‹‹ደካማ ሰባት ድኽመቶም ዝፅግኑ ብሄር ወይከዓ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር እዩ ›› ሸኽ መሓመድ ሲራጅ

ኣብ ውሽጢ እስልምና ብልዑል ድምቀት ካብ ዝኽበሩ ኽልተ ዒዳት (ባዓላት) ኣለዉ እቲ ዓብይ ረመዳን ፆም ብምውዳእ ዝኽበር ዒድ ኣልፈጥር እንትኾን ፣ኻልኣይ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ስነ ስርዓት ሓጂ ስዒቡ ዝመፅእ ኢድ-ኣልኣዳሓ (ዓረፋ) ባዓል እዩ። ሎሚ መበል 1442 ዒድ ኣልፈጥር ባዓል መሰረት ብምግባር ባዓል ዒድ ትርጉም ተተሓሒዙ ከምኡ’ውን ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ሓዊሱ ሓፈሻዊ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዙርያ ምስ ኣባል ቤት ምኽሪ ኡለማ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ዕርቕን ሼህ መሃመድ ሲራጅ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝተገበረ ቃለ መሕተት ኣቕሪብናልኩም ኣለና፣ ሰናይ ንባብ።

ሕቶ፡-ዒድ ኣልፈጥር ባዓል እንታይ ዓይነት ትርጉም ኣለዎ ፣ከመይ እዩ ዝኽበር ?

ሸኽ መሓመድ ፡– ዒድ ማለት ብተደጋጋሚ ዝኽበር ናይ ሓጎስ በዓል ማለት እዩ። ዒድ ኣልፈጥር እንትኾን ድማ መዛዘሚ ፆም መወድኢ ክብረ በዓል ከም ማለት እዩ። እዚ በዓል ኣብ ብዙሕ ሃገራት ብዝተፈላለዩ መገዲ ዝኽበር እንትኸውን ፣ሓባራዊ ዝኾነ ነገራት ብኣብዝሓ ዘተኣናግድ እዩ። ኣብዚ በዓል ኹሉ ኣመንቲ ብጉሓት ተላዒሎም ፍሉይ ሶላት ስግደት ናብ ዝግበረሉ ቦታ ይኸዱ። እዚ ስግደት ኣብ መስጊድ ውሽጢ ወይ ድማ ኹሉ ኣማኒ ዘሰባስብ ሓደ ግልፂ ዝኾነ ቦታ ይግበር።

ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ብጉጅለ እናኾኑ ናይቲ በዓል ዝውድሱ ዜማታት /ነሺዳ/ብምግባር ናብ ስግደት ቦታ ይኸዱ። ድሕሪ ስግደት ድማ ናይቲ በዓል ድግስ ብምግባር ምስ ዘመድ ኣዝማድ ከምኡ’ውን ምስ ጎረቤት እቲ በዓል ብሓጎስ እዮም ዘሕልፉ። ዘመድ እናዞርኻ ምጥያቕን አንኳዕ ኣብፀሐኩም ብምባል ኢድ ኣልፈጥር ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ዓይነት ምግቢ ከም ሃገሩ ባህል ዝተፈላለየ እንተኾነ ‘ውን ፍሉይ ምግቢ ምድላው ግና ዘይቐሪ እዩ። ሓደ እስልምና ኣብ ረመዳን መፍጠሪ እዋን ምፅዋት ዘይሃበ እንተኾይኑ ኣብ ኢድ ኣልፈጥር በዓል ንምስኪናት ዘካ ምሃብ ኣለዎ። ምግቢ ወይ ገንዘብ ውህብቶ ክኾን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ሙስሊም በዓል ደጊሶም ድኻታት ዝምግብሉን ዝኸድንሉን እቲ ሓደ ሚስጥር እዚ እዩ። ስለዚ ካብ ዘለዎ ምክፋልን ሓቢርኻ በዓል ምሕላፍ ናይ በዓል ዒድ ሰናይ ተግባር ተገይሩ ዝውሰድ ሃይማኖታዊ ሕጊ እዩ። ስለዚ እዚ በዓል ብኹሉ ህዝበ ሙስሊም ዓብይ በረኸት ሓጎስ ዝሕፈሰሉ ፣ሰናይ ተግባር ዝስረሐሉ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ፣ዝኽበር እውን በዚ መልክዑ እዩ።

