ጠመተ ዘይተገበረሎም ጥበበኛታት ስእሊ

ወጋሕታ 28 ሓምለ 2014 ዓ.ም 8

ስፖርት

ስምዒት ፤ውሽጣዊ ሓሳብን ጥበብን እቲ ዋና ዓምዲ ጥበብ ስነ ስእሊ ‘ዩ።ቀለም ኣዋሂዱ ፍሉይ ፅባቐ ምፍጣር፤ብሩሽ ምስ ሻራ ብምርኻብ ታሪኽ ብምሕላፍ፤ዝተፈለየ ትርኢት ብፍሉይ ክእለት ተሓጊዙ ጥበባዊ ብዝኾነ መገዲ ምርኣይ ናይ ሰኣሊያን ተግባር ‘ዩ። ሰኣሊ ብስራሕቲ ፈጣርኡ ስርሑ ፍሉይ ስምዒቱ ይገልፀሉ። ኣተሓሳስብኡ የንፀባርቐሉ ቐፂሉ ድማ ተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ፅባቐ የጉልሀሉ፤ የርእየሉ።

ብስእሊ እንትግለፅ ጥበብ ይደምቕ፤ሃገርዊ ፅባቐ ባህልን መንነትን ዝፋለጠሉ ዩ። ሎሚ ኣዝዩ ዝረቐቐ ጥበብ ስእሊ ጅማርኡ ካብ ጥበብ ስነ ፅሑፍ ከም ዝቕድም ይዝረብ።ኣብ ጥንቲ ዘበን ሰባት ውክልና ናውቲ ከባቢኦም ብዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ተጠቒሞም ብምስኣል ወይ ድማ ነቲ ምስሊ ብምቕራፅ ምርድዳእ ይፍትኑ ነይሮም።

ሰባት ውሽጣዊ ድሌቶም ፤ ሓሳቦምን ኣረኣእይኦምን ከምቲ ናይ ትማሊ ሎም ‘ውን ብስእሊ ምግላፆም እናቐፀሉ ‘ዮም። ሎሚ ግና ስነ ስእሊ ከም ትማሊ ውሱን ትርጉምን ውክልናን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልኽላኽን ዕሙቕ ዝበለ ትርጉምን ዝህብ ብኪናውነቱ ድማ ዝረቐቐ ጥበብ ኮይኑ ‘ዩ።

ካብ መበል ሳልሳይ ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ዝተፈላለዩ ናይ እምነት ቦታታትን ጥበብ ስእሊ ከም ዝጀመሩ ዝተፈላለዩ መረዳእታታ የመላኽቱ። ብፍላይ ድማ ምስ ኣምልኾ ዝተተሓሓዙ ስእልታትን ብዝተፈላለዩ ጥበብ ተሳኢሎም ፣ተቐሪፆምን ብጥበባውያን ተሰሪሖምን እስካዕ ሎሚ ይርኣዩ።ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ቦታታት ዓሻርኦም ከይጠፍአ ዘበናት ክሳገሩ ኽኢሎም ‘ዮም።

ትማሊ ጠበብቲ ኣቦታት ኣብ ዘበኖም ፍልስፍና ዝተጠበቡሉ ስእሊ ሎሚ ዘለዎ ብርኪ እንትግምገም ብፍላይ ድማ ዕብየቱ ንዝናፍቑ ዘዕግብ ኣይኮነን። ትካላት መምሃሪ ስእሊ እንተበዝሑ ‘ውን ከም ሃገር ግና ስእሊ ክዓብይን ግልጋሎት ክህቦ ብዝግባእ ልክዕ ኣይከደን።

ነዚ ድማ ብዙሕ ምኽንያታት እንተሃለዩኳ እቲ ሕብረተሰብ ንጥበብ ስእሊ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘይምልዋጡ ፤ሰኣልቲ ክእለቶም ምዕባይ ዝኽእሉሉ ምቹው ኹነታት ዘይምፍጣሩ፤ከምኡ ‘ውን ንጥበብ ስእሊ ዝተውሃቦ ትኹረት ውሑድ ምዃን ሰብ ሞያ ናይቲ ዘፈር ብምኽንያታውነት ይጠቕሱ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ኹሉ ውሱንነት ዓቕሞም ብምጉልባት ናይቲ ዘፈር ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ኽኢሎም ስእሊ ንምዕባይ ዝሰርሑ መናእሰይ ግና ኣይተስኣኑን።ንጥበብ ስእሊ ብዘለዎም ዓብዪ ፍቕሪ ናፍቲ ዘፈር ብምፅምባር እናሰርሑ ዘለዉ መናእሰይ፤ጥበብ ስእሊ ኢትዮጵያ ዘለዎ ብርክን ናይቲ ዘፈር ዕንቅፋታትን ኣብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ኪነ ጥበብ ተዳህሲሱ ኣሎ።

