‹‹ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ፍርያት ሕርሻ ከድንፍዕ እንተዘይተገይሩ ዋጋ ምግቢ ክቕንስ ኣይኽእልን›› ኣይተ ጌታቸው ፋንታዬ ኣማኻሪ ፋይናንስን ቢዝነስ

ኣይተ ጌታቸው ፋንታዬ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተወለዱ እንትኾኑ ትምህርቶም ‘ውን ካብ ቐዳማይ ክሳብ 12 ኣብ ከተማ መቐለ እዮም ተማሂሮም። ብፋይናንስን ቢዝነስ ከምኡ ‘ውን ብፕሮጀክት ማናጅመንት ካልኣይ ዲግሪ ዝተማሃሩ እንትኾኑ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብናይ ፋይናንስን ቢዝነስ ኢንቨስትመንት ብውልቖም ኣማኻሪ ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። ኣይተ ጌታቸው ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ናፃ ኮይኖም ብተወሳኺ ሲቪል ሶሳይቲ እናመርሑ ይርከቡ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ብፍላይ ድማ ምስቲ ለብዘበን ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዅናት ስዒቡ ዘሕደሮ ፅልዋን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ኣድሂብና ሞያዊ መብርሂ ክህቡና ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ከምዝስዕብ ኣዳሊናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ሃገርና ኢትዮጵያ ከመይ ይገልፅዎ? ዕቤት እናምፀአ ድዩስ ወይስ ኣይኮነን?

ኣይተ ጌታቸው፡- ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጀሚሩ ዕቤት እናርአየ መፂኡ እዩ። ከምዝፍለጥ ኢኮኖሚያዊ መሰረትና ሕርሻ እዩ። ዝተፈላላየ ኢንዱስትሪ ምኽፋት ስለ ዝተጀመረ ምስ ናይ ሕርሻ ተደማሚሩ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዘፈር ዕቤት እናተመዝገበ መፂኡ እዩ። ይኹን’ምበር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ዓለም ምስ ናይ ኮቪድ -19 ሕማም ለበዳ ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕታለ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ኣጋጢሙ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮስ ኣብ መላዕ ዓለምና ምንጋዕ ኣጋጢሙ እዩ። ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ሃገርና ካብ ዝነበሮ ዋላ ይቐንስ’ምበር ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ክነፃፀር እንተሎ ግና ዝሓሸ እዩ ምባል ይካኣል። ምኽንያቱ መንግስቲ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻት ስለዝገበረ እዙይ እዩ ዝባሃል ፀገም ኣየስዐበን። ኣብ ብዙሓት ዓለም ካብ ሃገርና ብዝባኣሰ ብርኪ ብዙሕ ምንቑልቋል ኣጋጢሙ እዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሓደ ሓደ ሸቐጣት ከንርኢ እንተለና ናህሪ ዋጋ ይስትውዐል ኣሎ እዩ። እዚ ድማ መበገሲኡ ምስ ናይ ሕፅረት ቐረብ እዩ ዝተሓሓዝ። ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ መብዛሕተኦም ሸቐጣት ካብ ደገ እያ ተአቱ፤ እዞም ሸቐጣት ኢዚኦም ድማ ብዶላር እዮም ዝዕደጉ። ዶላር ብጣዕሚ ኸቢሩ ስለ ዘሎ ምስዚ ተተሓሒዙ እቶም ኣቚሕት ብኽባር ስለዝመፁ ዓቕሚ ሕብረተሰብ እናተፋታተኑ ይርከቡ። ካሊእ ምስ ሕፅረት ዶላር ተተሓሒዙ ጠለብን ኣቕርቦትን ብዘይ ምምጥጣኑ ዝመፀ ፀገም እዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ፀገም ብሰንኪ ኮቪድን ኣብ ኣታዊ ሸቐጥ ፅግዕተኛ ብምዃንን ጥራይ ድዩ ወይ ካልኦት ‘ውን ኣለዉ እዮም? መፍቲሒኦምከ እንታይ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ክዝሕል ዝኸኣለ በዞም ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎም ጥራይ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ‘ውን ናይ ባዕሉ ፅልዋ ኣለዎ እዩ። ሰብ ከም ድሌቱ ተዛዋዊሩ እንተዘይሰሪሑ፣ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኢንቨስተራት ከምርቱ እንተዘይክኢሎም እዚ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ግደ ኣለዎ እዩ። ብሰንኪ ፖለቲካ ህዝቢ ካብ መረበቱ እንተተመዛቢሉ ሓሪሱ እኽሊ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ሕርሽኡ ገዲፉ እዩ ተመዛቢሉ ዘሎ። ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ይትረፍ ንባዕርሱ ‘ውን ኣብ ሓገዝ ዝተመርኮሰ እዩ። ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ክህሉን ኢንቨስተራት ካብ ደገ ይኹን ካብ ውሽጢ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ እንተኾይኖም ብቐዳምነት ሰላም ክህሉ እንተሎ እዩ። ሰላም ንኹሉ ወሳኒ እዩ። ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ክህሉ እንተኾይኑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሰላም ክዓስል ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ዘይናዓቕ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ እዩ። ሰላም ንኽህሉ ድማ ግደ ኩሉ ሕብረተሰብ ‘ምበር ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ጥራሕ ገይርካ ክውሰድ የብሉን። ካሊእ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እዛ ሃገር ክረጋጋዕ እንተኾይኑ ምህርቲ ብብዝሒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈርዩ ኣለዎም።

መንግስቲ ካብ ደገ ዝኣትዉ ኣቚሑ ንምቕናስ ከምኡ ‘ውን ናይ ዶላር ምኽባር ንምቕናስ ብፍላይ ከም ምግቢ ዝመሳሳሉ ነገራት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክምረቱ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። ንኣብነት ሰፊሕ ዝሕረስ መሬት እናሃለወና ኣብ ክንዲ ዘሪእና ስርናይ ምፍራይ ካብ ደገ ብዶላር ዓዲግና ክነአቱ ንግደድ። ብፍላይ ከም ምግቢ ዝበሉ ነገራት ክሓስሩ እናተገበኦም ብሰንኪ ቐረብን ጠለብን ዘይምምጥጣን ዋጋ እናወሰኸ እዩ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ብሰንኪ ሕፅረት ዶላር ዋጋ ሸቐጣት ክኸብር ምኽኣሉ ገሊፆም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈረዩ ሸቐታትከ ዋገኦም ክንህር ዝኸእለሉ ምኽንያት ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ኣብ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዝተመረተ ንምንታይ ኸቢሩ ዝብል ሕቶ ፅቡቕ እዩ። ኮይኑ ግና ዋላ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈረየ ምህርቲ ብተዛዋዋሪ ምስ ዶላር ምትሕሓዝ ኣለዎ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሓረስታይ ካብ ደገ ዝኣተወ ዓቕሓ ብኽባር ክገዝእ እንተሎ ነዚ ንምክሕሓስ ክብል ኣብ ኢዱ ዘሎ ፍርያት ኣኽቢሩ እዩ ዝሸይጥ። እቲ ሓደ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ክኸብር ክኢሉ። ኣብዚ ነጋዳይ ‘ውን ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ እዩ።

ካሊእ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ፋብሪካታት ‘ውን ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ውሽጢ ዓዲ እታዎታት ተጠቒመን ኣይኮናን ዘፍርያ። ኣብነት ከም ፋብሪካ ምግቢ፣ ዓለባ ይኹን ካልኦት ነገራት ካብ ደገ ብዶላር ዝገዝአኦ ተወሰኽቲ ነገራት ኣለዉ እዮም። ስለዚ ዘፍረየኦ ምህርቲ ክሸጣ እንተለዋ ትርፈን ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእትየን ስለ ዝሸጣ እዚ ‘ውን ንምኽባር ካሊእ ምኽንያት እዩ።

ወጋሕታ፡- ምውሳኽ ሸርፊ ዶላር ኣብ ኢኮኖሚ ሃገርና ዘሕድሮ ፅዕንቶ ከመይ ይገልፅዎ? ብኸመይከ ክፍታሕ ይኽእል?