ሕቶ፡- ህዝበ ሙስሊም ዒድ እንተኽበር ብምርድዳእን ብምምኽኻርን እዩ፣ኸዚ’ውን እዚ ባህሉ ሒዙ ንክጓዓዝ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ሸኽ መሓመድ ፡- እዚ በዓል ሓጎስ ማዓልቲ እዩ፤ብሓጎስ እዚ ብዓል ምሕላፍ ኣለዎ፣ሓጎስ ድማ ዝመፅእ ካብ ሕብረት ፣ዘሎ ንዘይብሉ ብምሃብ ካብ ምትሕስሳብን ሓጎስ ካብ ዘምፅኡ ነገራት ካብ ምስራሕ እዩ። መስገዲ ቦታ ካብ ምክፋል እዩ ዝጅምር፣ብምንም መልክዑ ሓዘን ወይ ከዓ ሓደ ሰብ ክኽፋእን ኣኒኢስካ ምርኣይ ኣይፍቀድን። ምክብባር ድማ ግድን እዩ ብሰናይ ነገር ምምኽኻር’ውን ይጥይቕ እዩ ስለዚ እዚኦም ምግባር ናይ ድልየት ግድን እዩ ዝኸውን ። ኣብ መዓልቲ ዒድ ዝሃበ ፣ሰናይ ነገር ዝሓሰበ ዝበለፀ እዩ ዝኽፈሎ። ካብ ፈጣሪ ክረኽቦ ዝደልዮ ነገር ባዕሉ ክገብር ኣለዎ። ምኽንያቱም ተንኮል ጥራሕ እንትቐሪ ሰናይ ተግባራት ካብ ፈጣሪ ወፃኢ ኣይርከብን። ስለዚ ኣብ ሜዳ ዒድ ዝግበር ኹሉ እስላማዊ ሕጊ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወፃኢ ተንኮል ዝተመልኦ ተግባር እንተወጊና ናይ ሰይጣን እንበር ካብ ፈጣሪ ምዃና ይቐሪ እዩ። ስለዝኾነ ንማንም ብዘይምድፋእ ብዘይምጭኽኻን ፣ ብምትሕዝዛንን ብምክብባርን ዒድ ክነሕልፍ ኣለና።

እስላም ኢዱ እግሩ ፣ምልሓሱ ሓዊሱ ሰላማዊ ክኾን ኣለዎ። ምልሓስ ደም ወዲ ሰብ እናፍሰሰ እዩ፣ምልሓስ ወዲ ሰብ እናጓነፀ እዩ፣ምልሓስ ዓለም እናፍሰሰ እዩ። ካብ ምልሓስና ፣ካብ ኢድን እግርናን ተቖጢብና ሰናይ ነገራት ብምግባር በዓልና ብሓጎስ ክነኽብር ኣለና። ሰላም ንኹሉ ኣድላይ እዩ ምኽንያቱ ሙስሊም ሰላም ኾይኑ ማለት ክርስትያን ‘ውን ሰላም እዩ ዝኸውን። ጎረቤት’ውን በሊዑ ፣ደቂሱ እዩ ዝሓድር። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለና ሙስሊምን ክርስትያንን ሓጎስና ፣ሓዘናን ሕብረት ዝህልዎ እንትኸፍኣናን ፣ክንሑጎስን ብሓባር እንትኸውን እዩ፣ እዚ ሓሲብና ክንንቀሳቐስ ኣለና። ንሕና ክኸፍኣና ዝኸፍኦም እንትንሕጎስ ዝሕጎሱ ሓጎሶም ክንኽልኽሎም ኣይግባእን። ምኽንያቱም ናትና ደስታ ስለዘደፍርስ ሁከት ፣ደም ምፍሳስ ባህሪ ሙስሊም ኣይኮነን። እኳዳኣስ ብእስልምና ብቃላት ሓደ ሰብ ክኽፍኦ ዝገበረ ሰብ ብኣላህ ተሓታቲ እዩ። ስለዚ ደስታና ውልቃዊ እንተይኾነስ ሃገራዊ’ውን ክኾን ኣለዎ።

