‹‹ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘለዎምንኢትዮጵያ ስኖም ይነኽሱላ ፤ካልኦት ድማ ከም ሞዴል ኣይተ እንዳለ ንጉሴይቖፅርዋ ››

ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት ) ንምሕጋዝ ብምሕሳብ ኣብዚ ኸዚ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፀአቶ ማዕቀብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዋ ጥቕሚ ከምዘስእና ይዛረቡ። ኢትዮጵያ ከይሓዘት ብቀይሕ ባሕሪ ኸባቢ ዕውት ናይ ምዃን ዕድል የብላን። ኸዚ ዘሎ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ብደለልቲ፣ ብውልቀሰባትን ኣብ ጉጅለ ህወሓት ዝተመስረተ እዩ። ኸዚ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ጥቕሚ ኣሜሪካ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ እናተጉዓዙ እዮም። ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ምብልሻዉ ዝጎድእ እንተኾነ’ውን ካብ ዘላቒ ጥቕምን ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኣይበልፅን። ህሊና እንተሃልይዎምን ንሰብኣውነት ዝሓስቡ እንተኾይኖም ህወሓት ኣብ ማይ ካድራ ዝገበሮ ጭፍጨፋ እኹል እዩ ይብሉ። እዚ ጉጅለ ኢትዮጵያ ዘዋረደ ከምዝኾነ’ውን ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀጠና ኾነ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ዓብይ ከምዝኾነ ገሊፆም። ብተፈጠሮ ሃፍቲ ዘለዋ ግደ ድማ ዓብይ እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ማህፀና ዝወፁ 12 ሩባታት ናብ ጎረቤት ሃገር ትሰድድ እያ፤ሩባ ሸበሌ ናብ ሶማሌ ፤ሩባ ኦሞ ናብ ኬንያ ፤ሩባ ገናሌ ናብ ኬንያን ሶማሌን ፣ሩባ ኣባይ ድማ ብርክት ዝበሉ ሃገራት እናነኻኸአ ዝሓልፍ ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ዓብይ ሩባ ባዓልቲ ዋና ከምዝኾነት ብዲፕሎማሲ ኾነ ብዓለም ለኸ ብርኪ መበገሲ ፖለቲካ ትኩሳት ከምዝኾነ ይዛረቡ። እዚኦም ተፈጥሮ ሃፍቲ ድማ ንፅቡቕ ኾነ ንሕማቕ ዕላማ ምጥቃም ዝከኣል እዩ።

ናይዚ ፖለቲካዊ ትኩሳት መርኣያ ዝኾነ ህንፀት ዓብይ ግድብ ብተዘዋዋሪ ንማዕቀብ እቲ ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነ ይዛረቡ። ካብዚ ብዝዘለለ እቲ ማዕቀብ ንኢትዮጵያ መንቅሒ ደወል ከምዝኾነን ዲፕሎማሲኣ ምፍታሽ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣመላኻቲ ከምዝኾነ ይገልፁ። ጋሻና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ናይ ዲፕሎማሲን ዓለም ለኸ ርክብ መምህርን ሓላፊ እቲ ክፍሊ ትምህርት ዝኾኑ ኣይተ እንዳለ ንጉሴ እዮም። ኣይተ እንዳለ ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኣብ ላዕሊ ዝተልዓሉን ካልኦት ወድዓዊ ጉዳያት ዝሃብዎ ሞያዊ መብሪሂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ እዩ።

ሕቶ፡- ኣሜሪካ ዝገበረቶ ማዕቀብ ቪዛ መልዓሊኡ እንታይ እዩ?

ኣይተ እንዳለ፡– መጀመርያ ኩነታት ኢትዮጵያ ክንድህስስ ኣለና፤ኢትዮጵያ ነዊሕ መንግስታዊ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ፤ካብ ግብፂ እውን ዝቐደመ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ፤ብዲፕሎማሲ’ውን ፅቡቕ ልምድን ታሪኽን ኣለና። ቅድሚ ዘመነ መንግስቲ ኣክሱም ኾነ ኣብ ዘመነ ኣክሱም ፣ኣብ ማእኸላይ ዘመን ኢሉ’ውን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረ እዋን’ውን ኢትዮጵያ ብባዕላ ጉዳይ ተዘይኮነ ኣብ ካልኦት ኢዳ ኣእትያ ኣይትፈልጥን። ቅድምያ እትህቦ ንዲሞክራሲ እዩ። ንዚ ኹሉ ሽሕ ዓመታት ዝነበረት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብነፃነት ተደራዲሩ ስለዘይፈልጥ እዩ። እዚ ማለት ግና ኢትዮጵያ ፈተና ገጢምዋ ኣይፈልጥን ማለት ኣይኾነን።

ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ሃፍትን ተፈጥሮን ምድራዊ ኣቀማምጣ ዝተልዓለ ብዙሓት ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ድልየት ኣለዎም። እዚ ሱቕ ኢሉ ዝመፀ ኣይኮነን። ሃገራት እዚ ዝገብርዎ ብሄራዊ ጥቕሞም ብምሕሳብ እዩ። በዚ ከይዲ ብዙሕ መፂኦም እዮም። ብዙሕ’ውን ኸይዶም እዮም። ኢትዮጵያውያን ግና ብብሄራዊ ጥቕሞም ተደራዲሮም ኣይፈልጡን። እዚ ዓለም ዝፈለጦ ሓቂ እዩ። ኣብ ቀረባ ዘሎ እንተልዓልና ግብፂ ናይ ኣባይ ማይ መልዓሊ ንምንታይ ዘይንሕዞ

 ኢሎም ብ 1875ን 1876 ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ብምክያድ ኣይሳኽዕን ኢልዎም ተመሊሶም እዮም። ኹናት ዓድዋ እንትንርኢ ድማ ካብ ኣፍሪካ ተመሪፃ ቅድምያ ክትትሓዝ ኣለዋ ተባሂሉ ነይሩ። ግና ኢትዮጵያውያን ምምብርካኽ ኣይተኽኣለን። ናይ ሶማሌ መራሒ ዚያድ ባሬ ንምውራር ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ካብዚ ዝተልዓለ እዩ። ‹‹ባዕዳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ስኖም ይነኽሱላ ፣ካልኦት ድማ ከም ሞዴል ይቆፅርዋ›› ስለዚ ብዲፕሎማሲ ኹሉ ሒዛ እያ እትኸይድ። ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ክትዳኸም ዝደልዩን ክትበታተን ዝሰርሑን ከምዘለዉ ኹሉ ናይ ኢትዮጵያ ምጥንኻር ዝደልዩ ሃገራት’ውን ኣለዉ።

ሕቶ፡- ንኢትዮጵያ ምድኻም ንምንታይ ኣድልዩ?

ኣይተ እንዳለ፡– መጀመርያ ምኽንያት ንፀለምትን ንዓረብን ናፅነት ተምሳሌት እያ፤ኢትዮጵያ ብዛዕባ ናፅነት መዓልቲ ኣይትዛረብን ፤ብዛዕባ ዓወት’ምበር። እዚ ንባዕሉ ዝህቦ ትርጉም ኣለዎ፤በዚ’ውን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ምውሳን ናፅነት ኣለና። ግብፅን ሱዳንን ሓዊሱ ብዙሓት ኣብ መግዛእቲ ዝነበሩ ሃገራት ብባዕሎም ሃገር ፖሊስን ጉዳይ ሓዊሱ ክውስኑ ኣይኽእሉን። ኢትዮጵያ ብናፅነት እትውስን ሃገር እያ። ግብፅን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ናይ መንነት ቀውስ ኣለዎም።

ካልኣይ ኢትዮጵያ ኣቀማምጣኣ ንቲ ጎደቦ(ዞባ) ፖለቲካ ብጣዕሚ ወሳኒት ሃገር እያ። ኢትዮጵያ፣ጅቡቲ ፣ኤርትራን ሶማሊያ ኣርባዕቲኦም ምብራቕ ኣፍሪካ ቀንዲ ወሰንቲ ሃገራት ተባሂሎም ዝፍለጡ እዮም። እዚ ጎደቦ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ እዩ። ኢትዮጵያ ድማ ናይቲ ጎደቦ ሕንብርቲ እያ። እዚ ኸባቢ ድማ ካብ ህንዲ ውቅያኖስን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ እዩ። ብኻሊእ መዳይ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሪካ ፣ኣውሮፓን ኤዥያን ኣህጉራት ዘራኽብ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ዓብይ ንግዲ ኸባቢ እንትኸውን ልዕልነት መርኣያ ዓብይ ጎደቦ እዩ። ስለዚ ሎሚ ኾነ ፅባሕ በዚ ጎደቦ ኢትዮጵያ ተዘይሒዝካ ምጉዓዝ ትርፋማ ኣይገብሮምን እዩ።ሃገራት ኢትዮጵያ ዝፅግዑ ንብሄራዊ ጥቕሞም ክብሉ እዮም።ብምዃኑ ኢትዮጵያ ምሓዝ ብሄራዊ ጥቕሞም ትርፋማ ንምግባር እዩ።