ኣይተ ጌታቸው፡– ሸርፊ ዶላር እንድሕር ዘይተረጋጊዑ ወይ ብጣዕሚ እንተኸቢሩ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ምግዛእ ዓቅሚ እዩ ዝትሕት። ብፍላይ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ኣቑሑት ካብ ደገ ስለ ተአቱ ብጣዕሚ እያ ትሕሰ። ሕዚ ሸርፊ ዶላር ኣብ ባንኪ ልዕሊ ኣርባዓ ብር በፂሑ ኣሎ እዩ። ዶላር ብዝኸበረ ቑፅሪ ካብ ደገ ነአትዎም ኣቑሑት እናኸበሩ እዮም ዝኸዱ።

ሓደ ነጋዳይ ብኽባር ዘምፀኦ ኣቕሓ ናብቲ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ እንትበፅሕ ብኽባር እዩ ዝሸጦ። ስለዚ ዶላር ብዝኸበረ ቑፅሪ መብዛሕትኡ ተጎዳኢ ድኻ ሕብረተሰብ እዩ። ሃገር ከም ሃገር ‘ውን ዶላር ብምኽባሩ ተጎዳኢት እያ፤ ውሕድ ዶላር ንምግዛእ ብዙሕ ብር እያ ተውፅእ። ሓደ ነጋዳይ ካብ ወፃኢ ገዚኡ ክሳብ ናብቲ ተጠቃሚ ቦታ ዘብፅሖ ብመግዝኢ ዋጋ ጥራሕ እንተይኮነስ ካሊእ ተወሰኽቲ ከም ንቐረፅ፣ መጓዓዝያ ዝበሉ ነገራት ወፃኢ ስለዘውፅእ ነዚ ንምክሕሓስ ኢሉ ኣብ ዝሸጠሉ እዋን ልዕል ኣቢሉ ስለ ዝሸጦ እቲ ዝገዝእ ተጎዳኢ እዩ። ነቲ ናሕሪ ዋጋ ዘምፀኦ ዘሎ ‘ውን እቲ ዋና ንሱ እዩ። ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከቶ ኢንቨስተራት ‘ውን ክራባረቡ ኣለዎም። ኣብ ሃገር ውሽጢ ክፈሪ ዝኽእል ንኣብነት ከም ስርናይ ዝበሉ ብበዝሒ ክፈርዩ ኣለዎም፤ኣብዚ ግብርና ሚኒስቴር ብዝግባእ ክሰርሕ ይግባእ። ብፍላይ ዓይነት ምግቢ ኣብ ሃገር ውሽጢ ብዝግባእ ክፈሪ ብሰፊሑ ክሕሰበሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሕዚ እዋን ናብራ ኸቢሩ፣ ዋጋ ሸቐጥ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ እዩ ዘሎ፣ ነዚ መፍትሒኡ እንታይ እዩ? እንተዘይተፈቲሑኸ ዘምፀኦ ሳዕቤን እንታይ እዩ?

ኣይተ ጌታቸው፡– ቚፅፅር ኣድላይ ኮይኑ ቅድሚ ኩሉ ግና ቐረብን ጠለብን ክመጣጠን ክኽእል ኣለዎ። ሕዚ እቲ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ፀገም ቐረብ እዩ። ንጠለብ ዝምጥን ቀረብ የለን። ምግቢ ካብ ‘ቶም መሰረታዊ ድሌታት ወዲ ሰብ ሓደ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብዚ ዓብዪ ሕፅረት ኣሎ እዩ። ክሳብ ሕዚ ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣብ ምግቢ ዓርስና ኣይከኣልናን። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ሴፍቲኔት ተሓቚፉ ዝነብር ኣሎ እዩ። ሰፊሕ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት እናሃለወና ስርናይ ኣብ ክንዲ ምፍራይ ነዚ ካብ ወፃኢ

 ብዶላር ነአቱ ኣለና። ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ተጠቒምና ምህርቲ ክነድንፍዕ ኣለና። ኢንቨስተራት ኣብዚ ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም። ቐረብን ጠለብን ንምምጥጣን ትኹረት ገይርካ ክስራሕ ኣለዎ። ኣብዚ መንግስቲ ብደንቢ ፀቒጡ ክሰርሕ ኣለዎ። መንግስቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ፍርያት ሕርሻ ከድንፍዕ እንተዘይገይሩ ዋጋ ምግቢ ክቕንስ ኣይኽእል።

ካሊእ ምህርቲ ካብ ዝፈረየሉ ቦታ ጀሚሩ ናብ ተጠቃማይ እንትበፅሕ ዘሎ ሕልኽላኻትን ዘይተደለየ ወፃኢን መንግስቲ መርሚሩ ከስተኻኽሎ ኣለዎ። ኣብዞም ሕልኽላኻት ነጋዳይ ዘየድሊ ወፃኢ ስለዘውፅእ ነዚ ንምክሕሓስ ሓሲቡ ስለ ዝሸይጥ ተጠቓሚ ሕብረተሰብ እዩ ዝጉዳእ። ሓደ ሐደ ደላሎ ኣብ መንጎ እንኣተዉ ክኸብር ዝገብሩ ኣለዉ እዮም። ካብ ዝፈረየሉ ቦታ ክሳብ እቲ ተጠቃማይ ዝበፅሕ ወፃኢ ብዝቐነሰ ክመፅእ ክግበር ኣለዎ። ኣብዚ ነጋዳይ ብዝተሓተ ወፃኢ መሰረት ገይሩ ስለ ዝሸይጥ ተጠቓማይ ኣይጉዳእን። ሓደ ሓደ እዋን ነጋዳይ ብዝሓሰረ መገዲ ተጠንቒቑ ናብ ተጠቓማይ ከቕርብ ኣይረአይን ምኽንያቱ ወፃኢኡ ኣብቲ ተጠቃማይ ከካሓሕሶ እየ ኢሉ ስለ ዝሓስብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ምንቕስቓስ ኢንቨስተራት ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ይብሉ?ብበዝሒ ኢንቨስተራት ንምስሓብከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡- መጀመርያ ምንቕስቓስ ኢንቨስትመንት ክህሉ ዘድልዩ ነገራት ምርኣይ ኣድላይ ይመስለኒ። ብፍላይ ናይ ደገ ኢንቨስትመንት ብጣዕሚ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ይደሊ እዩ። ካብ ደገ ዝመፁ ኢንቨስተራት ዝደልይዎም መሰረታዊ ነገራት ኣለዉ እዮም። እዚኦም እንታይ እዮም እንተይልና ዝኾነ ኢንቨስትመንት ምስ መሬት ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ቐረብ መሬት ፀገም ኣሎ እዩ፤ካሊእ ሙሉእ ብሙሉእ እኳ እንተዘይኮነ ካብ መንግስቲ ነፃ ዝኾነ ባንኪ ይደልዩ እዮም። ኢንቨስተራት ኢንቨስት ንምግባር ክሓስቡ እንተለዉ ካብ ደገ ቅድሚ ምምፅኦም ዘፅንዕዎም ነገራት ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ባንኪ ኢንተርናሽናል ምህላውን ዘይምህላውን የረጋግፁ። ቐረብ ፋይናንስ ንኢንቨስተር ወሳኒ ስለዝኾነ እዚ ከም ዓብዪ ረቓሒ እዮም ዝወስድዎ።

