‹‹መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንምፍፃም ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ›› – ኮማንደር ገብረመስቀል ገብረሚካኤል

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት ዝተፈላላዩ ውግኣት እናጋጠማ ምምፅኡ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ገሊኡ ካብ ደገ ዝብገስ እንትኸውን ገሊኡ ድማ ካብ ናይ ውሽጢ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ዝብገስ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እቲ ኣዝዩ ብተደጋጋሚ ዝሓስያ ዘሎ ብናይ ውሽጢ ፖለቲካዊ ፀገም ዝለዓል ኩናት ‘ዩ::

ንኣብነት ከም ዝፍለጥ ኣብዛ ሃገር ብፍላይ ምስ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተተሓሒዙ ማለት ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስትን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ኣጋጢሙ እዚ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ድማ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ናብ ጎንፂ ኣምሪሑ ‘ዩ:: እዚ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ፀገም ስዒቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ::

ኮይኑ ግና ኣብ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ብዙሕ ለውጢ ተራእዩ ‘ዩ:: መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ብዙሓት መሰረታዊ ነገራት ሰሪሑ ‘ዩ:: ማለት ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዙ ‘ዩ:: ብሓፂሩ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ነቶም ስምምዓት ንምፍፃም ዝኸዶ ርቕቐትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ብምልዓል ምስ ኮማንደር ገብረመስቐል ገብረሚካኤል ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ:: ሰናይ ንባብ

 

ወጋሕታ፡- ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ዘምፀኦም ረብሓታትን ኣፋፃፅምኡን ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡– ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ብዙሓት ኣወንታዊ ነገራት ሰሪሑ ‘ዩ:: መንግስቲ ብዝግባእ ሓላፍነቱ እናተዋፀአ ‘ዩ ዝርከብ::

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያን ኣብ ኬንያ ናይሮቢን ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ከይዲ ትግበርኡ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ:: ብኽልቲኡ ወገን ዘበራታትዑ ተግባራት ተሰሪሖም ‘ዮም እናተፈፀሙ ‘ውን ‘ዮም:: ኮይኑ ግና እዞም ተግባራት እዚኦም ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም::

መንግስቲ ፌዴራል ብፍላይ ፅባሕ እቲ ፌርማ ጀሚሩ ምስ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ዝኸዶም ዘለዉ ተግባራት ዝበራታትዑ ‘ዮም:: ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከም መብራህቲ፣ ቴሌን ካልኦት መሰራታዊ ነገራትን ኣብ ምቕራብ ዝገበሮ ምንቕስቓስ ዝነኣድ ‘ዩ::

ከምኡ ‘ውን ኣብ ምቕራብ እኽልን መድሓኒትን ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ፤ ይኹን ‘ምበር ምስ በዝሒ ቑፅሪ ተሓጋዚ ክረአ እንተሎ እኹል ስለዘይኮነ ህዝቢ ነንበዓርሱ ክተሓጋገዝ ይግባእ፤ ምኽንያቱ እዚ መንግስቲ ጥራሕ ክሽፍኖ ኣይኽእልን:: ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ሓገዝ ዝደሊ ህዝቢ ኣሎ:: መንግስቲ ኣብ ኣተገባብርኡን ቕልጥፍንኡን ግና ብኣወንታዊ መልክዕ ዝረአ ‘ዩ::

ኣብዚ ንኹሉ ፀገም መንግስቲ ጥራሕ ክሽፍኖ ስለ ዘይኽእል ካልኦት ውልቐ ኣካላት ‘ውን ሓገዞም ከጠናኽሩ ኣለዎም:: በርግፅ ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሰላም ይኹን ኣብ ፀገም እናተደጋገፈ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ክልመድን ቐፃሊ ክኸውንን ኣለዎ:: ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም እቲ ሰላም ክፀንዕ እንተኾይኑ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ህወሓት ብቖራፅነት ክሰርሑ ኣለዎም። እቲ ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ካብ ህዝቢ ትግራይ ሓሊፉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ርኡይ ረብሓ ኣምፂኡ ‘ዩ::

ካሊእ እቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ዓመትን መንፍቅን ኮይንዎ ኣሎ። እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ናይ ስምምዕ ፌርማ እንትስማዕ ንኢትዮጵያውያን ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ብስራት ዘበሰረ ነይሩ።

