‹‹መንግስቲ ፌደራል ሒዝዎም ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ተወዲኦም ናብ ስራሕ ክኣትዉን ግልጋሎት ክጅምሩን ይግባእ›› – ኣይተ ኣበበ ብርሃነ፣ከንቲባ ከተማ ኣክሱም

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ይበሃሉ፤ ኣይተ ኣበበ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ‘ዮም። ኣብታ ከተማ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ልምዓት ምንቕስቓሳት እንታይ ከምዝመስሉን ምስ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ፅገናን ተተሓሒዙ ንማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ክፉት ምዃኑን ብፍላይ ድማ ንቱሪዝም ንምድንፋዕ ዘለዎ ረብሓን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ፃኒሕት ገይርና ኢና። ዝገበርናዮ ፃኒሕት ድማ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዚ ስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብታ ከተማ ዘሎ ናይ ልምዓት ምንቕስቓሳት ብሓፂሩ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣበበ፡- እቲ ከተማ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተፈጠረ ተስፋን ዕድልን ክንጥቀመሉ ኣለና ዝብል መበገሲ ሓሳብ ብምሓዝ ዘለዉና ውሽጣዊ ዓቕምታት ከመይ ገይርና ክንጥቀመሎም ከምዘለና ክንዲ ዝካኣልናዮ ዓብይ ስራሕ እኳ እንተዘይሰራሕና ግና ሞኪርና ኢና።

በዚ ኣቢልና ድማ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዝጅመረሉ ሃዋህው ክንፈጥር ኣለና ዝብል ሓሳብ ተተሒዙ ምንቅስቃስ እናገበርና ኢና። ፌደራል መንግስቲ ሒዝዎም ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ‘ውን ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ‘ውን ከም ኣንፈት ተቐሚጡ ዝነበረ እንትኸውን ናይዚ ውፅኢት ድማ እቲ ሓደ መዕርፎ ነፍርቲ ራብዓይ ኣፀይ ዮሃንስ ኣክሱም ‘ዩ። እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብምኽንያት ዝነበረ ኹናት ጉድኣት ስለዝበፅሖ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ‘ዩ ፀኒሑን፤ ኸዚ ንቡር ስርሑ ይጅምር ኣሎ።

ወጋሕታ፡- ምስ ዳግመ ህንፀት ከተማ ኣክሱም ዘሎ ምንቅስቃስ ብፍላይ ስራሕ ምጅማር መዕረፎ ነፈርቲ ራብዓይ ሃፀይ ዮሃንስ ንዳግመ ህንፀት ከተማ ኣክሱምን ዝህልዎ ትርጉም ተዝገልፁልና?

ኣይተ ኣበበ፡– ኹላትና ከምንፈልጦ ቅድሚ ኸዚ ብዝነበረ ኹናት ምኽንያት ኸበድቲ ጉድኣት ካብ ዝበፅሖም ከተማ ሓንቲ ከተማ ኣክሱም ‘ያ፤ ድሕሪኡ ዝነበረ ኣብ 2015 ዓ.ም ድማ እቲ ከተማ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ ስለዝኾነ በዚ ድማ ብጣዕሚ ከቢድ ጉድኣት ‘ዩ በፂሑ።

እቲ ከተማ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተፈጠረ ተስፋን ዕድልን ክንጥቀመሉ ኣለና ዝብል መበገሲ ሓሳብ ብምሓዝ ዘለዉና ውሽጣዊ ዓቕምታት ከመይ ገይርና ክንጥቀመሎም ከምዘለና ብምዝታይ ክንዲ ዝካኣልናዮ ዓብይ ስራሕ እኳ እንተዘይሰራሕና ግና ሞኪርና ኢና። በዚ ኣቢልና ድማ እቲ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ዝጅመረሉ ሃዋህው ክንፈጥር ኣለና ዝብል ሓሳብ ተተሒዙ ምቅስቃስ እናተገበረ ‘ዩ።

ብዕሊ ከም ኣንፈት እንድሕር ወሲድና ግና ኣብ ክልል ትግራይ እቲ መሰረተ ህንፀት ባዕሉ ዝኻኣለ ኣንፈት ተቐሚጥሉ ግን ድማ ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ተጀሚሩ ዝባሃል ኣይኮነን። ከም ከተማ ምምሕዳር ቅድም ኢለ ከምዝገለፅኽዎ ብውስን ካብ ካርታ ዓለም ዝርከብ ዝተወሰነ ድጋፍ ካብ ውሽጢ ዓቕሚ እቲ ከተማ ድማ ዘለዉን መማረፅታትን ዕድላትን ብምጥቃም ንወገኖምን ህዝቦምን ዝግደሱ ግዱሳት ወገናት ፕሮጀክታት ብምቕራፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለዉ ‘ዮም።