ካሊእ ከም መሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጂን ኣብ ግምት ውሽጢ እዮም ዘእትዉ። ብፍላይ ፅፈቱ ዝሓለወ መንገዲ፣ እቲ ዝወሃቦም መሬት ናብ ከተማ ዘለዎ ርሕቀት ዝመሳሰሉ ነገራት ተሓሳቢ ይግብሩ እዮም። ብወገን ቴክኖሎጂ ከንርኢ እንተለና ድማ ዘፍረይዎ ምህርቲ ንምሻጥን ካልኦት ዘድልዮም ነገራትን ንምፍላጥ ምስ ዓለም ዘራኽቦም ስርኣት ኮሙኒኬሽን ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ኢንተርኔት ኩነታት ኣብ ግምት ውሽጢ እዩ ዝእትዉ። ከምኡ ‘ውን ናይታ ዓዲ ስርዓት ታክሲ እንታይ ከምዝመስል ይሪኡ እዮም። ስለዚ አንቨስተር ንምስሓብ ከምዚኦም ዝመሳሰሉ ነገራት ክመቻቸወሎም ክኽእል ኣለዎ። ይኹን’ምበር እዞም ዝገለፅክዎም ንኢንቨስተራት ብዙሕ ዝምችዉ ኣይኮኑን። ብፍላይ ምስ መሬት ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሐ ፀገም ኣሎ እዩ፤ መሬት ብሊዝ እዩ ዝሽየጥ ዘሎ። ዝተወሰኑ ምስ ናይ ባንኪ ሕጊ ተተሓሒዙ ንኢንቨስተራት መሕንቖ ዝኾኑ ነገራት ነይሮም እዮም ሕዚ ግና እናተማሕየሸ እዩ። እንተነኣሰ ናይ ግሊ ባንኪ እንተስፋሕፍሑን ንኢንቨስተራት እናተማቻቸዉን እዮም ዘለዉ።

ኣብዚ ቐረባ ብዓብላልነት ተታሒዙ ዝነበረ ከም ኩባንያታት ቴሌ ዝበሉ ካልኦት ክኣትውዎ ኣብ ከይዲ እዩ ዘሎ። ብኣዋጅን ብኣሳራርሓን እናተለወጡ ዝኸዱ ነገራት ኣለዉ እዮም። እዚኦም ክንደየናይ ዓድማዕቲ ምዃኖም ኣብ ቐፃሊ እዮም ዝረአዩ። ሓደ ሓደ ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ዘድልዮም ኣለዉ እዮም። ምስ መሬት ዝተተሓሓዙ ገና ዘይተቐረፉ ፀገማት ኣለዉ እዮም። ብሓፈሻ ከንርኢ እንተለና ግና ኢንቨስትመንት ዝስሕብ ብዝተወሰነ መልክዑ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ኣለዉ እዮም። ብሓፈሻ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ምንቕስቓስ ኢንቨስተራት ከንርኢ እንተለና ብምኽንያት ቕድሚ ሕዚ ምስዝነበረ ዘይምቹው ፖሊሲ፣ ኮቪድን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ምንቕስቓስ ኢንቨስትመንት ሃገርና እዚ እዩ ዝባሃል ኣይኮንን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ክሰርሕ ዝኽእል መንእሰይ ኣሎ፤ እዚ መንእሰይ ናብ ስራሕ ንምእታው እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ስራሕ ዘይብሉ ብዙሕ መንእሰይ ኣሎ እዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ስራሕ ክረክብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ኢልና ከንርኢ ይግበአና። ስራሕ ማለት መንግስቲ ወይ ውልቐ ሰብ ዝህበካ ገይርካ ክውሰድ የብሉን። መጀመርያ ስራሕ ንምስራሕ ናይካ ብቕዓት እዩ ዝውስኖ። ኣብ ስራሕ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክህሉ ኣለዎ። ነቲ መንእሰይ ስራሕ ኣይኮናን ክነቕርበሉ ዘለና። እዚ ብዙሕ ርሕቐት ዘኽይድ ኣይኮነን። መሰረታዊ ፍልጠት ኢና ክነዕጥቖ ዘለና፤ ብፍላይ ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ክነምህሮ ኣለና። መንግስቲ ኣብዚ እዩ ፀቒጡ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ምስ ዝንባለኦም ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ እንተሰልጢኖም ካብ ውሽጦም ድሌት ስለ ዘሎ ብዓሎም ስራሕ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና መንግስቲ ስራሕ ከማቻቹ የብሉን ማለተይ ኣይኮንኩን። መንእሰይ ክእለት ኣጢቑ ዝወፀሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ፤ እቲ ናይ መንግስቲ ክፍተት እዚ እዩ። ናይ መንግስቲ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ባዕሉ እቲ ተማሃራይን ሕብረተሰብን ክወስድዎ ዝኽእሉ ብፅሒት ኣለዎም እዩ። ኩሉ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝድርበይ ኣይኮነን።

ሃገርና ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሬት እትውንን ሃገር እያ። ስለዚ መጀመርያ ክስራሕ ዝኽእል እንታይ ኣሎ? ሕርሻድዩ ወይስ ሕንፃ ክስርሐሉ ዝኽእል ኢልና ክንሓስብ ይግበአና። ብሕርሻ ወይ ስራሕቲ ህንፃ እንተኾይኑ ብዙሕ መንእሰይ ዝሕዝ በዚኦም መንእሰይና ክእለት ኣትሒዝና ክነምርቖም ኣለና። ንኣብነት ኮንስትራክሽን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ዝሕዝ ዘፈር እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ክእለት እዩ ዝሓትት፤ ሃናፂ፣ ኤሌክትሪሺያን፣ ስራሕቲ ኣሎምንየም፣ልስን ወዘተ እዩ ዘጠቓልል። ስለዚ ኣብዚ ጥራሕ ብዙሕ መንእሰይ ክሕዘልና ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ብዙሕ መንእሰይ ካብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቑ ወፂኡ ስኣን ተግባራዊ ክእለት ኮፍ ኢሉ ስራሕ ስኢነ እናበለ እዩ ዝውዕል። ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ክሕዙ ዝኽእሉ ሴክተራት ምፍላይ የድሊ እዩ። ካብኡ እቲ መንእሰይ ብምንታይ ዓይነት ሞያ ምስ ተግባር ዝተተሓሓዘ ክስልጥን ከምዘለዎ ምሕጋዝን ብቑዕ ኮይኑ ክወፅእን ምግባር እዩ። ኣብዚ መንግስቲን ውልቐ ትካላትን ጥራሕ ኣይኮኑን ዘስርሑ። ብዓልኻውን ፈጣሪ ስራሕ ከትኸውን ኣለካ።