እቲ ሳልሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሕብረተሰብ ተመሊሶም በዚኦም ወሰንቲ ዝባሃሉ ናይ ጎደቦ ሃገራት ዝነብሩ ሕብረተሰብ ክፍልታት ቋንቋ ተዛሪቦም ባህል ተላቢሶም ዝነብሩን ተመሳሳልነት ዘለዎም እዮም።እዚ እውን ዓብይ ፅዕንቶ ኣለዎ ።ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝፍጠር ፅቡቕ ይኹን ሕማቕ ኣጋጣሚ በዚአን ሃገራት ኣስተዋፅኦ ልዑል እዩ። ራብዓይ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተፈጥሮ ሃፍቲ ፣ኣቀማምጣ መሬትን ስፍሓትን በዝሒ ህዝብን ሃገራት ትኹረት ንክገብሩላ ክኢሉ እዩ።ኢትዮጵያ ፀባይ ኣየርን ንብረት ኣየርን ባህሪ ኣብ ኻልኦት ዘለዎ ተፅእኖ ቀሊል ኣይኮነን።ህዝቢ’ውን ዓብይ ሃፍቲ እዩ፤ብፍላይ ድማ ብነፃነት ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ።

ብተፈጥሮ ሃፍቲ ዘለዋ ግደ ዓብይ እዩ፤ኢትዮጵያ ካብ ማህፀና ዝወፁ 12 ሩባታት ናብ ጎረቤት ሃገራት ትልእኽ እያ፤ሩባ ሸበሌ ናብ ሶማሌ ፣ሩባ ኦሞ ናብ ኬንያ ፣ሩባ ገናሌ ናብ ኬንያን ሶማሌን ሩባ ኣባይ ድማ ብዙሓት ሃገራት እናነኻኸአ ዝሓልፍ ከም ዝኾነ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።ኣብ ዓለም ወናኒት ዓብይ ሩባ ድማ እያ።እዚኦም ተፈጥሮ ሃፍቲ ድማ ንፅቡቕ ኾነ ንሕማቕ ዕላማ ምጥቃም ዝካኣል እዩ።ኣብዚ ጎደቦ ዘለዉ ህዝብታት ባህልን ቋንቋን ተመሳሳልነት ኣለዎም።ሃገራት’ውን እዚ ምፍላጥ ኣለዎም።ነዚ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ኣለዎም።ርግፅ ኢትዮጵያ እዚ ዓይነት ፀገም ክበፅሓ ከሎ መጀመሪኣ ኣይኮነን።

ኸዚ’ውን ኣብ ኢትዮጰያ ሕብረት እናሰርሑ ዘለዉ ምዕራባውያን ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ እትኣትወሉ ጊዜ ብተቓራኒ ጠጠው ዝብሉ ምዃኖም ኣብ ቑርፂ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጎኒ ተሰሊፎም ከምዘይፈልጡ ታሪኽ ምስክር እዩ።ኣብ ዓድዋ ኹናት ኾነ ጣልያን ዳግም ኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ተቓራኒ ኢትዮጵያ ኾይኖም ጠጠው ኢሎም እዮም።ዚያድ ባሬ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ተቃራኒ ነይሮም እዮም።

ኢትዮጵያ ናይ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ምልክት ነፃነት እያ፤20 ዝኾኑ ኣፍሪካ ሃገራት ባንዴረኦም ምስ ኢትዮጵያ ቀለም ባንዴራ ቀለም ዝተወሰዱ እዮም።ዓድዋን ዘይሓሰበ ነፃነት የለን።ዝሓለፉ 40 ዓመታት ንኢትዮጵያ ኣጀንዳ እናሃቡን ንምድኻም እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም።ናታቶም ምሁራንን ሚድየኦምን ኢትዮጵያ ኣብ ምክፍፋል ዝተፀመዱ እዮም።ብፍላይ ብብሄርን ሃይማኖትን ንምክፍፋል እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም።ናፅነት ኢትዮጵያ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፅቡቕ ስምዒት ኣይህቦምን።ፖሊሲ ብነፃነት ብምውፃእ ኢትዮጵያ ኣብነት እያ።ኢትዮጵያ ንምድኻም ድማ ብኣምሳለሙን ብዕላሞኦምን ልክዕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ዝባሃል ጉጅለ ኣጣይሾም ነይሮም።ናይዚ ጉጅለ ኣእምሮ ዝተቐረፀ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።

