‹‹ሃገራዊ ምርድዳእ እንተተፈጢሩ ፖለቲካ ንቲ ኢኮኖሚ ንክኽተል ዝግደደሉ ብርኪ ክበፅሕ እዩ ›› ኣይተ ብርሃነ መዋ ነበር ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣይተ ብርሃነ መዋ ንዓሰርተ ሽድሽተ ዓመታት ናብረኦም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ገበሩ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም:: ቐደማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ሃረር፣ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ደብረማርቆስ ከተማ ምስ ተምሃሩ ካብ ኢኒስቲትዩት ፖሊ ቴክኒክ ባህርዳር ብኬሚስትሪ ዲፕሎማ ረኺቦም እዮም:: ብምቕፃል ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብኬሚስትሪ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺቦም ንዓመታት ተቆፂሮም ሰሪሖም እዮም:: ኢንተርፕረነር እዮም:: ፖሊ ኢንዳስትሪያል ኬሚካልስ ዝበሃል ትካል መስራቲ እንትኾኑ፣ ኣብ ማሕበራዊ ተሳትፎ ‘ውን ማሕበር ሞያተኛታት ኬሚስትሪ ኢትዮጵያ ፕሬዚደንት ንኣርባዕተ ዝተፈላላዩ እዋናት ተመሪፆም ሰሪሖም እዮም:: ማሕበር ውልቀ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ውሽጢ ብፀሓፊነትን ብዋና ፕሬዚዳንትነት ኣገልጊሎም እዮም:: ቐፂሉ ድማ ካብ ሃገር ክሳብ ዝወፅሉ እዋን ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ብፕሬዚዳንትነት እናገልገሉ ፀኒሖም እዮም:: ካብ ሃገር ምስ ወፁ ድማ ፓርቲ ቅንጅት ብምእታው ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጣየሸ ፓርቲ ዋና ፀሓፊ ኾይኖም ንዓመታት ሰሪሖም እዮም:: ኣይተ ብርሃነ መዋ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝገበርዎ ቃል መሕትት ንጋዜጣና ብዝጥዕም ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ!

ሕቶ፡-ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በብዘመኑ ዝነበሮ ገፅታ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ብርሃነ፡– ብዛዕባ ሃገርና ኢኮኖሚ ኣጠቓሊልካ ምዝራብ ይኸብድ እዩ:: ብዛዕባ ኢኮኖሚ እንትንዛረብ ግና ኢኮኖሚ ምስ ሃገርና በዝሒ ህዝቢ ምስ ዓለምለኸ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ይራኸብ እዩ:: እዚ እንተይልና ኣብ ቐዳማዊ ሃይለስላሴ እዋን በዝሒ ህዝቢ ውሑድ እዩ ነይሩ:: ኣብዝሓ ህዝቢ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ እዩ:: ኢንዱስትሪ ብዙሕ የለን:: ዝነበረ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ:: መካናይዝድ ሕርሻ’ውን ገና ኣብ ምጅማር እዩ ነይሩ:: ቀፂሉ ዝመፀ ደርጊ ድማ ኣንፈት ኢኮኖሚ ከም ዝመሰሎ ክቕይር ክኢሉ እዩ:: ሶሻሊዝም ዝተኸተለ ሃፍቲ ምፍራይ ፣ምእካብ ንብረት ፣ ሰብ ቖፂርካ ምስራሕ ከም ወንጀል ዝረኣየሉ ዝነበረ ስርዓት እዩ ነይሩ:: ኣብቲ እዋን ኢንዱስትሪ ምዕባይ ኣይኻኣለን::

ኣብ ግብርና ከባቢ ዘሎ ስሪት መሬት ብምቕያር ህዝቢ ብዓል ዋና መሬት ንምግባር መሬት ንሓራሲኡ ተግባራዊ ንምግባር ደርግ ዝኸደሉ መገዲ ዘምፅኦ ውፅኢት መሬት ንዝሓረሶ እንተይኾነስ ንመንግስቲ ገይርዎ እዩ:: ምስ መሬት ብዓልዋናነት ዘሎ ፀገም ኣይቐረፎን::ኢንዱስትሪ ኣይዓበየን፣ ኢንዱስትሪ እንተነበረ’ውን መንግስቲ ንክቆፃፀሮ ይግበር እዩ ነይሩ:: ስለዚ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣይነበሩን:: ኣብ እዋን ደርጊ ፅቡቅ ዝባሃል ነገር ዝተፈጠረ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ናይ ምውህሃድ ኩነታት ኣይራኣይን ነይሩ:: ምንዛሪ ወፃኢ ምርካብ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ኣቅሓ ምእታው ኣይካኣልን፤ ኣቅሓ ናብ ወፃኢ ወሲድካ ኣቅሓ ምሻጥ ኣይካኣልን:: እዚ ብፍላይ ኣቕሓ ምእታው ዘይምኽኣሉ ምንዛሪ ወፃኢ ጉድኣት ምብፅሑ ከምዘሎ ኾይኑ አብ ሃገር ውሽጢ ብዙሓት ነገራት ምስራሕ ስለዝተሞከረን በዚ ድማ ዕብየት ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ::