መንእሰይ ናይ ተግባር ክእለት ሒዙ ክወፅእ እንተዘይተገይሩ ስራሕ ስእነት መንግስቲ እዩ ዝፈጠር ዘሎ ‘ምበር ባዕሉ እቲ ተማሃራይ ኣይኮነን። መንግስቲ ባእሉ ተምሃራይ ክእለት ሒዙ ክወፅእ እንተዘይገይሩ እዚ መንእሰይ ከመይ ገይሩ ስራሕ ክፈጥር ይኽእል? ነዚ መንእሰይ ዲግሪ ወይ ዲፕሎማ ተመሪቑ ብዘይ ተግባራዊ ክእለት ክወፅእ እንተጌርናዮ ግዚኡ ኢና ነባኽነሉ ዘለና’ምበር ስራሕ ንክረክብ ኣይኮናን ኣምሂሪናዮ ዘለና። እቲ ዋና ስራሕ ክኸውን ዝኽእል ናይ ተግባር ብቕዓት ሒዙ ክወፅእ ምግባርምበር ስራሕ ናይ ምትሓዝ ኣይኮነን። እዚ መንእሰይ እዚ ክእለት ሒዙ እንተወፂኡ መንግስቲ ወይ ብዓል ሃፍቲ ክቖፅሮ ኣይፅበይን። ዋላ ቐልጢፉ ስራሕ እንተዘይረኸበ ንግዚኡ እናተንቐሳቐሰ ስራሕ ኣይስእንን ምኽንያቱ እቲ ሞያ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ።

ሓደ ሰብ ካብ ህፃንነቱ ሒዝዎ ዝዓቢ ተፈጥራዊ ዝንባለ ኣሎ እዩ። ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ተምሃራይ ዝስልጥን ምስ ዝንባልኡ ዝተተሓሓዘ ሞያ እዩ። ምደባ ትምህርቲ ዝንባለ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ሞያ ብጣዕሚ ዝንባለ ዝዲሊ ጉዳይ እዩ። ሞያ ዝንባለ ‘ምበር ምደባ ኣይኮነን። ንኣብነት ገሊኡ ኤሌክትሪሻን ክኸውን ዝደሊ ኣሎ። ገሊኡ ድማ ፀጋኒ ኤሌክትሮኒክስ ክኸውን ዝደሊ ኣሎ። ኣብ ሃገርና መብዛሕትኡ ተዳፋፊኡ ዝኣቱ ‘ምበር ተፈጥራዊ ዝንባልኡ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ኣይኮነን። እዚ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ኣገዲድካ ኣብ ዘይድሌቱ ወይ ‘ውን በዓሉ ምስ ድሌቱ ዘይዛመድ እንተሰልጢኑ ውፂኢታዊ ኣይኸውንን።

ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ኢትዮጵያ ብዙሕ መንእሰይ እዩ ዘለዋ። ነዚ መንእሰይ እዚ ኣሰልጢንካ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ብቴክኒክን ሞያን ዘስልጥኑ ኮሌጃት ዓውደ ፅንዓት (ፊልዲ) ከስፍሑ ኣለዎም። ዝተፈላለየ ዓይነት ስልጠናታት ዘካትታ ክኾና ኣለዎን። ክሳብ ሕዚ ዘለዋ ኮሌጃት ግና ውስን ዓውደ ፅንዓት እዩ ዘለዎን። በቢ ዓመቱ እናወሰኸ ስለ ዝመፅእ ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ነገራት ከካትታ ክኽእላ ኣለዎን። እዘን ኮሌጃት እዚአን ብዛዕባ ስራሕቲ ዕንጨይትን ሓፂን መፂንን ጥራሕ እንተይኮናስ ብሓፈሻ ዕዳጋ እናረአያን እናፅነዓን ክኸዳ ኣለወን። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ሓደ ሸሕ ቴክኒክን ሞያን እንተሃልየን እሞ ድማ ኩለን ብተመሳሳሊ ትምህርቲ ዘስልጥና እንተኾይነን ካብ እቲ ዕዳጋ ዝጠልቦ መጠን ንላዕሊ ክኽውን ይኽእል እዩ።

እቲ ዋና ክኸውን ዝግበኦ ተማሃሮ ብቕዓት ሒዞም ክዓብዩ እንተኾይኖም። እቲ ሞያ ካብ ታሕቲ ጀሚሮም እናተማሃርዎ ክመፅኡ ኣለዎም። ካልኣይ ብርኪ ምስወዳእኻ ብኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ሰልጢንካ እትወፆ ዘተኣማምን ብቕዓት ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ እዮም ዝኣትውዎ ዘለዉ። ስለዚ ካብ ታሕቲ ብዝግባእ ተሃኒፆም ክመፁ ኣለዎም። ካብቶም ቴክኒክን ሞያን ዝሰልጠኑ ንላዕሊ ብጎኒ ኢዶም ኣፍታሕቲሖም ብደንቢ ብተግባር ዝለመዱ ሰባት ድማ ኣለዉ እዮም። እዚኦም ብናይ ባዕሎም ዝንባለን ፃዕርን ዘዳበርዎ ሞያ እዩ። እቲ ኮሌጅ ባዕሉ ‘ውን ብቕዓቱን እታወታቱን ሙሉእ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ስራሕ ንምትሓዝ ዝግበር ፃዕሪ ከመይ ይሪእዎ? ውፅኢታዊ ድዩስ ኣይኮነን? እንታይ ክስተኻኸል ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡– ኣብ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ዘለኒ ሓሳብ ኣብዚ ነዋፍሮ ዘለና መንእሰይ መጀመርያ ክእለት ኣትሒዝናዮ ዲና ተባሂሉ ክሕሰበሉ ኣለዎ። እዚ ኢና ንስሕቶ ዘለና። ምውዳብ ካሊእ ስራሕ እዩ። ደቐቕትን ኣናእሽተይን ወዲብካ ልቓሕ ሂብካ ክሰርሕ ምግባር ድዩ ክቕድም ዘለዎስ ወይስ ክእለት እዩ ዝብል ብደንቢ ምርኣይ ዘድልዮ ይመስለኒ። መጀመርያ እታ ክእለት ሒዝዎ ክመፅእ ኣለዎ። ክእለት ሒዙ ምስመፀ በታ ክእለቱ ክውደብ ኣለዎ።

