መበል 52 ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ

  • ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ ትሳተፍ ኣላ

መበል 52 ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ዝተጀመረ እንትኾን ጋንታ ኣትሌትክስ ትግራይ’ውን ትሳተፍ ኣላ።

እቲ ሻምፒዮና ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትጅመር ውድድራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝላ ርሕቀት፣ ብደቂ ተባዕትዮ ዝላ ንውሓት ፍፃመ፣ ከምኡ’ውን መፃረዪ ውድድር 800 ሜትር ጉያ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተኻይዶም።

ዕላማ እቲ ውድድር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 19 ክሳብ 27 ታህሳስ 2023 ኣብ ቡዳፔስት-ሃንጋሪ ንዝካየድ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌታት ቅዋሞም ንኽልክዑ ዕድል ንምፍጣር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ’ውን ኣብ ክልላት፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማታት፣ ኣብ ክለባትን ማእኸላት መሰልጠኒን ንዝርከቡ ኣትሌታት ዕድል ውድድር ንምፍጣርን ተተካእቲ ኣትሌታት ንምፍራይን ‘ዩ ተባሂሉ።

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ካብ 1963 ዓ.ም ጀሚሩ እናተኻየደ ዝርከብ እንትኾን፣ ሎሚ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ካብ 8 ክሳብ 13 ግንቦት 2015 ዓ.ም ክካየድ ‘ዩ።

ቅድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉራዊ፣ ዓለምለኻውን ኦሎምፒክን መድረኻት ብምስታፍ ዓወት ዝተጎናፀፉ፣ ብሄራዊ ባንዴራ ልዕል ኢሉ ንኽንብልበል ዝገበሩ ጀጋኑ ኣትሌታት ተሳቲፎም ዝሓለፍሉን ዝሳተፍሉን መድረኽ ውድድር ምዃኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

 እቲ ሻምፒዮና ንኹሎም ተግባራት ውድድር ኣትሌቲክስ ኣካቲቱን ብርኩ ሓልዩን ዝካየድ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ንዕብየት ስፖርት ኣትሌቲክስ ሃገርና ዕዙዝ ግደ ዝተፃወታ ክልላት፣ ምምሕዳራት ከተማ፣ ክለባት፣ ትካላትን ማእኸላት መሰልጠኒን ምሩፃት ኣትሌታት ሒዘን ዝሳተፋሉ መድረኽ ከምዝኾነ ‘ውን ቅድሚ ውሱናት መዓልትታት በቲ ፌዴሬሽን ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ኣብዚ ውድድር 57 ኣባላት ዝሓቖፈት ሕርይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ እናተሳተፈት ትርከብ። ዉድድር ኣትሌቲክስ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘቕነዐት ሕሪይቲ ጋንታ ትግራይ ክካየድ ብሰንኪ እቲ ክባን ዕፅዋን እቶም ኣትሌታት ዘካየድዎ ልምምድ ሓፂር እኳ እንተኾነ ኣብቲ ውድድር ምስታፋ ንቐፃሊ ትምህርቲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ሓቢሮም።

ፀሓፊ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም በርሀ ብግድኦም ኣትሌታት ትግራይ ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት ከቢድ ሃሰያ ከምዘጋጠሞም ብምሕባር ሓፂር ምድላው ብምግባር ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ገሊፆም። እቶም ኣትሌታት ካብ ሓፂር ክሳብ ነዊሕ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ከምዝወዳደሩ ‘ውን ኣገንዚቦም።

ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ክልል ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤ ብሰንኪ ኣፍቲ ክልል ዝነበረ ስእነት ሰላም ተመናግዩ ዝፀንሐ ስፖርት ኣትሌቲክስ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ምድላዋት ተወጊኖም ‘ዮም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ፕሬዚዳንት ፤ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣፍቲ ክልል ዝተፈጠሩ ክፍተታት ንምዕራይን ማሕበረሰብ ስፖርት ንምንቕቓሕ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ዳህሳሳት ዝተገበሩ እንትኾኑ ፤ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኣትሌቲክስ ስፖርት እቲ ክልል ብብርኪ ሃገር ንምውድዳር ዘኽእሎ ምድላው ገይሩ ‘ዩ።

ኣፍቲ ምድላው ዝሳተፉ 72 አባላት ዘካተተ ጉጅለ ተጣየሹ ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ውድድር ጎዳና ከምዝገበረን እዚ ድማ ንስፖርት ኣትሌቲክስ ፅቡቕ ምንቕቓሕ ከምዝፈጠረ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም ።

ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን እቲ ክልል ምስ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ፅቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ኣብ ፅባሕ ስምምዕነት ሰላም ሓለፍቲ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ብምምፃእ ዘርአይዎ ፅቡቕ ርክብ ኣወንታዊ ፅዕንቶ ክፈጥር ገይሩ ‘ዩ።

ኣብ ማይጨው ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ ብምኽንያት ኵናት ብምዕናዉ ስፖርተኛታት ዝስልጡኑሉ ማእኸል መሰልጠኒ ከምዘየለ ዝጠቐሱ ኣይተ ኪዳነ ፤ዓብዪ ሓገዝ ከምዘድልይ ድማ ተዛሪቦም።

ልዕሊ ሸሞንተ ናይ ወረዳ ፕሮጀክታት ከምዝነበራ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ፤እሳተን ድማ ብኸፊል ስለዝፈረሳ ኣድላዪ ምትዕርራይ ተዝግበረለን ከምኡ‘ውን ስቴዲየም ትግራይ መወዳደሪ ጉያ (ትራክ) ሙሉእ ብሙሉእ ስለዝፈረሰ ትኹረት ተገይሩ ተዝህነፅ ወሳኒ ተራ ዝፃወት ‘ዩ ኢሎም።

ኣይተ ኪዳነ ከምዝሓበርዎ ፤ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ሓገዝ ስነልቦና ክህብ ቃል ኣትዩ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ከምቲ ዝኣተዎ ቃል ሓገዝ ተዝገብር ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ይነቓቓሕን እቲ መንእሰይ ድማ ካብ ዘለዎ ፅዕንዕንታ ንኽወፅእ ዝሕግዝ ፍታሕ‘ዩ ኢሎም።

 በሪሁ ኣረጋን ሄርሞን ፍቃዱን

 ወጋሕታ 10 ግንቦት 2015 ዓ.ም 

Recommended For You