ማሕበረሰብ ካብ ወፃኢ ዝኣትወሉ ኣቕሓ ብዘይምህላዩ ቴክኒክን ሳይንሳዊ ፍልጠት ምጥቃም ጀሚሩ እዩ:: ርክብ ኢንዱስትሪን ዩኒቨርሲቲን ንክህሉን ስራሕቲ ዕብየት በቢቦትኡ ንክህሉ ገይሩ እዩ:: ኣነ’ውን ናይዚ ዕድል ተጠቃሚ ነይረ እየ:: ኣነ ናይ ውልቀይ ስራሕ እትጅምር ምንም ነገር ምእታው ስለዘይካኣል ኣብ ሃገር ውሽጢ ካብ ዘሎ ካብ ዝወደቑ ብረታ ብረት ንብዙሕ ፋብሪካታት ፀገም ዝፈትሕ መለዋወጢ ኣቕሓ ዘምርት ኩባንያ ንክህሉ ኾይኑ እዩ:: ፋብሪካ ዓለባ፣ ቢራ፣ ለስላሳን ካልኦት ትካላትን ዓሚላት ነይሮም:: እዚኦም ትካላት ዝሰርሑ 24 ሰዓት እንትኸውን ዘለዎም መሳርሒ እንትስበር መለዋዋጢ ኣቕሓ ብፍላይ ድማ ምስ ሃይድሮሊክ ዝተትሓሓዘ እንተኾይኑ ኦሮንግ የድልዮ እዩ:: እዚ ቐለበት ጎማ ተዘይተረኺቡ ፋብሪካ ጠጠው ክብል እዩ:: ኣብዝሓ ካብ ወፃኢ ሃገር እንትመፅእ ግና ናይ ሃገርና ሓደ ሓደ ፋብሪካታት ማሽን ምስራሕ ጠጠው ብምባሎም ኣቅሓ ወይም መለዋዋጢ ምርካብ ኣፀጋሚ እዩ:: እቲ ትካል ኣታዊኡን ፍልጠቱን ብምጥቃም ሪቨርስ ኢንጂነሪንግ ገይሮም እቲ ኣቕሓ ኣምሲሎም ብምስራሕ ፋብሪካታትን ብዓል ዋና መኪናን ስረሖም ንክቕፅሉ እቲ ፋብሪካ ካብ ምዕፃው፣ ሰራሕተኛ ስራሕ ካብ ምስኣን፣ ተጠቃሚ ድማ ካብ ኣታዊ ምንኣስ ብምድሓን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ዝገብርዎ ግደ ቀሊል ኣይነበረን::

ኣብቲ እዋን ሃገራዊ ዝኾኑ ኢንዱስትሪታት ክበዝሑ ኾይኑ ነይሩ:: ፋብሪካ ሳሙና፤ መጋገሪ ባኒ፤ መፅሞቒ ዘይቲ ዝኣመሰሉ ንክህልዉ ኾይኑ እዩ:: ብሓፈሻ ዕብየት ኢኮኖሚ እንትንምልከት ብብርኪ መንግስቲ ስር ዝሰደደ ኣይነበረን:: ሃፍቲ ብምእካብ እንተኾነ’ውን ሰበ ስልጣን ደርጊ ካብ ካልኦት ሕብረተሰብ ክፍሊ ዝተፈለየ ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ኣብ ባዕሎም ኾነ ኣዝማዶም ኣይነበረን:: ኣብ መወዳእታ ኸባቢ ሕዋስ (ቕይጥ) ኢኮኖሚ ዝብል መንግስቲ ጥራሕ እንተኾይነስ ውልቃዊ ሰብ ሃፍቲ’ውን ኢኮኖሚ ውሽጢ ምእታው ንክኽእል ምዃኑ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ካፒታል ኢንቨስት ምግባር ምፍቃዱ ዝተፈላለዩ ሆቴላት ከምኡ’ውን ዝተወሰኑ ኢንዱስትሪታት ንክራኣዩ ገይሩ እዩ::

ኢህወዴግ እንትመፅእ ስርዓት መሬት ዝምልከት ምንም ለውጢ ኣየምፀአን:: እዚ እንትበሃል መሬት ብመንግስቲ ትሕዝቶ ዝነበረ ኣማሓይሹ ጉጅለታት ማለት ‘ውን ኣብ ትሕቲ ትሕዝቶ ብሄራት ገይርዎ እዩ:: ብሓፈሻ ትሕዝቶ መሬት እንትንምልከት መጀመርያ ሰብ ሃፍቲ ፣ ቐፂሉ መንግስቲ፣ ቐፂሉ ደማ ብሄራት ኾይኑ:: በዚ ኹሉ መገዲ እንትኽይድ ውልቀ ሰብ የለን፣ ኣይረኣይን:: እዚ ማለት መሬት ንሓራሲኡ ዝብል ሕቶ ክሳብ ኸዚ ከምዘይተመለሰ ዘርኢ እዩ::መሬት ድማ መሰረታዊ ጉልበት ኢኮኖሚ ዝፈጥር ነገር ብምዃኑ በዚ ልክዕ ፀገሙ ምሉእ ብሙሉእ ኣይተቐረፈን::

ኢህወዴግ ምስ መፀ ኣብ እዋን ደርጊ ዝተጀመሩ ፕሮጀክት፣ ዝተፀንዑ ፅንዓት ኣብኣቶም እዩ መልዓሊ ገይሩ ዝተልዓለ:: ብናተይ እምነት ኢህወዴግ እንትመፅእ ሃገር ብሓይሊ ንምምሕዳር ከቢድ ከምዝኾነ ምስተገንዘበ ብሓይሊ ምቕፃል ከም ዘይካኣል እንትፈልጥ ልዕልነት ኢኮኖሚ ብብርኪ ፓርቲ የድሊ እዩ ኢሉ ኣሚኑ:: ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብዚኣቶም ብሄራት ዝተውሃደ ኣካላት ፓርቲ ማለት ‘ውን እኒ ህወሓት፣ ብኣዴን፣ ኦህዴድ፣ደኢህዴን ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ንክኣትዉ ብምግባር ኢኮኖሚ ኣንፈቱ ንክቕይር ገይርዎ እዩ::

