ዜማታት ፅባሕ ዓወት ኣትሌቲክስ

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኣትሌቲክስ ዓለም ብጀጋኑ ኣትሌታታ ኹሉ ግዘ ክትደምቕ ‘ያ። ኣብ ዝኸዱዎ መድረኻት ውድድር ብዓወት ዘድምቕዋ ጀጋኑኣ ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ ድሕሪ ዓወት ይሙገሱ። ዜናታት ዓወት ብሓደሽቲ ዜማታት ይደምቁ።ኣትሌቲክስ ብጥበብ ደሚቑ ፤ጉያ ብኪነት ገኒኑ ዓብዪ ዓወት እናጎናፀፈ ዘበን ይሳገርን ተሳጊሩን ‘ዩ። ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ብዓወት ንኢትዮጵያ ክብሪ ዘጎናፀፉ ፤ባንዲርኣ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ልዕል ኣቢሎም ዘውለብለቡን ብሄራዊ መዝሙራ ተደጋጊሙ ንኽዝመር ዝገበሩ ጀጋኑ ኣትሌታት ብስራት ዓወቶም ተወዲኡ ኣይፈልጥን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እናነከየ መፂኡ ‘ምበር ቕድም ክብል ኣብ ዝነበሩ ዓመታት እዞም ጀጋኑ ዘበን ተሳጋሪ ብዝኾኑን ንእዝኒ ብዝጥዕሙ ጥበባዊ ዜማታትን ክውደሱ ምርኣይ ዝተለመደ ‘ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ኪነ ጥበብና ድሙቓት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኦሪጎን ዘመዝገብዎ ዓወት ምኽንያት ብምግባር ድሕሪ ዓወት ኣትሌታትና ኪነ ጥበብ ብፍላይ ድማ ሙዚቃን ዜማታት ዓወትን ክንድህስስ ኢና። ኣትሌታትና ድሕሪ ዓወት ብግጥምን ዜማን ክውደሱ ዝጀመሩ ኣበበ ቢቂላ ዓብዪ ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ሮም ኦሎምፒክ ካብ ዝፍፅም ጀሚሩ ‘ዩ።እቲ ዘይርሳዕ ብጥራሕ እግሩ ዝፈፀሞ ገድሊ ኣበበ ናብ ሃገሩ እንትምለስ ጥበብ ጥራሕ ኢዳ ኣይተቐበለቶን። ዘበን ዝሳገሩ ዜማታትን ንጉስ ሙዚቃ ድምፃዊ ጥላሁን ገሰሰን ነቲ ዓብዪ ዓወት ብዝድነቕ ድምፁ ኣድሚቑሉ ‘ዩ። ከምዚ ክብል ድማ ነቲ ጅግና ኣወዲስዎ ‘ዩ። ‹‹ደስ ብሎናል ምኞታችን ሞላ(ተሓጉሲና ትምኒትና ሰሚሩ) ኣሸንፎ መጣ ኣበበ ቢቂላ››( ኣበበ ቢቂላ መፂኡ ሲዒሩ) ኣትሌታትና ኣንፀባራቒ ዓወት ኣመዝጊቦም ብከየንቲ ሙዚቃ ካብ መንጎ ዝተኸሸኑ ፅቡቓት ዜማታት ሓደ ኹሉ ኢትዮጵያዊ እስካዕ ሐዚ ከም መዝሙር ዘይርስዖ ዝድነቕ ዜማ ኣሎ እሱ ድማ ‹‹ኣሸንፈን ኣሸንፈን››(ሲዒርና ሲዒርና) ዝብል ‘ዩ።

 ኣብ 1960ታት ናይ ሮም ኦሎምፒክ ማራቶን ብጥራሕ እግሩ ጎዩ ዓለም ጉድ ዘበለ ኢትዮጵያዊ ጅግና ኣትሌት ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዘይርሳዕ ጅግንነትን ታሪኽን ብፅቡቕ ዜማ ተዳህሲሱ ‘ዩ። ፋና ፀለምቲ ህዝብታት መንፈስ ሰዓራይነት ፤ፅንዓትን ኣይስዓርን በሃልነትን ዝረኣዩ ናይዚ ዘበን ኣትሌታት ሎሚ ‘ውን ከምቲ ናይ ቀደም ዓወት ኣመዝጊቦም ንኣበበ ብዜማ ዘኪሮሞ ‘ዮም። ብርግፅ ጥበብ ተዘክሮታት ምስ ሎሚ ብምዝናቕ ናይ ባዕላ ፍሉይ ምስሊ ስለ ትፈጥር ሎሚ ኣበበ ምስቶም ናይ ሎሚ ጀጋኑ ኣትሌታት ደጊሙ ክርኣይ ኽኢሉ ‘ዩ። ጀጋኑ ኣትሌታትና ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ብዓወት ደሚቖም /ቐን ከም ዝቐፀሉ ሎሚ ‘ውን ቕብብል ወለዶ ኣጉሊሁ ዘርእይ ‘ዩ።

