መንበቢ ወለዶ ንምብርካት ዝዓለመ ‹‹መዓልቲ ንባብ››

ወለዶ ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ክላበስ ሰብነት ብምግቢ ከም ዝህነፅ ኣእምሮ ‘ውን ብፍልጠት ክህነፅ ይግበኦ። ንባብ ድማ ፍልጠት ዝሽመተሉ ዓብዪ ዕዳጋ ‘ዩ። መፅሓፍ ኣረኣእያ ሰባት ብምቕራፅ ዘለዎ ተራ ዝወዳደሮ የለን። ኣንባቢ ወለዶ ነገራት ኣብዚሑ የሰላስል፤ዘንብብ ኣእምሮ ሚዛናዊ ‘ዩ። ነገራት ብቕንዕና ይምልከቱ፣ጉዳያት ብምስትውዓል ይዕዘቡ። ጠቢባን ጥበብ ዘውረሰቶም ፀጋ ብብርዖም ኸቲቦም ንኻልኦት የውርሱ። ነዚ ድማ ‘ዩ ክህሎት ንባብ ብመብዛሕትኦም ንኽሰርፅ ጥቕሚ ንባብ ብተደጋጋሚ ዝንገር። ብርግፅ ድማ መፃሕፍቲ ዝተበላሸወ ኣእምሮ የዐርዩ ‘ዮም። ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባ የቕንዑ‘ዮም።

 እዚ እዋን መንበብቲ ናብ ቤት መፃሕፍቲ ፤መፃሕፍቲ ድማ ናብ ተደረስቲ ዝበለፀ ዝቀራረቡሉ ስለ ዝኾነ ኣንሕና ‘ውን ትኹረትና ኣብ ንባብ ገይርናለና። ሓደ ዕድምኡ ካብ ኣርባዕተ ዘይበልፅ ህፃን ኣብ መድረኽ መፅሓፍ ሒዙ ብዝተፈላለየ ድምፂ ንዕዱማት ኣጋይሽ ብዝምስጥ መልክዑ የንብብ። ናይቲ ቖልዓ ላዛን ኣንደበትን ዝድነቕ ናይ ንባብ ክእለት ኣፍቲ መድረኽ እንትድመፅ ተፈታዊ ገይርዎ ‘ዩ። ኣፍቲ መድረኽ ዝተሰቐለ ዓብዪ ባነር ‹‹ሰነ 30 መዓልቲ ንባብ››ተባሂሉ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ደሚቑ ይርኣይ። ማሕበር ደራሲያን ኢትዮጵያ ዘሰናደኦ መዓልቲ ንባብ በዚ ጥዑም ላዛ ህፃን መኽፈቲ ገይርዎ ‘ዩ። መብዛሕትኦም ኽረምቲ ምስ ንባብ የራኽብዎ።

 መበገሲ ምኽንያቶም ድማ ቤት ትምህርቲ ዝዕፀወሉን መብዛሕትኡ ኣንባቢ ማሕበረሰብ ካብ ስሩዕ ስርሑ ዕርፍ ኢሉ ዝኸርመሉ እዋን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ እዋን ዕረፍቱ መብዛሕትኦም ኣብ ንባብ ትኹረት እንትገብሩ ‘ዩ። ካብማሕበር ደራሲያን ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝተረኸበ መረዳእታ፤ሰነ ስዒቡ ናይ ኽረምቲ ኣዋርሕ ካብ ኻልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣንባብትን መፅሓፍን ዝበዝሐሉ እዋን ‘ዩ። ማሕበር ደራስያን ኢትዮጵያ ሰነ 30 መዓልቲ ንባብ ንክኸውን ዝወሰኑሉ ዋና ምኽንያት እቲ ሓደ እዚ ‘ዩ። ቤት ትምህርታት ዝዕፀዉሉ እዋን ብምዃኑ ትምህርቲ ድሕሪ ምዕፃዉ ኣበይ ይውዕል ዝብል ትኹረት ብምሃብ እዋኑ ኣብ ንባብ ንኸሕልፍ ብምሕሳብ ከም ዝዓለመ ፕረዚደንት ማሕበር ደራሲያን ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ ኣፍቲ መድረኽ ተዛሪቦም ነይሮም።