ካልእ ነጋዳይ ምስኣቶም ንክወዳደር ኾይኑ እዩ:: እዚ ማለት ፓርትታት ትካል ኢኮኖሚ ምምሕዳር፣ ፖለቲካውን ኢኮኖምያ’ውን ሓገዝ ሓበሬታ ንክህልዎም ኾይኑ ጠንካራ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ንክህልዎም ተገይሩ እዩ:: ካልኦት ነጋዶ ምስኣቶም ምውድዳር ጎቦ ከም ምድፋእ ኾይንዎም ነይሩ:: ካብኡ ሓሊፉ መንነት መሰረት ዝገበረ ምእካብ ሃፍቲ ቐፂሉ እዩ:: እዚ እንትባሃል ብዝምድና፣ ብዕርክነት ካብኡ ሓሊፉ ብባዕሎም ብዙሓት ፎቃት ምስ ሰበ ስልጣናት ዝተተሓሓዙ እዮም:: እቲ ተራ ነጋዳይ በዚ መገዲ ምኻድ እንትደሊ ዝድግፎ ሰብ ክህልዉ ኣለዎ:: ብትኽክለኛ ኣካይዳ ተጠናኺሮም ሰሪሖም ዝወፁ የለዉን ማለት ኣይኮነን:: ግና ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዕብየት ኢኮኖሚ ፍትሓዊ ንከይኾን ገይርዎ እዩ:: ብዙሓት ብመንነቶም ፅዕንቶ እናተገበረሎም ካብ ፀወታ ወፃኢ ንክኾኑ ተገይሩ እዩ:: ብሓፈሻ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣሎ፣ግና ፍትሓዊ ኣይኮነን::

ሕቶ፡- ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንኻልኦት ሃገራት’ውን ዝተርፍ ከምዝኾነ ሰብ ሞያታት ይገልፁ እዮም፤ካብዚ ሃፍቲ ምጥቃምን ዕብየት ምምዝጋብን ዘይካኣልና ንምንታይ እዩ?

ኣይተ ብርሃነ፡ -ኣነ ዝመስለኒ ፖሊሲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምንኣስ ይመስለኒ:: ንኣብነት ኣብ እዋን ደርጊ ኮማንድ ኢኮኖሚ እዩ ነይሩ:: ዕብየቱ’ውን ብኡኡ ልክዕ እናጠፍአ ነይሩ:: ኾይኑ ግና ሕርሻ ንምጥያሽ ሞኪሮም እዮም:: እዚ እውን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር መንግስቲ ብምንባሩ መበረታትዒ ኣይነበሮን:: ኣብ ኹሎም መንግስታት እዋን ሓደሽቲ ትልሚ እዮም ዝትለሙ:: ማለት’ውን ግድብ ህዳሰ ቐዳማዊ ሃይለስላሴ ተተሊሙ ኣይተ መለስ ኣጀሚረምዎ ኸዚ ንምውዳእ እናተደኸመሉ ዘሎ እዩ:: ኹሉ መንግስታት ሃገርና ዘለዋ ዓቕሚ ተፈጥሮ ሃፍቲ ንምጥቃምን ናብ ስራሕ ንምትርጓም ዘኽእሉ መፅናዕቲ ኣብ ቐዳማዊ ሃይለስላሴ ዝተጀመረ እዩ:: እዚኦም ናብተግባር ንምቕያር ግና ዓቕምን ቁርፀኝነትን ይሓትት እዩ::

ንኣብነት ኣብ እዋን ኢህወዴግ ‹‹ለም ኢትዮጵያ›› ዝባሃል ትካል ነይሩ:: እዚ ትካል ብነበር ፕሬዚዳንት ግርማ ወልደጊዮርጊስ ዝምራሕ እዩ ነይሩ:: ኣብዚ ማሕበር ውሽጢ ሰብ ፈልሲ ምትኻል ባህሊ ገይሩ ብዙሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ዝነበሩ እንተኾኑ’ውን ኣይተሳኸዐን ነይሩ::ኸዚ ብዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብስፍሓት እናተሰርሐሉ እዩ:: መልዓሊኡ መዓዝ ይኹን መዓዝ ንምዝዛም ናብ ስራሕ ምእታው ቆራፅነት የድሊ እዩ::

ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣለና፤ ሃፍቲ ተፈጥሮና ከመይ ንጥቀም ከምዘለና ንፈልጥ ኢና::ኾይኑ ግና ሃፍቲ ንምጥቓም ከመይ ንግበር ዝብል ሕቶ እዩ ዝነበረ:: ኸዚ ግና ሃፍቲ ተፈጥሮና ከይዲ ምጥቃም ዝሓሸ ከምዝኾነ እዩ ዝረአ ዘሎ:: ኢህወዴግ ግብርና ዝመርሖ ኢኮኖሚ ኢሉ ዝተወሰነ እንተኸደ’ውን ብዙሕ ውፅኢት ኣየምፀአን:: እዚ ንምንታይ እዩ ኢኮኖሚ ግብርና ምምራሕ ስለዘሎ እዩ::ኸዚ ኣብ ዙርያ ግብርና ዝተሰርሑ ዘለዉ ብዙሓት ስራሕቲ ኣለዉ:: ክሳብ ኸዚ ኣብ ኢድ መንግስቲ እዮም ዘለዉ:: ህዝብን ሰብ ሃፍትን ከምኡ’ውን ተጠቃሚ ማሕበረሰብ ዘካተተ እንትኾን ዝሐሸ ሃፍቲ ሃገር ተጠቒምካ ዕብየት ምምዝጋብ ይከኣል እዩ::

