ዋሕስ ሰላም ህዝቢ እዩ

መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብ ዳግም ህንፀትን ሰላምን ትግራይ ትኹረት ገይሮም እናሰርሑ እዮም። ይኹን’ምበር ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ፀገም መንግስቲ በይኑ ዘይኮነስ ተጋሩ ተወዲቦም ህዝቦም ክሕግዙን ኣጆኻ ክብልዎ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ’ውን ባዕሉ ጠንኪሩን ተወዲቡ ክተሓጋገዝ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ሰላም ክልል ትግራይ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ።

መንግስቲ ፌደራል ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ሰላም ንምምላስ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ምልሻታትን ዕጡቓት ዕጥቖም ብምፍታሕ ናብ ሰላማዊ መነባብርኦም ንክምለሱ ተገይሩ እዩ። ምምሕዳር መሊስኻ ኣብ ምጥያሽ ስራሕቲ’ውን ካብ ክልል ቢሮታት ጀሚሩ እስካብ ዞባታታ፤ ወረዳን ጣቢያን መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም።

ዋላ’ኳ ስራሕቲ ዳግም ህንፀትን ምጥያሽን ይሰርሑ፤እቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ኩነታትን ዝተረጋግዐ ሰላም ዘይምህላውን ብዝተፈለየ መልክዑ ዘተሓሳስብ እዩ። ስለዚ ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕን ምፍታሕን ይግባእ። ኣብዚ ከይዲ ኩሉ ትግራዋይ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ። ንሰላም ቐዳምነት ሂቦም ክሰርሑ’ውን ግድን እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ታሪኹ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ፀገም እዩ ኣጋጢምዎ ዘሎ። ስለዚ ካብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ንምውፃእን ናብ ንቡር ሰላሙን ልምዓቱን ንክምለስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ይግባእ። መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክረባረቡ ይግባኦም።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ፍቕርን የድልዮ። ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኾይኑ ብስኒት ኽነብርን እቲ ዝተጎድአ ስነ ልቦንኡ ክፅገን ኣለዎ። ነቲ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ድማ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ከም ቀደሙ ብኹርዓትን ሓቦን ጠጠው ንክብል በቐዳምነት ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ፣ ከምኡውን ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ፌደራል መንግስቲን ዓለም ለኸ ትካላት ተዋዲዶም ንሰላም እቲ ክልል ክረባረቡ ኣለዎም።

ህዝቢ ትግራይ ሓደ ክርድኦ ዝግባእ ዝኾነ ፓርቲ ይፍጠር፣ይመውት። እዚ ዘይተርፍ ዑደት እዩ። ኩል ግዜ ለውጢ ኣሎ። ለውጢ ምዕንቃፍ’ንበር ደው ምባል ኣይከኣልን። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ ነቲ መፂኡ ዘሎ ለውጢ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢሉ ምስቲ መንግስቲ ፈደራልን ክልልን ክሰርሕን ናብ ንቡር ሰላሙ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክምለስ ይግብኦ። እቲ ዘይምርግጋዕን ስእነት ሰላምን ብዝተናውሐ ቑፅሪ ዝጉዳእ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሰራሕ ግድን እዩ። ኣብ ቐንዲ ተዋሳኢ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ። ዋሕስ ሰላሙ ባዕሉ ክኸውን ኣለዎ።

ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ከምዘርእየና ለውጢ ዝደልን ንምልዋጥ ዝፅዕርን ህዝቢ ምዃኑ እዩ። እዚ ታሪኹ እቲ መፂኡ ዘሎ ለውጢ ብኣግባቡ ክጥቀመሉን ቐልጢፉ ሰላም ከባቢኡ ብምውሓስ ናብ ልምዓትን ለውጥን ክኣቱ ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ክወፅእ ስለዝግብኦ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ስራሕ ፈጣራይ፣ተመራማራይ፣መሃዛይን ክኸውን ይግባእ።ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ድኽነት ዘይሰዓረ ህዝቢ ክብረት የብሉን። ስለዚህ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ድኽነት ንምውፃእ ሓያል ፃዕርን ምድግጋፍን ይጠልብ። እዚ ኩሉ ንክህሉ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ሰላም ስለዘድልዮ ኩሉ ንሰላም ክረባረብ ኣለዎ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥትኦም ንምምሕያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክትል ዋና ስራ ፈፃሚን ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ፀጥታ ኮሚሽነር ግርማይ ካሕሳይ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም እዮም። ኩነታት ፀጥታ ብምምሕያሽ ሕብረሰተብ ባዓልዋና ሰላም ንምግባር እናተሰርሐ እዩ።

ኣብ ትግራይ ፀጥተኦም ኣብ ዝተመሓየሹ ከባቢታት መናእሰይ ናይ ማሕበረሰብ ፖሊስ (ኮሚኒቲ ፖሊሲንግ) ንክውደቡ ብምግባር(ኣብ መቐለ፣ማይጨው፣ዓዲግራትን አክሱምን) ዋሕስ ሰላም ባዕሎም ንክኾኑ እናተሰርሐ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ንሰላሙ ተሓባባሪ ክኾን ኣለዎ።

ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣፀጋሚ ኩነታት ንምፍታሕ ሰላም ወሳናይ እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ፤ኣብ ሕርሻ ኮነ ኣብ ካልኦት ንጥፈታት ሰብ ከምድሌቱ ተንቀሳቒሱ ንክሰርሕ ሰላም የድሊ። ግልጋሎት ጥዕናን ትምህርትን ንምርካብ ሰላም ግድን እዩ። ሰላም ናይ ኩሉ መሰረት እዩ። ስለዚ ሰላም ብፃዕሪ መንግስቲ ጥራሕ ኣይመፅእን። ህዝቢ ተሓባባራይ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ዋሕስ ሰላም ባዕሉ እዩ። ስለዚ ሰላም ትግራይ ውሕስ ንክኾን ህዝቢ ዘይትካእ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ። ኣንፃር ሰላም ንዝኾኑ ሓይልታት ክቓለሶም ኣለዎ። ፡ናብዚ ኩሉ ፀገም ንክኣቱ ምኽንያት ንዝኾኑ ጉጅለ ህወሓት ተሓባባሪ ክኸውን የብሉን።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You