ህወሓት ኣብ እዚ ሰሜን ኹናት እንትጅምር ናይ ምዕራባውያን ሓገዝ ተኣማሚኑ እዩ።ብዓለም ታሪኽ ናይ ሃገሩ መከላከያ ሰራዊት ዝወግአ የለን።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 4000 ዓመታ እዚ ዓይነት ታሪኽ ኾይኑ ኣይፈልጥን። እቲ ኹናት መከላከያ ጥራሕ ኣይኾነን ዝተወቅዐ። ዝተወቅዐ ህልውናን ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ እዩ። ግና ኢትዮጵያውያን ታሪኾም ብደሚቕ ቀለም ፅሒፎምዎ እዮም።ቅድም ክብል ጉጅለ ህወሓት ዘስካሕክሕ ጥፍኣት እንትፍፅም ምዕራባውያን ማዕቀብ ምግባር ተሪፉ ሓገዝ ገንዘብ እናገበሩ ነይሮም እዮም።እዚ ዘርኤና ናታቶም ዕላማ ዘየሳኽዕ እንተኾይኑ ሓንቲ ነገር ክገብሩ ኣይኽእሉን።ኸዚ ዘሎ ኹነታት ግና ስለዘይተስማዕመዖም ከም ስዕረት ብምውሳድ ብግዜ ምድኻም እዮም ዝሓስቡ። ነዚ’ውን ኸዚ ማዕቀብ ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።እዚ ለውጢ ብዙሕ ኢትዮጵያዊያን ዋጋ ኸፊሎም ዘምፅእዎ ለውጢ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ኣይደልዩን።

ሕቶ፡- ግብሪ ራዕዳዊ ምስ ዝተብሃለ ጉጅለ ተደራዲሮም ዝብል ሓሳብ ንምንታይ ምልዓል ደልዮም?

 ኣይተ እንዳለ፡– ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒት ሃገር ኢትዮጵያ እያ፤እቲ ለውጢ ንቕድሚት ንክኸድ ኣይደልዩን ።እዚ ለውጢ ኣብዚ ጎዶቦን ኣብ ኣፍሪካ ከም ኣህጉር ለውጢ ከምዘምፅእ ይፈልጡ እዮም።ሱዳን ሓዊሱ ናይቲ ጎደቦ ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ምስራሕ ድልየቶም እዩ።ግና ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ መሰረት ኸፋፊልካ ምግዛእን ብሚድያ ብሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናነዝሑ ምክፍፋል እዩ።ኣብ ሰሙን ኢትዮጵያ ዝነበረ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር እኳ ሚድየኦም ነገራት ብጣዕሚ ኣጣሚሞም እናቐረቡ ነይሮም እዮም።

ምስ ኤርትራ ዝፈጠርናዮ ሰናይ ጉርብትናን ምትሕብባርን ምዕራባውያን ፈፂሞም ምፍቃድ ኣይደልዩን። ንባዕሎም ጥቕምን ንነዊሕ እዋን ጎንፂ መገዲ እናመቻቸዉ ነይሮም እዮም።ዕላማኦም በምክፍፋል ጥቕሞም ምኽባር እዩ።ካብዚ ብዝዘለለ ዕላማኦም ዘሳኸዐሎም ጉጅለ ህወሓት ናብ ስልጣን ምምላስ እዩ።እዚ ጎደቦ እንተተረጋጊዑ ኣፅዋር ኲናት ምሻጥ ኣይካኣልን። ስለዝኾነ ከፋፊሎም ምግዛእን ብሓሶት ጎንፂ ምፍጣር እዩ ድልየቶም።እዚ ንምግባር ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ኣብ ሰሜን ወፍሪ ሕጊ ምኽባር እቲ ኸባቢ ብምርግጋዕን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ 70ሚኢታዊ ዝኾን ዝሸፈነ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።ግና ብሓገዝ ምኽንያት ህወሓት ንምድሓን ድልየቶም እዩ።ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምድኻም ዝኸድሉ መገዲ ንክሳኻዕ እቲ ጉጅለ ንምድሓን ፅዒሮም እዮም።ጉጅለ ህወሓት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምጉናፅ ናይ ምዕራባውያን ጥቕሚ የኽብር ስለዝነበረ ባዓል ውዕለተኦም እዩ።

ሕቶ፡- ኣብ እዚ ሰሜን ዝተጀመረ ኹናት ብድሕሪ ህወሓት ናይ ምዕራባውያን ሓገዝ ይህሉ ይኸውን ዶ?