ኣብ ዒድ ኾይኑ ዝስራሕ ሕማቕ ስራሕ ኾነ ሰናይ ስራሕ ዓለም ዝሪኦ ስለዝኸውን በዚ ልክዕ ለኪዕኻ ምርኣይ የድሊ እዩ። ንሕና ንዓለም ክነካፍል ዘለና ሓጎስና ጥራሕ ክኾን ኣለዎ። ፀገም እንተሃልዩ ባዓልና ክንፈትሖ ይግባእ። በዓል እውን እነሕልፍ በዚ መልክዑ ክኾን ይግባእ።

ሕቶ፡- ኸዚ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ሓደ ሓደ ፀረ ሰላም ሓይልታት ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ጎንፂ ክፈጥሩ ተስተውዒሎም እዮም፣እዚ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ህዝቢ ሙስሊም ዝነበረ ምትሕግጋዝ ባህሊ ብኸመይ የቐፅል ይብሉ ፣እንታይስ ክግበር ኣለዎ?

ሸኽ መሓመድ ፡- መጀመርያ ፃውዒት ናይ መን እዩ ዝብል ምፍላይ ነዚ ኹሉ ፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ‹‹ምኽንያቱም ኸዚ ንዘለናዮ ፀገም ዘብፀሐና ናይ ተንኮል ፃውዒት እዩ፤ ትኽክለኛ ፃውዒት ዘይምኽታልና እዩ። ተንኮል ዘለዎ ፃውዒት ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኣይቕበልን። ኢትዮጵያውን ባዕሎም ንባዕሎም ዘጓንፅ ፣ሙስሊም ምስ ሙስሊም ዘጋጨጭዉ ፣ምስሊም ምስ ክርስትያን ዘላትም ፃውዒት ሰናይ ኣይኾንን። እዚ ፃውዒት ዝሰምዑ ሰባት ድማ ናይ ሰይጣን ተላኣኽቲ እዮም። ምኽንያቱም እዚ ፃውዒት ሰይጣናዊ እዩ ፅቡቕ ዝሓስብ ፃውዒት ኣይኮነን።

መንነቱን ማንነቱን ዘይፈልጦ ሰብ ብፌስቡክ ክፅወዐኒ ከሎ ምምርማር ዘይኽእል ንምንታይ እዩ? ምኽንያቱም ኣነ ሙስሊም እየ። ሙስሊም ድማ ሰላም ‘ምበር ፅልኢ ኣየለዓዕልን ፣ኣቀፃፃልን ኣዋጅ ተንኮል ኣዋጂ ኣይኮነን። እና ኣነ ኣማኒ ክሳብ ዝኾን ብዘክፋእኽዎ ልክዕ ከምዝኸፍለኒ ይፈልጥ እየ። ኣላህ ኣብ ቁርዓን ከምዘቕመጦ ‹‹ሎሚ ኣብ ቕድሚ ፈጣሪ ሰብ ኹሉ ይቐርብ እዩ፤ኣብ ቕድሚ ክቐርብ ከሎ ድማ ጥርሑ ኾይኑ እዩ። ኣብቲ ግዘ ሎሚ እትሕሹ ምልሓስ ትዕሸግ እያ፣እዚ ፈጣሪ ስለ ዝፈርሕ ፃውዒት ተንኮል ክመፅእ ኸሎ ኣይኾንን እየ ዝብል ፣ንከይፍረደኒ ኣይፈርድን። እዚ ፃውዒት ዝገብር ሰይጣን ስለዝኾነ ኣላህ ገዲፈ ንምንታይ ንሰይጣን ይእዘዝ። ስለዚ ህዝበ ሙስሊም እምነቱ እናሓሰቡ ፃውዒት ኣላህ እንበር ናይ ሰይጣን ፃውዒት ክሰምዑ የብሎምን። ናይቲ ፃውዒት መንነት ተፈሊጡ ምኽታል እንተመፂኡ ሃገርን ሰብን ሰላም ይኾን እዩ። ሰይጣን ግልፂ ዝኾነ ፀላኢኹም እዩ። ሰብ ምስ ሰብ ዘጓንፅ ፣ደም ወዲ ሰብ ዘፍስስ ፣ህይወት ወዲ ሰብ ዘቕጥፍ ሰብ ካብ ሰይጣን ኣይፍለን። ፃውዒት ፀላኢ ማንም እሺ ክብል ኣይግባእን፤ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጥራሕ እንተይኾነስ መጥቀሚ ዝገብረና ናይ ወጻኢ ፀላኢ እዩ። እዚ አይንቕበልን ኢልና ብሃገርና ዝመፀ ምስ ኣሕዋትና ሓደ ብምዃን ካብ ክፉእ ዝኾነ ነገር ክንሕሉ ይግባእ። ኣብ ማእኸልና ምቅሕሓር እንተሃለወ’ውን ፀላኢ ምስ መለስና ብምምኽኻር ምፍታሕ ስለዝካኣል እዚ ስኽን ኢልካ ምሕሳብ ይግባእ።