ሰኣሊ ሳሙኤል እንዳለ ይበሃል። ካብ ቑልዕነቱ ጀሚሩ ሕልሙ ሞያ ጥበብ ስእሊ ሎሚ ቀንዲ መስመር ህይወቱ ገይርዎ ‘ዩ። ስነ ስእሊ ሰኣልያን ፍሉይ ክእለቶም ብምጥቃም ሓሳቦምን ፍልስፍንኦምን ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ዓለም ዘለዎም ኣረኣእያ ብፍሉይ መገዲ ምርዳእን ምትርጓምን ዝተርኣዮም ነገር ንኹሉ ዘርእዩሉ ወይ ድማ ዝገልፁሉ ጥበብ ‘ዩ።

ሳሙኤል ድማ ነዞም ኹሎም ተግባራት ሰኣሊ ንምውፃእ ቐትርን ለይትን ይፅዕር።ሞያ ጥበብ ስእሊ ካብ ቑልዕነቱ ጀሚሩ ንምፍላጥን ብትኹረት እናሰርሐ ዝነበረ ሳሙኤል፤ድሌቱ ንምስኻዕ መምሃሪ ቦታ ጥበብ ስእሊ ግና ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኾይኑዎ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብ መወዳእታ ብብርቱዕ ፃዕሪ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ጥበብ ስእሊ ኣትዩ ናብ ድሌቱ ክቃረብ ኽኢሉ ‘ዩ። ኢንላይትመንት ዝተብሃለ ናይቲ ስሙይ ሰኣሊ እሸቱ ጥሩነህ ቤት ትምህርቲ ስእሊ ድማ ሳሙኤል ሞያ ጥበብ ስእሊ ዝቐሰመሉ ‘ዩ። ክእለት ስእሊ ብትምህርቲ ድሕሪ ምጉልባቱ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ መርኣይ ስእልታት ወይ ድማ ጋለርታት ስእልታቱ ብምርኣይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ተቐባልነት ክረክብ ክኢሉ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ እንጦጦ ፣ሂልተንን ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ናይ ስእሊ ጋለርታት ንብርክት ዝበሉ እዋናት ስርሑ ኣቕሪቡ ‘ዩ።

ስእሊ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝሰልጠነ ዓለም ብሚሊዮን ዶላር ይሽየጥ፤ ኣካል ዓበይቲ ምድላው መድረኻት የድምቕ።በዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ግድኡ ኣዝዩ ዝደመቐ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ግና ብዝግባእ መልክዑ ስለዘይተሰርሐሉ ነዚ ክንጎናፀፍ ኣይከኣልናን። ኣብ ሃገርና ዘሎ ጥበብ ስእሊ ክረኽቦ ዝግባእ ክብርን ሰብሞያታት በቲ ዘፈር ክልወጡ ምእንቲ ዓብዪ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ።

እዚ ጠመተ ዝሰኣነ ዘፈር ጥበብ ንሃገር ተርኡ ከበርክት ምእንቲ እቶም ሰብ ሞያ ከም ፍታሕ ዘቕርብዎ ሓሳብ ኣሎ።ኣፍቲ ዘፈር ዘለዉ ሰብ ሞያ ምቹው ኹነታት ምፍጣር ፣ ናውቲ መምሃሪ ጥበብ ስእሊ ካብ ወፃኢ እንትኣትው ቐረፅ ምምሕያሽ ምግባር ፣ ጥቕሚ ስራሕቲ ስእሊ ብምግላፅን ሃገራዊ መንነትን ባህልን ብምንፅብራቕ ዝህልዎም ተራ ልዑል ከም ዝኾነ ምፍላጥ፤ ሰኣልቲ ነቲ ሞያ ንምዕባይ ብዘኽእል መልክዑ ብሓባር ምስራሕ፤ሰብ ሞያ ናይቲ ዘፈር ጥበብ ስእሊ ንምዕባይ ብዘኽእል መልክዑ ብሓባር ምስራሕን ንምዕባይን ዝግበር ፃዕሪ ዘይተቛረፀ ፃዕሪ ፍታሕ ከም ዝኾነ የቐምጡ።

እዚ ጥበብ ዘፈር ባህልን መንነትን ንምግላፅ ዘለዎ ጥቕሚ ዝያዳ ‘ዩ። እቲ ዘፈር ትፅቢት ብዝግበረሉ ብርኪ ዓብዩ ንሃገርን ንሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ተጠቀምቲ ንኽገብር ኹሉ ዝምልከቶ ኣካል ግቡእ ጠመተ ከረገብረሉ ይግባእ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 28 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You