ታሪኻዊን ባህላውን መስሕባት ትግራይ

ትግራይ መእተዊ በሪ ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት ‘ያ። ኣብ ዓለምና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኣመንቲ ዝነበርዎምን ዘለውዎምን ሃይማኖታት ኦሪት፣ ክርስትናን እስልምናን ብትግራይ ኣቢሎም ‘ዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝተጋፍሑ።

በዞም እምነታት ኣቢሉ ብዝማዕበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት፣ ንዕለታዊ ግልጋሎታቶም ይጥቀሙሎም ብዝነበሩ ሃይማኖታዊ ንዋት ኣቢሎም ንሃይማኖታዊ ስርዓቶም ዘዘኻኽሩ ሓድግታት ገዲፎም። ብኢድ ሰብ ተሰሪሖም ኢልካ ንምእማን ዘፀግሙን ግን ድማ ውፅኢት ኢደ-ጥበብ ዝኾኑን ስነ ህንፃታትን ካልኦትን ተጠቀስቲ ህያብ ቀዳሞት ወለዲ ተጋሩ ‘ዮም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ስልጣንኡን ምዕባልኡን ተኣሳሲሩ ሃፍታም ዝኾነ ባህሊ ከጥሪ ዝኸኣለ ህዝቢ ‘ዩ። ናይ ባዕሉ ፊደልን ፅሑፍን ኣማዕቢሉ ትውፊታቱ ብፅሑፍን ካልኦት ባህላዊ መግለፅታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከማሓላልፍ ዝኸኣለ ህዝቢ’ዩ። በዚ ድማ ኣብ ዓለምና ናይ ባዕልቶም ፊደልን ቁፅርን ካብዘለዎም ውሑዳት ህዝቢታት ሓደ ክኾን ኣኽኢሉዎ ‘ዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ሃይማኖታዊን ህይወቱ ዝተኣሳሰሩን ውፅኢት ምዕቡል ስልጣነ ከምዝኾኑ ዝተመስከረሎምን፣ ዝንቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን፣ ቁሳውን መንፈሳውን ሃፍትታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናሰጋገረ መፂኡ ‘ዩ።

ኣብዚ ዘፈር እዚ ዝካተቱ መስሕባት ምስ ጥንታዊ ታሪኸና ዝተኣሳሰሩ፣ ዘመናት ዘቑፀረ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ መነባብሮን ምዕባለታትን ትግራይ ዝግለፀሎም ሓድግታት ‘ዮም።  ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፣ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበረን ብሳይንሳዊ ምርምር ብግቡእ እናተገሃደ ዝመፅእ ዘሎን ኣርጂኦሎጂካዊ ሃፍቲ ይርከብ።

ምስ ጥንታዊ ስልጣነ ይሓ /ደኣማት/ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ከባብታት ዝርከቡ ከምኒ ቤተ ሙክራብ ይሓ ቤተ ሙክራብ ዓዲ ኣካውሕ፣ ምስ ስልጣነ ኣክሱም ዝታሳሰሩ ሓወልትታት፣ ኣብያተ መንግስትን መቓብራትን፣ ካብ መበል ራብዓይ ክሳብ መበል 15 ክፍለ ዘበን ብዘገርም ጥበብ ዝተሃነፁ ልዕሊ 120 ውቅር ኣብያተ ክርስትያን፣ ንልዕሊ 1000 ዓመት ግልጋሎት ክህብ ዝፀንሑ ገዳማትን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ንዋየ-ቅዱሳትን ተጠቀስቲ ታሪካዊ መስሕባት ትግራይ ‘ዮም።

ባህሊ መግለፂ መነባብሮ ደቂ ሰባት ‘ዩ። ሰባት ኣብ መንጎኦምን ምስ ካልኦትን ብዝገብሩዎ መስተጋብር ንመንነቶም ዝገልፅን ናተይ ኢሎም ዝኾርዑሉን ባህሊ፣ ብኻልእ ገፅ ድማ ምስ ካልኦት ዘመሳስሎምን ዘወሃህዶምን ሓባራዊ ባህሊ እናማዕበሉ መፂኦም ‘ዮም። ብምዃኑ’ውን ብኣከባብራ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ብኣከዳድናን ኣጋያይፃን፣ ብኣመጋግባን ምትሕግጋዝን ወዘተ ኣቢሎም ዝግለፁ ባህላዊ ሃፍትታት ብዙሓት ‘ዮም።

ካብዚኣቶም ውሽጢ ደሚቖም ዝኽበሩ በዓላት መስቀል፣ ጥምቀት፣ ሆሳእና፣ ኣሸንዳ ወዘተ ተጠቀስቲ ባህላዊ ሃብትታት ‘ዮም። ኣከዳድናን ኣገያይፃን ወይዘራዝር ትግራይ፣ ከም ጥሕሎ፣ ሕብስቲ፣ ግዕዝም፣ ብርኩታ ወዘተ ዝበሃሉ ዓይነታት መግቢ ተጠቀስቲ ባህላዊ መስሕባትና ‘ዮም።

ብተፈጥሮ መስሕብ ‘ውን እንተኾነ ካብ ሞንጎ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ እቶም ኣብ ከባብታት ዓድዋ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሰለኽለኻ፣ ሽረ፣ ዶግዓ ተምቤንን ምዕራባዊ ማይፀብርን ዝርከቡ ብእሳተ ጎሞራ ዝተፈጠሩ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኣብ ቅድሚት ይስርሑ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባብታት መቐለ፣ ውቕሮ፣ ዓዲግራት፣ ሓውዜንን ገርዓልታን ካብ ተደራራቢ ከውሒ ዝተፈጠሩ ርኢኻዮም ዘይምነዉ ግድምታትን እምባታትን ይርከቡ። ኣብ ከባብታት ቆላ ተምቤንን ሽንጥሮ ተከዘን ድማ ሜታሞርፊክ ካብ ዝተባህለ ከውሒ ዝተፈጠሩ ሰሓብቲ ግድምታት ንረክብ።

መረዳእታታት ታሪኽ ከምዝሕብርዎ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንቶም ፈላሞት 1100 ዓመታት ብደረጃ መሪሕነት መበቆል ጥንታዊት ስልጣነ ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል ‘ያ። ቐፂሉ ድማ ምስ ካልኦት ከባብታት በቢተራ ኣካል መሪሕነትን ተመራሓይነትን እናሓዘት ዝመፀት፤ ብሓፈሽኡ ንልዕሊ 3000 ዓመታት ዘየቋረፀ ሃፍቲ ታሪኽ፣ ቅርስን ጀግንነትን ዝወነነት ክልል ‘ያ።

ብምዃኑ ድማ ትግራይ ንንውሕ ዝበሉ ዘመናት ኣብ ጓጓኣ ሓልያ ዘንበረቶም ሓድግታት ንተመራመርቲ ታሪኽን በፃሕቲ ዓድን ገፀበረከት ዝኸውን ዘደንቕን ዘደምምን ውፅኢት ጥበብ ዝኾነ ዉህብቶ ሒዛ ንልምዓት ሃገርን ዕብየትን ዓብይ ኣበርክቶ ንዝህልዎ ቱሪዝም ካብ ምንም ግዘ ንላዕሊ ድልውቲ ኮይና ትርከብ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You