ኣእምሩኡ ፅቡቕ ዝሓስብ ሰብ ብሃገሩ ኣይደራደርን ፣ሕማቕ ፃውዒት’ውን ኣይቕበልን‹‹ሎሚ ሃገር ዘድልያ ከምዚ ዓይነት ሰብ ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ሰብ ንኹነላ። ኢትዮጵያውያን ሙስሊም ክርስትያንን ብታሪኽ ምትሕስሳብን ምክብባርን’ምበር ምቅሕሓር ኣይፈልጡን። ሕብረት እንበር ምፍልላይ ባህሪኦም ኣይኮነን። ሓሓሊፉ ዘቋሰሉና ሰባት ስልጣን ደለይቲ ይኾኑ’በር መሰረታዊ ናይዚ ህዝቢ ናብራ ግና ካብዚ ዝተፈለየ ዝነበረ ታሪኹ ዝሓዘ እዩ። እዚ መንነት ዝፈታተኑ ክፍኣት ፃውዒት እትገብሩ ስርዓት ግበሩ፣ዓሪፍኹም ኮፍ በሉ ምባል እውን ኣድላይ እዩ።

ሕቶ፡- ከም ኢትዮጵያዊ ሓድነት እስልምናን ክርስትናን ከመይ ይገልፅዎ?

ሸኽ መሓመድ፡- ከም ኢትዮጵያዊ እንተሪእናዮ ብዙሕ ነገራት ምልዓል ይካኣል እዩ። ንኣብነት እስልምናን ክርስትናን ካብ ቤተሰብ እዩ ዝጅምር። ብኣቀማምጣ ገዛ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ፣ብቤት ትምህርትን ብብርኪ ትካል ዝተጣየሸ ፣ብመውስቦ እዚ ኣይቕበልን ዝባሃል ኩነታት የለን። እዚ’ውን ሓድነትና ካብዚ ከምዝጅመር ፅቡቕ መርኣያ እዩ።

ኣነ ኢትዮጵያዊ ሙስሊም እየ፣ኣነ ኢትዮጵያዊ ክርስትያን እየ ዝብል ሰብ በዓላት ፋሲካን ዒድን ኣከባባራ ምስቲ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና ብምርኣይ ምቅሕሓር የጥፍእ እዩ። ምኽንያቱ ፋሲካ ንክርስትያን እንተኾነ’ውን ሙስሊም ጎረቤት ዘለዎ ኹሉ ብሓባር ዘኽብሮ በዓል እዩ። ዒድ እውን ክርስትያን ጎረቤት እንኳዕ ኣብፀሐካ እናተብሃለ ዘኽብሮ በዓል እዩ። ናይ ሎሚ ብፍላይ ብፆምን ፀሎትን ተሓባቢሩ ሓደ ኾይኑ ኣብዚ ኸዚ ዘለናዮ ዝበፅሐ እዩ። ስለዚ ብእምነት ተኾራሪፎም ተፈላልዮም ኣይፈልጡን። ብሓድነት ባህሊ እናላዓሉ ይኸዱ እንበር።

ሕቶ፡- እዚ ኹሉ ባህልን ምትሕስሳብን እንተሃልይና ብኸመይ ጎንፂ ንክፍጠር ኾይኑ ?መን እዩ እዚ እናገበረ ዘሎ?