ካልእ ድማ ሕቶ መንነት ካብ ውልቀ ሰብ ምብላፁ መሰል ውልቀ ሰብ ንኢሱ ምርኣዩ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብግቡእ ንዘይምጥቃም ምኽንያት እዮም:: ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝበፅሐ ዕንወት ናይዚ ፀገም ውፅኢት እዩ:: እዚ ፀገም ኣብ ኢኮኖሚ ፅዕንቶ ይፈጠር እዩ:: እዚ ካበይ ዝተልዓለ እዩ እንትብሃል ናይ ውልቀ ሰብ ሕቶ ተሸፊኑ ሕቶ ብሄር ብምውፅኡ እዩ:: ንኣብነት ግድብ ህዳሰ እንትንርኢ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝኾርዐሉ እንትኾን፣ ሕቶ ብሄር እንትላዓል ፀገም ኣሎ፤ እቲ ቦታ ናይ ሓሙሽተ ብሄራት ተባሂሉ ቦታ ብሕገ መንግስቲ ስለዝተውሃበ ሃገራዊ እዩ ንምባል ዕንቅፋት ኣሎ:: ኢኮኖሚን ሃገሩን እናሓመሰ ዝርከብ ኣመለኻኽታ ብሄር እዩ:: ከም ህዝቢ እንትረአ ግና ሕቶ ብሄር ዓብይ መሰናኽል ኢኮኖሚ እዩ::

ሕቶ፡- ኣብዚ ኸዚ እዋን መንግስቲ ሃገር በቖል ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ብምኽታል ዕውት ንምግባር ከምዝሰርሕ ገሊፁ እዩ፣ እዚ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡- መጀመርያ ሃገር በቖል ኢኮኖሚ እንታይ እዩ ?ሃገር በቖል እንትባሃል ቃሉ ደስ ይብል፤ግና ኣብ መሬት ሃገር በቖል ኢኮኖሚ ማለት ናይ ሃገረ ሰብ ሃፍቲ ምዕባይ ማለት ድዩ? ንምህርቲ ሃገር ቐዳምነት ምሃብ ማለት ድዩ ? ካብ ወፃኢ ዝመፁ ብሃገር በቖል ምትካእ ማለት እንተኾይኑ ዓብይ ነገር እዩ:: ክሪኦ ከለኹ ግና እሱ ኣይመስለንን፤ ሃገር በቖል ኢኮኖሚ ማለት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እንተኾነ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝስራሕ ነገር ከም ሃገር በቖል ንክሕሰብ ዝገብር እዩ::ሓደ ኣቕሓ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምስርሑ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ካልእ ኣቕሓ ዝሓሸ ሓገዝ ይግበረሉ ድዩ? ሕቶ እዩ:: ግና ኸዚ ጠቕሊሉ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ውሽጢ ንምእታው እዩ ኣብ ምድላው እንርከብ:: ትካል ንግዲ ዓለም ድማ ሃገር በቖል ነገር ንምዕባይ ኣይፈቅድን:: ነዚ እዩ’ውን ኣሜሪካውያንን ኣውሮፓውያንን ናይ ባዕሎም ፋብሪካታት ዝድግፉ፤ ስለዚ ትርጉሙ ይጠቅም ኣይጠቅምን ዝብል ሓሳብ ለውጢ ንክህሉ ይገብር እዩ:: ሃገር በቖል ኢኮኖሚ ማለት ኣብ ሃገር ውሽጢ ዝምረቱ ኣቑሑ ካብ ወፃኢ ተወዳዳሪ ንምግባር ፅቡቕ እዩ ዝኸውን::

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘምርቱ ሰባት ክበረታትዑ ዝግበኦም እንትኾን ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝወዳደርሉ ዓቕሚ ተዝፍጠረሎም፤ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ብዝተወሰነ ቐረፅ ዝኣቱ እንትኸ’ውን፤ ተወዳደርቲ ንክኾኑ ድማ ንከምርቱ ዝገብሮም መንግስታዊ ሓገዝ ተጠቒሞም እዩ ክኾን ዘለዎ:: እዚ ምንም ሓገዝ ዘይብሉ ፋብሪካ እንትወዳደር ሚዛኑ ዘይሓለወ እዩ ዝኸውን:: ሃገር በቖል ኣብ ላዕሊ ከምዝበልክዎ ተተረዲእናዮ ግና ንሃገር ኢኮኖሚ ጠቃሚ እዩ::

ሕቶ፡- ኣብ ሃገርና ምጥፋእ ሰላምን ዝተረጋገዐ ፖለቲካዊ ስርዓት ዘይምህላዉ ኣብ ኢኮኖሚ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከመይ ይግለፅ?

ኣይተ ብርሃነ፡– ምንም ሕቶ ኣየድልዮን:: ሰላም እንተዘይሃልዩ ኢኮኖሚ የለን::ሓደ ፀገም እንትፍጠር መንገዲ እዩ ዝዕፀው፤ መንገዲ እንትዕፆ ኢኮኖሚ እዩ ዝብደል፤ ነጋዲ፤ ዝሸይጥ ፤ዝቕበል ብዓል መኪና ኹሉ በቢብርኩ ተጎዳኢ እዩ:: እዚ ካብ ምምራት ክሳብ ተጠቃሚ ዘሎ ዕዳጋ ሰንሰለት እዩ ዘበላሹ፤ ሰላም ንኢኮኖሚ ወሳኒ እዩ:: ብዝተፈላለዩ ስእነት ሰላም ምሉእ ከተማ ዝዓነወሉ፤ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ዝተቃፀልሉ እዋን’ውን ነይሩ እዩ::እዚ ኹሉ ኣብ ኢኮኖሚ ፅዕንቶ ፈጢሩ ሓሊፉ እዩ::እዚ ድማ ፖለቲካዊ ብሄር ዘምፀኦ ፅዕንቶ እዩ:: እዚ ፖለቲካ ስርዓት ተዘይጠፊኡ ከምዚ ዓይነት ፀገማት ዘይምፍጣሮምን ዘይምድጋሞምን ርግፀኛ ምዃን ይኸብድ እዩ::