ኣይተ እንዳለ፡- ብደንቢ እንበር !ጉጅለ ህወሓት ኹናት እንትኸፍት እኹል ዝኾነ ሓበሬታ ኣለዎም።ኣብቲ እዋን ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተወከልትን ኣምባሳደርን መግለፂ እንትወሃብ ህወሓት ጌጋ ሰሪሑ እዩ ኢሎም ነይሮም።ፀዓዱ ወረርቲ ስዒሩ ዘባረረ ሃገር መካላኸሊ ሰራዊት ምስ ጉጅለ ህወሓት

 ብምንፅፃር ከንእስዎ ይደልዩ እዮም።እዚ ጉጅለ ምስ ሃገር ምክልኻል ንሓደ ሰዓት እውን ክዋጋእ ኣይነበሮን።እዚ እኩይ ጉጅለ ናብዚ ዘብፅሕዎ እኮ ንሳቶም እዮም።ብገንዘብ ብስትራቴጂ እውን ኢዶም ኣለዎ እዩ።ወሊዶም ዘዕበይዎም ብስትራቴጂ ዝደገፉ ምዕራባውያን እዮም።ምስ ኤርትራ ዝነበረና ሰላማዊ ርክብ ዓለም ዘገረመ እዩ ነይሩ።ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም እዚ ክቕበሉ ኣይደለዩን።

ሕቶ፡- በዚ ብርኪ ሕውነት ኢትዮ-ኤርትራ ዘናድዶም እንተኾይኑ ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ኢድ ምዕራባውያን ነይርዎ ማለት ድዩ?

ኣይተ እንዳለ፡- ከመይ ዘይህልዎ ንሳቶም እኮ ዘካይድዎ ኢድ ኣዙር ኹናት እዩ።ኽልቲአን ሃገራት እንታይ ዘፃልእ ነገር ነይርዎን።ኣብቲ ኹናት እዋን ኣይተ መለስ ዜናዊ ዶብ ተወሪሩ ኢሎም ነይሮም ግና ጌጋ እዩ ነይሩ።ኣብቲ እዋን ዶብ ኣይነበረን ።ዶብ ዝተስተኻኸለን ዝተፈረመን ድሕሪ ኣልጀርስ ስምምዕነት እዩ። እዚ ድማ ዝፈረምዎ ኣይተ መለስ እዮም።ኣብቲ እዋን ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወደብ ንኢትዮጵያ የድልያ እዩ ኢሎም እንትከራኸሩ ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ወደብ ኣየድልየናን እዮም ዝበሉ።እዚ ብዓለም ታሪኽ ኾይኑ ኣይፈልጥን።

ኣብቲ ኹናት ብኽልቲኦም ወገናት ዓብይ ጉድኣት በፂሑ እዩ። ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ዝካኣል እዩ ነይሩ ናብ ኹናት ዝተኣተወ።በዚ ጎደቦ ብዙሕ ነገር እዮም ዝገበሩ።ዝደኸመ ሃገር ሃፍቲ ምጥቓም ኣይኽእልን።ነዚ’ውን ንሳቶም ኣብ ማእኸልና ፀገም ፈጢሮም ናብ ባዕሎም ክጥቀሙ እዮም ዝደልዩ።እዚ ማዕቐብ እንትንርኢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግዝኣት ኣሜሪካ ክሳብ ዝመስል እዩ ዝተወሰነ።ብሕቡራት መንግስታት ቻርተር መሰረት ሃገራት ሉኣላዊ እዮም።ብውሽጦምን ወፃእን ጉዳዮም ዝውስኑ ባዕሎም እዮም።ግና እዚ ማዕቀብ ብተቓራኒኡ እዩ።

ሕቶ፡- ምዕራባውያን ሕውነት ኢትዮጵያን ኤርትን ምጥንኻር ኣብ ከይዲ ናብ ምውሃድ ክኸዱ እዮም ኢሎም የስግኦም ዶ ይኸውን?

ኣይተ እንዳለ፡– እዚ ጠጠው ምባል ኣይካኣልን ! ከምዝኾን ይግምቱ እዮም።ኽልቲኦም ሃገራት ካብ ፀገሞም ተማሂሮም እዮም።እቲ ወታደርን ኣፅዋር ኲናትን ኣብ ዶብ ተኣኪቡ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ከምዚ እንትኾን ብጭካነ ሱቕ ኢሎም እዮም።ብሓቂ እንተኾይኑ ነዚ ፀገም ፍታሕ ዘምፅኡ መንግስታትን ህወሓት ዘወገደ መንግስቲ ካብ ሽልማት ብተወሳኺ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ እዩ።ግና ዝኾነ ብተቓራኒኡ እዩ።ህወሓት እንኳዕ ንኢትዮጵያ ንኣሜሪካ እውን ኣይጠቅምን ነይሩ።ኣሜሪካውያን 176 ዓመት ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስለዝነበሩ እቲ ፀገም ይፈልጥዎ እዮም።ህወሓት ድማ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምዒት ዝነበረ እዩ።

ሕቶ፡- ግድብ ህዳሴ ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ንምስራሕ ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን ግብፂ ፅዑቕ ፀረ-ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ እናገበረት ኣብ ዘላቶ እዋን እዚ ማዕቀብ ምውፃእ ሓሳቡ እንታይ እዩ?