ሸኽ መሓመድ፡– ካብ ኻልኦት እንወስዶ ብዘይምፍላጥና፣ ምትሕግጋዝ ብዘይምኻኣልና ፣ ብምምኽኻር ፀገማት ካብ ምፍታሕ ተቓራኒ ንምርኣይ ድልዋት ምዃና እዩ። ኢትዮጵያዊ ዘይኾነ ሙስሊም መፂኡ ናትኻ ወገን እየ እሞ ተኸተለኒ ክብለና ኸሎ ቅድሚ ምኽታልና ኣነ ኢትዮጵያዊ ሙስሊም እየ ምባል ዘይምልማድና እቲ ሓደ ፀገም እዩ። መንነትና ኣብ ሃገርና ምግላፅ ካብ ማንም ንላዕሊ ካብ ፀገማት የድሕን እዩ።ኾይኑ ግና እዚ ክንገብር ኣይንራኣይን ፣ንሳቶም ብብዙሕ ነገረ ክሽርሹርና ይደልዩ እዮም ፣ግና ክንሳዓር የብልናን።

ሓድነትና ዝሽርሽሮ ብሰናይ መልክዑ ካብ ምርኣይ ኣሉታዊ ንምርኣይ ምድላይ ይመስለኒ። ሕማቕ ጎንና እናንፀባረቑ እቲ ሰናይ ተግባር እናቐበሩ ዘለዉ ድማ ዓቕሞም ንምጉልባት ሃይማኖት ወይም ብሄር ሽፋን ብምግባር ዝሰርሑ ኣካላት እዮም። ስብከትና ብኣሉታዊ በምዃኑ እቲ ሓደ ፅዕንቶ ፈጣሪ እዩ። ምኽንያቱ መንእሰይ ችኩል እዩ ኹሉ ምንካእን ምርኣይን እዩ ዝደሊ። ፅቡቕ ገይርና እንተይ ዘይቐሪፅናዮ ድማ ልምዓት ፣ጉልበት ፣ሃፍቲ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ክንስእኖ ኢና። እዚ ኾይኑ ማለት ድማ ሰባት ፀዋርና ቐባርን ይስእኑ እዮም፣ሃገር ሰላማ ክድፍርስ እዩ። ዝትክእ ወለዶ ድማ ብቕንዕና ኣእምሮ ምቕራፅ ክኸብድ እዩ። ስለዚ እዚ እናጋጠመ ዘሎ ናይዚ ፍረ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብምምሃርን ብመፅናዕትን ምምላስ ኣድላይ እዩ። ስለዚ ወለዲ ኣብ ደቆም ስራሕ ምስራሕ ኣለዎም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝዋሃብ ትምህርቲ’ውን መንግስቲ ብዝግባእ ክፍትሽ ይግባእ። እዚ ተግባር ስራሕ ወፍሪ ይሓትት እዩ። ስለዚ ፀገሙ ብምፍላይ ፍታሕ እናተውሃቦ ንክኸይድ ቀንዲ ተግባር ምግባር ኣለና።

ሕቶ፡- ብብርኪ ሃገር 98 ሚኢታዊ ኣማኒ እዩ ይበሃል። እቲ ፀገም ዝፈጥር’ውን ንሱ እዩ፤ብመንፅር እዚ ምእማን ከመይ ይገልፅዎ?

ሸኽ መሓመድ ፡- ኣብ ሃገርና ናብ ዘይንፈልጦ ኸባቢ እንትንኸይድ መሕደሪ እንሓትት ናብ ፍሉጣት ኣቦታት ሃይማኖት ብምኻድ እዩ። ምኽንያቱ ይጎድኡኒ እዮም ዘይኮነስ፤ኣብሊዖም ኣስትዮም ተኸናኺኖም ከሕድሩኒ እዮም ኢልና ስለ ንኣምኖም። እዚ ዘርእዮ ድማ ንዓኣቶም ዘለና ዓብዪ ቦታ እዩ። መግለፂ ናይቲ እምነት ‘ውን እዚ እዩ እምነት ብኣከዳድና ክፈላለይ ይኽእል ‘ምበር ብተግባር ሓደ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዋና መሰረቱ ፅቡቕ ምግባር፣ፅቡቕ ምሕሳብን ምንባርን እዩ። ሓደ ሰብ ኣማኒ እዩ ዘብሎ ስርሑ ‘ምበር ዘረብኡ ወይ ድማ ኣከዳድንኡ ኣይኮነን። ዝኾነ እምነት ኽፍኣትን ምቅሕሓርን ኣየምህርን። እኳ ድኣስ እንተኽኢልኩም ምስ ኹሉ ብሰላም ንበሩ እዩ ዝብል ፈቲኻ ከይፎተኻ ‘ውን ምስ ዘይመስለካ ምንባር ግድን እዩ።