መንግስቲ ኣብ ኣናእሽተይን ደቐቅትን ኢነተርፕራይዝ መናእሰይ ወዲቡ ስራሕ ንምትሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ፅቡቕ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ምክትታል ፀገም ኣሎ እዩ። ገሊኦም ሰሪሖም ክሰጋገሩ ኣይረአዩን። ገሊኦም ድማ ቶሎ ክሰጋገሩ ይግበር። ኣብዚ ብዝግባእ እናተኻታተልካ ውፂኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ሰሪሆም ከምኡ ‘ውን ክትትልን ሓገዝን ተገይርሎም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክበፅሑ ክግበር ኣለዎም፤ማለት ሰኣን ክትትል ዘይልወጡ ‘ውን ኣለዉ እዮም። ልቓሕ ካብ መንግስቲ ኣውፂኦም ከይተለወጡ ወይ ዘጠፋፍእዎ ኣለዉ እዮም። ኣብዚ ንፁር ዝኾነ ኣሳራርሓ ክህሉ ኣለዎ። ኣብዚ ዘፈር እዚ ተወዲቦም ዝሰርሑ መናእሰይ ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ናብ ቐፂሉ ዘሎ ብርኪ ክሰጋገሩ ኣለዎም፤ ካልኦት ድማ ክኽተልዎም ይግባእ። ኣብዚ ፅፉፍ ኣሰራርሓ ይጎድሎ እዩ።

ኣብዚ ብደንቢ ክስራሕ ኣለዎ። ወይ ድማ ስልጠናን ሓገዝን እናተገበረሎም ብዓቕሚ ብኽእለት ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሑ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ወዲብካ ገንዘብ ሂብካ ኣብ ክትትል ጉድለት ተልዩ ትርጉም ዘይብሉ ስራሐ እዩ ዝኸውን። ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመት ወዲብና ገንዘብ ኣልቒሕና ዘሰጋገርናዮም መናእሰይ ሕዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ ኢልና ከንሪኦም ኣለና። እቲ ውዳበ ዕላምኡ ክወቕዕ ኣለዎ። ማለት እዞም ተወዲቦም ዝኒሀቡ መናእሰይ ኣበይ ክበፅሑ ተባሂሉ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኢልካ ንፁር ዝኾነ ስርዓት ዘርጊሕኻ ዝኽየደሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ። ደሚርና ከንሪኦ እንተለና ግና መናእሰይ ኣብ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ስራሕ ንምትሓዝ ጉድለታት ከምዘለዉ ኮይኖም ፃዕሪታት ኣለዉ እዮም።

ወጋሕታ፡- ክልል ትግራይ በቲ ገጢምዎ ዘሎ ዅናት ስዒቡ ዘንቖልቖለ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ናብ ንቡር ንምምላስ መጀመርያ ኣብቲ ክልል ሰላም ክረጋገፅ ኣለዎ። ሰላም ናይ ኩሉ መሰረት እዩ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ኣይሽንኳዶ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ክህሉ ህልውናኻ ‘ውን ኣብ ሕቶ ምልክት እዩ ዝወድቕ። ሰላም ንኽመፅእ ድማ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ሓላፍነት እዩ ዝኸውን። ኣብ ሓንቲ ዓዲ መንግስቲ ጥራሕ ሰላም ከምፅእ ኣይኽእልን። ኩሉ ህዝቢ ንሰላም ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ኮይኑ ግና ሰላም ክሳብ ዝመፅእ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ሱኽ ኣይባሃልን ጎኒ ንጎኒ ምንቕስቓስ የድሊ እዩ። እቲ ስሩዕ ምንቕስቓስ ኢኮኖሚ ክሳብ ዝመፅእ ክስራሕ ዝግበኦ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ። መሰረታዊ ዝኾነ ስራሕቲ ልምዓት መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ክሰርሖ ዝግባእ ክሰርሕ ኣለዎ። ከም ስልኪ፣ መንገዲን መብራህት ዝመሳሰሉ ነገራት ኣቐዲምካ ክስርሑ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ በዚ ኵናት እዚ ዝተላዕለ ብዙሕ ልምዓት ዓንዩ እዩ። ኣቐዲምካ ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ከም ቤት ትምህርቲ፣ መንገዲ ፣ ገዛውቲ፣ ስልኪ ፈሪሶም ስለ ዝኾኑ ክፅገኑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- እዚ ዅናት ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ትግራይ ዘሕደሮ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ጌታቸው፡– ዅናት ዝነበረካ ሃፍቲ ዝበልዕ እዩ። ዅናት ኣብዝተኻየደሉ ዓዲ ሰላም ምስኾነ ‘ውን ቐልጢፍካ ናብ ልምዓት ከይትኣቱ ዝነበሩ ልምዓት ቐዲሞም ዓንዮም ስለ ዝኾኑ ቐጥታ እቲ ኢኮኖሚ ከይንቐሳቐስ እዩ ዝገብሮ። ተመሊሱ ነቲ ድሕሪ ሰላም ዝመፀ ኩነታት ‘ውን ከቢድ እዩ ዝገብሮ። መጀመርያ ዝነበረካ የስእነካ ካብኡ ቐልጢፍካ ካብ ፀገም ከይትወፅእ እዩ ዝገብረካ። ኣብ ዘይተረጋግዐት ዓዲ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ከትሰርሕ ኣይትኽእልን። መንፈስካ ተረጋጊዑ ክሰርሕ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ናብ ዅናት ስለ ዝቕየር። ደሓር ድማ እቲ ዝገደፎ በሰላ ኣሎ እዩ። እቲ በሰላ እዚ ኣብ ኣእምሮ ይኹን ኣብ ንብረት ከቢድ ፀገም እዩ ፈጢሩ ዝሓልፍ። እዚ ከይፀገንካ ድማ ናብ ንቡር ምንቕስቃስ ከትምለስ ኣይትኽእል።

ደቕኻ ‘ውን ናብ ቤት ትምህርቲ ከትሰድድ ኣይትኽእልን። ንቡዙሕ ግዜ ዝሃነፅካዮ መሰረተ ልምዓት ስለ ዝፈራረሰ ቐልጢፍካ ናብ ንቡር ስራሕ ከይትምለስ ስለ ዝገብረካ እንደገና ነዚ ክሳብ እትሃንፅ ወይ ክሳብ እተስተካከል ግዜ ይወስደልካ እዩ። እዚ ዅናት እዚ ንትግራይ ብጣዕሚ ሓስይዋ እዩ። ኣብ ሂወት ሰብ፣ ልምዓትን ኢኮኖሚን ከምኡ ‘ውን ብዓብይኡ ኣብ ስነ ልቦና እቲ ማሕበረሰብ ከቢድ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ እዩ። ኵናት ኣብ ዘለዎ ዓዲ ስነ ልቦና እቲ ህዝቢ ‘ውን ይቕየር እዩ። ዝነበረ ኣተሓሳስባኻ ምስኡ እዩ ዝቕየር፤ ፀልማት እዩ ዝገብሮ። ካብዚ ንምውፃእ ድማ ባዕሉ ግዜ የድልየካ እዩ። ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓት ጥራሕ መሊስካ ንምህናፅ ጥራሕ ኣይኮነን ግዜ ዝወስደልካ ኣእምሮ ‘ውን ተረጋጊዑ ከይሓሰብን ከይሰርሕን እዩ ዝገብሮ።

