ትንሳኤ ራስ ትያትር

ንዕብየት ኪነ ጥበብ ሃገርና ዕዙዝ ግደ ዝተፃወተ ‘ዩ:: እቲ ኣዝዩ ስሙይን ብስራሕቱ ዝኽበርን ኪነ ጥበባዊ ‹‹ካበይ ኢኻ›› እንተተባሂሉ ካብዞም ስፍራታታት ጥበብ ሓዲኦም ምፅውዑ ዘይተርፍ ‘ዩ:: ‹‹ኣብዚ ‘የ ናይ ጥበብ ሀ ሁ ዝጀመርኩን ዝተምሃርኩን›› ምባሉ ኣይተርፍን ::ብዜምኡ ዝተፈትወ ብግጥሙን ብደርፉን ዝድነቕ ደራፋይ ‘ውን ኣመፃፀእኡ እንትሕተት ናፍቶም ሰፍራታት ቤት ትያትር ምጥቋሙ ዝተለመደ ‘ዩ::

 ንነዊሕ ዓመታት ኣብዞም ስፍራታት ጥበብ መብዛሕትኦም ፃምእ ኪነ ጥበብ ዓጊቦም ‘ዮም::ኪናዊ ፃምኦም ረውዮም ‘ዮም:: በቲ ዘፈር ፅዕንቶ ምፍጣርን ኣኽብሮት ክረኽቡን ክኢሎም ‘ዮም::ኣፍቀርቲ ኪነ ጥበብ ድማ እናተዳፍኡ ካብ መኣዲ ጥበብ ተቛዲሶም ‘ዮም:: ድግስ ኪነ ጥበብ ተሰሪዖም ተዓዲሞም ‘ዮም::ኣፍተን ስፍራታት ኪነጥበብ ሃገር ፍቅር፣የኢትዮጵያ ብሄራዊ ትያትር፣ራስ ቲያትርን ኻልኦት ቤት ትያትራትን ንዘበናት ኪናዊ ስራሕቲ እናተሰርሐሎም፣ኪነት እናገነነ፣ጥበብ እናፈሰሰ ፀኒሑ ‘ዩ:

: እዞም ስፍራታት ኪነ ጥበብ ብብርኪ ሃገር ስሙያት ሰብ ሞያ ኣፍርዮም ‘ዮም:: ብሙዚቃ ትያትርን ዝኣመሰሉ ዘፈራት ስነ ፅሑፍን ዝሳተፉ ብዙሓት ከየንቲ ‹‹ገዛና ›› እናበሉ ይፅውዕዎ:: ቕድም ክብሉ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ብተዓደምቲ ተጨናኒቖም ከም ዘይነበሩ ሎሚ ግና ፈፂሙ ኣብ ዝተፈለየ ኹነታት ይርከቡ:: እዚ ገፅትኦም ንምቕያርን ቕድም ክብል ዝተላበስዎ ግርማ ሞገስ ንምልባስ፤ኢሉ ‘ውን ግልጋሎት ኣወሃህብኦም ብፅቡቕ መልክዑ ንምህናፅ ምንቅስቓስ እናተገበረ ‘ዩ::ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት ባህልን ትያትርን ዝዛዘመ እንትኸውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤት ትያትር መናእሰይን ህፃናትን ኣዲስ ኣበባ እናተዛዘመ ከም ዝኾነ ገሊፁ::

ካብ መንጎኦም እቲ ፈላማይ ቤት ትያትር ኣፍሪካ ‹‹አገር ፍቅር ትያትር ቤት›› ተሓዲሱን ብዝሐሸ መልክዑ ተደራጅዩን ስርሑ ንምጅማር ምንቅስቓስ ኣብ ምግባር ይርከብ:: ‹‹የኢትዮጵያ ብሄራዊ ትያትር›› እንተኾነ ‘ውን ሙሉእ ንሙሉእ ስርሑ ጠጠው ከየበለ ጎናጎኒ ኹለመዳያዊ ገፅታ እቲ ቤት ትያትር ኣብ ምሕዳስ ይርከብ:: እቲ ኻሊእን ኣብ ከተማና ካብ መንጎ ዝርከቡ ዓበይቲ ቤት ትያትራት ሓደ ዝኾነ ‹‹ራስ ትያትር›› ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ፈሪሱ ግልጋሎት ከይሃበ ፀኒሑ ‘ዩ::ስሙያትንብሞይኦም ዝተኸበሩ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ንሃገር ዘበርከተ እዚ ቤት ትያትር ኣብ ቐረባ እዋን ከም ዝሓልፈሉ ተነጊሩ ‘ዩ::