ሰባት ብእምነት እንተነቢሮም ምድግጋፎም ማንም ክሽርሽሮ ኣይኽእልን። ኢትዮጵያውያን ዘለና ምትሕስሳብን ሓድነትን ኣብ ኹሉ ዓለም ዝፍለጥ እዩ። ኾይኑ ግና ሐዚ ዘለና ግብሪ ንእምነትና ዝገልፅ ኣይኮነን። ስለዝኾነ እምነትና ናብ ኻልኦት’ውን ክነተኣታትዎ ይግበአና። ኣንሕና እንተኣሚና ብዙሓት ኣመንቲ ክነፍርይ ንኽእል ኢና። ኣንሕና ከይኣመና ግና ዘይሕሰብን ዘይኸውንን ነገር እዩ።

ሕቶ፡- ኣብ ሃገርና ምስ ዝመፀ ለውጢ ተተሓሒዙ ብዙሓት ፀገማት ምስ ብሄርን ሃይማኖትን እንትትሓሓዙ ይስትውዓል። እዚ ኹነታት መንቀሊኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል?ብኸመይኸ ክፍታሕ ይኽእል?

ሸኽ መሓመድ ፡- ድኹማት ሰባት ድኽመቶም ዝፅግኑ ብሄር ወይ ድማ ሃይማኖት ሽፋን ገይሮም እዮም።ሐዚ እናተርኣየ ዘሎ ፀገም ድማ ድኹማት ዝፈጠርዎ ፀገም እዩ። ጥዑያት ሰባት ስምዒቶም ብግልፂ እዮም ዝዛረቡ፤በሰንከይ ሰብ ክጉዳእ የብሉን እዮም ዝብሉ። ሰብነቶም ተረዲኦም ንሰባት ፅቡቕ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዕሉን። እቲ ፀገም ኣብ ርእሲኦም ከምዝበፅሕ ይፈልጡ እዮም። ኣነ ሰብ እየ ኣብዛ ምድሪ ዘለኒ ፃንሒት’ውን ጊዚያዊ እዩ።

ጥዑያት ሰባት ሕማቕ ታሪኽ ኣየመዝግብን ዝብሉ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ዘተኣሳስር ስርዓተ እምነት ዝሕሉ ተግባር ዝፍፅሙ እዮም። ንወገነይ ብምቑሳል፣ብምድማይ፣ህይወቶም ብምቕዛፍ፤ሃፍቶም ብምዝራፍ ታሪኸይ ኣይቐብርን ዝብሉ ስለዝኾኑ ኣብ ግብረተ ኽፍኣት ኣይሳተፉን። ኣብ ፈጣሪ ‘ምበር ብዝኾነ ኣካል ክጉልበቡ ኣይደልዩን። ዓቕሞምን ጉልበቶምን ፈጣሪኦም ስለዝኾነ፤ሕማቕ ተግባር ካብ ኣመንቲ ዘይኮነስ ካብዚኦም ወፃኢ እዩ።

ከም ኣማኒ ኾይነ እንትሓስብ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄርተኛ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ምኽንያቱ ሙስሊምን ክርስትያንን ጥራሕ ዘይኮነስ ትግራዋይ፤ ኦሮሞ፣ኣምሓራይ፣ዓፋርን ጉራጌን፣ሱማሌን ቤንሻንጉልን ወዘተ ብመውስቦ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ድማ ፅርይ ዝበልኩ እየ ንምባል ዘኽእል ኹነታት የለን። ታሪኽ’ውን ነዚ ኣይነግረናን። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሄርተኛ ዘምስልዎ ድኹማት ዝጥቀሙሉ ስራሕ እዩ። ንመጎልበቲ ዓቕሞም ሃይማኖትን ብሄርን ተጠቒሞምሉ እዮም። ዓይንና ቋሕ እንተቢልና ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኹሉ መዳይ ኣይተፈላለየን። እኳድኣስ ኹሉ ነገሩ ማይን ፀባን ከምዝኾነ ብግልፂ ምርኣይ ይከኣል። ይኹን ‘ምበር እዚ ንኸይርኣይ ዝደፍኑ ኣካላት ኣለዉ። ብዛዕባ ብሄር ይኹን ሃይማኖት ዘላኽዕ መን እዩ ዝብል ክንምርምር የድሊ። ምኽንያቱ እዚ ዝገብሩ ፀገም ምግንዛብ ዘለዎምን ጥቕመኛታትን ስለዝኾኑ ነዚኣቶም ጠጠው ክነብሎም ይግባእ።