መዓልቲ ንባብ ንክኽበር ዝተወጠነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ወለዶ ጠቐሜታ ንባብ ዝተረደአን ኣንቢቡ ሃገር ዝጠቅምን፤ምኽንያታውነት ዝተረደአን ሕድሕድ ጉዳያት ብሚዛናውነት ንክርእይ ምህናፅ’ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተደጋጊሙ ከም ዝንገር ልምዲ ንባብ ከም ሃገር ኣዝዩ ከም ዝተዳኸመን በዚ ድማ ምኽንያታውነት ከም ዝተጋፍሐ ‘ዩ።

ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ዝነበረ ልምዲ ንባብ ርሱን ክእለት ንባብ ንኽዳብርን ኣንባቢ ማሕበረሰብ ንኽፍጠርን ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ምኽንያት ምኽባር መዓልቲ ንባብ ዕላምኡ ንባብ ምብርትታዕን ካብ ንባብ ዝርከብ ጥቕሚ ምርዳእን እንትኸውን ንባብ ባህሊ ዝገበረ ማሕበረሰብ ምፍጣር ዝዓለመ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝርኣዩ ዘይምቅዳዋትን ጎንፅታትን መንወቀሊኦም ወለዶ ካብ ንባብ ብምርሓቑን ነገራት ብዝተፈላለየ መልክዑ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ብስምዒት ብምኻዱ፤ካብ ፍልጠት ዝርሓቐን ምኽንያታውን ወለዶ ብዘይ ምዃኑ ከምዝኾነ ይዝረብ።

 እዚ ፀገም ንምቕራፍ ንባብ ልምዲ ምግባርን ኣረኣእያ ሰባትን ፅቡቕ ንክኸውን ክስራሕ ከም ዝግበኦ ብተዛተይቲ ብተደጋጋሚ እናተጠቐሰ ዝነበረ ዋና ጉዳይ ‘ዩ። ‹‹ግበር እንትብሃል ንምንታይ ዘይብል ወለዶ ተፈጢሩ ‘ዩ፤እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ወለዶ ናብ መፅሓፍ ስለዘይተመርሐን ካብ ንባብ ዝርከብ ኽስቢ ስለ ዘይተቛደሰን ‘ዩ›› ዝበሉ ኣይተ ኣበረ፣መፅሓፍ ንሰባት ደጊሙ ክሰርሕ ዝኽእል ከም ዝኾነ ኣፅንኦት ብምሃብ ገሊፆም። እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣንባቢ ወለዶ ንምፍራይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብዪ ተራ ስለ ዘለዎ ክፅናዕን ክዕረይን ከም ዘለዎ ኣፍቲ መድረኽ ተላዒሉ።

ስርዓተ ትምህርቲ ንመብዛሕትኡ መንእሰይ ዓርሱን ሃገሩን ብትኽክለኛ መገዲ ንኽጠቅም ጥንኩር ዝኾነ ማሕበረሰብ ንምምስራት መዋቕር ከምዝህልዎ ብርክት ዝበሉ ሰባት ርኢቶ ሂቦም ‘ዮም። ልምዲ ንባብ ብብርኪ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ ከም ዝኾነ ዘረድኡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ዝኾኑ ዶክተር መንግስቱ ታደሰ ፤ብኽእለት ንባብን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ሰፊሕ ስራሕ ትፅቢት ከም ዝግበር ጠቍሞም። ነዚ ብዙሕ ምኽንያት ክልዓሉ ከም ዝኽእሉ ዘረድኡ ዶክተር መንግስቱ ፣ካብ ስርዓት ትምህርቲ ጀሚሩ ንልምዲ ንባብን ኽእለትን ጠቐምቲ ጉዳያት ትኹረት ከም ዘይተውሃቦም ኣብራህሪሆም።

መለማመዲ ኽእለት ንባብ ዝኾኑ ቤት ትምህርታት ስርዓት ትምህርቲ ንኽእለት ንባብ ትኹረት ክህቡን ኣንባቢ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣር ክሰርሑ ዕዱማት እቲ ምድላው ኣብ እዋን ልውውጥ ተሞክሮ ደጋጊሞም ዘልዓልዎ ነጥቢ ነይሩ። ብርግፅ ክእለት ንባብ ምድባርን ኣንባቢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ወሳኒ ስለዝኾነ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ከም ዝግባእ ይእመን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You