እዚ ዅናት እዚ ንዝነበረ ሓይሊ ሰብ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ስነ ልቦና፣ ኢኮኖሚ ዝመሳሰሉ ነገራት ብጣዕሚ ሓስይዎ እዩ። ዅናት ንህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣብ ጓሂን ጭንቐትን ክነብር ስለ ዝገብሮ እቲ ሓሰያ ከቢድ እዩ። ሰላም ተፈጢሩ እኳ እንተንብል ንባዕሉ እቲ ሰላም እኹል ኣይኮነን። ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ንምውፃእ ሰላም ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ውዒሉ ሓዲሩ ሰላም ምምፅኡ ኣይተርፍን። ሰላም ፅባሕ ንጉሆ ከትርከብ እያ። ግና ሽዑ ንሽዑ ሰላማዊ ምንቕስቓስ ክጅምር እዩ ምባል ኣይከኣልን። ገዲፍዎ ዝኸደ በሰላ ቐልጢፍካ ናብ ንቡር ምንቕስቓስ ክኣቱ ኣይገብረካን፤ ከቢድ እዩ። መሰረተ ልምዓት ጥራሕ እንተይኮነስ ኣተሓሳስባ ‘ውን ሓቢሩ እዩ ዝዓኑ። ተመሊስካ ናብ ስሩዕ ኢኮኖሚ ምንቕስቓስ ከይትኣቱ እዩ ዝገብረካ። ኣብዚ እቲ ጉድኣት ከቢድ ስለ ዝኾነ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ስነ ልቦና እቲ ሕብረተሰብ ዓብይ ስራሕ እዩ ዝፅበየካ። እዚ ክኸውን ዘይነበሮ እዩ። ዓብይ ጌጋ እዩ ተፈጢሩ። ኵናት ንህዝቢ ትግራይ ዝግበኦ ኣይነበረን። ትግራይ ብተደጋጋሚ ኵናት ኣሕሊፋ እያ። ትማሊ ቕድሚ 30 ዓመት ከምዚ ዓይነት ኵናት ገጢምዋ እዩ። እቲ ሻቡ ዝነበረ ኵናት ብዙሓት መናእሰይ ቐዚፉ እዩ። ኣብዚ እንተሪእና እቲ መንእሰይ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ብዙሕ ግዜ እዩ ወሲድሉ። ኣብቲ ግዜ ዝተኻየደ ኵናት

 ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ብዙሕ በሰላታት ገዲፉ እዩ። ንገሊኡ መንእሰይ ክስደድ ገይርዎ እዩ። ኣብዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ግዜ እዩ ወሲዱ። ብዙሓት ወለዲ ጠዋሪ ስኢኖም፣ ብዙሓት ህፃናት ወለዶም ስኢኖም እዮም። ስለዚ ኣብዚ ከንርኢ እንተለና ናይ ሕዚ ኵናት ዝፈጥሮ ዘሎ ፅልዋ ብጣዕሚ ከቢድ ብምዃኑ ዝሓርስ መንእሰይ ‘ውን ዝሰኣነሉ ኩነታት እዩ ዝኒሀ። እዚ መፍረዪ ዝኾነ መንእሰይ ብኵናት ከትስእኖ እንተለኻ ከቢድ እዩ ንትግራይ። ኵናት ዓበየ ነኣሰ ናይ ሂወት ምስኣን፣ ኣካል ምጉዳል፣ ማሕበራዊ ሂወት ምስኣን፣ ብሓፈሻ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ዝፈጥሮ ፅለዋ ከቢድ እዩ። ብውላድ ዝመሓደሩ ወለዲ፣ ብወለዲ ዝመሓደሩ ቖልዑን ሓቶም ዝሕግዙ መናእሰይን እዚኦም ኩሎም ኣብቲ ኵናት ክሳተፉ እንተለዉ ናይ ሂወትን ኣካል ምስኣንን ስለ ዘሎ ኩሉ ዝጥወር ዝነበረ ኣካል ኣብ ከቢድ ኩነታት እዩ ዝወድቕ። ብበዝሒ እቲ መፍራዪ ሓይሊ ሰብ ተጎዲኡ እዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ዝተሸከሞ ሓላፍነት ቐሊል ስለ ዘይኮነ ነዞም መናእሰይ እዚኦም ምስኣን ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብና ዘሕድሮ ፀገም ከቢድ እዩ።

ትግራይ መሊስካ ትተሃነፅ ከንብል እንተለና ብቐሊሉ እትህነፀሉ ኩነታት ክህሉ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ እቲ መሰረተ ልምዓት ጥራሕ ኣይኮንን ዓንዩ ዘሎ። እቲ ክሃንፅ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ኣሎ ዶ የለን ‘ውን ካሊእ ሕቶ እዩ። እዚ ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ከንረኽቦ ንኽእል ዶ? ብፍላይ ኣብ ከባቢ 30 ዕድመ ዘሎ መንእሰይ ኣብቲ ኵናት ተሳታፊ ስለ ዝኾነ ገሊኡ ሞይቱ፣ ገሊኡ ድማ ኣካሉ ጎዲሉ እዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ገሊኡ ሓዳር ገይሩ ደቑ ፣ ሓቱ፣ ወለዱ ዝሕግዝ ዝነበረ እዩ። ኢሉ ‘ውን ኣብ ልምዓት ብቐጥታ ተሳታፋይ ዝኾነ እዩ ነይሩ። ነዚኦም ዘይምርካብ ድማ ኣብ ልምዓት ለውጢ ንምምፃእ ከቢድ እዩ። እዚ ምስኣን ከቢድ እዩ። ናይ ትግራይ ቐፃሊ ልምዓት ንምስላጥ ፈታኒ እዩ። ኣብዚ ዅናት እዚ ዓበይቲ ወለዲ ማለት ምልሻታት ዝነበሩ ኣብዚ ኵናት እዚ ዝተሳተፉ ኣለዉ እዮም። ብዙሓት ሓረስቶት እዮም ተሳቲፎም። ስለዚ መፃኢ ክረምቲ መን ከምዝሓርስ ‘ውን ዘሰክፍ ኩነታት እዩ። እዚ ኵናት እዚ ኣብ ትግራይ ዘምፀኦ ፀገም ብቓላት ንምግላፁ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። እዚ ከቢድ ሓሰያ ስለ ዝኾነ ንቐፃሊ ‘ውን ከቢድ ፅልዋ እዩ ገዲፉ ምባል ይካኣል።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ኣብ መፃኢ ዓመት ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ከመይ ክኸውን እዩ ኢሎም ይሓስቡ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ሰላም እንተመፅዩ ኣብ መፃኢ ዓመት ካብዚ ሕዚ ዝኒሀ ኩነታት ዝሓሸ ክኸውን እዩ ኢለ እየ ዝግምት። መሰረተ ልምት ክጅመር ይኽእል እዩ። ኣብ ትግራይ ሰላም እንተመፂኡ እቲ ዘሎ ጎደሎ ከምዘሎ ኮይኑ ፅቡቕ ዝናብ እንተገጢሙ ዝሕረስ መሬት ክሕረስ እዩ። ብተወሰነ መልክዑ ንቐለቡ ዝኸውን ምህርቲ ከፍርይ ይኽእል እዩ። ሕዚ ህዝብና ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ተሓጋዚ እዩ ዘሎ። ብዙሕ ሰብ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሶፍትኔት ዝነበረ ኣሎ እዩ። ካሊእ ድማ እቲ ናይ ሕዚ ኵናት ተወሲኽዎ ዳርጋ 80 ሚኢታዊ ኣብ ረድኤት እዩ ዘሎ። ሰላም እንተኾይኑ ብፍላይ ኣብ መፃኢ ክረምቲ ንጥፈታት ሕርሻ ብዝግባእ እንተተሰሪሑ ዝሓሸ ኩነታት ክፍጠር እዩ። ረድኤት ስለ ዘሎ ህዝቢ ኣይጠምን ከንብል ኣይንኽእል። ረድኤት ናይ ባዕሉ ውስንነት ኣለዎ እዩ። ዓለም ህዝቢ ከምዝደልዮ ኩሉ ክተቕርብ ኣይትኽእል እያ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ድማ ረድኤት ‘ውን ንምቕራብ ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ እዩ።