ሕቶ፡- ከም ቻይና ፣ሲንጋፖር ዝኣመሰሉ ሃገራት ኤስያ ንዕብየት ዝወሰደሎም እዋን ካብ ፍርቂ ምእተ ዓመት ዝነኣሰ እዩ፤በዚ መንፅር ንሕና ኸዚ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ተተረጋጊዑ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዚአን ሃገራት ናይ ምዃን ዕድል ኣለና ኢሎም ዶ ይሓስቡ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ምንም ጥርጥር የብሉን፤ ሃገርና ዓብይ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር እያ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዕብየት ምንም እዋን ኣይውድአሉን:: ዘርኢ ፖለቲካ እንድሕር ካብ ማእኸሉ እንተውፂኡ ጠንካራ ዝኾነ ህዝቢ ስለዘለና ዕብየት ኢኮኖሚ ክህሉ እዩ:: ሃገርና እቲ ሓደ ብዙሓት ዝተምሃሩ ሰባት ኣለዉዋ፤ ካልእ ብቐሊሉ ክመሃር ዝኽእል ህዝቢ እዩ ዘለዋ፣ ሳልሳይ ብሃይማኖት ምኽንያት ምክእኣል ኩነታት ኣለዋ እዩ፤ ስለዚ በዚኦም ምኽንያት ዝተወደበ ስራሕ ተተሰሪሑ ለውጢ ኣብ ሓፂር እዋን ይመፅእ እዩ::

ዘይምዕዳል ኾይኑ ሰናይ እሴታት እናተቐየሩ እዮም::ሰብ ተደፊኡ እንትስቀል ሰብ ከም ተመልካቲ ዝሪአሉ፤ ኣብ ኻሊእ ቦታ ዘለዉ ፀገማት ኣብዚ ዘሎ ሰብ ዘይሰምዐሉ ኩነታት እዩ ዘሎ:: ኸዚ ንባዕሉ ኣብ ትግራይ ዓብይ ፀገም ኣሎ፤ እቲ ኻልእ ህዝቢ ቐሊል ገይሩ እዩ ዝሓስቦ::ኸዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ብዝተፈላለዩ ብሄራት ብዙሕ ነገር እንትኾን ኣብ ባዕሉ ክሳብ ዝበፅሕ ሱቕ እዩ ዝብል:: ሓደ ህዝቢ ሓደ ኾይኑ ተዘይጠሪዑ እቲ ፀገም ዘይሩ ናብ ባዕሉ እዩ ዝመፅእ:: እዚ ፖሊሲን፣ ፖለቲካን፣ ብሓይሊ ስጉምቲ ክረአ ይግባእ:: ብዝተረፈ ግና ብብርኪ ዓቕሚ ሃገር ብቐሊሉ ተሎ እትዓብየሉ ዓቕሚ ኣለዋ:: ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ 20ዓመታት ዝተርኣየ ዕብየት ሓምሳ ሰላሳ ዓመታት ዝውድእ እዩ:: ዕብየቱ ፍትሓዊ ስለዘይኾነ ‘ምበር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ቀሊል ኣይኾነን።

ሕቶ፡- መሰረታዊ ፀገማት ስራሕቲ ንግዲ ኢትዮጵያ እንታይ እዮም፤መፍትሒኦምስ እንታይ እዩ ኢሎም ይሓስቡ?

ኣይተ ብርሃነ፡– ሰፊሕ ሕቶ እዩ:: መጀመርያ ናይ ሓደ ሃገር ሕግን ፖሊስን ኣብ ስራሕ ንግዲ ቀጥታ ፅዕንቶ ኣለዎም:: ስለዚ መሰረታዊ ፀገማት ተባሂሎም ኣብ መጀመርያ ዝቕመጡ ፀገማት ፖሊሲ እዮም:: ፀገማት ፖሊሲ ካብ እዋን ናብ እዋን ይቀያየሩ እዮም:: ኻልኣይን ዓብይ ፀገምን ምምሕዳራዊ ፀገም ሙስና እንትኾን ወገናውነት’ውን ካልእ ፀገም እዩ:: ሳልሳይ ፀገም እንብሎ ዓቕሚ እዩ:: ዓቕሚ ማለት ሕፅረት ካፒታል ምህላው ኣብ ዝስራሕ ስራሕ እኹል ፍልጠት ዘይምህላው’ውን ኣብ ስራሕ ንግዲ መሰረታዊ ፀገም እንትኾን፣ እዚ ኹሉ ሓሊፉ ዝምረት ምህርቲ’ውን ፀገም ዕዳጋ የጋጥሞ እዩ::

ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ዘሎ ነገር እንትንምልከት ኣብዝሓ ፍታሕ ንምሃብ ዝተሰርሐ ይመስለኒ:: ሕፅረት ኣቕርቦት ሸርፊ ወፃኢ ልዑል ምዃኑ ዘሕስብ እዩ:: ሸርፊ ወፃኢ ዝባሃል ኣብ ሃገር ውሽጢ ዝምረት ምህርቲ መንግስቲ ድጋፍ ብምግባር ናብ ወፃኢ ዝላኣኽ ኣቕሓ እንትበዝሕ ዓቕሚ ምውሳኽ ግዲ እዩ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ኣቕሓ ብብዝሓት’ውን ብፅሬትን ኣብዝሓ ኣቅሓ ኣብ ሃገር ውሽጢ ኣለዉ፡፡ ብኣንፃሩ ግና ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ፀገም ኣሎ:: ሸርፊ ወፃኢ ናይቲ ንግዲ ምንቅስቃስ ካብ ኸዚ ዝበለፀ ንክንቀሳቐስ ክኸውን ኣለዎ::

