ፃዕራም ደራሲ

ወርሒ ሰነ ኣብ 4ኪሎ ኣብ ዝርከብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣዳራሽ ናይ ደራሲ ዘላለም መበል 15 ዝኾነ ‹‹የነፍስ ዜማ›› ዝተብሃለ መፅሓፍ ተፈለጥቲ ሰባት ኪነ ጥበብ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተመሪቑ ‘ዩ።ምሸት ትምህርቲ ቀትሪ ድማ ድልየት ጥበብ ንምስኻዕ ዝፅዕር ዝነበረ ዘላለም ምስ ካልኦት ብምዃን ሰለስተ ዝተፈላለዩ ናይ ግጥምን ሓፀርቲ ልበወለድ ስራሕቲ ብምሕታም ናብ ሞያ ድርሰት ኣትዩ ‘ዩ። ለይትን ቀትርን ምስራሕ ቀፀለ።ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሓደ ናይ ቀረባ ዝበሎ ሰብ ንፅሑፍ ምድላው ዝኾን ዝተበርከተሉ ኮምፒተር መግዝኢ ንዘዳለዎ ፅሑፍ ከሐትመሉ ወሲኑ ‹‹እፀ ሳቤቅ›› ዝተብሃለ ናይ ባዕሉ ስራሕ ንከሕትመት በቂዑ ‘ዩ።

በዚ ድማ ብዙሓት ፅቡቕ ርእቶታት ሂቦምዎ ‘ዮም።ዘሐተሞ ብቑፅሪ ዝበዝሐ ተዘይኾነ ‘ውን ኣብ ክልተ ወርሒ ተዛዛሙ ምስ ራኣየ ክበረታታዕ ክኢሉ ‘ዩ።ዝፈትዎን ዝደልዮን ስራሕ ምፅሓፍ ኣብ ዓለም ኪነጥበብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣሰር ንምፍጣር ስለዝነበረ እዚ መገዲ ስነፅሑፍ ብፃዕሪ ክጓዓዝ ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ዝፃሓፎምን ናብ ኣንባቢ ካብ ዘብፀሖም ስራሕቲ ውሽጢ እፀ ሳቤቅ፣ እፀ ጳጦስ ፣ኣሁን፣ እፀሲና ፣ሊቶስጥራ ፣ ብኤልዘቡል፣ ሽርፍራፊ ልቦች፣ ፍካትና ንጋት፣ የህይወት ዋጋ፣ ፊትና ኋላ ፣ አዳፍ ነብሶች፣ እንደ ፍቅር ፣ እውነት፣ ሰውነት፣ መውዳእታ መፅሓፍ ድማ የነፍስ ዜማ ዝተብሃለ ተጠቀስቲ ‘ዮም።ብፍላይ ድማ ናይ ማህበረሰብና ዝተፈላለየ መልክዓት ብግጥሚ ፣ብወግዑ ብነዊሕን ሓፂርን ልብወለድ እናገበረ ብምፅሓፍ ንኣንበብቲ ዘብፅሕ እዚ ደራሲ ፣ ብናቱ ናይ ኣፀሓሕፋ ስልቲ ናይ ኣተራርኻ ዘዴ ብዘቕርቦም ናይ መፅሓፍ ፅሑፋት ይፍለጥ ‘ዩ፡፡

 ብመፅሓፍ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ጉዳያት እናልዓለ ብፍሉይ ኣተራርኻ ስልቲ ብቃላት ተኸሺኑ ንኣንባብያን ዘቕርብ ደራሲ ዘላለም ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ሃገር ፣ ኣዶን ኣቦን ፣ ቤተሰብ ፣ ማሕበረሰብን ባህልን እምነትን ብዝተፈላለዩ ታሪኽ ከንፃባርቕ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ደራሲ ዘላለም የሳጥን ወርቅ ‹‹የነፍስ ዜማ›› ዝተብሃለ መፅሓፉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ኣብ ሃገርና ብስነ ፅሑፍ ፅዕንቶ ምሕዳር ዝኻኣሉ ባዓል ሞያታት ኪነጥበብ ተረኺቦም ነይሮም።ኣብዚ ደሚቕ ስነስርዓት ምረቓ ናይቲ ደራሲ ዝፀንሑ ስራሕቲ ትሕዝተኦም ብዝምልከት ሓሳብ ሂቦም ‘ዮም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኹቡር ጋሻ ዝነበረ መምህር ደራሲን ፀሓፊ ተዋስኦ አያልነህ ሙላቱ ናይቲ ደራሲ ስራሕቲ ብዝምልከት ኣብ መድረኽ ሓሳብ ሂቡ ነይሩ።

መናእሰይ ካብ ንባብ ርሒቖም ግዚኦም ኣብ ዘይረብሕ ቦታ ብምሕላፍ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኣብ ዘሕደርሉ ዘለዉ እዋን ከምኒ ደራሲ ዘላላም ዓይነት ፃዕራምን ብፅሑፉ ንሰባት መስመር ብምድሓዝን ማህበረሰብ ንምቅናዕ ከምኡ ‘ውን ኣተሓሳስባ ንምቕያር ዝፅዕር መንእሰይ ምርካቡ ተስፋ ዘለምልም ‘ዩ ብምባል ብዛዕባ እቲ ደራሲ መንእሰይ ዘለዎ ሓሳብ ሂቡ ‘ዩ። ስራሕ ኣካያዲት ማሕበር ደራስያን ኢትዮጵያ ደራሲት የዝና ወርቁ ብወገና ድማ ደራሲ ዘላለም ካብ ዕድሚኡ ንላዕሊ ስራሕቲ ብምስራሕ ዘኽአሎ ዓበይቲ ካብ ዝኾኑ ሰባት ትሕት ኢሉ ምኽሪ ብምቕባልን ብፅቡቕ ስነ ምግባር ምስ ሰባት ተረዳዲኡ ሞያ ካብ ዘለዎም ምምሃር ስለዝኻኣለ ከምዝኾነ ገሊፃ ‘ያ።

ኣብ ፅሑፉ ዘልዕሎም ርእሰ ጉዳያትን ከምተድንቕ ፣ጉዳያት ዝገልፆ መገዲ ፍሉይ ከምዝኾነ ዝገለፀት እታ ደራሲት የዝና፤ ብናቱ ዕድመ ዘለዉ መናእሰይ ክማሃርሉ ከምዝግባእ ገሊፃ ‘ያ።ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ብናቱ ዓይኒ ተመልኪቱ ናብ ካልኦት ንክኣቱ ብምግባር ፅዕንቶ ምፍጣር ዝኻኣለ ደራሲ ከምዝኾነ ገሊፃ። ጥበብ ብፍላይ ድማ መፅሓፍቲ ማህበረሰብ ብምህናፅ ትውልዲ ብምቕራፅ ዘለዎ ግደ ዓብይ ‘ዩ።ብዝተፈላለየ ምልከታ ኣዋዝዩ ብምርኣይን ብምምሃርን ደራስያን እዚ ውህብቶ ተረኪቦም በቢዘፈሮም ማህበረሰብ የንቅሑ ‘ዮም።ደራሲ ዘላለም የሳጥን ወርቅ ብመፅሓፍቱ ብዝፈላለየ መልክዑ ትውልዲ ብምምሃርን ምህናፅን እናፃዓረ እናሰርሐ ከምዝርከብ ፅሑፋቲ ኣብ መድረኽ ኣቕሪቦም ሓሳባም ብዝሃቡ ሃየስቲ ስነፅሑፍ ተገሊፁ ‘ዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You