እምነት ዘለዎ ህዝቢ ብዝኾነ መልክዑ ኣብ ሓድነቱ ኣይደራደርን። ንግብረተ ኽፍኣት’ውን ኣይተሓባበርን። እቲ ዝሳተፍ’ውን እሱ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ምፍንቓላት፣ምጥፋእ ህይወት ብብሄርን ብሃይማኖትን ዝተመኽነየ ‘ምበር ኣፍቲ ህዝቢ ዘሎ ከምዘይኮነ ብምእማን ብሓድነት ነቲ ፀገም ፍታሕ ምሃብ ኣድላዪ እዩ።

ሕቶ፡- ከምዝፍለጥ እቲ ፆም ተወዲኡ ኣሎ፤ ጎናጎኒ ምርድዳእን እናተርኣየ እዩ። ንቐፃሊ እዚ ተግባር ንኸይቋረፅ ህዝበ ሙስሊም እንታይ ክገብር ኣለዎ ይብሉ?

ሸኽ መሓመድ ፡- ፆም ማለት ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ዝራኸብሉ ድልድል እዩ። ካብ ፈጣሪኡ ድላዩ ዝረኽበሉ’ውን እዩ። ብፍላይ ድማ ካብ መዓትን ፀገምን ፈጣሪኡ ንኸድሕኖ ዝልምነሉ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ቁርዓን ከም ዝተጠቐሰ፤ ‹‹እቶም ዝሓዝኑ ሓዛኒ ጎይታ ይሓዝነሎም እዩሞ›› እዚ ፆም እንሓዝነሉን እሱ ድማ ንኽሓዝነልና እንገብረሉ እዩ። ፈጣሪ ድማ ዓስቢ ዝኸፍለና ዘሐጉስ ስራሕ ክንሰርሕ ከለና እዩ።

ምዝዛም ናይቲ ፆም ንኹሉ ደስታ ምፍጣር እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን ነቲ ዘለና ፀገም ክንፈትሕ ከለና እዩ፤ንህዝብን ንሃገር ዝጭነቕ ብተግባር ሰላም ምስፋን እንትኽእል ጥራሕ እዩ። እቶም ዝተፈናቐሉ ወገናትና ጉዳይና እዮም። እቶም ስድርኦም ዝስኣኑ ክፅናዕንዑ ስለዝግባእ ክንበፅሖም ኣለና። ዝኽኣልናዮ ንምግባር ድማ ግቡእና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ክንገብር ከለና እቲ ሕማቕ ኣረኣእይኦም’ውን ክነጥፍኣሎምን በዓልና በዚ መልክዑ ክሓልፍ ይግበኦ።

ፅቡቕ ስራሕ ገደብ እዋን የብሉን። ተወሳኺ በረኸት ንምርካብ ድማ ብቐዋምነት ሕያዎት ክንኸውን ግድን እዩ። ፆመ ረመዳን እንትውዳእ’ውን እቲ ፅቡቕ ስራሕ ኣይውዳእን። እኳድኣስ ዕፅፊ ዓስቢ እንረኽበሉ ኢልና እንኣምኖ ስራሕ ክነቐፅል ኢና። ፅቡቕ ስራሕ ኣብዛ ምድሪ ብህይወት እስካዕ ዘለና ዝቕፅል እዩ። ምኽንያቱ ናይ ጀነት መእተዊ ቑልፊ እንረኽበሉ ስራሕ ስለዝኾነ፤ኣብዛ ጠጠው ዝበልናላ ቦታ ተንኮል ክንእርም ይግበኣና። መዓዝ ከም እንመውት ስለ ዘይንፈልጥ፤ኣብ እዋን ፆም ጥራሕ ዝተገደቡ ስለዘየለዉ ብተግባር እስካዕ መወዳእታ ብምርድዳእ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ሓደ ሱና ( ፅድቂ) ዝሰርሐ ሰብ ይህሰበሉ እዩ፤ ዘኾንኖ ስራሕ ዝተግበረ ድማ ብዕፅፊ ይታሓዘሉ ‘ምበር ዝንከየሉ ኣይኮነን። ስለዚ ፅቡቓት ስራሕቲ እስካዕ ዕለተ ሞት ክቕፅሉ ኣለዎም።