መንግስቲ ፌደራል ሒዝዎም ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ‘ውን ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ‘ውን ከም ኣንፈት ተቐሚጡ ነይሩ ‘ዩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ሓደ መዕርፎ ነፍርቲ ራብዓይ ኣፀይ ዮሃንስ ኣክሱም ‘ዩ። እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ብምኽንያት ዝነበረ ኹናት ጉድኣት ስለዝበፅሖን ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ፀኒሑ ‘ዩ።

እዚ ጠጠው ምባሉ ነታ ከተማ ኸቢድ ጉደኣት ‘ዩ ነይሩ፤ ከምዘፈለጥ መሰረታዊ ምንቅስቃስ ማሕበራዊ ኢኮኖምያውን ናይታ ከተማ ዋና ቱሪዝም ‘ዩ ነይሩ። እቲ ቱሪዝም ድማ ብኾረናን ኹናትን ተጎዲኡ ‘ዩ። እቲ ቀንዲ ናይ ቱሪዝም መእተዊ በሪ ኢልና እንወስዶ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ግልጋሎት ናብ ከተማ ኣክሱም ብምቁራፁ እቲ ምቅስቃስ ቱሪዝም ነቲ ምቅስቃስ ኢኮኖሚን ‘ውን ሒዝዎ ናብ ዜሮ ክወርድ ገይርዎ ‘ዩ። እዚ ድማ ንከተማ ኣኽሱም ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውቅላው ክፍጠር ገይርዎ ፀኒሑ ‘ዩ።

እዚ ተስፋ ሰላም ምስ ተረኸበ ምስ ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኩሎም መሰረታዊ ግልጋሎት ክጅመሩ ኣለዎም ዝብል ስለዝነበረ ነዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ስለዝግባእ፤ ብመንፅር እዚ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣክሱም ብተደጋጋሚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተፀጊኑ ናብ ስራሕን ግልጋሎትን ክምለስ ኣለዎ ዝብል ሕቶ እናልዓለ ፀኒሑ ‘ዩ፤ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ተጀሚሩ እናተሰርሐ ክሳብ ኸዚ ፀኒሑ ‘ዩ፤ በቲ ስምምዕነት መሰረት ሰነ መጀመርያ ተዛዚሙ ናብ ግልጋሎት ክጅምር ‘ዩ ተሓሲቡ ነይሩ እዚ ድማ እቲ ህንፀት ተዛዚሙ ሰነ 2/2016 ዓ.ም ተቋሪፁ ዝነበረ መዕረፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ብዕሊ ናብ ግልጋሎት ምሃብ ተመሊሱ ‘ዩ።

በዚ ድማ ብኹናት ምኽንያት ኣብ ፀገም ወደቑ ዝነበረ ኢኮኖሚ ክምለስ ‘ዩ ኢልና ነሓስብ፤ እዚ ክኾን ከሎ ድማ በሪ ቱሪዝም ክኸፍት ስለዝኾነ እዚ ድማ ብርክት ዝበለ ዑደተኛታት ክመፅእ ሓድጉታት ክጉብንይን፤ ኣብ ደገ ዘሎ ንነወሕ እዋን ምስ ቤተሰቡ ዘይተራኸበ ድያስፖራ ምስ ቤተሰቡ ክራኸብን ኣብ ኸባቢኡ መፂኡ ድማ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቃስ ንግዳዊቂ ቀጠናዊ ምትእስሳር ንክዓቢ እቲ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ ኢልና ኢና ንሓስብ።

ወጋሕታ፡- ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ተዳኺሙ ዝፀንሐ ምቅስቃስ ቱሪዝም ንምንቅቃሕ በፃሕቲ ዓዲ እንትመፁ ብኸመይ ንምትእንጋድ ምድላዋት እናተገበረ ይርከብ ?

ኣይተ ኣበበ፡- ህዝቢ ኣክሱም ቅድሚ ኹሉ ዝፍለጠሉን መፍለይኡን ደላይ ጋሻን ደላይ ሰላም ‘ዩ። ጋሻ ተቐቢሉ ምትእንጋድ ዝፍለጥ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብዚ ልምዲ ዘለዎ ህዝቢ ‘ዩ።