ነቲ ስምምዕነት ተኸቲሉ ቶኽሲ ጠጠው ምባሉ ናይ ብዙሓት ህይወት ዘድሐነ ነይሩ:: እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝነብሩ ዜጋታት ካብ መከራን ስቃይን ዘድሐነ ነይሩ። ብዙሓት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስራሕ ንክጅምሩ ኣኽኢሉ ‘ዩ።

እቲ ስምምዕነትን ኣተገባብርኡን ክረአ እንተሎ ዝተወሰኑ ዘይተመልኡ ኣለውዎ፤ ንሱ ‘ውን ኩሎም ተፈናቐልቲ ናብ ቦተኦም ዘይምምላስ፤ካሊእ መሊእኻ ዕጥቂ ዘይምፍታሕ ‘ዩ:: ምፍራም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብርሰትን ዕንወትን ሂወትን ሃፍትን ደቂ ሰባት ደው ዘበለ ጥራሕ እንተይኮነስ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ልምዓት ኾነ ሰላማዊ ምንቕስቓስ ዝሕሰብ ኣይነብረን።

እቲ ዝነበረ ዕንወት ብገንዘብ ጥራሕ ዝትመን ኣይነበረን። ብዙሓት ሰላማዊያን ዜጋታት ሞይቶም ‘ዮም:: በዚ መሰረት ብዙሕ ሰብ ኣብ ምጭንናቕ ውሽጢ ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ስምምዕ ኣብ ስቃይ ውሽጢ ንዝነበረ ሕዝቢ ዓብዪ እፎይታ ፈጢርሉ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕ ሰላም እዚ ፖለቲካዊ ፀገም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ዝኽእል ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ዝብሉ ሙሁራን ኣለዉ፤ ንሶም ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ ተዘካፍሉና፤

ኮማንደር ገብረመስቀል፡– እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ይኹን ንኣፍሪካ ብዙሕ ትምህርቲ ዝሃበ ‘ዩ። ምክንያቱ ድማ ብቀሊሉ ምትእምማን ምፍጣር ከቢድ ‘ዩ:: ብፍላይ ፖለቲካዊ ፀገም ብፖለቲካዊ ዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዓቢ ኣለዎ፤ እዚ ንኻልኦት ዕጡቓት ሓይሊታት ‘ውን ትምህርቲ ዝህብ ኮይኑ ነዚ ክኽተልዎ ድማ ኣለዎም::

እዚ ከም ባህሊ ክውሰድ ኣለዎ:: ብኹናት ዝፍታሕ ነገር የለን:: ኩናት ናብ ዝገደደ ፀገም ‘ዩ ዘአትወካ:: እዚ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ብስምምዕነት ደው ምባሉ ወይ ምፍትሑ ዓብዪ ዓወትን ትምህርትን ‘ዩ::እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ተወሳኺ መከራን ስቃይን ዘድሐነ ‘ዩ::

በዚ መሰረት እቶም ሕዚ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ፀገሞም ብኸምዚ ክፈትሕዎ ኣለዎም:: ካብዚ ወፃኢ ካሊእ መፍትሒ የለን:: ካብ ኩናት ክሳራ እምበር ረብሓ የለን:: ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ነኒበዓልኻ ጎንፅን ውግእን ንብዙሕ ግዜ ዝተፈተነ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ከም ሃገር ክሳራ እምበር ጥቕሚ ኣይተረኽቦን:: ህይወትን ኣካልን ካብ ምብላዕ ኢሉ ‘ውን ንብረት ካብ ምዕናው ከም ሕዝቢ ዝተጠቐሞ ነገር የለን:: ካብ ኩናት ስቃይ እምበር ተትርፎ ነገር የለን:: ተስፋ መፃኢ ወለዶ ካብ ምጥፋእ ዘሓለፈ ጥቕሚ የብሉን::

ኩሉ ግዜ ፀገምካ ብዘተ ምፍታሕ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክቐርብ የብሉን:: ኩናት መግለፂ ድሕረት ‘ዩ፤ ስለዚ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንዝሓለፈ ጥራሕ እንተይኾነስ ንመፃኢ ወለዶ ‘ውን ዓብዪ ትምህርቲ ዝህብ ‘ዩ:: እቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ‘ውን ዓብዪ ዕረፍቲ ሂቡ ‘ዩ::

እቲ ስምምዕነት ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ መንግስቲ እቲ ስምምዕነት ካብ ዝኣተዎ ግዴታ ብዝሓለፈ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምጥንኻርን ኣድለይቲ ‘ዮም ዝበሎም ስጉምቲ ብተኸታታሊ ወሲዱ ‘ዩ:: ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ናብ ክልል ትግራይ ዝበፅሓሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ::

ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ፣ ኩሉ ግዜ ‘ውን ንገልፆ ‘ዩ፤መንግስቲ በቲ ኩናት ስዒቡ ተቋሪፆም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓታትን ወሃብቲ ግልጋሎታት፣ ንምፅጋንን መሊስኻ ክጅምሩ ኣብ ምግባርን ጠንኪሩ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ:: በቲ ስምምእ ሰላም መሰረት ብኽልቲኦም ወገን ዘይተፈፀሙ ነገራት ክፍፀሙ ኣለዎም፤ ብፍላይ ብስምምዕነት መሰረት ዕጡቓት ህወሓት ‘ውን ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም:: ተፈናቐልቲ መሊኦም ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም:: ኩሉ ነገር በቲ ስምምዕ መሰረት ተግባራዊ ምግባር ኣደላይ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ነቲ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሉ፣ መንግስቲ ኣብ ምቕራብ ፋይናንስን መሰረተ ልምዓት ኣብ ምፅጋንን ዝኸዶ ክያዶ ሕዚ ‘ውን ዝገብሮ ዘሎ ድጋፋት ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ፋይናስን ኢኮኖሚን ንምስላጥ መንግስቲ ብዙሕ ደገፍ ገይሩ ‘ዩ:: በጀት ካብ ምምዳብ ጀሚሩ ከንሪኢ ንኽእል ኢና፤ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ገይሩ ‘ዩ:: በዚ ምኽንያት ብዙሓት ፋብሪካታት ስሩዕ ምንቕስቓሳት እናገበራ ዋላ እንተኾና ኩሉ ተቀሪፉ ‘ዩ ምባል ግን ኣይከኣልን::

ቐንዲ ነገር እቲ ሰላም መሰረት እንተሒዙ ኣብከይዲ ኩሉ ክቕረፍ ተስፋ እገብር:: መንግስቲ ናይ ሰለም ረብሓ ዓብይ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ወፃኢ ብምውፃእ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ምንቕስቓስ ክምለሱ ገይሩ ‘ዩ:: ብዙሓት ኣወንታዊ ስራሕቲ ተሪሑ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ::

እዚ ሰላም ኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝፅበዮ ዝነበረ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ተግባራዊ ንክኾን ‘ውን ብወገን መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳርን ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም:: በዚ ድማ ዝተወሰነ ርሕቐት ንምጉዓዝ ዘኽአለ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ውፅኢት ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን::

ወጋሕታ፡- ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ ሓሳብ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ኣፋፃፅማ ስምምዕ ሰላም ተስፋ ዘለዎ ‘ዩ፤ ብዙሓት ለውጥታት ተራእዮም ‘ዮም:: ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ሰላም ተዘይተሓባበሩ ነይሮም ዝተመዝገበ ውፅኢት ክርከብ ኣይንተኸኣለን:: ብፍላይ ከምቲ ቐድም ዝበልክዎ መንግስቲ ብቖራፅነት ሰሪሑ ‘ዩ::

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ዝኸኣለ ህዝቢ ሓገዚ ስለ ዝኾነ ‘ዩ:: ሳላ እዚ ስምምዕ ሕዚ ንሪኦ ዘለና ሰላም ምረኣይ ክኢልና ኢና:: ኾይኑ ግና ህወሓት ነቲ ስልጣን ጠቕሊሉ ክሕዞ ክኢሉ ‘ዩ:: እዚ በቲ ስምምዕነት መሰረት ክስተኻኸል ኣለዎ:: ካልኦት ኣካላት ‘ውን ተሳተፍቲ ክኾኑ ኣለዎም::

እዚ ስምምዕ እዚ ንኻልኦት ዕጡቓት ‘ውን ትምህርቲ ዝህብ ‘ዩ፤ ካብዚ ክመሃሩ ይግበኦም፤ ስለዚ እዚ ስምምዕ እዚ ብዙሓት ኣወንታዊ ነገራት ሒዙ ዝመፀ ኮይኑ ካልኦት ጎንፅታት ንምፍታሕ መርኣያ ክኸውን ዝኽእል ‘ዩ:: በቲ ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ራህዋን እፎይታን ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ሰላም ብዝበለፀ ክፀንዕ ድማ ዝተረፉ ስራሕቲ ብምትሕብባር ክፍፀሙ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሕ የቕንየልና::

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 29 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You