ሕቶ፡- ኣብ ሃገርና ዝነበሩ መንግስታት ንዘፈር ንግዲ ዝሃብዎ ትኹረት ከምይ ይሪእዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡– ብቀዳማዊ ሃይለስላሴ ግዘ ዘፈር ንግዲ ፅቡቕ ትኹረት ዝነበሮ ይመስለኒ:: ግና ኣብቲ እዋን ዝነበሮ ኣወዳድባ ሕብረተሰብ ብበዓል ቤትነት ብሓረስታይ ዝተኸፋፈለ ስለዝነበረ እቲ ንግዲ ብዝድለ ፍጥነት ንክኸይድ ኣይሓገዞን:: ኣብ እዋን ደርጊ ነቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ፅቡቕ ኣይነበረን፣ነጋዳይ ከም ሌባ ዝተቖፀረሉ፤ ሃፍቲ ምፍራይ ከም ገበን ዝቑፀረሉ ጊዜ እዩ ነይሩ:: ኣብቲ እዋን ግና ኹሉ ንከይጥቀም ዝገብር ኣስራርሓ ነይሩ:: ሃፍቲ ኣለዎም ዝባሃሉ ንባዕሉ ብኢድ ዝቑፀሩ እዮም::

ኣብ ዘመን ኢህኣዴግ ንነጋዶ ማሕበረሰብ ዝግበር ሓገዝ እንተይኾነስ ከም ንግዲ ማሕበረሰብ ተቖፂሩ ንትካላት ፓርቲ እዩ ሓገዝ ዝግበር:: ንሳቶም ካብ ዝግበኦም ንላዕሊ ሓቢጦም ነይሮም:: ቐፂሉ ንሰብ ስልጣናት ዓይኒ ዘውፀአ ሓገዝ ይግበር ነይሩ:: ኸዚ ኣብ ከተማና ዝራኣዩ ፎቓት ብሰብ ስልጣናት ስም ዝፅውዑ እዮም:: ናይ ሰላሳ ኣርባዓ ሚልየን ብር ህንፃ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ዘይመልእ ደሞዝ ዘለዎ ሰብ ክስራሕ እዩ ዝርአ:: ነጋዶ እናተሸማቐቐ ዝኸደሉ እዩ:: ብባዕሎም ፃዕሪ ተቓሊሶም ዝወፁ ከምዘለዉ ሓቂ እዩ:: ነጋዳይ ማሕበረሰብ ከም ሕብረተሰብ ንከይዓቢ እዩ እናተገበረ ዝነበረ:: ኸዚ’ውን ብዙሕ ምፍልላይ የብሉን::

ሕቶ፡- ኣብዚ ኸዚ ኣብ ሃገር ዘሎ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን እናወሰኸ ብምዃኑ ዜጋታት ንፀገም ከምዝተቓልዑ ብተደጋጋሚ እናተገለፀ እዩ::ካብዚ ቅልውላው ንምውፃእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ምኽባር ዋጋ ምስ ፖለቲካ ቀጥተኛ ርክብ እዩ ዘለዎ:: ምስትኽኻል ፖለቲካ ብዙሕ ነገር የስተኻኽል እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ:: ፀገም ፀጥታ ዘለዎ ኩነታት ምኽባር ዋጋ የጋድድ እዩ:: ቐፂሉ ድማ ዜጋታት ሃገር ማዕረ ዘይራኣይሉ፣ ሰብ ከም ኣምሓራነቱ ወይም ትግራዋይነቱ ወይም ከም ጉራጌነቱ እንተይኾነስ ከም ኢትዮጵያውነቱ ክረአ ይግባእ:: ማንም ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምድላዩ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕ ኣለዎ:: ፖለቲካን ፖሊስን እንድሕር ተስተኻኺሉ ኹሉ ንሓድነትን ንዕብየትን እንተሰሪሑ ናህሪ ዋጋ ኾነ ካልኦት ፀገማት ክቕረፉ እዮም:: ካልእ ነፃነት ውልቀሰብ ዝግበረሉን ወዲ ሰብ ማዕረ ከም ወዲ ሰብ እንተተራእዩ ብዙሕ ነገራት ክስተኻኸሉ ይኽእሉ እዮም::

ሕቶ፡- ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናገበረት እያ፤ካብ ፅዕንቶ ዘሊሉ ቪዛን ማዕቀብ ኢኮኖምን ክግበር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ፤ እዚ ፍትሓዊ ድዩ ? ማዕቀብ ኢኮኖሚ ዝቕፅል እንተኾይኑ ኣብ ሃገርና እንታይ ዓይነት ጉድኣት ከስዕብ እዩ?እቲ ጉድኣት ንምቕናስ እንታይ ምግባር የድሊ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣሜሪካ ኣብዚ ኸዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ቅዋም ፍትሓዊ ድዩ ዝብል ሕቶ ፍትሓዊ ኣይኮነን ዝብል መልሲ ክዋሃብ ይካኣል እዩ:: ምኽንያቱ ትኽክል እዩ ኢልና እንተወሲድናዮ ሓቂ’ውን ኣብ ሃገርና ዘለዉ ፀገማት እዮም ማለት እዩ:: ኸዚ ኣብ ሃገርና ፀገም ፀጥታ ኣሎ እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን እየን፤ ብዙሕ ፀገማት ኣለዉ፤ እዚኦም ዝተቐመጡ ፀገማት ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን:: መላእ ከባቢ ሃገር ዘጠቓልል እዩ፤ እዚ ፀገም ካብ ካልእ ዝመፁ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት ኹሉ ዝበፅሐ እዩ:: ሙሉእ ከተማ ክሳብ ምፍራስ ዝነበረ ፀገም በብቦትኡ ነይሩ እዩ::ይፈላለ እዩ እንበር ፀገማት ኣለዉ::

ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኢሎም ዝወሰድዎ ስጉምቲ ትኽክል ዘይምዃኑ እዩ:: ነቲ ፀገም ፍታሕ ካብ ሉኣላውነት ዝሓለፈ ልክዕ ዘይኾነ ነገር ኣሎ:: ክግበሩ ኣለዎም ዝባሃሉ ነገራት ንሳቶም ብዝብልዎ እንተይኾነስ ህዝቢ ብዝበሎ ክግበሩ ኣለዎም:: ህዝቢ ኹናት ኣይደልን:: ኣብ ሰሜን እዚ ስጉምቲ ክሳብ ዝውሰድ እዋን መንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምቲ ዝተረጋግዑ እዮም ነይሮም::መንግስቲ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ነይርዎ:: ኾይኑ ግና ከም ውልቀ ሰብ ክሪኦ ኸለኩ ከምዚ ኣኽሪሮም ሰብ ምቕታል ቅድሚ ምብፀሖም ስጉሙቲ ክውሰድ ነይርዎ:: ድሕሪ እዚ ተግባር ግና ህዝቢ ብሓደ ድምፂ እዩ ዝድግፎ::ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ግቡእ እዩ ክባሃል ክረአዩ ዝግባእ ነገራት ኣለዉ:: ህዝቢ ከም ህዝቢ ተተራእዩ መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምቲ ምስቲ ጉዳይ ምንም ርክብ ዘይብሎም ሰላማዊ ህዝቢ ዝተታሓሓዙ ፀገማት እንተሃልዮም መንግስቲ ክፈትሕ ኣለዎ:: ድምፂ ህዝቢ ምድማፅ መሰል ምኽባር ስራሕ መንግስቲ እዩ::

ኣብ ምጎጎ ውሽጢ ዘላ ኣንጭዋ ንምውቃዕ ተባሂሉ መቸም ምጎጎ ኣይስበርን:: ኣብ ህዝቢ ዝተኸለለ ገመነኛ ንምጥፋእ ህዝቢ ክጉዳእ የብሉን:: እዚ መንግስቲ ክቆፃፀር ኣለዎ:: ህወሓት ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህሉ ስለ ዝደሊ ዝፈጥሮም ፀገማት ኣለዉ:: እዚ ክቆፃፀር ዘለዎ መንግስቲ እዩ:: ግና ህዝቢ እናጨፍለቅኻ ኣይኮነን:: ስለዚ ሓላፍነት ኣለዎ:: መንግስቲ ክሳብ ዝኽእሎ ሕቶ ኣሜሪካውያን ፀገም የብሉን:: ግና ካብዚ ሓሊፎም ክወስድዎ ዝሓስቡ ስጉምቲ ኣግባብነት የብሉን::

ክንወስዶ ኢና ዝበልዎ ስጉምቲ መጀመርያ ንኢትዮጵያ ሓሲቦም እንተኾይኖም ዘቋርፅዎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝህብዎ ሓገዝ እዩ::ማዕቀብ ኢኮኖሚ እንተሃልዩ ኣብ መንግስቲ ምንም ፅዕንቶ ኣይህሉን:: ዝውሰዱ ስጉምቲ ኣብ ህዝቢ ዘብፅሖ ነገር እንታይ እዩ፤ ዝብል ክሕተት ኣለዎ:: ብሓፈሻ ብሄር ተኮር ዝኾኑ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ክወስዶ ዝግበኦ ስጉምቲ ኣይወሰደን:: እዚ መንግስቲ ዝኣምኖ ጉዳይ እዩ:: ኣብ ሕድ ሕድ ጥፋኣት ድሕሪት ኢድ ሰብ ስልጣናት መንግስቲ ኣለዎ ዝተብሃለ መንግስቲ ኣሚኑ እዩ::

መንግስቲ እዚ ነገር ንምቁፅፃር ንክኽእል ንህዝቢ እንድሕር ዝሓስቡ ክሕግዙ ይግባእ:: ፅዕንቶ ምብዛሕ ግና ኣብቲ ህዝቢ’ውን ፅዕንቶ የሕድር እዩ:: ማዕቀብ ምግባሩ ብዙሕ ፀገም ዘለዎ ኣይመስለንን እዚ ማለት ኣሜሪካውያን ንኢትዮጵያ እንታይ እናገበሩ እዮም ዝብል ክሕተት ኣለዎ:: ዝገብርሉና ነገር ብውሽጢ ሃገር ምሽፋን እንተኽኢልና እቲ ፅዕንቶ ምሽካም ንኽእል ኢና:: ካብዚ ትምህርቲ ክንወስድ ይግባእ፤ ብኢኮኖሚ ምንም ፅግዕተኛ ክንኾን የብልናን:: ሎሚ ክንጠሚ ንኽእል ኢና፤ ኾይኑ ግና ደቅና ካብ ፅግዕተኝነት ኢኮኖሚ ነፃ ክወፁ ኣለዎም::

ካብኣቶም ዝርከብ ዓብይ ረድኤት ምግቢ እዩ:: ብምግቢ ምህርቲ ባዕልኻ ብምኽኣል ምሕላፍ ይካኣል እዩ:: ካልኦት መሰረታዊ ዘይኾኑ ነገራት’ውን ኣብ ህዝቢ ሃገር ዘብፅሖ ፀገም ተዘይሃልዩ እዚ ፀገም ኣይኮነን:: እቲ ዓብዪ ዝጠቅም መንግስቲ ፀገማት ምፍታሕ እንተኽኢሉ ንሳቶም ተፈቀዱ’ውን ተኸልከሉ’ውን ህዝቢ ብዝኣምነሉ ብርኪ መንግስቲ ሰላም እንተፈጢሩ ድሕንነት ዜጋታት እንተረጋጊፁ መንግስትን ህዝብን እንተተናቢቦም ካልኦት ፅዕንቶ ኣየስግኡናን::