ኣብዚ ድማ ብፀጥታን ድሕንነትን ከተማና ሰላም ኣውሒሱ ዝኸደሉ ኩነታታ ንምፍጣር ኣድላይ ስራሕ እናሰርሐ ዝመፀ ህዝቢ ስለዝኾነ እዚ ድማ መዕርፎ ነፈርቲ ራብዓይ ሃፀይ ዮሃንስ ኣክሱም ተመሊሱ ናብ ግልጋሎት ምምላሱ መሰረት ገይሩ ዝመፅእ ጋሻ ስለዝህሉን ከባቢኡ ዉሑስ ሰላም እናገበረ ኸባቢኡ ንክሕሉ ጋሻ ድማ ብዝግባእ ተቐቢሉ ብዝግባእ ኣተኣናጊዱ ክሰድድ ስራሕቲ ምድላው እናተወገኑ ይኸዱ ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ድማ ካብ መላእ ዓለም ዝምፅኡ ዑደተኛታት ቱሪዝም ስራሕቲ መስሕባት ንክጠናኸር ዕማማት ሒዝና ንስረሕ ኣለና።

ቱሪዝም ብዝግባእ ለሚዑ ማሕበረሰብ ተጠቓሚ ዝኾነሉ ኣብ ግልጋሎት ሆቴል ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲን ምዳረግቲ ኣካላትን ኣብዚ ዝተፈጠረ ዕድል ተራባሕቲ ንክኾኑ፤ ውሃብቲ ግልጋሎት ታክሲን ካልኦትን ተረባሕቲ ንክኾኑ ብሓፈሻ ሴክተራት ቱሪዝም ዝኾኑ ኹሉም ተዋዲዶም ንክኸዱ ዓብይ ግደ ዝፃወት ስለዝኾነ ነዚ ዕንቅፋት ዝኾኑ እንድሕር ሃልዮም ‘ውን ፍታሕ ክግበረሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ክግበረሎምን ዝገብረሎም መገዲ እናተሳለጠ ‘ዩ።

ንኣብነት እንድሕር ወሲድና ኣክሱም ብዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ብርክት ዝበሉ ቅርስታት ሓድግታት ዘለዋ ከተማ ‘ያ። በዚ ድማ ኣክሱም ዓለም ለኸዊት ከተማ ‘ያ ምባል ይካኣል ‘ዩ። እዚኦም ናይ ኹሉ ማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ሓላፍነት ዝጠልቡ ‘ዮም። ድሕሪ ኹናት ዝኾነ ስራሕ ኣይተሰርሐን።

እዞም ሓድግታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ? እንታይ ጉድኣት በፂሕዎም? ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከቡ ዝብል ብምርኣይን ብምንቅስቃስን ሓገዝ ፋይናስ ብምግባር ፅገና ዘድልዮም ፅገና ክግበረሎም ‘ዩ ዝግባእ። እቲ ዝተጀመረ ሓወልቲ ኣክሱም ‘ውን ፅገና ክግበረሉ ይግባእ ምኽንያቱ ነቲ ቱሪዝም ዓብይ ገደ ዘለዎን ዋናን ንሱ ስለዝኾነ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ እዋን ሰላም ክሳብ ሰላሳ ሽሕ ቱሪስት ዝመፀሉ ከተማ ‘ዩ ነይሩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ብሚኢቲ ዝቑፀሩ ‘ዮም እናመፁ ዘለዉ። ብፍላይ ኣብ 2016 ዓ.ም ብጣዕሚ ዉሑድ ‘ዩ ዘሎ፤ እዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዙሕ ፃዕርን ፕሮምሽንን ዝሓትት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መሰረተ ልምዓት ብዋናነት ምስ ትምህርቲ፣ መንገዲ፣ ትካልት ጥዕና፣ መብራህትን ማይን ካልኦትን ስራሕቲ ዝተሰርሑ ሰራሕቲ እንተሃልዮም ዶ ምገለፁለይ?

ኣይተ ኣበበ፡– ዘፈር ቱሪዝም መሰረተ ልምዓታት ዝጠልብ ‘ዩ። ነዚ ቁልፊ መሰረት ዝኾነ ልምዓት ድማ ማይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ንምጉብናይ ዝመፅእ ዑደኛ መፂኡ ንነውሕ ንዝበለ እዋን ኣብ ሆቴል ዝፀንሕ እንተኾይኑ ከምዚኦም ዝበሉ ኣድላይ ዝኾነ መሰረታዊ ልምዓት ክማልኡ ይግባእ። በዚ ልክዕ ድማ ቁልፉ ዕንቅፋት ኾይኑ ዘፀግምና ዘሎ ጉዳይ ማይ ‘ዩ።

ናይ ማይ ሕቶ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝገበረ ሕቶ ‘ዩ። ከተማ ኣክሱም ፀገም ማይ ዘለዎ ኸተማ ‘ዩ። ከም ከተማ ምምሕዳር ንምፍታሕ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ትርጉም ብዘለዎ ስራሕ እቲ ከተማ ክሕገዝ ኣለዎ። እዚ ድማ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣበርቲዖም ክሰርሕሉ ዝግባእ ከምዘኾነ ደጋጊምና ሕቶ እነልዕለሉ ጉዳይ ‘ዩ። እቲ ፀገም ንምፍታሕ ከም ከተማ ፃዕሪ እንገብሮ ነገር ኣድላይ እንተኾነ ‘ውን ግና ኸቢድ ‘ዩ።

