርከብ። ሰብና ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ስለ ዘየፍረዩ ከምዚ ዓይነት ፀገማት’ ውን ይርኣይ ‘ዩ። ብኣውርኡ ድማ ኣብ ዘርኢ ዝምልከት ‘ውን ከም ክልል ኣብዚ ሕቶ ኣለና።

ስለዚ እቲ ዝድለ መጠን ዘርኢ ‘ውን ብዙሕ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ሰለስተ ኣዋሰንቲ ዞዋታት ዓፋር ድርቂ ተፈጢሩ ብምንባሩ ዘርኢ ኣይህልዎን ኢልና ኢና ንሓስብ። ኣብቲ ዝሓሸ ክራማት ዝነብረሉ ‘ውን ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማዕከላዊ ዞንን ኣብ መወዳእታ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ብምዝናቡ ምክንያት ዘርኢ የብሉን፤ ስለዝኾነ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መዳርግቲ ኣካላትን እናሰራሕና ኢና ንርከብ። ክሳብ ሐዚ ናብ ከባቢ ሸውዓተ ሽሕ ዝኣክል ምሩፅ ዘርኢ ካብ ዝተፈላላያ ፕሮጀክታት ረኺብና ኣለና።

መብዛሕትኡ ብቃል ምእታው ዝተረኸበ ስለዝኾነ ክንዲ እቲ ዘድለ ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ስለዚ እቲ ዝተረፈ ሓረስታይና ካብ ካሊእ ከይተፀበየን ናባና ከየንቃዕረረ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘርኢ ክጥቀም ኢና ተረዳዲእና ዘለና። እንተተረኺቡ ነቲ ሓረስታይ ብዝተፈላለዩ ንክሕገዝ ከም ክልል ንፅዕር ኣለና ኢና።

ይኹን እምበር እቲ ንፅዕሮ ዘለና ‘ውን ዘይክዕወት ስለዝኽእል፤ ሓረስታይ ንዕኡ ክፅበይ የብሉን እሞ በቢ ከባቢኡ ናይ ሓደጋ እዋን ዘርኢ ኣዊጅና ኣለና። ናይ ሓደጋ እዋን ዘርኢ ምእዋጅ ማለት እቲ ሓረስታይ ደረጅኡ ዝሓለወ ዘርኢ ከይበለ በቢከባቢኡ ዘሎ ዘርኢ ክዘርእ ሓበሬታ ነሕልፍ ኣለና ኢና።

ካሊእ ከም ምድላው ምዕራፍ ዝርአ ሰፊሕ ናይ ጠሊ ምዕቃብ ምስራሕ ‘ዩ። ትግራይ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ፀገም ሕፅረት ጠሊ ኣለዋ ‘ዩ። እዚ ማለት ግና ዝናብ ኣይዘንብን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ ፅቡቅ መጠናት ‘ዩ ዘሎ፤ ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ፀገማት ኣብ ዝርግሐ ዝናብ ‘ዩ።

ምዝባዕ ዝዘንበሉ እዋንን መጠንን ‘ዩ ‘ሞ፤ እቲ ሓረስታይና ነዚ ፀገም ክሓልፎ እንተኾይኑ ሰፊሕ ምዕቃብ ጠሊ ክገብር ኣለዎ። ስለዚ ከም ክልል ነዚ ንክስራሕ ንምግባር ብቢሮ ማይን ኢነርጅን ዝምራሕ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ፤ ኣንሕናን ካልኦት ሴክተራትን ዘለናሉ ብሓባር ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ስለዚ እቲ ሓረስታይና ምስቲ እቲ ክልል በጀት ዘይብሉ ሙዃኑ ኣብዝ ሐዚ ሰዓት ከም መማረፂ እንወስዶ ዘለና፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ በቢዘለውዎ ነቲ ሓረስታይ ንምሕጋዝ ነናይ ባዕሎም ግደ ንክህልዎም ምጥያሻት እናተገብረ ‘ዩ ዝርከብ። ስለዚ በዚ ዓይነት መምርሒ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ኣብ ከባቢአን ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ስራሕቲ ቴሌቶን እናገበራ ኣብ ጠሊ ዓቀብቲ ዝብሃሉ ኣብ ምስራሕ ይርከባ።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ሓይቂ መስሓይል ኣብ ከባቢ ፅራእ ወንበርታን ከባቢታት ከይድና ከምዝርኣናዮ ኣብዚ ሰፊሕ ዝኾነ ምንቕስቓሳት ዓቀብቲ ጠሊ እናተሰርሐ ‘ዩ። ካብተን ዝስርሓ ዘለዋ ሓሙሽተ ሸዱሽተ ዝወድኡ ‘ውን ኣለው። ኣብ ከባቢታት ራያ ‘ውን ኣብ ራያ ዓዘቦን ከባቢኡን ብተመሳሳሊ ዓበይቲ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾኑ መዐቀቢ ጠሊ ተሰሪሖም ኣለዉ። ኣብ ወረዳ በቢብርኩ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሰብ ሃፍቲ ብምልዕዓል ነቲ ሓረስታይ ዝሕግዘሉ መንገዲ ንክፍጠር በዚ ኣጋጣሚ መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ።