በቲ ሕዚ ዝኒሀ ኩነታት እንተቐፂሉ ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ብጣዕሚ ዝኸበደ እዩ ክኸውን። እዚ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ክረምቲ ከይተጠቐምናሉ ንሓልፍ ኣለና ማለት እዩ። ምናልባት ኣብ ተወሰነ ከባቢ ከንሰርሐሉ ንኸውን ንኽእል፤ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ እንተዘይሰሪሕናሉ ዘይተሓረሰ ዝሓልፍ መሬት እንተበዚሑ ከቢድ ኩነታት እዩ ክገጥመና ዝኽእል። ምናልባት እዚ ህዝቢ እዚ ክሳብ ሕዚ ዝቓለስ ዘሎ በታ ናይ ዝሓለፈት ክረምቲ እኽሊ ክኾን ይኽእል እዩ። በርግፅ እቲ ዅናት ኣብ ምህርቲ ኣብ ዝእከበሉ እዋን እዩ ተወሊዑ። ከምዚ ብምዃኑ ናይ ባዕሉ ፀገም ኣስዒቡ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ግና ቕድም ኢሎም እኽሎም ዘእተዉ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኩነታት እዚ ክሳብ ሕዚ ፀኒሑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕዚ ግና ባዶ እዩ ዝኒሀ። ስለዚ እታ እትመፅእ ዘላ ክረምቲ ወሳኒት እያ። ቐልጢፉ ሰላም እንተዘይ መፂኡ ንቐፃሊ ከቢድ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኸበደ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ሰላም እንተተረኺቡ ግና እንተናአሰ እቲ ብሰላም ዝተዘርአ እኽሊ ዓፂድካ ቐለብካ ከትሕዝ ትኸእል ኢኻ። ከምኡ ‘ውን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ትኽእል።

ሰላም እንተልዩ ሕብረተሰብ ናብ ዘለዎ ቦታታት ተንቐሳቒስካ ሓገዝ ክተባፅሕ ትኽእል ኢኻ። ብመንግስታዊ ማሓውር ተጠቒምካ እተን ዝዓነዋ መሰረተ ልምዓተ ክትፅግን እትኽእለሉ መንገዲ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸድሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ቐስ ብቐስ እቲ ጉድኣት እናሓየወ ዝኸደሉ ኩነታት ከምኡ ‘ውን ብስነ ልቦና ዝተጎድአ ህዝቢ ቐስ ብቐስ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል እዩ ኢለ ተስፋ እገብር። ቕድሚ ኩሉ ግና ሰላም ብጣዕሚ ጠቓሚ ስለ ዝኾነ ትኹረት ተገይርሉ ክስራሕ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- በዚ ዅናት እዚ ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕያው እንታይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ? ከምኡ ‘ውን ንመፃኢ ከምዚ ዓይነት ኵናት ከይድገም እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ጌታቸው፡– መጀመርያ ናይ ሕብረተሰብ ምንባርን ናይ ዘይምንባር ኩነታት ክፍታሕ ኣለዎ። ናይ ሰላም ዕድላት ክዕፀዉ የብሎምን። ብኵናት ዝመፅእ ከስቢ የለን። ዘይምርድዳእ ከጋጥሙ እንተለዉ ‘ውን ብኸመይ ገይርካ እንተተፈትሐ ይሓይሽ ኢልካ ምሕሳብ የድሊ። ንሕብረተሰብ ዝጠቕም በየናይ መንገዲ እንተኸድና የሐይሽ ብምባል ክሕሰበሉ ይግበኦ። ካብ ህልኽን ስሚዒትን ምውፃእ የድሊ፤ ቅድሚኡ ንዓድን ህዝብን ምሕሳብ የድሊ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ንውስን ምህላውና ከንርዳእ ይግባእ። ኵናት ከም ኣማራፂ ክውሰድ የብሉን፤ ቕድሚ ሕዚ ተራእዩ እዩ ኮይኑ ግና ንድሓር ካብ ምምላስ ሓሊፉ ኣይጠቐመን። ሰላም ንምምፃእ ድማ ኩሉ

 ሕብረተሰብ ክፅዕር ይግባእ ካብኡ ቐፂሉ ግና ዘድልዩ ኩሎም ነገራት ክስርሑ ይግበኦም። ኩሉ ብፅሒቱ ከወፊ ኣለዎ። ኣብዙይ ከንፈልጦ ዘለና መንግስቲ ጥራሕ ኩሉ ክሰርሖ ትፅቢት ክግበር የብሉን። እዚ ክብል እንተለኹ ግና መንግስቲ ‘ውን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ የብሉን ማለተይ ኣይኮንኩን። ናይ መንግስቲ እጃም ከምዘለዎ ኮይኑ ሕብረተሰብ ክሻሞ ኣለዎ። ብፍላይ መንግስቲ ሰላምን ፀጥታን ክሰፍን ፀቒጡ ክሰርሕ ኣለዎ። ኢኮኖሚ ትግራይ ክሓዩ ኩሉ ኣማራፂታት ምጥቓም የድሊ።

ድማ ብቐረባ ትግራይ ዘማሕድር ዘሎ ኣካል ሰብኣዊ ሓገዛት ብትኽክል ናብ ሕብረተሰብ ይበፅሕ ምህላዉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኢኮኖሚ ክንሓስብ እንተለና ብቐዳምነት ሕብረተሰብ ሒዝካ እዩ። ፀገማት ኣብ ምፍታሕ፣ሰላም ኣብ ምኽባር ብሓፂሩ ድሕንነት ሕብረተሰብ ቕድሚ ፖለቲካ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ድማ ህዝቢ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ሃፍቲ ብሃፍቶም፣ ሙሁር ‘ውን ብትምህርቱ ክሕግዝ ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ምሕጋዝ ማለት ፖለቲክኡ ምሕጋዝ ማለት ተገይሩ ጥራሕ ክውሰድ የብሉን። ህዝቢ ካብ ፀገም ምእንቲ ክወፅእ ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ብዝተኻእለና መጠን ሓገዝቲ ከንኸውን ኣለና። ሕብረተሰብና ካብ ዝኾነ ስምዒት ወፂኡ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ምቕያር ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ።