ካልእ ኣብዚ ፀገም ልምዓት ኮይኑ ዘረአ ጉዳይ መብራህቲ ‘ዩ። ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዝተወሰኑ ስራሕቲ ዝተሰርሑ ኣለዉ፤ ሙሉእ በሙሉእ ክማልኡ እኳ እንተዘይተኽኣለ ስራሕቲ ምስፍሕፍሕፋ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ስራሕቲ መንገዲ ዝተጀማመረ ብውስን ዓቕሚ ዝተስተኻኸለ ናይ ፀፀር መገዲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለዉ።

ገሊአም ድማ እናተዛዘሙ ‘ዮም። ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ምንቅስቃስ ዘለዎ ዓመት ኢልና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ከምቲ ዝተሓሰበ ኣይኮነን። ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኸዚ ‘ውን ንእሽተን ‘ዩ። ሕፅረት ፋይናንስ ኣሎ። መገዲ እትፅገን ዓብይ ፋይናንስ ‘ዩ ዘድሊ ግና እዚ ዓብይ ፀገም ‘ዩ።

እቶም ዝተረፉ እንድሕር ወሲድና ንኣብነት ጉዳይ ቤት ትምህርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እንድሕር ርኢና ከቢድ ፀገም ዘለዎ ‘ዩ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ኸዚ ማእኸላት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ‘የን ዘለዋ። ክሳብ ሐዚ ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን። ኣብ ፀገምን መከራን ዘሎ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቤት ትምህርትታት ዝተሰርሐ ስራሕቲ የለን ምባል ይካኣል። እዚ ድማ ነቲ ተምሃራይ ኾነ ንመምህራን ከቢድ ፀገም ፈጢሩ እናሃሰዮ ‘ዩ ዘሎ።

ኣብ ጉዳይ ጥዕና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣለዉ ‘ዮም፤ ዝሓሸ ዝባሃል ምንቅስቃስ ‘ውን እናተገበረ ‘ዩ። ብዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ መድሓኒታት ንክመፁ ምስ ማሕበረሰብ ምትእስሳራት ዝተገበረ ፃዕሪ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝገለፅናዮ ኣብ ጥዐና ትካላት ድማ ሙሉእ ናውቲ ዝዓነዋን ዝተወረራን ትካላት ፅገና ከይተገበረሎም ኣለዉ ‘ዮም።

ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ ድማ ክንደየናይ ኸቢድ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ። ጉዳይ ሰራሕተኛ መንግስቲ እንድሕር ወሲድና ድማ ዘይተፈትሐ ሕቶ መሃያ ኣሎ ‘ዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምምላእ ግድን ‘ዩ። ግን ድማ ኣብ ከይዲ እናተስተኻኸለ ክኸይድ ‘ዩ ኢልና ተስፋ ንገብር።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ፌደራል መንግስቲ ወይ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ሓገዝ እንተሃልዩን ከም መልእኽቲ ከሕልፍዎ ዝደለዩ ሓሳብ እንተሃልዩ?

ኣይተ ኣበበ፡– ብፍላይ መንግስቲ ፌደራል ክሕግዞ ዝግባእ ኣቀድም ኣቢለ ከምዝገለፅኽዎ ብዙሓት ዝተጀመሩን በቲ ኹናት ምኽንያት ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክታት ኣለው ‘ዮም። ንኣብነት ቅድም ኢለ ከምዝገለፅኽዎ ፅገና ሓወልቲ ኣከሱም ኣሎ። እዚ ብቕልጡፍ ክፅገን ይግባእ።

ካልኣይ ዓቕሚ ቱሪዝም እንድሕር ትሒቱ ከም መላእ ሃገር ዓቕሚ ኢና ንስእኖ ኣብዚ መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሐሉ ዝግባእ ‘ዩ። እቲ ኻሊእ ፀገም መስተ ማይ ‘ዩ። ፀገም ማይ ከተማ ኣክሱም ክቕረፍ ዝኽእል ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምህናፅ ‘ዩ። ተዘይኾይኑ በቲ ዘሎ ብርኪ ንቕድሚት ምሱጓም ብጣዕሚ ዝኸብድ ‘ዩ።

እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ዝነበሮ ከምዝተመለሰ እቶም ካልኦት ፕሮጀክትታት ድማ ተጀሚሮም ዝተቋረፁ ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ፌደራል መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክድግፈና ትፅቢት ንገብር።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ኣበበ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 6 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You