ወጋሕታ፡- ሓፈሻዊ ኣብ ዝራእቲ እቲ ሓረስታይ ዝተረኸበ ዘርኢ ንክዘርእ ከምዘለዎ ኮይኑ፤ እንተተረኺቡኸ ብዝበለፀ እንታይ ዓይነት ዝራእቲ ክሽፈን ‘ዩ ዝምከር።

ኣይተ ሚኪኤል:- ኣንሕና ነቲ ሓረስታይ እንታይ ከምዝዘርእ ኣይነማኽሮን እንታይ ከምዝዘርእ ባዕሉ ይፈልጥ ‘ዩ። ኣንሕና ሓደ እንኽተሎ መንገዲ ክላስተር መሰረት ዝገብረ ሕርሻ ክፍፀም ኣለዎ ኢልና ኢና ሓሲብና ዘለና። ኣብ ዝራዕቲ ክላስተር ክንብል ከለና ፍሉጥ ‘ዩ። ተመሳሳሊ ዘርኢ ንኣብነት ናይ ስርናይ፣ ጣፍ፣ ዕፉን ሰሊጥን ክላስተር ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ክላስተር ማሕበረ ሰብ ተወዲቡ ብሓደ ኹታ ገጠም ብዝኾነ መንገዲ ተመሳሳሊ ዘርኢ ተጠቂሙ ዘልመዕሎም ከባቢታት ‘ዮም። ኣብዚ ዝተፈላለዩ ማሽናት ተጠቂሞም ከም ትራክተር ዝበሉ ክሓርሱን ሓደ በዓል ሞያ ተጠቂሞም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከም ምክልኻል ባልዓት ካልኦትን ዝበሉ ስራሕቲ ክፍፅሙን ብሓደ ከመሓድሩን ከሎ ‘ዩ።

እዚ ኸምዚ እናሃለወ ከዓ ዳይቨርቲኬሽን ብዝምልከት ከዓ ሓረስታይ ንናይ ባዕሉ ዝጥቀመሉን ንዕዳጋ ዘቅርቦን ‘ውን ከምዝዘርእ ዝፍለጥ ‘ዩ። ስለዚ ነዚ መሰረት ሒዝና ናይ ዕፉን ክላስተር ብዕፉን ተወዲቦም ማሕበር ገይሮም ክሰርሑ በቢዞብኡ እናሰራሕናሉ ዝመፃእና ስለዝኾነ በዚ ክስራሕ መምርሒታት እናሃብና ኢና።

ብሃፍቲ እንስሳት ድማ ብኮሚዲቲ ቪለጅ ዝብሃል ስራሕቲ ንክስራሕ ተሓሳቢ ይገብር። ኮሚዲቲ ቪለጅ ክንብል ከለና እዚ ውን ክላሰተር ‘ዩ። እዚ ክላስተር ብስፍሓት ኣብ ፀባ ብልምዓት ፀባ ንክስርሑ፣ ከምኡ ‘ውን ብስፍሓት ኣብ ምህጣርን ከፍቲ ይኹን ጠለ በጊዕ ብስፋሓት ክስርሑ ዝኽእሉ ከባቢታት ብምውዳብ እቲ ሓረስታይ በዚ እናተወደበ ሕርሽኡ ዘነቃቕሐሉ ኩነታት ንክፍጠር እናተሰርሐ ይርከብ።

ወጋሕታ፡- ምስቲ ናብቲ ክልል ኣትዩ ዘሎ ኣርባዕተ ሚኢቲ ሽሕ መዳባርያ ብሓፈሻ እቲ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ መዳበርያ ንሕርሻ እቲ ክልል እኹል ድዩ?

ኣይተ ሚኪኤል:- እቲ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ መዳበርያ ነቲ ክልል እኹል ኣይኮነን። ግና በቢዓመቱ ዝግበር እቲ ሓረስታይ ኣቀዲሙ ድልየቱ ወይ ጠለቡ የፍልጥ እሞ፤ እቲ ሓረስታይ ጠለቡ ምስ ኣፍለጠ ኣንሕና ድማ ነቲ ጠለብ መሰረት ገይርና ነዚ በጀት ሒዝና ንመንግስቲ ፌደራል ነሓትት።

