ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ክለባት ክልል ትግራይ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንክሳተፉ ይስራሕ ኣሎ

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ክለባት ክልል ትግራይ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብቲ ሊግ ክሳተፉ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምግላፁ ግ.ዜ.ኢ ፀብፂቡ። ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንክለባት ክልል ትግራይ ናብቲ ሊግ ንምምላስ ዓለም ለኸ ሕግታት መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝገብር ሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስን ድሕሪኡ ብዝተፈጠረ ኵናትን ክለባት እታ ክልል ካብ ውድድር ርሒቖም ፀኒሖም ‘ዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ምፍጣሩ ስዒቡ ክለባት ኩዕሶ እግሪ እታ ክልል ዳግም ንምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብቐዳምነት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ክለባት ኣብ ቐፃሊ ዓመት ኣብ ውድድር እቲ ሊግ ክሳተፉ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም፣ ኣብ ቐፃሊ ኣብቲ ታሕተዋይ ሊግ ይፃወቱ ዝነበሩ ካልኦት ክለባት በቢ ብርኩ ናብ ዝነበርዎ ተመሊሶም ኽፃወቱ ንምግባር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።

ምስ ክለባት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዝተገበሩ ዘተታት ናብቲ ሊግ ንምምላስ ልዑል ድልየት ከምዘለዎም ምግላፆም ሓቢሮም።ኮይኑ ግን ናብ ሃገራዊ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ንምምላስ ውስንነት ዓቕሚ ገንዘብ ከምዘለዎም ኣይተ ነጋ ተዛሪቦም።

ነቶም ክለባት ናብ ውድድር ንምምላስን መሰረተ ልምዓታት ዳግም ንምፅጋንን ዓቕሚ ፋይናንስ ዝሓትት ብምዃኑ ንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝን ድጋፍን ንኽገብሩሎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን እቲ ፌዴሬሽን ንኩዕሶ እታ ክልል ንምድጋፍን ንምሕጋዝን ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፆም። እቶም ጉጅለታት ዳግም ኣብቲ ሊግ ንኽሳተፉ ዓለምለኻውን ሃገራውን ሕግታት ኩዕሶ እግሪ ብምርኣይን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዝታይን ነቲ ጉዳይ ግብረ መልሲ ከምዝህብ ‘ውን ተዛሪቦም።

ቅድሚ እቲ ኵናት ኣብቲ ታሕተዋይ ሊግ ንዝሳተፉ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ከይሓወሰ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ስሑል ሽረን ተሳተፍቲ ክለባት እቲ ፕሪሚየር ሊግ ከምዝነበሩ ዝዝከር ‘ዩ። መቐለ 70 እንደርታ ሻምፒዮና ክለብ 2011 ዓ.ም ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ ‘ውን ዝዝከር ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 03 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You