እዚ ንዘበናት ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ንህዝቢ እናቕረበ ዝፀንሐ ቤት ትያትር ብእርጋን ምኽንያት ዝፈረሰ ፤ ቕድሚ ሐዚ ዝነበሮ ገፅታ ብዝሐሸ ኹነታት ንኽህልዎን ነቲ ገዛ ዝምጥን ዲዛይን ንምውቓር ብከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ 25 ሰነ 2014 ዓ/ም እምኒ ኹርናዕ ተቐሚጥሉ ስርሑ ጀሚሩ ‘ዩ:: ኣፍቲ እምነ ኹርናዕ ፍሉጣት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ህንፀትን ሃገረ ኢትዮጵያ ዓብዪ ውፃእ ውረድን ዋጋ ዝኸፈሉ ኪነ ጥበባውያን ተረኺቦም ‘ዮም:: ብኽብሪ እንግዶት ተረኺቦም እምነ ኹርናዕ እቲ መሰረት ዘቐመጣ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤እቲ ምምሕዳር ንስራሕቲ ኪነ ጥበብ ዓብዪ ትኹረት ከም ዝህብን ነዚ ድማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ መሰኻኽር ከምዝኾኑ ጠቍመን::

 ‹‹ንኪነ ጥበብ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ኣብ ምስራሕ ንርከብ›› ዝበላ እተን ከንቲባ ኣብዛ ከተማ 10 ቤት ትያትራት ኣብ ምህናፅ ከም ዝርከብን ፍርቆም ከም ዝተዛዘሙ፤ብኻልእ መዳይ ድማ ኣዳራሽ ባህሊ ናይቲ ቤት መዘጋጃ ብዝማዕረገ መልክዑ እናተሃነፀ ከምዘሎ ኣልዒለን::ራስ ቲያትር ብዙሓት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ዘፍረየ ገዛ ብምዃኑ ብርኩ ዝሓለወ ህንፀት ንምክያድ ከም ዝተሓሰበን በዚ ድማ እቲ ፈላማይ ሓዱሽ ቤት ትያትር እምነ ኹርናዕ ከም ዘቕመጣ ጠቍመን:: ቕድም ክበል ኣብ ራስ ትያትር ዝሰርሕ ዝነበረ ኣርቲስት ኤልያስ ተባበል ብወገኑ ራስ ትያትር ንመብዛሕትኦም ቤተ ጥበብ ከም ዝኾነን ኣብ ህይወት ዘበኑ ብስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ዘሕለፎም ፅቡቓት ፃንሒታት ራስ ትያትር ፍሉይ ከም ዝነበረን ኣብዚ ብዙሕ ከም ዝተምሃረን ምስ መሳርሕቱ ዝነበሮ ፃንሒት ዘደንቕ ከም ዝኾነ የልዕል:: ኣርቲስት ደበሽ ተመስገን ኣብ ራስ ቲያትር ንዓመታት ተሳቲፉ ‘ዩ::

ኣብዚ ቦታ ጥበብ ተማሂሩን ዓርሱ ንህዝቢ ከም ዘፋለጠን በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ቤት ትያትር ከም ዝፈትዎን ብዙሕ ተዘክሮ ከም ዘለዎን ብምግላፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓዱሽ መልክዕ ንምህናፅ ምእቃዱ እንትሰምዕ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ተስፋ ከም ዝበርሀን ዝሐሸ ኾይኑ እንትስራሕ ምርኣይ ከምዝምነይን ገሊፁ:: ዕብየቱ ብብርኪ ሃገር ከም ኣጀማምርኡ ዘይምዃኑ ዝዝረበሉ ዘፈር ትያትር ብዙሓት መሰናክላት እናሓለፈ ከም ዝመፀን ንትያትር ምቹው ዓውዲ ከም ዝተስኣነ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ደጋጊሞም ይገልፁ::እዚ ፀገም ንምቕራፍ ድማ ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሰርሑ ዘለዉ ንጥበብ ትያትር ኢሉ ‘ውን ንሓፈሻዊ ዕብየት ኪነ ጥበብ ምቹው ኹነታት ዝፈጥሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከም ዝግባእ ምሕባር ንፎቱ::

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም

Recommended For You