ሕቶ፡- ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንሃገር ዕብየትን ንኢኮኖሚ ስግግር ዝህልዎ ግደ ከምይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ብርሃነ፡– እዚ ግድብ ናይዚ ወለዶ ሕልሚ ኣይኮነን:: እዚ ግድብ ሕልሚ ኣቦታትና እዩ ነይሩ:: እዚ ወለዶ ዕድለኛ ኾይኑ ንምህናፅ ዓቕምን ሓገዝን ረኺቡ እዩ:: ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ዝኾነ ብስነልቦና ይኹን ብናውቲ ልዕልነት ሃገር ዘርኢ እዩ:: እዚ ግድብ ኸዚ ምውድኡ ጥራሕ ኣይኾነን:: እዚ ግድብ ብዘላቕነት ንሃገር ኢኮኖሚ ዘለቔታ ክህልዎ ይግባእ:: ንቐፃሊ ወለዶ ዝሓልፍ ፀገም ከይህሉ ካብ ኸዚ ፍታሕ ፖለቲካ የድሊ እዩ::

ኹሉ ክቕበሎ ዝኽእል ማለት’ውን ኣብ ከባቢ ሃረር ዘሎ ኣደሬ፣ ከባቢ ኦጋዴን ዘሎ ሶማሌ፣ ከባቢ ባሌ ዘሎ ኦሮሞ፣ ከባቢ ደቡብ ዘሎ ሀዲያ፣ ኣብ ጎንደር ዘሎ ኣምሓራ ብሓፈሻ ኹሉ ህዝቢ እዚ ግድብ ናተይ እዩ ዝብል ስምዒት ኣብ ውሽጦም ክቕረፅ ኣለዎ:: እዚኣቶም ኹሎም ኣብቲ ከባቢ ግድብ ሰፊሮም መሰሎም ተሓልዩ ምንባር ዘኽእሎም ሕገ መንግስቲ ክህሉ ይግባእ:: እዚ ነቲ ግድብ ናይ ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ነዚ ትውልዲ ጥራሕ እንተይኾነስ ንወለዶ ዝተርፍ ምፍልላይ ዘርኢ እንትጠፍእን ልዕልነት ኢትዮጵያውነት እንትህሉ እዩ::

ሕቶ፡- እዚ ለውጢ ስዒቡ ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናተወድኡ እናረእና ኢና እሞ እዚኦም ጅማሮታት ናብ ዓወት ንክወሰዱና ኣብ ቐፃሊ እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ብናተይ እምነት ኣብ ሃገር ውሽጢ ክስራሕ ዘይተሓሰበ ስራሕ፣ ዘይተፀንዐ ፕሮጀክት የለን:: ድሕሪት እንተርኢና በብሚኒስቴሩ ፅንዓት እንተርኢና ኸዚ ሓደሽቲ ተባሂሎም ዝጅመሮ ዝፀንሑ መፅናዕቲ እዮም:: መሰረታዊ ነገር ትልሚ ምውፃእ እንተይኾነስ ፕሮጀክት ተግባራዊ ገይርካ ኣብ ፍፃሚኡ ምብፃሕ እዩ:: ኸዚ ከምዝረኣይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዙሕ ፕሮጀክት ናይ ምውዳእ ስራሕቲ እናተርኣየ እዩ:: እዚ ድማ ከም ዓወት ክውሰድ ኣለዎ::

ኸዚ ዘሎ ካብ ትልሚ ሓሊፉ ናብ ተግባር እናተቐየረ እንተኾነ’ውን ብናተይ እምነት ሕድሕድ ስራሕ ዕንቅፋት ዝኾነ ዘርኣውነት ክቕረፍ ኣለዎ:: እዚ እንተተቐሪፉ ሃገር ልዕልነታ ዘይራኣየሉ ምኽንያት ኣይህሉን::

ሕቶ፡- ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ብሶሻሊዝም ፣ካልእ እዋን ድማ ነፃ ዕዳጋ ዝብል ዝተዘበራረቐ ኣካያይዳ ፖለቲካ ምኻዳ ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኣስዒቡ ኢሎም ይሓስቡዶ?

ኣይተ ብርሃነ፡- ኹሎም ፖለቲካ ስርዓት ናይ ባዕሎም ፖለቲካ ኣጀንዳ ኣለዎም::እቲ ኢኮኖሚ ብዝደለይዎ መልክዑ እዮም ዝመርሕዎ፤ብኣንፃሩ ብቐዳማዊ ሃፄይ ሃይለስላሴ እዋን ባላባትነት ስርዓት ብምዕባይ ናብ ካፒታሊዝም ናይ ምዕባይ ሓሳብ ነይርዎም:: ደርጊ ምስ መፀ መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ኢኮኖሚ ኾይኑ:: ኢህኣዴግ ምስ መፀ ድማ ፓርትታት ፖለቲካ ዝቆፃፀርዎ ኾይኑ:: ኣብ ኢኮኖሚ ሓደ ዓይነት ፖሊሲ ስለዘይነበሮም ከከም ፖሊሲኦም ውፅእ እትው ዝብል ኢኮኖሚ እዩ ነይርዎም::

ሃገራዊ ምርድዳእ እንተተፈጢሩ ፖለቲካ ንቲ ኢኮኖሚ ንክኽተል ዝግደደሉ ብርኪ ክበፅሕ እዩ:: ፅቡቕ ዝኾኑ ኢኮኖሚ ንፖለቲካ እዩ ዝመርሕ:: ኣብኡ ንምብፃሕ ግና ነንባዕልና ምንባብ፤ ምክብባርን ውሕስና ክህልወና ይግባእ:: ኣብቲ ሰዓት ፅቡቕ ኢኮኖሚ ይህሉ ማለት እዩ::

ንዝሃቡና ሓሳብ ነመስግን

ኣይተ ብርሃነ፡- ኣነ እውን የመስግን::

ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You