መንግስቲ ፌደራል ምስ ቢሮና ብዝገብርዎ ዝርርብ ናይ ልቃሕ ፍቃድ ተሰማሚዖም ‘ዩ ዝመፅእ እቲ መዳበርያ። ብዙ ኣግባብ እዚ ‘ዩ ዝኸይድ። እንድሕር እቲ ሓረስታይ ዘይጠሊብዎ ከምቲ ናይ ቀደም ተገዲዱ ዝወሃቦ ስለዘየለ በዚ ‘ዩ ዝኸይድ። ሐዚ ንመርየት ትግራይ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ሄክታር መሬት እንብሎ ዘለና እኹል ማለት ኣይኮነን።

ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ማለት እኮ ንሄክታር በቢክልተ ኩንታል ኩንታል እንተሓሲብናዮ ‘ውን ንሓምሳ ሽሕ ሄክታር ከባቢ ኣይሰርግርን ማለት ‘ዩ። በቢናይቲ ሓረስታይ ጠለብ መሰረት ተገይሩ ትሸዓተ ሚእቲ ሽሕ መዳበርያ ተጠሊቡ ነይሩ፤ መንግስቲ ፌደራል እዚ ኣይከኣልኩን ስለዝበለ ቀኒሱ ናብ ትሽዓተ ሚእቲ ሽሕ ክነእትው ተፈቂድልና።

ካልእ ምስ ትሕዝቶ መሬት ተተሓሒዙ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝነብረ መሬት ሰፊሕ ‘ዩ። ዞባ ምዕራብ ከምዘሎ ኣብ ካልኦት ሓይልታት ‘ዩ ፀኒሑ። ነዚ ተሓሳቢ ገይርና ኢና ‘ውን ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ሄክታር እንብል ዘለና።

እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ‘ውን ክምለሱ ‘ዮም ብዝብል ተስፋ ሒዝና ኢና ናይ ልምዓት ስራሕቲ ንሰርሕ ዘለና። እዚ ንክሳለጥ ድማ ንምነ። ነዚ ‘ውን መንግስቲ ይፅዕር ኣሎ። እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣርባዓ ሚእታዊ ጥራሕ ኢና ክንሽፍን ክኢልና ነይርና እሞ። ከምኡ ንከይኸውን ግና ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክልልን ፌደራልን እዋን ሕርሻ ከይኣተወ እቲ ህዝቢ ናብ ቦቱኡ ተመሊሱ ናይ ሕርሻ ስራሕቱ ክውግነሉ ዝፈጥረሉ መንገዲ ክስራሕ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ከሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሚኪኤል:– ኣብዚ ክልተ መልእኽቲ እየ ከሕልፍ ዝደሊ። ምስ ዝናብ ዝተተሓሓዘ ናይ ሎሚ ዘበን ኩነታት ዝናብ ካብ ሜትሮ ሎጂ ብዝተገለፀልና መሰረት ኣብ ትግራይ ፅቡቅ ዝናብ ክህልው ተሓሳቢ ዝገብረ ‘ዩ ዘሎ። መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ መደበኛን ልዕሊ መደበኛን ዝበዝሖ ከባቢ ‘ዩ ዘሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ከባቢ ዶግዓታት ምሕያል ዝናብን ውሕጃትን ክህልው ‘ዩ ዝብል ትንበያ ስለዘሎ። ኣብ ታሕታዎት መፋስስቲ ዘለው ከባቢታት ካብ ውሕጅ እኹል ጥንቃቀ ክገብሩን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ልምዓት መስኖ፣ ተኽልታት፣ እንስሳትን ሰብን ከይጉዳእ ጥንቃቀ ክግበር ይግባእ። ብፍላይ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምእለይ ውሕጃት ክሰርሕን ክጥንቀቅን ይግባእ።

ካልኣይ መልእኽቲ ድማ ኣገዳሲ እታወታት ዝብሃል መዳበርያ ብኽባር ወፃኢ ሸርፊ ዝርከብ እዚ መዳበርያ ኣብ መዓሉ ንክውዕል እቲ ሓረስታይ ብግቡእ ምእንቲ ክጥቀመሉ ኣብዚ ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ዞባ፣ ወረዳን ጣብያን ኩሎም ዘለው ኣመራርሓ ናብ ሓረስታይን ሓረስታይ ጥራሕ ክኣትው ክገብሩን ሓረስታይ ሓንቲ ኩንታል ትኹን ርብዒ ኩንታል ክሸይጥ ከምዘይብሉ መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ።

ምኽንያቱ ብብዙሕ ፃዕርን ብወፃኢ ሸርፍን ዝመፅአ ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ ብኣግባቡ እንድሕር ዘይትጠቂሙሉ እቲ ካብ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና እንብሎ ምህርቲ ምርካብ ኣፀጋሚ ‘ዩ ዝኸውን። ነዚ ተረዲኡ እቲ ሓረስታይ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ።

ጋሕታ፡- ንዝነብረና ፃንሒት የቐንየልና፡፡

ኣይተ ሚኪኤለ፡- ኣነ ውን የቕንየለይ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You