ኣብዚ ኵናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ክሳራታት በፂሖሞ እዮም። ጥሪቱ የለዋን፣ ሓይሊ ሰብ የለን። እቲ ፀገም ብጣዕሚ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ደገ ዝርከብ ዲያስፖራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕብረተሰብ ከምኡ ‘ውን መንግስቲ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ንምውፃእ ብዝግባእ ምስራሕ የድሊ። ኣብ ሕድ ሕድ ጣቢያ ብምኻድ ሓረስታይ ዝጎደሎ ነገር ንኽማለአሉ ክስራሕ ኣለዎ። ንኣብነት ብዕራይ ዝጎደሎ ኣሎ፤ ዘርኢ፣ ናውቲ መሳርሒ። ብዕራይ ሂብካ ‘ውን ዝመልአሉ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። ካልኦት ንብረቱ ስለ ዝተሰረቑ ሓገዝ ክግበረሉ ኣለዎ። ብፍላይ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ሕብረተሰብ ገዝኡ ዓንዩ እዩ። ኩሉ ነገር ተሰሪቑ እዩ፤ ነዚ ንምጥያሽ ብዙሕ ነገር እዩ ክስራሕ ዝግባእ። ኮይኑ ግና ሰላም እንተየስፈንካ ዝስራሕ ነገር ስለ ዘየለ መጀመርያ ኣብ ሰላም ብዝግባእ ክስራሕ ኣለዎ። በርግፅ ነዚ ንምስራሕ ከቢድ ፃዕሪ እዩ ዝሓተካ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ሕብረተሰብ ኣላዓዒሉ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ንምግባር ግና በቲ ሕዚ ዝኒሀ ኩነታት ፀጥታ ንምስራሕ ከቢድ እዩ። ቐልጢፉ ሰላም እንተዘይተረጋጊፁ ኩሉ ነገር ንምስራሕ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብ ትግራይ ሰላም ክሰፍን ኢሂን ምሂን ክህሉ ይግባእ። ዝተፈላላየ ሓሳብ ምትእንጋድ ክምዕብል ኣለዎ። ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ፍልልይ ናብ ኵናት እተኣቱ እንተኾንካ ለውጢ ኣይመፅእን። ኵናት ዘለዋ ዓዲ ድማ ብዛዕባ ዕቤት ኢኮኖሚ ክትሓስብ ይትረፍ ሂወትካ ‘ውን ኣብ ሕቶ ምልክት እያ ትወድቕ። ናተይ ሓሳብ ጥራይ እዩ ትኽክል ናይ ካሊእ ሓሳብ ንዓዲ ኣይጠቕምን ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ የብሉን። ናይ ምድምማፅ ባህሊ ጠፊኡ

 ስለ ዝነበረ እዩ ናብዚ ፀገም ክንኣቱ ክኢልና። ዝተፈለየ ሓሳብ ምቕራብ ኵናት ምፍጣር ኣይኮነን። ሰብ ዝደለዮ ሓሳብ ከምፅእ ይኽእል እዩ። ሓሳብ ብሓሳብ’ምበር ኵናት ብኵናት ዝፍታሕ ፀገም የለን እዩ። ሕዚ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ ናይ ኢሂን ምሂን ባህሊ ስለ ዝጠፍአ እዩ። እዚ ትውልዲ እዚ ናይ ኢሂን ምሂን ባህሉ ከዓቢ ይግባእ። ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ሓቢርና ብዘይ ምጉዓዝና እዩ ናብ ሓደጋ ኣእትዩና ዘሎ። ሓቢርና ከንውስን ሓቢርና ከንጉዓዝ እዩ ዝግባእ። እቲ ሕዚ ዝኒሀ ትውልዲ ‘ውን ብልዝብ ዝኣምን ትውልዲ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሓደ ኣካል ናተይ ሓሳብ ጥራሕ እዩ ትኽክል ዝብል ኣካይዳ ሒዙ ብምምፅኡ እዩ ናብ ፀገም ኣውዲቑና ዘሎ። ቕድሚ ሕዚ ፖለቲካዊ ኣፋላላይ ዝፃወር ኩነታት ስለ ዘይነበረ እዩ ናብዚ ናይ ዕንወት መገዲ ኣብፂሑና። እዚ ካብዚ ሕዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ከንምሃር ኣለና። ከምዚ ዓይነት ኣታሓሳስባ ክቕረፍ ክኽእል ኣለዎ። ከይድገም ዓብዪ ጥንቓቐ ክገበር ኣለዎ።

ካሊእ ብቐሊሉ ዘይናቓነቑን ህዝባዊ ትካል ከንምስርት ኣለና። ምስ ናይ ዝኾነ ዓይነት ውድብ ምትሕሓዝ ዘይብሎም ትካላት ክህልወና ኣለዎ። ትካላት ናይ ህዝቢ ጥራሕ ክኾና ኣለወን። ጠንካራን ንህዝቢ ዘድሕንን ትካል ክንሃንፅ ኣለና። ሓደ ውድብ ከጥፍእ እንተሎ ተሓታትነት ዝገብር ትካል ክህልወና ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ጠንካራን ዘይሻራዊን ትካል የብልናን። ብፍላይ ናይ ፍትሕን ዲሞክራስያውን ከምኡ ‘ውን ናይ ፀጥታ ትካላት ክህልዉ ኣለዎም። ዓዲ ጠጠው ከትብል ትኽእል ብትካላት’ምበር ብውልቀሰባት ኣይኮነን። ዓዲ ብውልቐ ሰባት ጠጠው ከትብል እያ ኢልካ ምሕሳብ ዓምዲ ዘይብሉ ገዛ ማለት እዩ። ዓምዲ ዘይብሉ ገዛ ብርትዕ ዝበለ ንፋስ እንተጋጢምዎ ብቐሊሉ እዩ ዝወድቕ። ስለዚ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ጠንካራ ህዝባዊ ትካል ዘይምንባሩ እዩ።

ኣብ ሃገርና ኩሉ ትካል ኣብ ውድብ ዝተመስረተ ብምዃኑ እዩ ውድብ ፀገም እንተጋጥሞ እቲ ትካል ‘ውን ሓቢሩ ናብ ፀገም ዝቓላዕ። ከምዚ እንተኾይኑ ትርጉም የብሉን። ብፍላይ ትግራይ ዘይነቓነቕ ትካል የድልያ። ውድብ እንትጠፍእ ህዝቢ ሒዙ ክተርፍ ኣለዎ ‘ምበር ምስ ውድብ ተተሓሒዙ ገደል ዝኣቱ ክኸውን የብሉን። ንውድብ ዝካላኸል እንተይኮነስ ንህዝቢ ዝካላኸል ትካል እዩ ክህሉ ዝግባእ። ሕዚ ኣብ ትግራይ ንህዝቢ ዝከላኸል ትካል የለን። እቶም ትካላት ሓደ ውድብ እዩ ሒዝዎም ነይሩ፤ ነዚ’ውን እዩ ኣብ መብዛሕትኦም ትካላት ትግራይ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዋርድያታት እንተይ ቐረዩ ገዲፎሞ ሃዲሞም። እዚ ንመፃኢ ትምህርቲ ከንወስደሉ ይግባእ። ኣብ ትካላት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነቲ ትካል ገዲፎም ዝሃድሙ እንተኾይኖም እዚ ዘሪእየካ ነቲ ውድብ ‘ምበር ነቲ ትካል ዘግልግሉ ከምዘይነበሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከይድገም ድህሪ ሐዚ ክሕሰበሉ እዩ ዝግበኦ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ብጣዕሚ እየ ዘመስግን።

ኣይተ ጌታቸው፡- ኣነ ‘ውን ብጣዕሚ እየ ዘመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You