ኣይተ እንዳለ፡- ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ንሕና ብሓባር ንጠቐም ኢልና ኢና ተላዒልና ።ናይ ባዕላ ሃፍቲ ብሓባር ንጠቐም ዝበለት ሃገር ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ እያ።ግብፂ ምንም ግደ የብላን ግና ዓብይ ግድብ ህዳሰ እትጥቀም ንሳ እያ።ሱዳን’ውን ብተመሳሳሊ ብዙሕ ግደ የብላን።ኣሜሪካ ፣ፈረንሳይ ወይም እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ቦታ ተዝኾኑ ንጣብ ማይ ኣይመንክኡን።ኢትዮጵያ ግና ኸዚ’ውን እንተኾነ ብዲፕሎማሲ እያ እናኸደት ዘላ።

ማዕቀብ ምንባር እንተድልዩ በቢመዓልቱ ብኣሽሓት ዝቕተለላ ግብፂ ኣላ።ዋላ ንሓደ እዋን’ውን ዝመረፅዎ መንግስቲ ኣየመሓደሮምን፤ክሳብ ኸዚ ብወታደር እዮም ዝመሓደሩ። ኣብ ዓለም እቲ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ሱዳን’ውን ብተመሳሳሊ ዲሞክራሲ ዘይብላ ሃገር እያ።ሱዳን ብግብፂ እናተመርሐት መሬት ኢትዮጵያ እናወረረት እያ።ኣሜሪካ ዘይሻራዊን ብዓለምለኸ ሕጊ እትምራሕ ተትኾን ነይራ ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ኣትያ ሱዳን ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ለቒቓ ንክትወፅእ ትዛረብ ነይራ።ወይድማ ብሰላማዊ መገዲ ንምድርዳር ፃዕሪ ትገብር ነይራ። ሱዳን ኽልተ ዓበይቲ ግዝኣት ብግብፂ ተወሲድዋ እዩ ግና በዚ ጉዳይ ኣይተልዕልን።ኣስዋን ግድብ 25ሚኢታዊ ዝዓረፈ ኣብ መሬት ሱዳን እንትኾን ኑቢያ ዝባሃል ህዝቢ ዘጥፈአ እዩ።ኣብዚ ግና ምንም ኣይብሉን።

ሕቶ፡- ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ንምንታይ በዚ ብርኪ ንግብፅን ሱዳንን ንምድጋፍ ክኢሎም?

 ኣይተ እንዳለ፡– ምዕራባውያን ኢትዮጵያ ዝጠየቕዎ ኹሉ መልሲ ረኺቦም እዮም ዘይተመለሰ ነገር የለን እዚ ብጣዕሚ እዩ ኣናዲድዎም።ብኣኣቶም ድልየት እቲ ኹናት ንክነውሕን ከምደስትኦም ክፍትፍትዎ እዩ ነይሩ ድልየቶም፣ግና ኣይኾነን።ግድብ ህዳሴ ኣፍሪካን ቐይሕ ባሕርን ዓብይ ስትራቴጂ ለውጢ ዘምፅእ እዩ። እዚ ግድብ ህወሓት ጀሚርዎ ነይሩ ፤ግና ክምዘይውድኦ ዝፍለጥ እዩ፤ንሳቶም ድማ ከምዘይውድኦ ስለዝፈልጡ ኣይኾረዩን ነይሮም። ግና ለውጢ ምስ መፀን ንፀገማት ፍታሕ እንትመፅእ ብጣዕሚ ኣኾርይዎም።

ዓለም እናዞረ ዝነበረ ዲፕሎማሲ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ንኢትዮጵያ ዓወት እዩ። ናይ መጀመርያ ምምላእ ማይ ተሰሪሑ።ሰለስቲኦም ሃገራት 2015 ፈረንጂ ኣቆፃፅራ ኣብ ዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት ግብፂ ንመጀመርያ እዋን ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ ሃፍታ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለዎ ዝኣመነትሉ እዋን እዩ። ግብፂ ብዛዕባ ስምምዕነት እንተተዛረበት’ውን ተግባራዊ ክኾን ግና ኣይትደልይን፤ኻልኣይ ዙር እንትመልእ ሃገራት ዓለም ገፆም ናብ ኢትዮጵያ ከዙሩ እዮም። ሱዳን’ውን ንባዕላ ጥቕሚ ክትብል ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ኣይተርፍን።