 ጥንካረና መለለይና ‘ዩ፤ኢትዮጵያውነት ኹሉ ግዘ ምስዓር ‘ዩ፤ሓድነት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታና ኣብ መወዳደሪ ሜዳ ዘርእይዎ ምትሕብባርን እሴትን ሓደ ኾይንካ ጠጠው ምባል እናራኸበ ምትእስሳሩ ኣድሚቑ ንእዝኒ ዝጥዕም ጥዑም ዜማ የስመዑና።ሓድነት ምስዓር ከም ዝኾነ ፤ሓድነት ምሽጥር ዓወት ከም ዝኾነ መሃርቲ ዝኾኑ ዘለላታት ብዜማ ተሓስዮም ንረኽቦም። ንኢትዮጵያ ብዘፈር ኣትሌቲክስ ብብርቱዕ ኣእጋሩ ጎዩ ክብሪ ዘጎናፀፈ ጅግና ሃይለ ገብረስላሴ ምስ ቀነኒሳ በቀለ ብዝገበርዎ ምትሕግጋዝ ፣ሓድነት፣ሃገራዊ ሓደራ ብሓባር ንምውፃእ ዘለዎም ቑርፀኝነት ኣቲ ናይ ውድድር ሜዳ ዘርኣይዎ ጥዑም ጥበባዊ ላዛ ብዘለዎም ዘለላታት ግጥሚ ዜማ ኣቐሚጥዎም ‘ዩ። ኣፍቲ ሽዑ እዋን ሃይለ በቲ ዝነገሰሉ ዙፋን ንቀነኒሳ ብኽብሪ ዘረክበሉ ፤ቀነኒሳ ድማ እቲ ዓብዪ ንግስንኡ ብትሕትና ብፍቕርን ኽሳዱ ጠውዩ ብሃንቀውታ እናርኣየ ዝተረከበሉ ‘ዩ ነይሩ።

‹‹ከበደኝ ትቸህ ለመሄድ(ከቢዱኑ ሓዲገኻ ክኸይድ) ከበደኝ የወኔ ኣባቴን(ከቢዱና ናይ ወነ ኣቦይ) ከበደይ ባይኔ ፈለኩህ፤ከበደኝ…››(ከቢዱኑ ብዓይነይ ደልየካ፤ከቢዱኒ…) ቀነኒሳ ኣፍቲ ሽዑ እዋን ንሃይለ ዘርኣዮ ስምዒት ኽሳዱ ጠውዩ እንትሪኦ ድምፃዊ ቴድሮስ ካሳሁን ብጥበብ ተርጒሙ በዚ መልክዑ ኣቕሪቡልና ብዓወት ኣትሌታትና ተሓጒስና በዚ ዜማ ኣዚምና ኢና፤ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ነቢዕና ኢና። እዚ ተፈታዊ ድምፃዊ ዘይነፅፍ ናይ ጥበብ ህያብ ኣብ መድረኽ እቲ ውድድር ዝተርኣየ ታሪኻዊ ኽስተት ግልፂ ገይሩ ብጥዑም ዜማ ቓንይዎ ‘ዩ።ብዘይፅገብ ጣዕመ ዜማ ኣዚሙ ‘ዩ።ንሕና ድማ ኣፍቲ እዋን ዝተኸሰተ ኹሉ ሎሚ ፈሊጥናዮ ኢና ዕድመ ንጥበብ እናበልና መዛዘሚ ዘለላ ግጥምን ዜማን ክንገብር። ‹‹እዩት ንጉሱ ግርማ ሞገሱ (ርአይዎ ንጉስ ግርማ ሞገሱ) ዘውድ ሸለመው ሰጠው ላዲሱ(ዘውዲ ሸልሚዎ ሃቦ ንሓድሽ) ይቺ ባንዲራ ናትኮ የኛ(እዛ ባንዲራ ናትና’ያ) ዛሬም ኣኮራት ቀነኒ ኬኛ››(ሎሚ ኣኹሪዒዋ ቀነኒ ናትና)ዝብል ነይሩ።ሐዚ’ውን መንፈስን ዓወትን ኣትሌታትና ንከምዚኦም ዝበሉ ዜማታት ዝዕድም’ዩ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 21 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You