ሕቶ፡- ኣብ መወዳእታ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ሸኽ መሓመድ ፡- ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም ዝበሎ ኣብ ፅቡቕ ስራሕ ተሓባበሩ፤ኣብ ገበንን ግዕዝይናን ግና ከይትሳረፉ። ገበን ምትሕብባር ኣየድልዮን። ክንዲ ፍረ ሰናፍጨ እትኣክል ፅብቕቲ ስራሕ ዝሰርሐ ሰብ ውፅኢት ፅቡቕ ስርሑ ስለዝርኢ ነዚ ንምግባር ንፅዓር። እዚ ውህብቶ ንምርካብ ኣብ ፅቡቕ ምግባር ክንረባረብን ናይ ወትሮ ስራሕና ክንገብሮ ይግባእ። ኣብ እምነትና ጀነትን ሲኦልን ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ንኣምን ኢና ድማ፤ስለዝኾነ ኣብ ስራሕና ሒደት ተንኮል እንተሰሪሕና ዓስብና ሲኦል ከምዝኾነ ምሕሳብ በዚ ልክዕ ድማ እታ ሒደት ፅብቕቲ ስራሕና ድማ ናብ ገነት ከም እተእትወና ኣሚና ሕርያና ክነመዓራርይ አለና። እቲ ውፅኢት ተንኮል ዘይኮነስ፤ዓስቢ ናይቲ ፅቡቕ ስራሕና ብምብዛሕ ስራሕትና ፅቡቕ ምግባር ክኸውን ትኹረት የድልየና። እቲ ፅቡቕ እናወሰኽና ግብረተ ኽፍኣት እናነከይና ክንጉዓዝን እዋናዊ ስራሕና ክኸውን ኣለዎ።

ሃገርና ናይ ኹላትና እያ። ካብ ኹላትና ድጋፍ ትደልይ እያ ሰላም ንምምፃእ ድማ ናይ ኹላትና ስራሕ ይሓትት። ካብ ሓደ ኣንፈት ጥራሕ ሰላም ንኽወርድ ትፅቢት ክንገብር የብልናን። ኹሉ ሰብ እንትዕረቕን ብእምነቱ እንትጉዓዝን ሰላም ይወርድ። ነዚ ድማ ፀሎትን ትምህርትን ኣቦታት ሃይማኖት ግድን እዩ። ፖለቲከኛ ‘ውን ንሃገሩ ‘ምበር ንባዕሉ ጥራሕ ክሓስብ የብሉን። እቲ መንእሰይ ‘ውን ሱቕ ኢሉ ካብ ዝኸይድ ክምርምር ኣለዎ። መንግስቲ’ውን ግድኡ ክፃወት ኣለዎ። ኹሉ ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ዕሽሽ ከይበለ ስራሕ ንሓድነትን ሰላምን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣሚኑ ፅባሕ ዝሐሸ ንክኸውን ክሰርሕ ይግበኦ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ተንኮል እኳ ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን ተዘይኮይኑ ብዝኾነ መልክዑ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን፤ምኽንያቱ ተንኮል ኹሉ ዝበልዕ እዩ፤ኽቡራት ሰባት ዘዋርድ እዩ፤ኽብርቲ ሃገር ‘ውን ዘጥፍእ እዩ። ብምዃኑ ድማ ነቲ ተንኮል ጠጠው ኣቢልና እቲ ፅቡቕ ምግባር ንኽቕፅል ምርድዳእ ግድን ከምዝኾነ ክንሓስብ ይግበኣና። ጥዕይቲ ሃገር ንኽትህልወና እንተሓሲብና ብብሄርን ብሃይማኖትን እናተናቖርና እነምፅኦ ለውጢ ኣይህሉን፤ እዚ ጠጠው ኢልና ክንሓስብን እቶም ዝተዛብዑ ነገራት ኣሪምና ክንጉዓዝ ኹሉ ግድኡ ክሰርሕ ኣለዎ።

መሰረት ገ/ዮሃንስን ትርሓስ ፍቃዱን

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You