ኸዚ ምዕራባውያን ዝፈርሑ ልዕልነት ኢትዮጵያ ከይህሉ እዩ። ንሳቶም ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝቐረፅዎም ግብፅን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ሃገራት’ምበር ብባዕላ መገድን ነፃነትን እትጓዓዝ ኢትዮጵያ ምርኣይ ኣይደልዩን። ኣብ ሃገር ውሽጢ’ውን ተኻሪሩ ዝነበረ ዘርኣዊ ፖለቲካ መስመር እናሓዘን ሚዛናዊ ኣከያይዳ እትኽተል ኢትዮጵያ እናተፈጠረት ምእማን ኣይደለይዎን። ህወሓት 86 ሚኢታዊ ናይ ሃገር ኣፅዋር ኲናት ሒዙ ብምስዓሩ ፀረ-ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኹሎም ተናዲዶም እዮም።

ግብፂ ብዙሕ መልእኽተኛ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሊኢኻ ነይራ። ኹሎም ተመሳሳሊ ቅዋም ዝነበሮም እንትኸውን ድልየቶም ኢትዮጵያ ዝተጋገየ ውሳኔ ንክትውስን ነይሩ፤ግና ኸዚ ዘሎ ጉጅለ ለውጢ እዚ ክቕበሎ ኣይካኣለን። ኣሜሪካ ሓዊሱ ጉጅለ ህወሓት ብምስዓሩ ሓዚኖም እዮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅቡቕ ተዛሪቦም ናብኡ እንትኸዱ ህወሓት ደጊፎም ይዛረቡ። ኣሜሪካ’ውን ብሄራዊ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ይቕረየኪ ኢላ ነይራ። ግና ህወሓት ዝባሃል መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይምህላዩ ዕለማኦም ክሳኽዕ ኣይካኣለን።

ሕቶ፡- ሕውነት ቻይናን ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ነዚ ማዕቀብ ከምዘለዓዓለ እቲ ኻልእ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝግምቱ ኣለዉ፣ንሶም እንታይ ይብሉ?

ኣይተ እንዳለ፡– እቲ ዋና ብምኸንያት ለውጢ እዩ፣ድኹም መንግስቲ ምጥያሽ ደልዮም ኣይተሳኸዐሎምን። ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ድልየቶም ሽቶ ኣይወቅዐን። ኸዚ ዘሎ ሓይሊ ኣሰላልፋ ኣሜሪካ ብደንቢ ቦታኣ ኣይፈለጠትን፣እናተወዛገበት እያ ።ድሕሪ ኻልኣይ ዓለም ኹናት ልዕልነት ኣሜሪካ ብብዙሕ መገዲ እናተርኣየ ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሑል ኹናት ኣለም እዋን ራሽያን ኣሜሪካን ወድዓዊ ኩነታት ዓለም ይውስና ነይረን።ዝሑል ኹናት ዓለም ዝሕል  እንትብል ራሽያ ምስ ደኸመት ዓለም ንዝተወሰነ እዋን እናመርሐት ዝነበረት ኣሜሪካ እያ። ቀፂሉ ራሽያ ፣ቱርክ ፣ህንድን ቻይናን እናተጠናኸሩ እንትመፁ ኣሜሪካ ናይ ምውሳን ዓቕማ እናተፈታተና እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን ኣሜሪካ ናብ ውሽጣ ክትርኢ ነይርዋ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣፍሪካውያን ንኢኮኖሚ ዕብየትን ዲፕሎማሲ ቻይና ፣ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ለውጢ ምርኣይ ይካኣል እዩ። ኣሜሪካን ምዕራብያውንን ድልየቶም ብረድኤት ኣደንዚዞም ምቕፃል እዩ። በዚ’ውን ኣሰላልፋ ሓይሊን ጉጅለን ናብ ካልእ እናዘምበለ እዩ። ፕሮጀክት እንተሃለዎም’ውን መሊሶም ብተዘዋዋሪ ይወስድዎ እዮም።

ሕቶ፡- ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ብዙሓት ግብረ ሰናይ ትካላት ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪካ ምብዝሖም ንመን ንምሕጋዝ እዩ?

ኣይተ እንዳለ፡– እዚ ዋና ዕላምኡ ባህሎምን ሃይማኖቶምን ፅዕንቶ ንምግባር እዩ። ሓድነት ንምድኻም ፣ማሕበራውን ኢኮኖምያውን መሓውር ንምፍራስ እዩ። በዚ መልክዕ ዝመፁ ሓገዛት ካብ ባዕሎም ጥቕሚ ዝተተሓሓዙ እዮም። ናታቶም ረድኤት መሰረታዊ ለውጢ ኣየምፅእን። ካልእ ተሪፉ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምህናፅ ዝተሓሰበ ኣብ ኣፄ ሃይለስላሴ ምምሕዳር ዘመን እዩ ነይሩ ግና ም ስኻዕ ኣይተኽኣለን።

ንሳቶም ዝሕግዙ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘሽከርክሮም ከም ግብፅ ዝኣመሰሉ ሃገራት እዮም። ብምዃኑ ነዚ ዝተቐመጠ ማዕቀብ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣሜሪካ’ውን እዩ ዝጎድእ። ኢትዮጵያ ከይሓዘት ብቀይሕ ባሕሪ ዕውት ክትኸውን ኣይትኽልን።ኸዚ ዘሎ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ብደለልትን ውልቀ ሰባትን ብጉጅለ ህወሓት ዝተመስረተ እዩ። ኸዚ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ጥቕሚ ኣሜሪካ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ እናተጉዓዙ እዮም። ንሳቶም ኣልቃይዳ ግብረ ራዕዲ ኢሎም እንትስይሙ ማንም ኣየፍቅዱን። ንሕና ዝበደለና ዝኸፋፈለና ህወሓት ዝባሃል ጉጅለ ኣብ ፓርላማ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾነ እንትንውስን ምቕባል ግቡኦም እዩ። እዚ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲ ድኽመት መርኣያ እዩ። ብምዃኑ ዴሞክራሲ ምንቅስቓስ ብጥንቃቀ ምሓዝ ይግባእ።

ሕቶ፡- ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣሰራርሓ ዲፕሎማሲ ኣንፈት ኢትዮጵያ ዘምፅኦ ለውጢ ኣሎ ዶ?

ኣይተ እንዳለ፡– ዝፈርሑዎ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ለውጢ ዝቐረፀቶ ዲፕሎማሲ ኣንፈት እዩ። ቅድም ክብል ዝነበረ ኢትዮጵያውያን ዘዋርድን ንንግድን ውልቀ ሰባትን ጥቕሚ ዝተቐረፀ እዩ። ብሓፈሻ እቲ ዲፕሎማሲ እናገልገለ ዝነበረ ንሓደ ጉጅለ እንበር ንኢትዮጵያውያን ኣይነበረን። ኣብዚ ኸዚ እዋን ዲፕሎማሲ ኣጀንዳ ካብ ምቕባል ናብ ምሃብ ተቐይሩ እዩ።ከም ቕድሚ ኸዚ ምስ ዝተወሰኑ ሃገራት እንተይኾነስ ጥቕማ ምስ ዝተፈላላዩ ሃገራት ስለዝኾነ ዝምጥን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እናተኸተለት እያ። ኣብዚ ሰዓት ናይ ኣሜሪካ ማዕቀብ እናተደኸመ እዩ። እዚ ዝኾነ ካልኦት ሃገራት ጠንካራ ሕውነት ምፍጣር ስለዝካኣልን ጠንካራ ሃገራት እናተፈጠሩ ከምዘለዉ እዩ።

ሕቶ፡- እዚ ማዕቀብ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምውሳድ ይካኣል ዶ ይኸውን?

ኣይተ እንዳለ፡– ኢትዮጵያን እዚ ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ምጥቃም ይግባእ። በቢ ሃገሩ ዘለዉ ኣምባሳደራት ንዲፕሎማስን ናብ ዜጋታት ቕርብ ኢሎም ክሰርሑ ኣለዎም። ሃገራዊ ጥቕሚ ብምቕዳም ብሓባር ምንቅስቓስን ምስራሕን ይግባእ። ኣብ መላእ ሃገር ሰላም ምርግጋዕን ምፍጣር ኣለዎ። ከም መንግስቲ ሃፍቲ ኣጠቓቕማን ብዝግባእ ምፅናዕ ከምኡ’ውን ሕድሕድና ክንከባባር ኣለና። ሓገዝ ካብ ምፅባይ ኣብ ሃገር ዘሎ ዓቕሚ ምጥቃምን ስትራቴጂ ብምውፃእ ቀትርን ለይትን ምስራሕ ይግባእ።

ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ዘፈር ብዙሕን ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት’ውን ርክብ ክህሉ ይግባእ። ሓቂ ንምዝራብ ማዕቀብ ክዋሃብ ዝነበሮ ንሱዳንን ግብፅን እዩ ነይሩ። ኣሜሪካውያን ዴሞክራሲ ዝብልዎ ንባዕሎም ጥቕሚ ጥራሕ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ዝኾነ ኾይኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግድብ ህዳሴ ዘለዎ ፖሊሲ ከምዘይተቐየረ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪነት ክፍታሕ ከምዘለዎ ምእማን ኣብ ግምት ውሽጢ ክኣቱ ኣለዎ። ካብዚ ብዝዘለለ እዚ ማዕቐብ ንኢትዮጵያ መንቅሒ ደወል እዩ። ዲፕሎማሲ ምፍታሽን ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግበአና ኣመላኻቲ እዩ።

ንዝነበረና ፃንሒት ነመስግን

ኣይተ እንዳለ ፡-ኣነውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You